ልደተ ክርስቶስ

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

          ልደተ ክርስቶስ ልደትና እዩ

    ቤዛ ኩሉ ዓለም ዮም ተወልደ  


(እቲ ናይ ዓለም ብርሃን ኣብ ቤተ ልሔም ወጽአ) 

ሎሚ ፦መድሓኒት ኣብ ዳዊት ከተማ ተወሊዱልኹም ኣሎ ንሱ ድማ ጎይታ ክርስቶስ እዩ።(ሉቃ 2፥10) 


አብ መላእ ዓለም ዘለኹም  ኦርቶዶክሳውያን አሓተይን አሕዋተይን እንኳዕ ንበዓለ ልደተ ክርስቶስ መበሊ 2014 ናይ መዘከርታ ዓመታዊ በዓል ብሰላም አብጽሐኩም አብጽሐና። 


በቢዘለኹሞ ሠናይ በዓል ንክኾነልኹም ተምኒተይ እዩ።


ቤተ ልሔም ካብ ስማ  ክንጅምር እንከለና ናይ እንጀራ ቤት ማለት እዩ።

ካብ ሰማይ ዝወረደ ኅብስተ ሕይወት ዝኾነ ጎይታ ዝርከበላ ሙኻና  ገና ካብ ጅማሮኡ ስማ የፍልጥ ነይሩ ። 

ናይ ነቢያት ዓይኒ ብናፍቖት  ንቤተ ልሔምን አሳጊሩ፣ኣማዕዲዩ ይርእያ ነይሩ። 



  ንቤተ ልሔም ቅዱሳን ነቢያት ብትንቢታዊ ሃንቀውታ  ይናፍቑዋ ዝነበረ  እትህቦ ረብሓ፣ እትህቦ አገልግሎት ብዝግባእ ብምርዳኦም ምክንያት ከም ዝኾነ ግልጺ እዩ።

  ወዲ ሰብ ንገነት ይናፍቓ ከም ዝነበረ ዝተፈለጠ እዩ።ብሙኻኑ ወዲ ሰብ ናብ ገነት ክኣቲ ዝኽእል   ኣብ ቤተ ልሔም ብዝተወለደ ኣቢሉ ከም ዝኾነ ይፍለጥ እዩ እሞ   ን5500 ዘመናት ዝኣክል ቤተ ልሔም ብሰብ ሃንቆውታዊ ናፍቖት ውሽጢ እያ ነይራ ። 


ብሙኻኑ ፦ ቅዱሳን ነቢያት  ብእግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ገላጺነት እናተመርሑ ዝኸውን ነገር እናተንበዩ ንወዲ ሰብ ኹሉ ተስፋ ይህቡ ነይሮም እዮም። 

ዓለም ዝሰኣነቶ ሰላም( መድኃኒት )ብቤተ ልሔም ብዝተወለደ ከም ዝርከብ  ናይ መጽናዕንዒ ትንቢት ይናገሩ ነበሩ።


   ነቢዩ ኢሳይያስ ወናሁ ድንግል ትጸንስ ወትወልድ ወልደ ወትሰምዮ ስሞ አማኑኤል<< ድንግል ትጸንስ እያ ወዲ ድማ ትወልድ እያ ስሙ አማኑኤል ትብሎ  እያ ኢሉ ብመንፈሰ ትንቢት ተናጊሩ ነይሩ።(ኢሳ ፯፥፲፬) 

  ነቢዩ ሚክያስ" ወአንትኒ ቤተ ልሔም ምድረ ኤፍራታ ኢትቴሐቲ እምነገሥተ ይሁዳ እስመ እምኔኪ ይወጽእ ንጉሥ ዘይርእዮሙ ለህዝብየ እስራኤል<< ዎ   ቤተ ልሔም ናይ ኤፍራታ ምድሪ ፥  ብይሁዳ አእላፋት ማኤኸል ንክትኸውኒ  ንእሽቶይ ኢኺ፤ ካባኺ ግን አወጻጽኣኡ ካብ ቀደም   ጀሚሩ ንዘላለም ዝኾነ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል  ገዛኢ ዝኸውን ይወጽእ እዩ ኢሉ ብሎ ንጉሠ ሰማይ ወምድር ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ልሔም  ከም ዝውለድ ሓቢሩ ነይሩ።(ሚክ ፭፥፪) 

