Posts

Showing posts from January, 2024

ኪዳነ ምሕረት

Image
 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን!!! ኪዳነ ምሕረት ኪዳነ ምሕረት ማለት፡ ናይ ምሕረት ኪዳን ማለት እዩ። ኪዳን ማለት ምምሓል፡ ዉዕል ምእታዉ፡ ምስምማዕ ማለት እዩ። ስለዚ ኪዳነ ምሕረት ክንብል ከለና ድማ ናይ ምሕረት ኪዳን፡ ዉዕል ስምምዕ ማለት እዩ። ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽና ንብዙኃት ካብ ቅዱሳኑ ቃል ኪዳን ኣትይሎምን ይኣትወሎም አሎን ፡ ንዝመጽእ ውን እንተኾነ ሕጉ ንዝሓለውን ንሱ ዝኣዘዞም ብምፍጻም ንዘሥምርዎን ክሳብ እለተ ምጽኣት ኪዳኑ ኣይቋረጽን እዩ። ካብ ዝኣተዎ ኪዳን ድማ ከይፈጸሞ ዝተረፈን ዝኃለፈን ግዚያት ፈጺመን የለዋን።  ስለዚ ድማ እዩ ልቢ ኣምላኽ ቀዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ መዝ 132፡11 ከምዚ እናበለ ዝመስከረ “እግዚአብሔር ከመዚ ክብል መሓለሉ ብዝመሓሎ ድማ ኣይክጠዓስን እዩ” ብምባል ኣምላኽና ኣብ ዝኣተዎ ኪዳን ጽኑዕ ምዃኑ ኣነጸረ። ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ሚልክያስውን ነዚ ኣመልኪቱ “ኣነ እግዚአብሔር ኣይልወጥን እየ” /ሚል 3፡6/ ዝብል ቃል ጽሒፉልና ኣሎ። በዚ ኸኣ እግዚአብሔር ዝኣተዎ ቃል ዘይልወጥ ኣምላኽ ምዃኑ ንርዳእ።  ሊቀ ነቢያት ኣቦና ቅዱስ ሙሴ ውን ኣብ ኦሪት ዘኁልቅ 23፡19 “ኣምላኽ ከይሕሱ ሰብ ኣይኮነን፡ ከይጠዓስ ውን ወዲ ሰብ ኣይኮነን” ብምባል ኣምላኽና ብዝኣተዎ ኪዳን ንዘልኣለም ከም ዘይጠዐስ የረድኣና። እዚ ነቢያት ቃሉ ከም ዘይቅየር ዝመስከሩሉ፡ ኣብ ነቢያቱ ኃዲሩ ትንቢት ዘዛረበ ልዑል ኣምላኽ፡ ፍቕሪ ናይ ሰባት ስሒብዎ፡ ካብ ማእሰርቲ ናይ ሰይጣን ናጻ ኬውፅኣና ናይታ ብንጽሕናኣ መወዳድርቲ ዘይብላ ቅድሰትን ርኅርኅትን ኣዴና ቅድሰት ድናገል ማርያም ማኅፀን መሪጹ ኣብኣ ብምሕዳር ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ፡ እሳታዊ መለኮቱ ንልምላሜ ሥጋኣ ከየቃጸሎ፡ ነታ ...

ቅድስት ሥላሴ

Image
  በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን!!! ቅድስት ሥላሴ   እመ እግዚአብሔር ኢሐነጸ ቤተ ከንቶ ይጻምዉ እለ የሐንጹ <<እግዚአብሔር እንተዘይሓኒጹ እቶም ዝሓንጹ ንከንቱ ይደኽሙ።(መዝ 127፥1)   ደቂቀ ሴት ብደብር ቅዱስ ብንጽሕና ፣ብቅድስና ይነብሩ ነይሮም ።ድሕሪ ጊዜ ካብ ንጽሕናኦም ወሪዶም ምስ ደቂቀ ቃኤል ተጸምቢሮም ማእለያ ዘይብሉ ሓጢአት ይፍጽሙ ነበሩ። ብዘመኑ ምስ እግዚአብሔር ዝጉዓዝ  ጻድቅ ኖኅ በይኑ ጥራሕ ነበረ።(ዘፍ 6፥9) እግዚአብሔር ሓጢአቶም ርእዩ ማየ አይኅ (ናይ ጥፍአት ማይ)ብታሕቲ ብሰብዓ ዓይነት ፣ብላዕሊ ብሸውዓተ ዓይነት አዝኒሙ አጥፊእዎም ነበረ። ብዘይካ ሾመንተ ነፍሳት ማለት እውን (ኖኅን ሰበይቱን ሠለስተ ደቁን አንእስቶምን) ዓለም ኩላ ብሓጢአታ ብማየ አይኅ ጠፊአ ነበረት።ይኹን እምበር ድሕሪ ማየ አይኅ ደቂ ሰባት ምብዛሕ ጀመ፤ ካብ ምሥራቅ ተላዒሎም ሰናዖር ዝብሃል ሓደ መይዳ ረኸቡ እሞ አብኡ ተቐመጡ።ሽዑ ድማ ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ከይንብተን ጫፉ ናብ ሰማይ ዝበጽሕ  ሕንጻ ንስራሕ፣ ስምና ነጸውዖ ኢሎም ምስራሕ ጀመሩ። እግዚኣብሔር ድማ ኽፍአቶም ረአየ  ንዑ ንረድ ወንክዓው ነገሮሙ ለከለዳውያን << ንዑ ንውረድ ሓደ ናይ ሓደ ቋንቋ ከይሰምዖ ነሓውውሶ በለ ።እዚ ቃል ምንም እንኳን ብግልጺ ሠለሰተ አካላት አይግለጽ ደአ ልዕሊ ሓደ ሙኻኑ የረድእ። ስለዚ ናይ እግዚአብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ዘመላኽት እዩ ማለት እዩ።(ዘፍ 11፥7) ነቲ ደቂ ሰባት ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግምብን ክርኢ ወረደ ይብል። እዚ ማለት ሓጢአቶም ረአየ እሞ ናይ ዓለም ቋንቋ ሓንቲ ዝነበረት ነኒሕድሕዶም ንከይረዳድኡ ብዙሓት ቋንቋታት ፈጠረ። ነኒሕድሕድም ምርድዳ...

