ትዕግስቲ ጻድቅ እዮብ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
እግዚአብሔር ይመስገን
(ከም ጻድቅ ኢዮብ ብመከራ ዘይስበር መንፈስ ይሃልወና።)
አብ ምስአንን ምርካብን፣ አብ ሓዘንን ታሕጓስን ጊዜ
እግዚአብሔር ይመስገን ንበል።
እግዚአብሔር ወሀበ ወእግዚአብሔር ነሥአ
እግዚአብሔር ሃበ እግዚአብሔር ወሰደ ንበል።
ነቲ ጽቡቕ ካብ እግዚአብሔር ተቐቢልና ነቲ መከራኸ(ነቲ ሕማቕ ኸ ?) ንምንታይ ዘይንቕበል ? ንበል ።(ኢዮ 2፥10)
ናይ ኢዮብ ሕይወት ክንርኢ ከለና
መጀመርያ ብጣዕሚ ሃፍታም ፣ኹሉ ዘለዎ ብሓፈሻ ዓሠርተ ደቂ ዝነበሮ ማለት እውን ሸውዓተ ደቂ ተባዕትዮ፣ሠለስተ ደቂ አንስትዮ ዝነበርዎ ሰብ እዩ።
ናይ ሃፍቱ መጠን ድማ ፦
☑️ሸውዓተ ሺሕ አባጊዕ
☑️ሠለስተ ሺሕ አግማል
☑️ሓሙሽተ ምእቲ ጽምዲ አብዑር፥
☑️ሓሙሽተ ምእቲ ደቂ አንስትዮ አእዱግ ነይሮሞ።
☑️ብጣዕሚ ብዙሓት ሰራሕተኛታት እውን ነይሮሞ።ብምሥራቅ አከባቢ ካብ ዘለው ሰባት ዓቢዪ ሰብ ዝተብሃለ ነይሩ።
ነገር ግን ሰይጣን ንደቂ ሰባት ብዝበለጸ ድማ ንእግዚአብሔር ንዝፈርሑ ሰባት ምፍታን ዐቢዪ ስርሑ ስለዝኾነ አብ ቕድሚ እግዚአብሔር ጠጠው በለ።
እግዚአብሔር ድማ ንባርያየ ኢዮብ ርኢኻዮ ዶ?
ንሱ አብ ምድሪ ካብ ዘለው ከምኡ ዝመሰለ ፍጹም፣ ቅኑዕ፣ ንእግዚአብሔር ዝፈርሕ ፣ካብ ሕማቕ ዝርሓቐ ምንም የለን በሎ።እግዚአብሔር ዝመስከረሉ ሰብ እዩ ኢዮብ።
ሰይጣን ድማ ንእግዚአብሔር ከምዚ ኢሉ መለሰሉ ። ብሓቂ ኢዮብ ንእግዚአብሔር ዝፈርሕ ብከንቱ ድዩ ኾይኑ ? ንዑኡን ንገዛኡን ኣብ ዙሪያኡ ንዘለው ኹሉ ናይ ኢዱ ስራሕ ባሪክኻሉ ኢኻ ግናኸ ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ ኢድካ ዘርጊሕካ ንዂሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን ? ኢሉ ኢሉ መለሰ።
እዚ ማለት ንብረቱ ፣ሃፍቱ ፣ደቁ አጥፍኣሉ እዚኦም እንተስኢኑ ክክሕደካ እዩ ማለቱ እዩ ሰይጣን።
እግዚአብሔር ድማ ሰይጣን ንኢዮብ ንክፍትኖ ፈቐደሉ።
ሽዑ እግዚአብሔር ንሰይጣን በሎ ናብኡ ደኣ ኢድካ ኣይትዘርግሕ እምበር ዘለዎ ዂሉ ኣብ ኢድኻ ሂበካ እኒአኸ በሎ። ሰይጣን ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣብሔር ወጸ ንኢዮብ ንክፍትን ኸደ።
ሓደ መዓልቲ እቶም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም እናበልዑን ወይኒ እናሰተዩን ከለው
መእወዪ (መርድኢ)ናብ ኢዮብ መጺኡ እቶም ኣብዑር ይሕረሱ ፣እተን ኣእዱግ ድማ ኣብ ጥቓኣቶም ይበልዓ ነበራ ሽዑ ናይ ሳባ ሰባት መጺኦም ዘሚቶምዎም። ነቶም ግዙኣት ድማ ብስሕለት ሰይፊ ቀቲሎምዎም።
ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ በሎ።
እዚ ገና ክዛረብ ከሎ ድማ ኻሊእ መጺኡ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ካብ ሰማይ ወሪዳ ነተን ጤለ በጊዕን ንግዙኣትን ኣንደደቶምን በልዓቶምን። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ በሎ።
እዚ ገና ክዛረብ ከሎ ድማ ኻሊእ መጺኡ ከለዳውያን ብሠለስተ ሰልፊ ኾይኖም ኣብተን ኣግማል ሓደጋ አውዲቖም ዘሚቶምወን፤ ነቶም ግዙኣት እውን ብስሕለት ሰይፊ ቐቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ክነግረካ ዘምለጥኩ በሎ።
እዚ ገና ክዛረብ ከሎ ድማ ኻሊእ መጺኡ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ እንዳ እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኒ ይሰትዩን ነበሩ።
ሽዑ ብርቱዕ ዓውሎ ንፋስ ካብ በረኻ መጺኡ ነታ ቤት ብአርባዕተ መኣዝና ወቕዓ ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት ንሳቶም ከኣ ሞይቶም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ክነግረካ ዘምለጥኩ በሎ።
ሽዑ ኢዮብ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ፣ ርእሱ እውን ላጸየ እሞ ጥራየይ እየ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ኽምለስ እየ። እግዚኣብሔር ሀበ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚአብሔር ይባረኽ ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።ብዚ ዂሉ ኢዮብ ኣይበደለን ንኣምላኽ እውን ኣይነቐፎን።
ብዚ ከየብቅዐ ድማ እቲ መከራ ናብ ሰውነቱ መጽአ
ካብ ጸጉሪ ርእሱ እስካዕ ጽፍሪ እግሩ ብሓያል ቁስሊ ተወቅዐ ሃፍቱ፣ደቁ ስኢኑ እንደገና ሕይወቱ ኣብ ሓደጋ ይኹን ደአ ኢዮብ ሐዚ እውን ብእግዚአብሔር ምምስጋን አየቋረጸን።
ሰበይቱ ግን ንእግዚአብሔር ጸሪፍካ ሙት ኢላ ዋላ ትምኸሮ ደአ እምበር ኢዮብ ግን አይገበሮን ።
ሰበይቱ ኸምዚ እያ ኢላቶ ገና ዶ ፍጹም ኾይንካ ጸኒዕካ ትነብር ኣለኻ? ንኣምላኽ ግዳ ኸሓዶ እሞ ሙት በለቶ።
ናይ ኢዮብ መልሲ ግና ንስኺ ኣዘራርባ ዓሻ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣለኺ። ካብ ኢድ ኣምላኽ ሠናይ ተቐቢልናስ ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎን ዶ ? በላ። ኢዮብ በዚ ዂሉ ነገር ብኽናፍሩ አይተሰሓሓተን ምንም ሕማቕ ነገር ኣይተናገረን።