   ሊቃውንት ፦ክናገሩ እንተለው ነቢዩ ሚክያስ እናምሀረ ውዒሉ ብቤተ ልሔም ክምለስ እንተሎ ምድረ በዳ ኮይና ምስረአያ ከምዚ ኢልኪ ኣይትተርፍን ኢኺ፤

💠ነጋሪት ---ከስምዓልኺ እዩ

💠ድንኳን--- ክትከለልኺ እዩ

💠አሕዛብ---- ክግብሩልኺ እዮም

💠እስራኤል ----ደጅ ክጸንዑልኺ እዮም 

💠ንጉሥ -------ክነግሠልኺ እዩ ኢሉ ተናጊሩላ ኸይዱ። 


ብዚ መሠረት፦

➡️ነጋሪት   ---- ተሰሚዑላ 

➡️ድንኳን------ ተተኺሉላ

➡️አሕዛብ -----ገቢሮሙላ

➡️እስራኤል ----ደጅ ጸኒዖሙላ 

➡️ንጉሥ ዘሩባቤል ----ነጊሡላ። 


ናብ ዋና ወርቁ ክንመጽእ ክንለና 

  ነጋሪት ክስምዓልኺ እዩ ዝበሎ ----ቅዳሴ መላእክት ተሰሚዑላ።

  ድንኳን ክትከለልኺ እዩ ዝበሎ ----ናይ ብርሃን ድንኳን ተተኺሉላ።

  አሕዛብ ክግቡርልኺ እዮም ዝበሎ ----ሰብአ ሰገል ገቢሮምላ።

  እስራኤል ደጅ ክጸንዑልኺ እዮም ዝበሎ ------

ነገደ መላእክት ደጅ ጸኒዖምላ።

  ንጉሥ ክነግሰልኺ እዩ ዝበሎ ንግዚኡ ዘሩባቤል ይንገሠላ ደአ እምበር ፍጻሜኡ ንጉሠ ሰማይ ወምድር ኢየሱስ ክርስቶስ ነጊሡላ እዩ።

ነቢያት ዝተናገርዎ  ቃል ካብ እግዚአብሔር  ስለ ዝኾነ አይዕጸፍን እሞ ዘመኑ ክበጽሕ እንተሎ ተፈጸመ።(2ይ ጴጥ 1፥21) 


ብዘመኑ ካብ አውግስጦስ ቄሳር ትእዛዝ ወጽአ

እቲ ትእዛዝ ሰብ ኹሉ በብወገኑ ንክቑጸር ናይ ሕዝቢ ቖጸራ አወጀ። 

በዚ መሠረት ቅድስት ድንግል ማርያምን ዮሴፍን ካብ ዳዊት ወገን ስለዝነበሩ ልክዕ ከም ኩሉ ሕዝቢ ንክትቑጸሩ ካብ ገሊላ ናዝሬት ተላዒሎም ናብ ይሁዳ አውራጃ ናብ ዝኾነት ናብ ቤተ ልሔም አምርሑ። 


ወእንዘ ሀለው ህየ በጽሐ ዕለተ ወሊዶታ"

ኣብ ቤተ ልሔም እናሃለው ገና ከይተቖጸሩ ጸኒሳ ስለዝነበረት ናይ መውለዲኣ ማዕልቲ በጽሐ። 

ብፈቃደ አምላኽ ምስ ሠለስተ ርእሳ ንክትቑጸር ኮይኑ ማለት እዩ። 

መሕደሪ ስለዘይብሎም እቲ ናይ እንግዳ መዕረፊ እውን ብሰባት ተታሒዙ ስለዝነበረ ቅድስት ድንግል ማርያም ንወዳ

💠ኣብ ከፍቲ መሕደሪ አደቀሰቶ  

💠.ብጨርቂ ጠቕለለቶ  

💠ዓብዪ አጻብዕቱ አሰረቶ ።(ሉቃ ፪፥፯) 



