Posts

Showing posts from December, 2023

ኣይንኃድግን ኢና

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ኣይንኃድግን ኢና   “ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” (ነህ ፲፥፴፱/10፥39) እስራኤላውያን ብመሪሕነት ካህን ዕዝራን ነህምያን ዝፈረሰ ቤተ መቅደስን: ዝዓነወ ቐጽሪ ኢየሩሳሌምን መቓብር ኣቦታቶምን ዝሕነፅ ሓኒፆም: ዝሕደስ ኣሐዲሶም ምስ ዛዘሙ ኣብ ቤተ መቕደስ: ኣብ ኢየሩሳሌም ቃሉ እናሰምዑን ፍቓዱ እናፈጸሙን ንኽነብሩ ቃል ኪዳን ዝኾኖም፦ “ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” በሉ (ነህ ፲፥፴፱/10፥39) ምኽንያቱ ንኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ዝተግህን ኣብኣ ንክነብር ዝብህግን ኃይሊ ረኺቡ ንጸላእቱ ከምዝስዕር ብግህዶ ስለዝተዓዘቡ እዩ። ግዳማዊ ጸላእቲ ዘይኮኑስ ካብ ውሽጦም ዝነዝዑ ተፃረርቲ ብዙኅ ተፃቢኦሞም ነይሮም እዮም።  ካብ መንጎኦም ብምንባሮም ከቢድ ፈተነ ነበረ። “እቲ ዝጸርፈኒ ዘሎ ጸላእየይ እንተ ዝኸውን ምተዓገስክዎ: እቲ ዚዕበየለይ ዘሎ ጸላእየይ እንተዚኸውን ካብኡ ምተሓባእኩ ሕጂ ግና እዚ እትገብር ዘሎኻ ንስኻ መሰታይ ዓርከይ: ፈታውየይ ዝነበርካ ሰብኣይ ኢኻ። ኣነን ንስኻን መማኸርቲ ነበርና: ኣብ ቤት ኣምላኽ’ውን ብሓደ ዄንና ነምልኽ ነበርና። (መዝ ፶፬፥፲፪-፲፬/55፥12-14) ተረፈ ምርኮን ካብ ምርኮ ዝተመልሱን እስራኤላውያን ግና ኃይለ እግዚአብሔር ተዓጢቆም: “ኣምላኽ ሰማይ ኬቅንዓልና እዩ እሞ ንሕና ባሮት ተንሢእና ክንዓዪ ኢና: ንስኻትኩም ግና ኣብ ዛንታ ኢየሩሳሌም ክፍልን መሰልን የብልኩምን” (ነህ ፪፥፳/2፥20) ብምባል ዕዮኦም ኣስለጡን ንተፃረርቶም ኣኅፈሩን። ብተመሳሳሊ’ውን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝኅብሮ: ንቤተ ክርስቲያን ዘሳቐይዋን ዘድመይዋን ዘንብዕዋን ዝያዳ ዓመፅቲ ነገሥታትን ዓለማውያንን እቶም ኣብ ሕቍፋ ዝተሓፅኑ ናታ ሓሊብ ሕይወት ተመጊቦም ዝዓበዩ እሞ...

