እምነንት ሠለስቱ ደቂቅ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

    ናይ ሠለስቱ ደቂቅ ዝገርም እምነን፣ ጽንዓትን 

፩.እምነት ፦ንናቡከደነጾር ካብ ኢድኻ ከድሕነና እዩ ኢሎም እግዚአብሔር ከድሕኖም ከም ዝኽእል ብፍጹም ልቢ ምንማኖም።(ዳን 3፥17) 

፪.ጽንዓት፦ፈጣሪና ዋላ እኳ ኣየድሕነና እምበር ንጣዖት ብፍጹም ኣይንሰግድን ማለቶም።

(ዳን 3፥18)ምክንያቱ እግዚአብሔር ብመከራ ጊዜ ምድሓን ጥራሕ እንተይኮስ መከራ ረኺብካ ፣ተፈቲንካ፣ሰማዕትነት ተቐቢልካ ክብሪን ዋጋን ንክትረክብ እውን ስለዝገብር።

        ስለዚ ሠለስቱ ደቂቅ ፦

፩,እግዚአብሔር ብመከራ ጊዜ ከም ዘድሕን፣

፪,መከራ፣ፈተና፣ሰማዕትነት ተቐቢልካ መንግሥቱ ንክትወርስ ከም ዝፈቅድን ከም ዝገብርን ተረዲእዎም ነይሩ። 


 መብዛሕቲና ግን እንተተፈቲንና ፣መከራ እንተመጺኡና፣ኣብ ፀገም እንተወዲቕና ንፈጣሪና ነማርር፣ብፈጣሪና ተስፋ ንቖርጽ ኣለና ።ግን እግዚአብሔር ብመከራ፣ ብፈተና ኣቢሉ ዋጋና ንክህበና ሙኻኑ ኣይንረስዕ።#ሓደ ሓደ ሰባት እውን ሰብ መከራ እንተገጢምዎ፣እንተሓሚሙ ፣ዝኾነ ችግር እንተመጺእዎ ሓጢኣት ከም ዝገበረ ፣ንእግዚአብሔር ከም ዘሕዘነ ገይሮም 

ፈረድቲ ዝኸውኑ ኣለው ። እዚ ስሕተት እዩ እንድያውም እግዚአብሔር #ንዝፈትዎ እዩ ዝፍትን።እዚ ማለት ግን ብሓጢኣት ዝመጽእ መከራ የለን ማለት ኣይኮነን።


ስለዚ እምነትና፦መከራ ክመጽአና እንተሎን ከድሕነና እንሎን ማዕረ ክኸውን ይግባእ።


ከም ናይ ሠለስቱ ደቂቅ ዝበለ እምነት፣ጽንዓት ይዓድለና ኣሜን።


ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና