ሓቀኛ ብርሃን

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን


       ሓቀኛ ብርሃን 


ኣብ ዘለኹዎ ሰፊሕ ዓለም ግን ድማ ኣብ ጸቢብ ነገር ኾይነ ብዝተኽኣለ መጠን ቃል ኣምላኽ ብምጽሓፍ ናባኻትኩም ከብል እየ።እግዚአብሔር ይፍቐድ ።ነዚ ሕማቕ ጊዜ የሕልፈልና። 

ሓቀኛ ብርሃን ናብ ዓለም መጽአ      (ዮሐ ፩፥፱) 

ብርሃን ክንብል እንከለና ብርሃን ተባሂሎም ዝጽውዑ ብውሑዱ ሓሙሽተ ነገራት ኣለው ። 

፩.ብርሃን፦ ዝጠፍእ ፣ብደመና ዝክለል፣ምውጻእ ፣ምዕራብ፣ምብራህ ፣ምጥፋእ ዘድልዮ ከም ፀሐይ፣ከም ወርሒ፣ ከም ከዋክብቲ ፣ከም ኣሞፖል(ልቺ)፣ከም ሽምዓ፣ከም ሓዊ ወዘተ ዝመሰሉ ብርሃን ይብሃሉ። 


፪.ብርሃን ፦ናይ ሰብ ዕድመ (ሕይወት)ብርሃን ይብሃል 

ወአንሶስዉ እንዘ ብክሙ ብርሃን "ብርሃን እንዳሃለወኩም ተመላለሱ ይብል እዚ ማለት ዕድመ ፣ጊዜ እናሃለወኩም ብዕድመኹም ተመላሊስኩም ጽድቂ ስርሑ ማለቱ እዩ።(ዮሐ ፲፪፥፴፭)

ቃሉ ከምዚ ይብል ገና ንቕሩብ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ማእከልኩም አሎ ጸልማት ከየርከበኩም ብርሃን ከለኩም ተመላለሱ። ጸልማት ከየርከበኩም ማለት ሞት ከይወሰደኩም ጽድቂ ስርሑ እዩ ዝብል ዘሎ። 


፫.ብርሃን ፦ሓሳብ ፣እምነት ብርሃን ተባሂሉ ይጽዋዕ።

"ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ጸልማት እንተኮይኑ ጸልማቱኸ ከመይ ይብርትዕ ? ይብል። እዚ ማለት ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ አተሓሳስባ ፣እምነት ዘይምዕሩይ እንተኮይኑ እቲ ናይ ገሃነም ጸልማት ብርቱዕ እዩ ዝኸኮነካ ዝብል ዘሎ።(ማቴ ፮፥፳፫ ሉቃ ፲፩፥፴፭) 


፬.ብርሃን ፦ዘይዓርብ፣ዘይጠፍእ፣ምብራህ ፣ምጥፋእ ዘየድልዮ ንብርሃናት ዝፈጠረ ፈጣሪ ብርሃናት አማናዊ ብርሃን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ብርሃን እውን ኣብ ጸልማት የብርህ ጸልማት ግና ኣይሓዞን።(ዮሐ ፩፥፱) ጸልማት ክሕዞ ዘይኽእል ሓቀኛ ብርሃን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ተነጊሩ። 


፭.ብርሃን ፦ተኸተልቲ ክርስቶስ ካብ ክርስቶስ ብርሃንነት ዝወሰዱ ሐዋርያት ናይ ሐዋርያት ተኸተልቲ ፣ንሐዋርያት መሲሎም ዘምህሩ ናይ ምእመናን ልቢ ብሩህ ዝገብሩ እውን ብርሃን ይብሃሉ።አንትሙ ውእቱ ብርሃኑ ለዓለም ስለዝበሎም።(ማቴ ፭፥፲፬) 


ዮሐንስ መጥምቅ ስለ እቲ ሓቀኛ ብርሃን ንክምስክር ከም ዝመጽአ ተገሊጹ ።ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ክበጽሑ ብዛዕባ ብርሃን ክምስክር ንሱ ንምስክር መጸ።ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ክምስክር መጸ እምበር ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን።እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ ተባሂሉ ተጻሒፉ።(ዮሐ ፩፥፯-፱) 


ኣብዚ እነልዕሎ ብርሃን "አነ ውእቱ ብርሃኑ ለዓለም "ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ ኢሉ ባዕሉ ስለ እተናገረ ስለ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።(ዮሐ ፰፥፲፪) 


እዚ ማለት ንኩሉ ደቂ ሰባት ዘብርህ፣ኣብ ልቦም ኮይኑ ዘብርህ ፣ልቦም ዝኸፍት፣ናብ ጽድቂ ዝመርሕ ሙኻኑ እዩ ዘረድእ እምበር ብርሃን ስለዝተባህለ ከም ፀሐይ ብርሃን እዩ ማለት ኣይኮነን።ብርሃንነቱ ኣብ ልበ ምእመናን ፣ኣብ ኅሊና ክርስቲያን ዘብርህ ማለት እዩ። 


እቲ ኣብ ገነት ዝጠፍኣ ኣማናዊ ዝኾነ ብርሃን ን5500 ዓመታት ዝኣክል ስኢናቶ ስለዝነበረት ኣብ ጸልማት ውሽጢ ኮይና ፣ብሓጢኣት ማዕበል እናተወቕዐት ፣እታ ናይ ዓለም ጃልባ ብናይ ዲያብሎስ ባርነት ንፋስ እናተወዛወዘት ኣብ እትነብረሉ ጊዜ እቲ ሓቀኛ ብርሃን ንክመጽአላ"ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ እማንቱ ይምርሀኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ "ብርሃንካን ጽድቅካን ለኣኽ ንሳተን ናብ መቅደስካ ክወስዳኒ እየን ኢላ ብቅዱስ ዳዊት አንደበት ገይራ ዓለም ነቲ ሓቀኛ ብርሃን ንክትረኽቦ ትምሕጸን ነይራ።(መዝ ፵፫፥፫) 

ነቲ ናይ ሓጢኣት ማዕበል ዘረጋግእ፣ጸጥ ንክብል ዝገብር ንሱ ጥራሕ ስለዝነበረ ን5500 ዓመታት ዝኣክል ዓለም ናብኡ እያ ትጠርዕ ነይራ ።


ቅዱስ ያሬድ ወካዕበ ይቤ በአፈ ዳዊት ብርሃን ዘመጽአ ውስተ ዓለም ዘያበርህ ላዕለ ጻድቃን"ብዳዊት ኣፍ ከም እተናገሮ ንጻድቃን ዘብርህ ብርሃን ናብ ዓለም መጽአ ኢሉ ።


እግዚአብሔር ዝለመንዎ ዘይርስዕ ዝተናገሮ ዘየትርፍ አምላኽ እዩ እሞ ዘመኑ ምስበጽሐ እቲ ሓቀኛ ብርሃን ኣብ ቤተ ልሔም ወጽአ።ዓለም ድማ ነቲ ሓቀኛ ብርሃን ምውላዱ ሰሚዓ ምስጋና ንከተቅርበሉን ብብርሃኑ ተጠቃሚት ንክትኸውንን ብሰብአ ሰገል ኣቢላ ናብ ቤተ ልሔም ኣምርሐት። 



ነገር ግን እስመ ዘእኩይ ምግባሩ ይጸልእ ብርሃነ ከመ ኢይትከሠቶ ምግባሩ "ሕማቅ ዝሰርሕ ሰብ ሕመቑ ከይግለጾ ብርሃን ይጸልእ ከም እተባህለ ( ዮሐ ፫፥፳) ብርሃን ጸሊኦም ጸልማት ዝፈትው ስለዝነበሩ ነቲ ብርሃን ንከጥፍእዎ ተለዓሉ እሞ እቲ ብርሃን ናብ ግብፂ ምስ ሰማዩ ተጉዓዘ።


ካብ ግብፂ ተመሊሱ ሀገረ እስራኤል አትዩ ምብራህ ጀመረ። ሕዝብ ዘይነብር ውስተ ጽልመት ወጽላሎተ ሞት ርእየ ብርሀነ ዐቢየ"ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓቢዪ ብርሃን ረኣየ ተባሂሉ ከም እተጽሓፈ እቲ ብርሃን ንኹሉ ብርሃን ኮነ።ንኹሉ ኣብርሀ።


