Posts

Showing posts from June, 2024

ዕርገት ክርስቶስ

Image
 በስመ ኣብ ወውልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!! ዕርገት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ዕርገት፥ ሓደ ካብ ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ኮይኑ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ምስ ተንሥአ ድኅሪ ኣርብዓ መዓልቲ ናብ ቀደም ክብሩ ከምዝተመለሰ ወይ ከም ዝዓረገ ዝገልጽ ዕለት እዩ። ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ንደቀ መዛሙርቱ መጽሓፈ ኪዳን መሃሮም፣ ብጉባኤ ሠለስተ ሳዕ ማለት ናይ ትንሣኤ፡ ኣግብኦተ ግብርን ናይ ጥብርያዶስንተራእዮም። ብሓፈሻ ድማ ዓሠርተ ሓደ ጊዜ ተራእዮም። ዮሓ. 21፡14  ቅድሚ ዕርገቱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ “አንትሙሰ ንበሩ ሀገረ ኢየሩሳሌም እስከ ትለብሱ ኃይለ እምአርያም”/ ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ኃይሊ ክሳብ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ” ብምባል ናብ ቢታንያ ወሲዱ፡ ኢዱ ኣንቢሩን ባሪኹን ክሳብ ፓትርያርክነት ዘሎ ሥልጣነ ክህነት ሃቦም። ክዓርግ ከሎ ናይ ክብሩ መግለጺ ዝኾነ ደመና ተቐበሎ፣ብርቀት ዘይኮነስ ብርሕቀት ካብ ኣዕይንቶም ተሠወረ። ንሳቶም ድማ ኣንቃዕሪሮም ክርእዩ ከለዉ፡ ካብቶም ብሓጐስ ብዕልልታን ብዝማሬን እናኣመስገኑ ዕርገቱ ንምኽባር ዝተረኽቡ ኣእላፍ መላእኽቲ ፃዕዳ ክዳን ዝተኸድኑ ክልተ መላእኽቲ “ኣቱም ሰብ ገሊላ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ኣለኹም፧ እዚ ካባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ጐይታ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ ከሎ ዝረአኽምዎ ከምኡ ጌሩ ከኣ ክመጽእ እዩ በልዎም። (ግብ. 1፡9-11) እዞም ቅዱሳን ቤተ ሰብ እግዚአብሔር ከኣ ንእግዚአብሔር እናኣመስገኑን እናወደሱን ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤተ መቅደስ ይነብሩ ነበሩ። (ሉቃ. 24፡53)። ቅዱሳን ሓዋርያት ካብዛ ዕለት’ዚኣ ጀሚሮም ንጐይታ ብዓይነ ሥጋ ዘይኮነስ ብዓይነ ሕሊና እናረኣዩ፡ ብግብሩ ዘርኣ...

መድኃኔ ዓለም ዘወርሓ ግንቦት

በስመ ኣብ ወውልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!  “ መድኃኔ ዓለም ” ዘወርሓዊ  ግንቦት   እግዚአብሔር አምላኽ ቅድሚ ኵሉ ዝነበረ’ዩ። ሰማያት ከይተዘርግሑ፡ ገጹ መሬት ከይተራእየ፡ ጐቦታት ከይቆሙ፡ ቀላያት ከይዓመቑን ወሓይዝ ከይወሓዙን ንሱ ብባህሪኡ ዝነበረ እዩ። ብርሃናት ከይበርሁ፡ ጸልማት ከይተቐንጠጠ፡ ብርሃን መዓልቲ ከይበረሀ፡ ለይቲ ከይተፈጥረ፡ ከዋኽብቲ ከየንጸባረቑ፡ መላእኽቲ ከይተፈጥሩ፡ ቅድሚ ነባቢት ነፍስን መዋቲት ሥጋን፡ ቅድሚ ዝርአን ዘይርአን ኣብ ላዕልን ታሕትን ካብ ዘሎ ኵሉ ፍጥረታት፡ መጀመርታ ብዘይብሎ መጀመርታ እግዚአብሔር ብባህሪኡ ነበረ። ንፍጥረታቱ ዘደንቑን ምልኩዓትን ገይሩ ፈጠሮም። ንሰማያት ብዘይ ዓንዲ ኣቖሞ፡ ንምድሪ’ውን ኣብ ልዕሊ ማያት ሠረታ። ኣብ ጽሩይ ሰማይ ብለይቲ፡ ብድምቐት ዘብርሁ ወርኅን ከዋክብትን፡ ሰዓታ ሓልያ ቀትሪ ብምሥራቕ ወፂኣ ብምዕራብ እትዓርብ ፀሐይ፡ ሾብዓተ ሰማያት፡ ኣዝርእትን ኣትክልትን ኣእዋምን፣ ኣብ ባሕር ኮነ ኣብ የብሲ ዝነብሩ እንስሳታት ኣራዊትን፡ ስሙ ንምቕዳስ መላእክትን ሰብን ብሓፈሻ ዕስራን ክልተን (22) ሥነ-ፍጥረት ብጥበብ ዝፈጠረ ጐይታ፡ ልዕሊ ኵሉ ጥበቡ ሰብ ኮይኑ፡ ሞይቱ ንዓለም ዘድኃነሉ ጥበብ ኣዝዩ ይበልጽ ይብሉ ኣቦታት፡ . . . ግን ስለምንታይ እቲ ዘይመውት ሞተ፧ ንሞት ብዓወት ንኽስዕር ሞተ። ተሰቒሉ ድኅነት ሃበና፡ ብሞቱ ንምውታን ኵሎም ኣድኃነ። ንሕይወት ዘድኅን ክነሱ ንሱ መከራ ተቐበለ። ንመከራ ሥጋን ነፍስን ከም ናቱ ጌሩ ተቐበለ። ሞት ገንዘቡ ገበረ። ሓደ ንሱ ምእንቲ ብዙኃት ሞተ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ብደሙ ምእንቲ ከድኅኖምን ወገናቱ ንኽገብሮምን ሞተ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዳም ካብ ሞት ንኸድኅኖ ቃል ኪ...