ጾመ_ገሃድ

Image
 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ አምላክ አሜን!                    ጾመ_ገሃድ ጾመ ገሃድ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ብኣዋጅ ክጽወሙ ካብ ዝሰርዓቶም ሸውዓተ ኣጽዋማት ሓደ እዩ። እዋን ናይዚ ጾም ድማ ኣብ ድሮ ልደትን ጥምቀትን ኮይኑ ንሓደ መዓልቲ ጥራይ ዝጽወም ጾም እዩ። በዓለ ልደትን ጥምቀትን ኣብ መዓልትታት ጾም ማለት ረቡዕን ዓርብን ክውዕሉ ከለዉ ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ብለይቲ እዩ ዝቕደስን ድሕሪኡ ድማ ክብላዕ ዝፍቀድን (ወጾመ ድራረ ልደት ወጾመ ድራረ ጥምቀት)። በዚ መሠረት ድማ እቲ ብመንፈሳዊ ፍስሓን ሓጐስን ክበዓል ዝግብኦ ክቡር በዓል ጐይታ ጾም ብምጽዋም ከይነሕልፎ ብማለት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክንዲኡ ብድሮ ሓሙስን ሠሉስን ክጽወም ብኣዋጅ ሰሪዓቶ ትርከብ። (ፍት. መን ኣን 15) እዚ ጾም’ዚ በብዓመቱ ክጽውም ኣብ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ከምዝተወሰነ ድማ ከነስተብህሎ ይግባእ። ናብቲ ትርጉም ናይቲ ቃል ክንምለስ ከሎና ገሃድ ማለት ለውጢ ብካልእውን ምግላጽ ማለት እዩ። ኣብዚ ናይ ጾም ትርጉም ወሲንና ክንርእዮ ከሎና ኣብ ክንዲ እቲ በዓል ንድሮ ናይቲ ዕለት ክጽወም ለውጢ ኮይኑ ስለዝተሰርዐ ከምኡ ዝብል ትርጉም ሒዙ ይርከብ። ድሮ ልደት ግና ኣብ ውሽጢ ጾም ስለዝርከብ ንባዕሉ ስሩዕ ጾም እንድዩ ዝብሉን ዝሓቱን ኣይሰኣኑን ግና ኣብ ከምዚ እዉጅ ጾም ገሃድ ግና ዝያዳ ካብቲ ስሩዕ ክሳብ ሰርክ ክጽወም ከምዝግብኦ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ይእዝዙ (ሰብዓቱ አጽዋማት እለ ሥሩዕ ጾሞሙ እስከ ፱ ሰዓት … ወዘሰ አፈድፈደ ጾመ እምዝንቱ ዘተሠርዐ ይፈደፍድ ዕሤቱ)። ብፍላይ ድማ በቲ ዕለት በዓል ቅዱስ ሥጉኡን ክቡር ደሙን ክቕበሉ ዝተዳለዉ ምእመ...

