Posts

Showing posts from October, 2023

ገዳም ደብረ ቢዘን

Image
  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!       ........ገዳም_ደብረ_ቢዘን.... ገዳም ደብረ ቢዘን፡ ካብ ገዳማተ ኤርትራ፤ እቲ አዝዩ ስሙይን ብዝውንኖ መጻሕፍቲ፡ ንዋየ ቅድሳትን ክሳብ ሕጂ ብዘመንኮሶም ብዝሒ መነኮሳትን ሊቃነ ጳጳሳትን አብ 1ይ ደረጃ ዝስራዕ ገዳም እዩ። ገዳም ደብረ ቢዘን፡ አብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ከተማ አስመራ 25 ኪ.ሜ ንሸነኽ ምብራቕ ርሒቑ ዝርከብ፤ ካብ ነፋሲት ድማ አስታት 7 ኪ.ሜ ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ አብ አዝዩ በሪኽ እምባ ቢዘን ተገዲሙ ዝርከብ እዩ። ነዚ ገዳም'ዚ ብ1360 ዓ.ም ዝመስረትዎ ጻድቕ አቦና አቡነ ፊሊጶስ እዮም።  ጻድቕ አቦና አቡነ ፊሊጶስ ብጥቅምቲ 1319 ዓ.ም አብ እዋን ዘመነ መንግስቲ ዓምደ ጽዮን ካብ አብኦም ይርድአነ እግዚእን ካብ አዲኦም መግደላዊትን ዝተባህሉ ቅዱሳን ወለዲ አብ አንከረባርኳ (ጎላጉል)- ትግራይ ተወልዱ። ብ18 ሕዳር አብ በዓለ ሓዋርያ ፊሊጶስ ስለዝተጠምቁ ድማ ፊሊጶስ ኢሎም ሰመይዎም። አብ 12 ዓመት ዕድሚኦም መንፈስ እግዚአብሔር ዝሓደሮም ብቑዕ ብምንባሮም አብ ደብረ ጸራቢ አተዉ'ሞ ካብ አቡነ በኪሞስ አርዑተ ምንኩስና ተቐበሉ። አብ ዝተፈላለየ ቦታታት ምድሪ ባሕሪ (ኤርትራ) እናተንቀሳቐሱ ወንጌል እንዳሰበኹ ብብሕትውና ድሕሪ ምንባሮም ምስ 16 አርድእቶም ናብ ገዳም ደብረ ቢዘን አትዮም ብ1365 ዓ.ም ሓድነትን ማሕበራዊ ናብራን አቑሞም ገደምዎ። ካብኡ ንደሓር ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዶም ክነብሩ ጀመሩ።  ብድሕር'ዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ከም'ዚ በሎም፡ "ንኹሉ አብ ሰማይን ምድርን ዘሎ ምስጢራት ከምኡ'ውን 81 ቅዱሳት መጻሕፍቲ ገሊጸልካ አለኹ። ብምልክት ካብ መምህር ስለዘይተመሃርካ ስ...

ገነት አበይ እያ

Image
     በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!                አይቴ ይእቲ ገነት ?          ምሳሌ መንግሰተ ሰማያት ማቴ 22፡1-14 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!! ምሳሌ መንግሰተ ሰማያት ማቴ 22፡1-14 (Click to read PDF) ኣብ   መጽናዕቲ   መጽሓፍ   ቅዱስ፡   ቃል   እግዚኣብሔር   ከነብበሉ   ዝግበኣና   ኣገባብ   ብሕጽር   ዝበለ   ከምዚ   ይመስል፡ 1.       ብነጸላ   ትርጉም፡   ንኣብነት  ኣበ   ብዙሃን   ኣቦና   ኣብርሃም፡   ካብ   ካራን   ናብ ከንኣን ዝገበሮ ጉዕዞ ወይ ድማ፡ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይ ኦሪት ዘፍጥረት፡  <<ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ>>  ይብል። ነዚ ቃል ብቀጥታ ኣንቢብና ክንርድኦ ንኽእል። ምኽንያቱ ትርኻዊ መልክዕ ስለዘለዎ። 2.      ምሳሌያዊ   ትርጉም፡   ንኣብነት፡  ዘልኣለማዊ   ድንግልና   ናይ   ኣዴና   ቅድስቲ   ቅዱሳን   ድንግል   ማርያም፡   << ኣቲ   ሓብተይ   መርዓተየ   እጽውት   ገነት   ዕጽኢ   ዔላ   ሕቱም   ዐይኒ   ማይ ...