ቃሉ ከምዚ ይበል፦ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ ኣብ ዓዲ ሞትን ናይ ሞት ጽላሎትን ንዝነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም።(ማቴ ፬፥፲፬) ባዕሉ እቲ አማናዊ ብርሃን አነ ውእቱ ብርሃኑ ለዓለም "ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ ከም ዝበለ ናይ ዓለም ብርሃን ኮነ።(ዮሐ ፰፥፲፪) 


ብሓጢኣት ሰውነቶም ንዝጸልመቶም ናይ ሓጢኣት ጸልማቶም ገፊፉ ብጽድቂ ብሩሃን ንክኾኑ ፣ ናይ ዓይኒ ብርሃን ንዝስኣኑ ናይ ዓይኒ ብርሃን እናሃበ፣ ዓይነ ልቡናኦም ብድንቁርና ዝዓወረ ናይ ፍልጠት ብርሃን ፣እናሃበ ናይ ጽድቂ ብርሃን ንዝሰኣኑ ናይ ጽድቂ ብርሃን ፣ናይ ድሕነት ብርሃን እናሃበ ተመላለሰ። በዚ ከየብቅዐ እቲ አማናዊ ብርሃን ካልኦት ብርሃናት እውን ተክአ ፣ፈጠረ። 



አንትሙ ውእቱ ብርሃኑ ለዓለም" ነቶም ካብኡ ብርሃንነት ዝወሰዱ ብርሃናት ንስኻትኩም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም ኢሉ ነገሮም።(ማቴ ፭፥፲፬) ንሳቶም ድማ ብርሃን ንዝጠፍኦም ብርሃን ንኽኾኑ ናብ ዓለም ተሰደዱ ጸልማት ዝነበረ ዓለም ናብ ብርሃንነት ለወጥዎ።በቲ ሓቀኛ ብርሃን ንክጉዓዝ ገበርዎ።



ካብ ናይ ዲያብሎስ ናይ ጸልማት አገዛዝኣ አውጺኦም ናብ ብርሃን መለስዎ።እዚ ጊዜ ብርሃን ተባሂሉ ዝተጸውዐሉ ምክንያት ቅዱሳን ነቢያት ብርሃን ደልዮም ብርሃን ንክልኣኸሎም ንኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን እናበሉ ብትንቢት መልክዑ ይጽውዑዎ ስለዝነበሩ እዩ ብርሃን ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ። 


ኹላትና እቲ ሓቀኛ ብርሃን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ንከብርሀልና ፍቃደኛታት ንኹን ናብ ገዛና ነእትዎ፣ናይ ሓጢኣት ጸልማት ንከይረኽበና ብብርሃኑ ንመላለስ ብብርሃኑ ተመላሊስና ብርሃንነቱ ንዘይተረድኦም ነረድእ፤ ብብርሃኑ ንክመላለሱ ንግበር። ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ እቲ ዝስዕበኒ ናይ ብርሃን ሕይወት ክረክብ እምበር ብጸልማት ኣይኸይድን እዩ ኢሉ ከም ዝተዛረበ ( ዮሐ ፰፥፲፪)



ብብርሃኑ ፣ብስራሑ፣ብሕጉ፣ብጽድቁ እንተተመላሊስና ናይ ሓጢኣት ጸልማት ፣ናይ መርገም ጸልማት ፣ናይ አበሳ ጸልማት ዘበለ ኹሉ ኣይረኽበናን እሞ ነቲ ብርሃን ናብ ልብና ነእትዎ።ብብርሃኑ ንመላለስ።ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ናይ ሓጢኣት ጸልማት ዘውጽኣና ሓቀኛ ብርሃን እዩ እሞ ብናቱ መንገዲ ንጉዓዝ።ኣዒንቲ ልቦናና በቲ ሓቀኛ ብርሃን ይብራህ። ንዘለዓለም ኣብ ልብና እናበርሀ ዝነብር ሓቀኛ ብርሃን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። 


ብብርሃኑ ተጠቀምቲ ንኹን።ክርስቶስ ዘብርሃልና ብርሃን እንዳሃለወ ብጸልማት ደርገፍገፍ ፣ዓንቀፍቀፍ እናበልና ኣይንመላለስ!!!

በብርሃንከ ንርአይ ብርሃነ ወበጽድቅከ ንርአይ ገጸከ ኣሜን


ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


ወስብሐት ለእግዚአብሔር

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና