አቡነ ዘበሰማያት
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
አቡነ ዘበሰማያት
(ዎ ኣሰማያት ትነብር አቦና ብኸመይ ንብል ?)
አቡነ ዘበሰማያት ረዚን መልእኽቲ
ከም ዘለዎ እዛ ሓጻር ጽሑፍቲ መረድኢት እያ።
አቡነ/የ
➽ከም ወዱ እንተዘይነርካ ብኸመይ አቦይ ትብሎ
ኣለኻ ?
አቡነ
➽.ንኻሊእ ጸሊእኻ ንባዕልካ ጥራሕ ፈታዊ እንተኾይንካ "ብከመይ አቦና ኢልካ ብሓባር ትጽዎዖ ኣለኻ?
ዘበሰማያት
➽ ምድራዊ ነገር ጥራሕ እናሓሰብካ "ብከመይ ብሰማያት እትነብር ትብሎ አለኻ?
ይትቀደስ ስምከ
➽ ልብኻ ካብኡ ርሒቑ ብመልሓስካ ጥራሕ እናጸዋዕኻዮ "ስምካ ይቀደስ ከመይ ትብሎ?
ትምጻእ መንግሥትከ
➽ ሥጋዊ ምስ መንፈሳዊ እናሓዋወስካ "መንግሥትኻ ትምጻእ ንምንታይ ትብሎ?
ወይኩን ፈቃድከ
➽ መከራ ብጸጋ ዘይትቕበል እንተደአ ኮይንኻ
"ፈቓድካ ይኹን ንምንታይ ትብል ?
ሲሳየነ ዘለለዕለትነ ሀበነ ዮም
➽ ንኸብድካ እምበር ንዝጠመዮም ሰባት ግዲ ዘይብልኻ እንተኾይኑ "ንምንታይ ናይ ዕለት እንጀራና ሃበና ትብል?
ኅድግ ለነ አበሳነ ወጌጋየነ ከመ ንሕነኒ ንኅድግ ለዘአበሰ ለነ
➽ ብመሓዛኻ ቂም ፣በቀል ሒዝካ፣ይቕረ እውን ክትብል ፈቓደኛ ዘይትኸውን "ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ከም እንብል" ይቕረ በለና ንምንታይ ትብል?
ኢታብአነ እግዚኦ ውስተ መንሱት
➽ ብናይ ኃጢአት መንገዲ እናተጓዓዝካ
"ናብ ፈተና አይተእትወና ንምንታይ ትብል?
አላ አድኅነነ ወባልሐነ እምኩሉ እኩይ
➽ ንሕማቕ ነገር ንምቅዋም ምንም ከይገበርካ "ካብ ሕማቕ ነገር አድሕነና ንምንታይ ትብል?
እስመ ዚአከ ኃይል ወስብሐት ለዓለመ ዓለም አሜን"
➽ነቲ ጸሎት ካብ ልብኻ ከይሰማዕካ ፣ከየዳመጽካ ንምንታይ አሜን ትብል ?
ጸሎት ብመልሓስካ ጥራሕ ዘይኮነስ ብልብኻ ፣እቲ መጽሓፍ ዝብሎ ነገር ብምስትውዓል እዩ ክኸውን ዝግባእ።እትደልዮ ነገር ንክግበረልኻ ንስኻ እውን ንኻልኦት ምግባር እዩ።
እኪ ሼር እውን እናገበርኩም ንኣሕዋትኩም አባጽሑ ሓላፊነትኩም እዩ።
ሰላም ለኩም
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!
Comments
Post a Comment