ተሥእሎ እምነቢይ

Image
  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!    ተሥእሎ እምነቢይ (ተሥእሎ እምነቢይ ወተሰጥዎ እመንፈስ ቅዱስ) ንቅዱስ ዳዊት ዝተነገሩ  ናብ ዝተቀደሰ እምባ(መንግሥተ ሰማያት) ከእትው ዝኽእሉ ዓሠርተ ዝኾኑ ናይ ሥነ ምግባር መለክዒታት፣መመዘኒታት   ተሥእሎ እምነቢይ ፦ካብ ነቢይ ነቢይ ሕቶ ማለት ንምሳሌ ፦መኑ ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ሰብሐት "እዚ ናይ ክብሪ ንጉሥ መን እዩ ? ኢሉ ቅዱስ ዳዊት ብሕቶ መልክዕ አቕሪቡ ነይሩ።  ተሰጥዎ እመንፈስ ቅዱስ፥ ካብ መንፈስ ቅዱስ መልሲ ማለት ድማ  መንፈስ ቅዱስ ክምልሰሉ እንከሎ   "እግዚአብሔር አምላከ ኃያላን ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ስብሐት "እዚ ናይ ክብሪ ንጉሥ  መን እዩ ?ዝበልካዮ ናይ ሓያላን አምላኽ እግዚአብሔር እዩ ኢሉ መንፈስ ቅዱስ ብአንደበቱ ኣቐቢልዎ ባዕሉ መሊሱ ተናጊሩ። (መዝ 24፥10) ንምሕጻር ዝአክል እምበር ከምዚ ዓይነት ብዙሕ ኣሎ።           ( ተሥእሎ እምነቢይ)          ክልተ ናይ ቅዱስ ዳዊት ሕቶ ፩.እግዚኦ መኑ የሐድር ውስተ ጽላሎትከ  < ዎ እግዚኣብሔር፣ ኣብ ድንኳንካ ዝሓድር መን እዩ?  ፪.ወመኑ ያጸልል ውስተ ደብረ መቅደስከ <ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዝነብር ከ መን እዩ ?             (ተሰጥዎ እመንፈስ ቅዱስ)         ዓሠርተ ናይ መንፈስ ቅዱስ መልሲ ንሳቶም ድማ፦ ፩.ዘየሐውር በንጹሕ ወይገብር ጽድቀ <እቲ ብቕንዕና ዝመላለስ ጽድቂ እውን ዝገብር፣  ፪.ወዘይነብብ ጽድቀ በልቡ <ብልቡ ሓ...

ቃና ዘገሊላ

Image
  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!                     ቃና ዘገሊላ             (ቀዳሜ ኩሉ ተአምር)                 ማየ ረሰየ ወይነ "ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተጠመቐ ከይውዓለ፣ ከይሓደረ አርብዓ ማዕልቲን አርብዓ ለይቲን አብ ገዳመ ቆሮንቶስ ምስ ጾመ ብሣልሳይ ማዕልቱ ናብ ገሊላ ተመሊሱ ንመጀመርታ ጊዜ ተአምር ዝገበረሉ ዕለት እዩ ቃና ዘገሊላ እናበልና ጥር 12 እነኽብሮ ዘለና በዓል።  ጥንተ ቃና ዘገሊላ ግን የካቲት 23 እዩ። ክርስቶስ ጾሙ የካቲት 20 ብዕለተ ሰንበት ዛዚሙ ምስተመለሰ ብሣልሳይ ማዕልቱ ማለት ድሕሪ ጾም ሠለስተ ማዕልቲ ጸኒሑ እዚ እውን  1.ሰንበት 2.ሶኒ  3 ሠሉስ ስለዚ እቲ መርዓ ዝነበረ የካቲት 23 ብዕለተ ሠሉስ እዩ ነይሩ።  በዚ ዕለት እዚ  እዩ ናብ ቃና ዘገሊላ ዘምርሐ። ወንጌሉ ብሣልሳይ ማዕልቱ ብቃና ዘገሊላ መርዓ ነይሩ ዝብል ዘሎ ነዚ እዩ።(ዮሐ 2፥1) ሠሉስ ማለት ሣልሳይ ማዕልቲ ማለት ስለዝኾነ።  ደሓር ብሊቃውንቲ እዩ ጥር 12 ንክኽበር ዝተገበረ እምበር ጥንቱ የካቲት 23 እዩ ነይሩ ።  ከም  ዝተጠቀሰ  ክርስቶስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ መርዓ ዶኪማስ ተዓዲሙ ምስ አዴና ቅድስት ድንግል ማርያም አብ እቲ መርዓ ተረኸበ። ይኹን ደአ እምበር ኣብ እቲ መርዓ ሓደ ጸገም ኣጋጢሙ ነይሩ። ገና ተዓደምቲ እንከለው ወይኒ ተወዲኡ እቶም ሰብ መርዓ ሓፈሩ ጨነቆም ፣ናብ ዝኸድዎ ሰኣኑ ። ምክንያቱ እቲ ዝጸዋዕካዮ ሰብ ከይተአንገ...

ግዝረት

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!   ግዝረት         ወትሰምዪዮ ስሞ ኢየሱስ( ሉቃ 1፥31) < ስሙ ኢየሱስ ዝተብሃለሉ ዕለት >   መጽሓፍ ፦ወገብረ በሕገ ኦሪት ከመ ይሣየጦሙ ለእለ ውስተ ኦሪት እግዚአ ለኦሪት ገብረ በሕገ ኦሪት ከም ዝብል ኢየሱስ ክርስቶስ ፈጻሜ ሕጊ ስለዝኾነ ናይ ኦሪት ሕጊ ንሞፍጻም ብሕገ ኦሪት መሠረት ብሻምናይ ማዕልቱ ተገረዘ።  ክሳዕ ዕለተ ሓሙስ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኦሪት ሕጊ እናፈጸመ እዩ መጺኡ።   ብሻሙናይ ዕለት ተገሪዙ    ብአርብዓ ማዕልቱ ዕጉለ ርግብ ዘውገ ማእነቅ ሒዙ ናብ ቤተ መቅደስ ኸይዱ።   ፋሲካ ዝተብሃለ እስራኤላውያን ናይ ናጽነቶም ዕለት ዘኽብሩሉ ንሱ እውን በብዓመቱ  የኽብር  ነይሩ።  ብሓፈሻ ናይ  ኦሪት ሕጊ እናፈጸመ  ክሳዕ ጸሎተ ሓሙስ መጺኡ እዩ።  ናይ ሓዲስ ኪዳን ሥርዓት ብዕሊ ዝመሥረተሉ ድማ ብምሴተ ሐሙስ ኣብ አልአዛር ገዛ እዩ።ዝ ውእቱ ዘሐዲስ ሥርዓት ዝበለሉ ጊዜ ሽዑ እዩ።(ማቴ 26፥28)     ናይ ግዝረቱ ዕለት ዝዝከረሉ ጥር ዕለት ሹዱሽተ እዩ።ብዚ ዕለት እዚ ካብ እቶም ሰብዓ ሊቃናት ዝብሃሉ ብበጥሊሞስ ዘመነ መንግሥት ዝነበሩ፤ መጻሕፍተ ብሉይ ካብ እብራይስጥ ቋንቋ ናብ ግሪክ ንክትርጉሙ ዝተሓረዩ፣ንሱ ድማ ካብ እብራይስጥ ቋንቋ ናብ ግሪክ ቋንቋ ንክቱርጉም መጽሓፈ ኢሳይያስ ዝበጽሖ ስምኦን ዝተብሃለ ሽማግለ ንኢየሱስ ክርስቶስ ከይርአየ ከም ዘይመውት አቀዲሙ ብመልአክ ተነጊርዎ ዝነበረ ሰብ እዩ።  መጽሐፈ ኢሳይያስ እናተርጎመ እንተሎ ወናሁ ድንግል ትጸንስ ወትወልድ ወልደ"እነሆ ድንግል ብድንግልና ...

