ምስጢረ ትንሣኤ ምውታን
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜንንን ምሥጢረ ትንሣኤ ሙውታን ምሥጢረ ትንሣኤ ሙውታን ምሥጢረ ትንሣኤ ሙውታን ትንሣኤ ዝብል ቃል፡ ‹ተንስአ› ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ‹ምትንሳእ› ማለት እዩ። ነፍስን ስጋን ብሞት ድሕሪ ምፍልላየን፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ብትንሳኤ ዘጉባኤ ይራኸባ። ትንሳኤ ክንብል ከሎና ብዛዕባ ትንሳኤ ስጋ ንዛረብ ከም ዘለና ከነስተብህል ይግባእ። ምኽንያቱ ነፍሲ ብባህሪኣ ዘይትመውት ብምዃና እዩ። ስለዚ ትንሳኤ እንብሎ፡ ስጋ በስቢሱ፡ ፈሪሱ ካብ ዝነብረሉ ዝነበረ መቓብር፡ ምስ ነፍሲ ከም እንደገና ተወሃሂዱ፡ ብስልጣነ እግዚኣብሔር ክትንስእ ከሎ እዩ። (ዳን 12፡13፤ 2እዝ 7፡8) ትንሳኤ ዘለዎ ፍጡር መን እዩ፧ ካብ ዕስራን ክልተን ስነ ፍጥረት፡ መላእኽቲ ዘይሞቱ ብምዃኖም ትንሳኤ ኣይምልከቶምን እዩ። ካብቶም ዝተረፉ ግና ሰብ ንበይኑ ድሕሪ ሞቱ ትንሳኤ ኣለዎ። ንሰብ ትንሳኤ ዘድለየሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሰብ ብቐደሙ’ውን እንተኾነ ነፍሱን ስግኡን ከይተፈላለያ ብህይወት ንኽነብር ደኣ እምበር ንኽመውት ስለ ዘይተፈጥረ እዩ። (1ይተሰ 5፡9) ይኹን እምበር ሰብ እግዚኣብሔር ኣብ ዘቐመጦ ስፍራ ጸኒዑ ስለ ዘይተረኽበ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈርዶ። ደሓር ግና ንስሓ ስለ ዝኣተወ ትንሳኤ ሙታን ተኣወጀሉ። ነቢይ እግዚኣብሔር ዳንኤል “እቶም ዝሞቱ ክትንስኡ እዮም። ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ገሊኦም ኸኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን ክኸዱ እዮም።” ከም ዝበሎ፡ ሰብ ክፉእ ሰሪሑ ጽቡቕ ካብ ሞት ክትንስእ እዩ። (ዳን 12፡2) ካልኦት ነቢያትን ሃዋርያትን’ውን ከምኡ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ብዙሕ ገሊጾም እዮም። ኢሳ 26፡19 “ምውታት ህዝብና...