ቅዱስ ያሬድ ከደነቶ እሙ ቆጽለ በለሶን"አዲኡ ናይ በለስ ቆጽሊ ኸደነቶ  ኢሉ ተናጊሩ። 

  እዚ ማለት ምስጢሩ ክንርእዮ እንተና አዳም ዕፀ በለስ በሊዑ ዘውሰዶ ክብሪ፣ዘውሰዶ ጸጋ ክርስቶስ ክውለድ እንተሎ ዕፀ በለስ ተኸዲኑ፣መወዳእታ ድማ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ  ከም ዘድሕኖ እዩ ተናጊሩ።

ብኻሊእ ገጽ ፦አዳምን ሔዋንን ምስ እግዚአብሔር ምስተጻልኡ  ዕራቁቶም ብሙኻኖም  ብናይ በለስ ቖጽሊ ሓፍረቶም ሸፊኖም ከም ዝነበሩ ተጻሒፉ።(ዘፍ 3፥7) 

  ብሙኻኑ ኢየሱስ ክርስቶስ ንአዳም ናይ ጸጋ ኽዳን ንምኽዳን ናይ በለስ ቖጽሊ ተኸደነ። 

  

 አዳም ሓፊሩ ዝተኸደኖ ናይ በለስ ቖጽሊ 

ክርስቶስ ንአዳም ካብ ሓፍረት ንምልቓቕ፣ንምድሓን ናይ በለስ ቖጽሊ ተኸደነ።

ንጉሠ ሰማይ ወምድር መሕደሪ ስኢኑ ኣብ ከፍቲ መሕደሪ እዩ ተወሊዱ። 


ቅድስት ድንግል ማርያም፦ንክርስቶስ

🔷አጻብዕቱ ዝአሰረቶ  ----  ብናይ ዛራ ልማድ

🔷ኣብ ጎል ዘደቀሰቶ----- እንስሳት እስትንፋሶም ከም ዝግብሩሉ ብትንቢት ስለዝተነገረ

🔷ብጨርቂ ዝጠቕለለቶ  ----- ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ብዕለተ ዓርቢ ክገንዙኻ እዮም ክትብል ብሙኻኑ ተገሊጹ። 


  ቅድም ኢሎም ክርስቶስ ከም ዝውለድ

   ብኮከብ እናተመራመሩ ዝጸንሑ ሰብአ ሰገል(ጥበብ ዘለዎም ፈላስፋታት ሰባት) እቲ ኮከብ ምስተርአዮም ካብ ርሑቕ ምሥራቅ ተላዒሎም ኢየሩሳሌም በጽሑ። 


ሄሮድስ ፦ንጉሥ ተወሊዱ ምስ ሰምዐ ደንገጸ ኢየሩሳሌም ኹሉ ተሃወከት። 

ሄሮድስ ዝደንገጸሉ ምክንያት አነ ንጉሥ እንተለኹ ብኸመይ ኻሊእ ንጉሥ ክውለድ ይኽእል ብዝብል እቲ ዝተወለደ ሕጻን ከይነግሥ ሞ ሥልጣኑ ከይውሰድ ፈሪሑ እዩ።


እቶም ሰብአ ሰገል ብኮከብ እናተመርሑ ኣብ ቤተ ልሔም በጽሑ።

እቲ ኮከብ ሰብ ኣብ ዝህልወሉ ጊዜ ይስወሮም ከም ዝነበረ ተጻሒፉ። 

  ቅዱስ ያሬድ እውን ኮከብ መርሖሙ ቤተ ልሔም አብጽሖሙ ወቆመ መልዕልቴሆሙ <<ኮከብ መርሖም ፣ቤተ ልሔም አብጽሖም ኣብ ልዕሊኦም ቆመ ኢሉ ብኮከብ ይምርሑ ከሞ ዝነበሩ ተናጊሩ።

   ኮከብ ብኻሊእ ወገን ባዕሉ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ይሠርቅ ኮከብ እምያዕቆብ ወየአትት ኃጢአተ እምእስራኤል/ካብ ያዕቆብ ወገን ኮከብ (ክርሰቶስ )ክወጽእ እዩ፣ክውለድ እዩ ካብ እስራኤል እውን ሓጢኣት ከርሕቅ እዩ ተባሂሉ ተነጊሩ። (ዘኁ 24፥17) 



ብዚ መሠረት ሰብአ ሰገል ኣብ ቤተ ልሔም ምስበጽሑ፦

➡️ወርቂ ንንግሥናኡ ፣

➡️ዕጣን ንክህነቱ ፣

➡️ከርቤ ንሞቱ ገቢሮሙሉ  ብኢየሩሳሌም ንከይምለሱ ብመልአክ ተነጊርዎም ብኻሊእ አንፈት ናብ ዓዶም ተመሊሶም። 


አስማት እቶም ሠለስተ ነገሥታት ሰብአ ሰገል  ፦

፩.ማንቱሲማር 

፪.በዲዳስፋ 

፫.ሜልኩ  ይብሃሉ።


 ንማንቱሲማር----   እልፍ ሠራዊት( 10.000)

 ንበዲዳስፋ  ----   እልፍ ሠረዊት  (10.000)

 ንሜልኩ    -----   እልፍ ሠራዊት  (10.000)

ነይሮሞም።

ጠቕላላ ናይ ሠለስተ ነገሥታት  30.000 ሠራዊት ዝኣኽሉ እዩ አብ ኢየሩሳሌም ዝኣተው። 

ሄሮድስን ሰዓብቱን ዝተሃወኩ ብዚ ብበዝሒ ናይ እቶም ሠለስተ ነገሥታት ሠራዊት እውን እዩ። 

ወተሀውከ ሄሮድስ ወኩላ ኢየሩሳሌም ምስሌሁ ይብል። 



  ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገለጸ እቶም ነገሥታት ወርቂ፣ ዕጣን፣ ከርቤ ፣አድጊን ላሕሚን ድማ ቑሪ ስለዝነበረ  እስትንፋሶም ገቢሮሙሉ እዮም። 

  እዚ ዘርእየና ምስጢር እቲ ተወሊዱ ዘሎ ሕጻን ናይ ሰብን እንስሳን ኹሉ  ፈጣሪ ሙኻኑ እዩ። 

  ክርስቶስ ዝተወለደሉ ወርሒ ታሕሳስ ቑሪ ሙኻኑ ዝፍለጥ ወርሒ ታሕሳስ  ኣብ ሀገረ እስራኤል ናይ ቑሪ ወቅቲ ከም ዝኾነ ይሕበር።


ናይ ሰብ ኹሉ ፋቕዕ ዝነበረ አብ ቤተ ልሔም ተረኸበ። 

 በኪሩቤል ክንፊ  ዝሽፈን  ብጨርቂ ተጠቕለለ።

ብእሳት ሠረገላ ዝቕመጥ ብድንግል ማርያም ጉልበት ተቀመጠ።(አባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ) 

ብኣዳም ምክንያት ዝጠፍአ  ሰላም ብዳግማዊ አዳም ክርስቶስ ተረኸበ። 



ብመላእክት ዝተኸበበት ቤተ ልሔም


መልኣኽ እግዚኣብሔር  ኣብ ጥቓ እቶም ጓሶት ደው በለ ክብሪ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ ብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፈርሑ። 