ኣቡነ መርቆሬዎስ

Image
  በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን! ኣቡነ መርቆሬዎስ 16 ታሕሳስ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣቡነ መርቆሬዎስ ዘደብረ ድማኅ እዩ።  ገዳም ደብረ ድማኅ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ገዳማት ሃገርና ኾይኑ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ቈላ ሠራየ፡ ካብ ርእሲ ከተማ ኣሥመራ ኣስታት 102 ኪ.ሜ. ርሒቁ ይርከብ። ብራኸኡ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 2075 ሜትሮ እዩ። እዚ ገዳም’ዚ ብኣቡነ መርቆሬዎስ ብ1340 ዓ.ም. ተመሥረተ።  ኣቡነ መርቆሬዎስ ካብ ቅዱሳን ወለዶም ካህን ቶማስ ስምዖንን ሰሎሜ ሕይወትብነን 29 ነሐሴ ብ1274 ዓ.ም ወምበርታ ፍሉይ ስሙ ደበሽን እንዳ ማርያም ተወልዱ። እዞም ክልተ ቅዱሳን ወለዲ ተኣዘዝቲ እግዚኣብሔር ኣኽበርቲ ቅዱሳን ስለዝነበሩ ወርኂ ወርኂ ዝክር ቅዱስ ሰማዕት መርቆሬዎስ(ፒሉፓዴር) ይገብሩ ብምንባሮም ኣብ ዕለተ በዓሎም ብዝተገብረሎም ተኣምር መርቆሬዎስ ኢሎም ሰመይዎም። ስመ ክርስትናኦም ኸኣ ዕሤተ ማርያም በልዎም። ካብ ዝተወልዱሉ እዋን ጀሚሮም ዘርእይዎ ዝነበሩ ተግባራት ናይ ዓቢይ ሰብ እምበር ናይ ሓደ ሕፃን ጠባይ ስለ ዘይኮነ ወለዶም ብኣንክሮ የስተውዕልዎ ነበሩ። ምስ ብሥጋ ኣኅዋቶም ኣቡነ ኣብሳዲ፡ ኣቡነ ማቴዎስን መክብበ ድንግልን (ኣደ ኣቡነ ቴዎድሮስ) ብፍቕሪ ድኅሪ ምንባር ኣቦኦም ካህን ቶማስ ንክምሃሩ ናብ ኣኮኦም ኣቡነ ጳውሎስ ወሰድዎም። ኣብኡ ከኣ ፊደል ቈጺሮም ዝጀመርዎ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ 22 መዓልታት 81 መጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳንን ሓድስ ኪዳንን ኣጽፊፎም ተገልጸሎም። ብድኅር’ዚ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ካብ ኣቡነ ጳውሎስ ናብ ገዳም ኣቡነ ዳንኤል ሽማና ኸዱ።  ኣብዚ ገዳም'ዚ ትምህርቶም እናቐጸሉ ንብዙኃት ኣረጋውያን ብምርዳእን ብኣገልግሎት ገዳምን ምስ ጸንሑ ካብ ግብጻዊ ጳጳስ ብ...

ገብረ መንፈስ ቅዱስ

Image
 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜን! አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሃገሮም ኣብ ንሂሳ ዝተባህለ ዓዲ ናይ ሃገረ ግብጺ ኢዩ። ኣቡኦም ስምዖን ኣዲኦም ድማ ኣቅሌስያ ይበሃሉ። እዞም ክልተ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ብዘይ ውላድ ፴/30 ዓመታት ብፍቕርን ብስኒትን ተቐመጡ። ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ኣቅሌስያ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ኣትያ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ቅድስት ሥላሴ ወዲቓን ክትጽልን ክትልምንን ከላ “ንሥኢ ወልደ ዘይትሌዑል ቀርኑ አምኑኅ ሰማይ፡ ክብሩ ካብ ናይ ሰማይ ክብሪ ዝበልጽ ወዲ ህንኪ ተቐበሊ” ዝብል ድምጺ ሰምዐት። በዚ ምኽንያት ከኣ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ 29 መጋቢት ተጠኒሶም ፳፱/29 ታሕሳስ ተወልዱ። ዓይኒ ቋሕ ካብ ዝበለሉ ግዜ ካብ ምርኣይ ከምዘይ ዓርፍ፡ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድማ ልክዕ ካብ ማህጸን ኣዲኦም ካብ ዝወጹላ ግዜ ኣፎም ከፊቶም “ስብሐት ለኣብ፡ ስብሐት ለወልድ፡ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ ዘአውጻእከኒ እምጽልመት ውስተ ብርሃን” እናበሉ ወትሩ ንእግዚኣብሔር እና ኣመስገኑ፡ ምድራዊ መብልዕ ከይበልዑ፡ ምድራዊ መስተ ከይሰተዩ፡ ንምስጋና ተጊሆም ብምንባሮም ንመላእክት ይመስሉ። ኣብ መበል ሰለስተ ዓመቶም ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ካብ እግዚኣብሔር ተኣዚዙ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሑቕፊ ኣዲኦም ወሲዱ ናብ ሻውዓይ(7ይ)ሰማይ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቕረቦም’ሞ እግዚኣብሔር ድማ ባረኾም። ኣስዒቡ ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ናብ ኣብ ገነት ዝርከቡ ኩሎም ቅዱሳንን ወሰዶ እሞ ንሶም ውን ባረኽዎም።  ብድሕሪ እዚ እቲ መልኣኽ ናብ ሓደ መነኮሳት ዘለውዎ ገዳም ወሲዱ ኣብ ወጻኢ ኣቐመጦም። ናይቲ ገዳም ኣበምኔት ኣባ ዘመደ ብርሃን ምልክት ተነጊርዎም ስለ ዝነበረ ...

ሕዳር ጽዮን

Image
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን!!! ሕዳር ጽዮን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዓመት መጸ በዚ ወርሒ እዚ ማለት (ሕዳር 21) ካብ እተብዕሎም በዓላት ሓደ “ሕዳር ጽዮን/ ማርያም ጽዮን” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ እመብርሃን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኢዩ። ንድሕሪት ምልስ ኢልና ታሪኹ ምስ እንምልከት እስራኤላውያን ንኣስታት 430 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ግብጺ ኣብ ከቢድ መግዛእቲ ድሕሪ ምንባሮም፡ እግዚኣብሔር ካብ ጭንቆም ከናግፎም ፈተወ። ብነቢይ ሙሴ ገይሩ ድማ ባሕሪ ኤርትራ ከፊሉ  ኣሳገሮም። ንዕኡ ዘምልኹሉ፡ ጸሎቶም  ዘቕርብሉ፡ ዓሰርተ ቃላት ዝሓዘ  ጽላት፡ ንዕኡ መሕደሪ ዝኸውን ታቦት ባዕሉ ብፍቓዱ ብኢድ ነቢይ ሙሴ ገይሩ ሃቦም። ነቲ ዝሃቦም ጽላትን ታቦትን ብሓባር ኣብ ቤት መቕደስ ክቕመጥ ከም ዘለዎ’ውን ኣዘዞ። በቲ ዝተዋህቦም ሕጊ እና ተኣዘዙ፡ ብታቦት ኪዳን ሓይሊ ጉዕዝኦም ጀመሩ። ጉዕዞ ምድረ በዳ ሲና ዛዚሞም ንባሕሪ ዮርዳኖስ ብናይ ታቦት ሓይሊ ኣብ ክልተ  ከፊሎም ተሳገሩ። ኣብ ቅድሚኦም ንዝጸንሕዎም ጸላእቶም እናሰዓሩ፡ ንግምቢ ኢያሪኮ`ውን ብሓይሊ ታቦት ኣፍሪሶም ብሰላም ናብታ ተስፋዊት ሃገር ከንኣን ኣተዉ።  ብድሕሪ እዚውን ታቦት እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን ብዙሕ ግዜ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ዓወት ከም ዝረኽቡ ገይርዎም እዩ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ኣብ ሲና ብኢድ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣቢሉ ብዝሃቦም ትእዛዝን ታቦተ ሕጉን መሰረት ዝተፈላለዩ መራሕቲ እናኣተንስአ ብቅዱስ ፍቓዱ ንብዙሓት ዘመናት መርሖም። ንሳቶም እኳ ብተግባሮም ካብ ፍቓዱ እንተወጹ ንሱ ግና ረዲኤቱ ኣብ ልዕሊኦም ካብ ምፍሳስ ኣየቋረጸን።   "ሙሴ ኣብ ድብረ ሲና 10 ትዕዛዛት ካብ እግዚኣብሔ ምስ ተቀበለ።"   ...