ተሥእሎ እምነቢይ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ተሥእሎ እምነቢይ
(ተሥእሎ እምነቢይ ወተሰጥዎ እመንፈስ ቅዱስ)
ንቅዱስ ዳዊት ዝተነገሩ ናብ ዝተቀደሰ እምባ(መንግሥተ ሰማያት) ከእትው ዝኽእሉ ዓሠርተ ዝኾኑ ናይ ሥነ ምግባር መለክዒታት፣መመዘኒታት
ተሥእሎ እምነቢይ ፦ካብ ነቢይ ነቢይ ሕቶ ማለት
ንምሳሌ ፦መኑ ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ሰብሐት "እዚ ናይ ክብሪ ንጉሥ መን እዩ ? ኢሉ ቅዱስ ዳዊት ብሕቶ መልክዕ አቕሪቡ ነይሩ።
ተሰጥዎ እመንፈስ ቅዱስ፥ካብ መንፈስ ቅዱስ መልሲ ማለት ድማ
መንፈስ ቅዱስ ክምልሰሉ እንከሎ "እግዚአብሔር አምላከ ኃያላን ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ስብሐት"እዚ ናይ ክብሪ ንጉሥ መን እዩ ?ዝበልካዮ ናይ ሓያላን አምላኽ እግዚአብሔር እዩ ኢሉ መንፈስ ቅዱስ ብአንደበቱ ኣቐቢልዎ ባዕሉ መሊሱ ተናጊሩ።
(መዝ 24፥10) ንምሕጻር ዝአክል እምበር ከምዚ ዓይነት ብዙሕ ኣሎ።
( ተሥእሎ እምነቢይ)
ክልተ ናይ ቅዱስ ዳዊት ሕቶ
፩.እግዚኦ መኑ የሐድር ውስተ ጽላሎትከ
< ዎ እግዚኣብሔር፣ ኣብ ድንኳንካ ዝሓድር መን እዩ?
፪.ወመኑ ያጸልል ውስተ ደብረ መቅደስከ
<ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዝነብር ከ መን እዩ ?
(ተሰጥዎ እመንፈስ ቅዱስ)
ዓሠርተ ናይ መንፈስ ቅዱስ መልሲ ንሳቶም ድማ፦
፩.ዘየሐውር በንጹሕ ወይገብር ጽድቀ
<እቲ ብቕንዕና ዝመላለስ ጽድቂ እውን ዝገብር፣
፪.ወዘይነብብ ጽድቀ በልቡ
<ብልቡ ሓቂ ዝዛረብ፣
፫.ወዘኢጓሕለወ በልሳኑ
<ብልሳኑ ዘይሓሚ፣ዘየታልል
፬.ወዘኢገብረ እኩየ ዲበ ቢጹ
<ንመሓዛኡ ምንም ኽፉእ ነገር ዘይገብር
፭.ወዘኢያጽአለ አዝማዲሁ
< ንቤተ ሰቡ ዘየጽርፍ >
፮.ወዘምኑን በቅድሜሁ እኩይ
< ሓጢኣት ኣብ ቕድሚኡ ዝተንዓቐ >
፯.ዘያከብሮሙ ለፈራሕያነ እግዚአብሔር
< ንእግዚአብሔር ንዝፈርሑ ሰባት ዘኽብር >
፰.ዘይምሕል ለቢጹ ወኢይሔሱ
<ንቢጻዩ ምሒሉ ዘይኸድዕ>
፱.ወዘኢለቅሐ ወርቆ በርዴ
<ገንዘቡ ብወለድ ዘየለቅሕ>
፲.ወዘኢነሥአ ኅልያነ በላዕለ ንጹሕ
<ካብ ሰብ ጉቦ(ብላዕ)ዘይቕበል
ዘይገብር ከመዝ ኢይትሐወክ ለዓለም።
<ከምዚ ዝገብር ንዘለዓለም ኣይህወክን
ማለት መንግሥተ ሰማያት ክወርስ እዩ ማለት እዩ።
እዚኦም ናብ እቲ ቅዱስ ቦታ ከብጽሑ ዝኽእሉ ንቅዱስ ዳዊት ዝተውሃቡ መስፈርቲታት፣መመዘኒታት እዮም።(መዝ 15፥1-5)
"ሰማዕቲ ጥራሕ ዘይኮንና ዝተነገረ ፈጸምቲ ንክንኸውን ፈጣሪ ይሓግዘና ኣሜን።
ሰላም ለኩም ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Comments
Post a Comment