  እቲ መልኣኽ ድማ እንሆ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ  ንሱ ኸዓ ክርስቶስ ጐይታ እዩ ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓብዪ ሓጐስ የብስረኩም አለኹ እሞ ኣይትፍርሑ። 


ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም ኣብ መብልዕ ከፍቲ ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም በሎም። 

  ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም  ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።


   ቅዱስ ያሬድ "ዮም አሐደ መርዔተ ኮኑ መላእክት ወሰብእ ከመ ይሰብሕዎ ለክርስቶስ በቃለ አሚን<ንክርስቶስ ብእምነት ቃል ንከመስግንዎ ሰብን መላእክትን ሓደ ወገን ኾኑ፣ ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር <ንእግዚአብሔር ብሰማያት ምስጋና ይኹን ብምድሪ ድማ ንወዲ ሰብ ሰላም እናበሉ ዘመሩ ብማለት ናይ ሰብን መላእክትን ሕብረት ተናጊሩ። 

  እቲ ዝገርም ነገር ቅዱሳን መላእክት ክርስቶስ ኣብ ቤተ ልሔም ምስ ረአይዎ ኣብ ሰማይ ደለይዎ ይብል።


ወሶበ ርእዩ እግዚኦሙ ዘአስተጋብአ ኩሎ ፍጥረታተ 

እንዘ ይነብር ውስተ ሕጽንኪ<<ንፍጥረታት ኹሉ ዝፈጠረ ኣብ ብርክኺ ኮፍ ኢሉ ምስረአዩ 

  ወዘይሴሲ ለኩሉ ፍጥረት ይጠቡ ሀሊበኪ ከመ ሕጻን<<ንፍጥረት ኹሉ ዝምግብ ከም ሕጻን ጡብኺ እናጠወየ ምስረአዩ >


 ኃሠሥዎ ውስተ አርያም ወበህየ ረከብዎ ምስለ አቡሁ ወመንፈስ ቅዱስ ከመ ትካት<ኣብ ሰማይ ደለይዎ ኣብኡ ድማ ምስ ኣቦኡን ምስ መንፈስ ቅዱስን ከም ቀደሙ ረኸብዎ ይበል ቅዱስ ያሬድ።

  ብኻሊእ ወገን ድማ  "አንተ ንቡር ውስተ አርያም ወአንተ ኅዱር ውስተ ከርሠ ማርያም "ንስኻ ኣብ አርያም አለኻ ፣ንስኻ  ኣብ ከርሰ ማርያም ሓዲርካ  ዝበል አሎ ።ናይ እግዚአብሔር ስራሕ ይገርም እዩ።

 ስለዝኾነ ድማ እቲ ዕርቂ ኣብ ቤተ ልሔም ተጀሚሩ ኣብ ቀራንዮ እዩ ተዛዚሙ ማለት እዩ። 


በዚ መሠረት ድሕነትና 

ብብስራት--- ተበሲሩ 

ብልደት ------ተጀሚሩ 

ብስቅለት----- ተዛዚሙ ማለት እዩ።


  ቤተ ልሔም ክልተ ክግበሩ ዘይኽእሉ ነገር ግን ዝተገበሩ ዐበይቲ ተአምራት አስተአናጊዳ እያ። 

፩.ቅድሚ እዚ  ተሰሚዑ ዘይፈልጥ   ድሕር እዚ እውን ክኸውን ዘይኽእል ድንግል ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ምውላድ ምስ ወለደት እውን  ድንግል ኾይና ምንባራ 