መከራ ምስ በዝሖ ዝተወለደላ ዕለት ጥራሕ እዩ ረጊሙ እምበር እግዚአብሔር ይመስገን ካብ ምባል አየቋረጸን
እግዚአብሔር ይመስገን እናበለ ናብራኡ ቐጸለ።
ሠለስተ ናይ ቀደም ፈተውቲ ኢዮብ
1.ቴማናዊ ኤልፋዝ
2. ሹሐዊውም በልዳዶስ
3.ናዕማታዊው ሶፋር
ዝብሃሉ እቲ ዝወረዶ መከራ ሰሚዖም ካብ ዓዶም ናብኡ መጹ ይኹን ደአ እምበር ከጽናዕንዕዎ ይትረፍ ንኢዮብ አሕዚኖምዎ እዮም።እዚ ዝመጽአካ ምናልባት ንእግዚአብሔር አሕዚንካዮ ከይትኸውን ፣ምናልባት ደቅኻ እውን ንእግዚአብሔር አሕዚኖሞ ከይኸውኑ እግዚአብሔር ፍትሓዊ እዩ ብዘይ ሓደ ነገር ከምዚ አይገብርን እዩ እናበሉ ዘይግባእ ቃላት ይናገሩዎ ነይሮም።
ኢዮብ ግን እዚ ኹሉ ዝበጽሖ ብሓጢአቱ ከይኮነስ ብእግዚአብሔር ብምእማኑ እዩ።
እግዚአብሔር እዚ ኹሉ ዝገበሮ ናይ ሰይጣን ሓሶት፣ ናይ ኢዮብ እምነት ንምግላጽ እዩ ነይሩ እሞ እስካዕ መወዳእታ ኢዮብ ክክሕድ ስለዘይኽአለ እግዚአብሔር ገጹ ናብ ኢዮብ መለሰ
አብ ዮርዳኖስ ፈለግ ተጠሚቑ ካብ ቁስሉ ተፈዊሱ
ዝነበሮ ሃፍቲ ኹሉ ብዕጽፊ ተመሊሱሉ እዩ።
1,መጀመርያ ሸውዓተ ሺሕ አባጊዕ ዝነበርዎ እንትኸውን ዓሠርተ አርባዕተ ሺሕ
2, ሠለስተ ሺሕ አግማል------ ሹዱሽተ ሺሕ
3,ሓሙሽተ ምእቲ ጽምዲ አብዑር-------ሓደ ሺሕ
4,ሓሙሽተ ምእቲ ደቂ አንስትዮ አእዱግ ----ሓደ ሺሕ ኾይዮም ብዕፅፊ ተወሲኹሉ ማለት እዩ።
5,ኢዮብ ሃፍቱ ክጠፍእ ከሎ እግዚአብሔር ይመስገን በለ እምበር አየማረረን።
6,ደቁ ብሓደ ጊዜ ክመውቱ ከለው እግዚአብሔር ይመስገን በለ እምበር አየማረረን።
7,ንባዕሉ ሕማም ክመጽኦ ከሎ እግዚአብሔር ይመስገን በለ እምበር ንእግዚአብሔር አየማረረን።
8,ናይ ኢዮብ እቲ ዓቢዪ መልእኽቱ እግዚአብሔር ሂቡኒ እቲ ዝሃበኒ ድማ ባዕሉ ወሲዱ፣ ክውለድ ከለኹ ጥራሕ ነፍሰይ እየ ተወሊደ እምበር ምንም ሒዘ አይተወለድኹን ኢሉ ዘይስበር መንፈሱ አርኢዩ እዩ።
ስለዚ ኢዮብ እንደገና ካብ ናይ መጀመርያ ብዝለዓለ ብራኸ ሰላማዊ አነባብራ ምንባር ጀሚሩ ኹሉ ነገር ካብ እቲ ናይ መጀመርያ ዝነበሮ ዕጽፊ ኾይኑ ተወሲኹሉ እዩ።
ኢዮብ ድሕሪ እቲ መከራ 146 ዓመት ጸኒሑ እዩ ደቁን
ደቂ ደቁን ንምርአይ ዝበቅዐ ዘይስበር መንፈስ ዝነበሮ ሰብ እዩ።
ብሓጺሩ ፦
ንሕና እውን ዝተፈላለዩ መከራታት ፣ሽግራት፣ ፈተናታት ይበጽሑና ዋላ ይሃልው ደአ እምበር እግዚአብሔር ዝተመስገነ ይኹን ንበል።ምክንያቱ ንእግዚአብሔር እነመስግኖ ብጽቡቕ ጊዜ፣ ብታሕጓስ ጊዜ ፣ብሞቻ ጊዜ ጥራሕ አይኮነነን፤ ከም ኢዮብ ብመከራ ፣ብሽግር፣ ብምስአን ፣ብሓዘን ጊዜ እውን እዩ ክኸውን ዝግባእ።
ምናልባት እግዚአብሔር ክፍትነና ዝኽእል ዝበለጸ ነገር ንክህበና እዩ ፤ እቲ ዋጋ እንረኽቦ እንኽእል ግን ከም ኢዮብ ነቲ ፈተና ብጽንዓት እንተሰጊርናዮ ጥራሕ እዩ።
ብዓለማዊ ትምህርቲ እኳ ውጽኢት(ግሬድ) ድሕሪ ፈተና እዩ እምበር ቕድሚ ፈተና ኣንወሃበካን።ምስ ተፈተንኻ ኢኻ ውጽኢትኻ ትፈልጥ ትረክብ እውን።
ከምኡ ድማ ክብሪ ፣ጸጋ ተፈቲንና ምስ ሓለፍና እንረኽቦ እዩ እሞ ብኹሉ ነገር እግዚአብሔር ይመስገን ኹሉ ናትኻ ፈቃድ እዩ ኢልና ነቲ ዝመጽአና ፈተና ፣መከራ፣ ሽግር ብጸጋ ተቐቢልና ብጽንዓት ንስገሮ።
ከም ኢዮብ ጸኒዕና ተዓጊሥና ነቲ ፈተና እንተሰጊርናዮ ብመወዳእታ ዋጋና ካብ ፈጣሪና ክኽፈለና እዩ።
መንፈስና ብርቱዕ፣ሓያል ዘይስበር ክኸውን ይግባእ።
ብዝኾነ ብኹሉ ነገር እግዚአብሔር ይመስገን ኢልና ነቲ ኹሉ ዝኽእል አምላኽና ነመስግኖ ንለምኖዋ ጋና ከም ዝህበና ድማ አየጠራጥርን።
ብዝኾነ ይኹን አመስገንቲ እምበር አማረርቲ ከይንኸውን ሓደራ ክብል ይደሊ።
እስኪ ናይ ኢዮብ ሕይወት ንተዓዘቦ
ብሓደ ጊዜ ሃፍቱ ከም ዘይነበረ ኮይኑ
ብሓደ ጊዜ ዓሠርተ ደቁ ስኢኑ በይኑ ተሪፉ፤ በይኑ ምትራፉ ከይኣኸለ ብሓያል ቁስሊ መላእ ሰውነቱ ተወቒዑ ሰበይቱ አማሪራ ንምንታይ ንእግዚአብሔር ዘይትጸርፎ ኢላ ትጭቕጭቖ ነይራ ።
እዚ ኹሉ ኾይኑ ግን እግዚአብሔር ይመስገን በለ እምበር አየማረረን ክንሓስቦ ከለና ብጣዕሚ ኸቢድ እዩ።ብሓቂ ዝገርም ጽንዓት እዩ ዘይስበር ብርቱዕ መንፈስ ፣በይኑ ተሪፉ እንተሎ ምሉእ ከምዝኾነ ብናይ ጽንዓት ልዕልና ይናገር ነይሩ።
እዚ ኹሉ ዝተጽሓፈ ንሕና ካብ ኢዮብ ተማሂርና ጽኑዓት፣ተዓገሥቲ፣ብሕማቕን ብጽቡቕን ፣ብሓዘንን ብታሕጓስን ጊዜ ንእግዚአብሔር አመስገንቲ ንክንኸውን እዩ ።
ፈተና፣ መከራ ፣ሽግር፣ሕማም ዘጋጥመካ (ዝመጽአካ) ሓጢአት ስለዝሰራሕካ ፣ሕማቕ ነገር ስለዝገበርኻ ጥራሕ እንተይኮነስ ንእግዚአብሔር ብምእማንኻ፣ ብእግዚአብሔር ብምጽናዕኻ እውን ከም ዝኾነ ዘረድእ እዩ።
ስለዚ ኹላትና አብ ዝተፈላለዩ ፈተናታትን ጸገማትን ዘለና ብእግዚአብሔር ተስፋ ከይቖረጽና ብፈጣሪና እንተጸኒዕና፣ ብትዕግሥቲ ነቲ ፈተና እንተሰጊርናዮ ከም ኢዮብ ኻልአይ ሓዱሽ ማንነት ከምዝህልወና ምንም ዘጠራጥር አይኮነን እሞ ንጽናዕ ፣ንትዓገሥ፣ ብዝኾነ ይኹን እግዚአብሔር ይመስገን ንበል ክብል ይደሊ ።
ፈተና ፣መከራ ፣ሽግር ዝመጽእ ንክብሪ እዩ።
እግዚአብሔር ይመስገን
(መጽሐፈ ኢዮብ ካብ ምዕራፍ ሓደ ጀሚርኩም አንብብዎ አሓተይን አሕዋተይን በቢዘለኹሞ ሠናይ ማዕልቲ
(ትዕግሥትኪ ፈድፈደ እምትዕግሥተ ኢዮብ ጻድቅ)
ጥራሕ ዝባኑ ተሪፉ ብጽንዓት ብትዕግሥቲ ግን ምሉእ፣ ዘይስበር ሰብ ጻድቁ ኢዮብ እግዚአብሔር ይመስገን ካብ ማለት ወጻኢ ኻሊእ ሕማቕ ነገር ዘይናገር ዐቢዪ ሰብ።
ንኹላትና ናይ ኢዮብ ትዕጎሥቲ ይሃበና ኣሜን።
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሐት ለእግዚአብሔር አሜን።

Comments
Post a Comment