ሕያዋይ ጓሳ

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን! ሕያዋይ ጓሳ    ባዕሉ ብዝጓስየን አባጊዕ ዝብላዕ ሕያዋይ ጓሳ    <ንሓላዊአን ዝበልዓ ዕድለኛታት አባጊዕ>  ኢየሱስ ክርስቶስ  ሕያዋይ  ጓሳ  ከም ዝኾነ ዝተፈለጠ እዩ።  አነ ውእቱ ኖላዊ ኄር ዘበአማን "አነ ሓቀኛ ፣ሕያዋይ ጓሳ እየ ኢሉ ተናጊሩ 'ዩ።(ዮሐ 10፥11)  እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎን ሙኻኑ ናይ ጓሳ ጥቕሚ እንታይ እዩ ? ጓሳ ነተን ኣባጊዑ ዝሕልወን ንምንታይ እዩ እንተኢልና እቲ ጓሳ ነኣባጊዑ ካብ በላዒ ዝሕልወን ባዕሉ ተመሊሱ ንክበልዐን ፣እንተዘይበሊዕወን ድማ ኣስቢሑ ንዝበልዑ ብገንዘብ ንክሸጥን እዩ።ካብዚ ወጻኢ ኻሊእ ዓላማ የብሉን። ወይ ሓሪዱ ንምብላዕ ፣ ወይ ብገንዘብ ንምሻጥ እዩ። ሓቀኛን ሕያዋይን ጓሳ ኢየሱስ ክርስቶስ ኸ? ኢየሱስ ክርስቶስ ነኣባጊዑ (ምእመናን) ዝሕልወን ንክበልዐን እንተይኮነስ ንሳተን ንክበልዖኦ እዩ።ብኣባጊዑ ንክብላዕ እዩ ዝሕልወን ። ባዕሉ ጓሲዩ ብተጓሰይቱ አባጊዕ ዝብላዕ ፣ዝስተ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ።  ሓደ ሊቅ በዓል ቅኔ ከምዚ ኢሎም ዝገርም ቅኔ እዩ።                     መወድስ እምአፈ አርዌ በግዐ እምድኅረ አቀበ  ኖላዌ አባግዕ አእላፍ ምንት ኂሩውናሁ። ወምንት ውእቱ ለዘይትአቀብ ረባሑ። እምአፈ አርዌ ድኅረ ዐቀቦ  ውእቱ እስመ ይበልዖ ለአርዌ ከማሁ።  ወእመ ለሊሁ ኢይበልዖ እስመ ይሰይጦ  በወርቅ ለዘይበልዕ ኪያሁ።  ኂሩትሰ ወረባሕ ለኖላዊነ ትጋሁ። እምአፈ አርዌ ድኅረ ዐቀበ  በበትረ መስቀል አባግዒሁ። አምጣነ ደሞ ያ...

አቡነ ዘበሰማያት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!   አቡነ ዘበሰማያት    (ዎ ኣሰማያት ትነብር አቦና ብኸመይ ንብል ?)      አቡነ ዘበሰማያት ረዚን መልእኽቲ ከም ዘለዎ እዛ ሓጻር ጽሑፍቲ መረድኢት እያ።                  አቡነ/የ  ➽ከም ወዱ እንተዘይነርካ ብኸመይ አቦይ ትብሎ  ኣለኻ ?                       አቡነ ➽.ንኻሊእ ጸሊእኻ ንባዕልካ ጥራሕ ፈታዊ እንተኾይንካ "ብከመይ አቦና ኢልካ ብሓባር ትጽዎዖ ኣለኻ?                   ዘበሰማያት ➽ ምድራዊ ነገር ጥራሕ እናሓሰብካ "ብከመይ ብሰማያት እትነብር ትብሎ አለኻ?                 ይትቀደስ ስምከ ➽ ልብኻ ካብኡ ርሒቑ ብመልሓስካ ጥራሕ እናጸዋዕኻዮ "ስምካ ይቀደስ ከመይ ትብሎ?               ትምጻእ መንግሥትከ ➽ ሥጋዊ ምስ መንፈሳዊ እናሓዋወስካ  "መንግሥትኻ ትምጻእ ንምንታይ ትብሎ?                                ወይኩን ፈቃድከ ➽ መከራ ብጸጋ ዘይትቕበል እንተደአ ኮይንኻ  "ፈቓድካ ይኹን ንምንታይ ትብል ?        ...

ልደተ ክርስቶስ

Image
  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!           ልደተ ክርስቶስ ልደትና እዩ     ቤዛ ኩሉ ዓለም ዮም ተወልደ    (እቲ ናይ ዓለም ብርሃን ኣብ ቤተ ልሔም ወጽአ)  ሎሚ ፦መድሓኒት ኣብ ዳዊት ከተማ ተወሊዱልኹም ኣሎ ንሱ ድማ ጎይታ ክርስቶስ እዩ።(ሉቃ 2፥10)  አብ መላእ ዓለም ዘለኹም  ኦርቶዶክሳውያን አሓተይን አሕዋተይን እንኳዕ ንበዓለ ልደተ ክርስቶስ መበሊ 2014 ናይ መዘከርታ ዓመታዊ በዓል ብሰላም አብጽሐኩም አብጽሐና።  በቢዘለኹሞ ሠናይ በዓል ንክኾነልኹም ተምኒተይ እዩ። ቤተ ልሔም ካብ ስማ  ክንጅምር እንከለና ናይ እንጀራ ቤት ማለት እዩ። ካብ ሰማይ ዝወረደ ኅብስተ ሕይወት ዝኾነ ጎይታ ዝርከበላ ሙኻና  ገና ካብ ጅማሮኡ ስማ የፍልጥ ነይሩ ።  ናይ ነቢያት ዓይኒ ብናፍቖት  ንቤተ ልሔምን አሳጊሩ፣ኣማዕዲዩ ይርእያ ነይሩ።    ንቤተ ልሔም ቅዱሳን ነቢያት ብትንቢታዊ ሃንቀውታ  ይናፍቑዋ ዝነበረ  እትህቦ ረብሓ፣ እትህቦ አገልግሎት ብዝግባእ ብምርዳኦም ምክንያት ከም ዝኾነ ግልጺ እዩ።   ወዲ ሰብ ንገነት ይናፍቓ ከም ዝነበረ ዝተፈለጠ እዩ።ብሙኻኑ ወዲ ሰብ ናብ ገነት ክኣቲ ዝኽእል   ኣብ ቤተ ልሔም ብዝተወለደ ኣቢሉ ከም ዝኾነ ይፍለጥ እዩ እሞ   ን5500 ዘመናት ዝኣክል ቤተ ልሔም ብሰብ ሃንቆውታዊ ናፍቖት ውሽጢ እያ ነይራ ።  ብሙኻኑ ፦ ቅዱሳን ነቢያት  ብእግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ገላጺነት እናተመርሑ ዝኸውን ነገር እናተንበዩ ንወዲ ሰብ ኹሉ ተስፋ ይህቡ ነይሮም እዮም።  ዓለም ዝሰኣነቶ ...