፪.ሰማይን ምድርን ዘይኽእልዎ አምላኽ ብድንግል ማህጸን ተወሲኑ ምውላድ እዩ። 


ናይ ድንግል ብድንግልና ምውላድን ናይ አምላክ  ምውሳን ዐበይቲ ተአምራት እዮም።


ብሙኻኑ ነዚኣቶም ዘተኣናገደት  ቤተልሔም እያ።

ብቤተ ልሔም ናይ ሰባትን መላእክትን ሓድነት ተፈጢሩ ብሓድነት ንእግዚአብሔር አመስጊኖሞ።


ስለዚ ብቤተ ልሔም ፦

ሕዝብን አህዛብን 

ሰብን እግዚአብሔርን 

ሰብን መላእክትን፣

 ነፍስን ሥጋን  ተስማዕሚዖም ሓደ ኮይኖም።  


ክርስቶስ ዝተወለደሉ ዘመን ምልክት

፩.አውግስጦስ ቄሳር ኣብ ሮም  ነጊሡ እንተሎ

፪.ሄሮድስ ብኢየሩሳሌም ነጊሡ እንተሎ

፫.ሊቀ ካህናቱ ዘካርያስ እንተሎ

፬.ሕዝቢ ኹሉ ንክቑጸር አዋጅ ወጺኡ እንተሎ

፭.ቄሬኔዎስ  ኣብ ሶርያ ነጊሡ እንተሎ  እዩ። 


ዓለም ኹላ  ብልደት ብክርስቶስ ሓደ ኢላ ሓዱሽ ዓመተ ምሕረት ጀሚራ። 

 ብአዳም ሓጢአት ዘመኑ ፦ዓመተ ኩነኔ ፣ዓመተ ፍዳ ዝብሃል ዝነበረ ብልደት ክርስቶስ ዓመተ ምሕረት ናብ ዝብል ተለወጠ።


            መልእኽቲ 


በልደቱ ተወለድነ ወበጥምቀቱ ተጠመቅነ

ክርስቶስ ፦ዝተወለደ ካልኣይ ንክወልደና እዩ::

  

ዝተወለደ፦ ሞይትና ስለዝነበርና ብልደቱ ንክወልደና እዩ።

  ስለዚ ክርስቶስ ተወሊዱ ኢልና ንሕጎስ ኢና ምክንያቱ ምውላዱ ናይና ምውላድ ስለዝኾነ።

ግን ታሕጓስና ብሳዕስዒት ፣ብጭፈራ ድዩ ክኸውን ዝግባእ ? 

  ታሕጓስና መንፈሳዊ ታሕጓስ እዩ ክኸውን ዝግባእ ንዝተጸገሙ ብምርዳእ እዩ ክኸውን ዝግባእ። 


   እቲ ታሕጓስ ንሥጋ ዝጠቅም ምግቢ እንተይኮነስ ንነፍሲ ዝጠቅም ዘለዓለማዊ ምግቢ ስለዝረኸብና ኢና እንሕጎስ ዘለና። 

   ናይ ታሕጓስ መለለዪ ብምስታይ፣ብምብላዕ፣ብምስዕሳዕ ፣ከም ድላይካ ብምስታይ ኣይኮነን ።እዚ አርቴፊሻል ታሕጓስ እዩ ዝብሃል። 


   እቲ ኦርጂናል ታሕጓስ ፦ግን ብመንፈሳዊነትካ፣እግዚአብሔር ብዝገበረልኻ ነገር፣ንዝተሸገሩ ብምርዳእ ክተሕልፎ ከለኻ እዩ። 

   ሰብ ዝበልዖ ስኢኑ ንስኻ ብዊስኪ ክትራጨ  እንተኾይንካ ዓለማዊነት ጥራሕ እምበር መንፈሳዊነት የብልኻን። 


  ብልደት ክርስቶስ ምሕጓስ ማለት ንዝሓዘኑ ብዝትኸኣለካ መጠን ክተጽናዕንዕ፣ንዝስኣኑ ብዘለካ ክትረድእ ከለኻ እዩ እሞ ኹላትና ካብ ልክዕ ብዝሓለፈ ምብላዕ ምስታይ ዘይኮነስ ብዓቅሙ በሊዕና ሰቲና ንኻልኦት እውን ኣብ ሽግሮም በጸሕቲ ንክንኸውን ፈጣሪ ይፍቀደልና ኣሜን። 


ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!


Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና