በዓል መስቀል
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን። መስከረም በዓል መስቀል ፲፯ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ካብ ተኽብሮም ትሽዓተ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኡሳን በዓላት ሓደ ኣብ መስከረም (17) ፲፯ ዝኽበር በዓል መስቀል እዩ። መስቀል ናይ ሰላምናን ድኅነትናን ቅድስናን ምልክት፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ከድኅን፣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ንኽህበና መሥዋእት ዝኸፈለሉ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝፈሰሰሉ መንበር ክኸውን ከሎ፣ ንኣምላኽና ንርእየሉ መስትያት እዩ።እዚ በዓል’ዚ ኣዝዩ ዓቢይ ብምዃኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ ሃገራዊ በዓል ኮይኑ ይኽበር ኣሎ። “ወወሃብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ ከመ ያምስጡ እም ገጸ ቅስት ፣ወይድኅኑ ፍቁራኒከ ።^^ “ካብ ፍላጻ ጸላኢ ምእንቲ ክድኅኑ ነቶም ዝፈርሑኻ ሰደቕ ዕላማ ሃብካዮም” መዝ 60፡ 4 “ኣነ ግና በቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተ ዘይኮይኑስ ብኻልእ ኣይምካሕን እየ”(ገላ6፡16) ከምቲ ነቢይ ሙሴ ኣብ መጽሓፉ ጽሒፍዎ ዘሎ፡ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ንዘመናት ብማእሰር ሞት ተኣሲሩ ናብ ሲኦል ዝተደርበየ፡ እና ተሸቑረረ ዝነብር ዝነበረ፡ ኣፍ ደገ ገነት ዝተዓጽዎ ኣዳምን ዘርኡን፡ ካብ ባርነት ዲያብሎስ ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ክፈትሖ፡ ዝተዓጽወ ገነት ክኸፍተሉ፡ ርጉም ብምዃን መርገምና ጸይሩ፡ ንዓለም ብምልኣ በጃ ብምዃን ኣምላኻዊ ፍቕሩ ኣብ መስቀል ገሊጹልና እዩ። በዚ ከኣ ሰይጣን ተሳዒሩ፡ደቂ ...