ጉዕዞ ካብ ልደት ክሳብ ዕርገት

Image
  በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን!!! እግዚኣብሄር ንሰብ ከድሕን ዝገበሮ ጉዕዞ ካብ ልደት ክሳብ ዕርገት  ልደት -ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ካብ ሕቱም ምድሪ ተፈጢሩ ንዝስሓተ ኣዳም ንከድሕን ብሕቱም ድንግልና ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ ማቴ 1፣18-25 ኢሳ7፥14 ስደት -ብስንኪ በደሉ ካብ ገነት ናብ ሲኦል ንዝተስደደ ኣዳም ንኪመልስ መደሃኔ ዓለም ክርስቶስ ዋላ ሓደ ከይበደለ ናይ ገነት ምሳሌ ካብ  ዝኮነት ከንኣን ናብ ናይ ሲኦል ምሳሌ ዝኮነ ግብጺ ተስደ ።ማቴ 2፣13-23 ጥምቀት-  መድሃኔ ዓለም ክርስቶስ ነቲ ወዲ ሳላሳ ዓመት ጎበዝ ኮይኑ ተፈጢሩ ክንሱ ዲያብሎስ ውልድነቱ ብሰንኪ በደሉ ዘጥፍኦ ኣዳም ውልድነቱ ንክመልስ ኣብ 30 ዓመቱ ጎይታ ተጠምቀ ።ማቴ 3፥3-17 ፈተና ምስዓር ማቴ 4፥4  ስቅለትን ሞትን  ነቲ ብሰንኪ በደሉ ካብ ጸጋ ዝዓረቀ ኣደም ጸጋ ከልብሶ ዕራቁ(ጥርሑ ) ኣብ መልእልተ መስቀል ተስቅለ።ማቴ 27፥35  ትንሳኤን ዕርገትን  ነቲ ብመስቀሉ ዝተረክበ ዓቢይ ዓወት ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ካብ ምውታን ተፈልዩ ብገዛእ ስልጣኑ ብምትንሳእ ኣረጋገጾ።ስለዚ ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ብልሕካ ኣታ ሲኦል ኣበይ ኣሎ ዓወትካ ።ግናኸ ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዝህበና ኣምላክ ምስጋና ይክኖ።1 ቆሮ 15፥55-57 ማር 16፥19  እግዝኣብሔር ኣምላክ ብልደቱ ከብርሃልና፡ ብስደቱ ስደትና ከቅልለልና፡ ብጥምቀቱ ክጸግወና፡ ብስቅለቱ ክብጀወና፡ ብትንሳኤኡ ከተንስኣና፡ ብዕርገቱ ሓይሊ መንፈስቅዱ ክህበና ሰናይ ፍቃዱ ይኩን ኣሜን!  ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።" https://sonstmic...

ልደተ ክርስቶስ

Image
  በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን!!! እንቋዕ_ናብ_ብርሃነ_ልደቱ_ኣብጽኃና ! “ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም መጽአ . . .” (ዮሓ. 1፡9) ‘ብርሃን’፦ ዝተባህለ እቲ ብዕለተ እሑድ ዝተፈጥረ ብርሃን (ዘፍ. 1፡2)፣ ወይ’ውን ካብዚ ናይ ዕለተ ሰንበት ብርሃን ተቐቢአን ብዕለተ ረቡዕ ናይ ዝተፈጥራ ፀሐይ፡ ወርኅን ከዋክብትን ኣይኮነን። እቲ ገባሬ ብርሃናት ከምኡ’ውን እቲ ንልቢ ኵሉ ሰብ ዜብርህን ፍልጠት ዚህብን ናብዚ ዓለም ዝመጸ ብርሃነ ጽድቅ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። (ዮሓ. 1፡9፤ ያዕ. 1፡17) ጐይታ’ውን ብኣምላካዊ ቃሉ “አነ ውእቱ ብርሃኑ ለዓለም/ኣነ ንዓለም ብርሃኑ እየ” (ዮሓ. 8፡12 ፤ 9፡5) ኢሉ እዩ። ሓዋርያ ዮሓንስ ከኣ “እግዚአብሔር ብርሃን እዩ፡ ኣብኡ ከኣ ጸልማት ዝብልዎ ከቶ የልቦን” (1ይ ዮሓ. 1፡5) ከምዝብል ብርሃን፡ እግዚአብሔር እዩ። ብባህርየ መለኮቱ ሓደ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ክርእዮ ውን ዘይክእል፡ ፍጹም ዘይጠፍእ ብርሃን ዘለዎ እዩ።(1ይ ጢሞ. 6፡16)። ፈጣሬ ብርሃናት እግዚአብሔር፡ ንሰብ ብመልክዑን ብኣምሳሉን ፈጢሩ ኣብ ገነት ኣንበሮ። (ዘፍ. 1፡27) ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ከኣ ብብርሃናዊ ሕይወት ይመላላስ ነበረ። እንተኾነ እዚ ብርሃናዊ ሕይወት ካብ ሾብዓተ ዓመት ክኃልፍ ኣይከኣለን። ኣዳምን ሔዋንን ቓል ሰይጣን ሰሚዖም ብርሃን ዝኾነ ትእዛዝ ፈጣሪኦም ብምፍራሶም (መዝ. 119፡105) መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን፡ ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን ተፈሪድዎም፣ እግዚአብሔር ካብ ዝኣክል ጐይታ፡ ገነት ካብ ዝመስል ቦታ ተሰጒጎም ወፅኡ። ነቲ ዝተዋህቦም ናይ ጸጋ ብርሃኖም’ውን ኣጸልመትዎ። ነዚ ክገልጽ እንከሎ “ሰብሲ ክዳን ብርሃን ዝለበሰ ክነሱ ሰብነቱ ኣዕረቐ፡ ናይ ቆርበት ክዳን ኸኣ ተኸድነ” ድኅ...