ማሕሌታይ ቅዱስ ያሬድ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። ማሕሌታይ ቅዱስ ያሬድ ማሕሌታይ ቅዱስ ያሬድ ዘማራይ ቅዱስ ያሬድ ብ505 ዓ.ም ሚያዝያ ኃሙሽተ፡ ኣብ ከተማ ኣክሱም ካብ ኣቡኡ ኣብዮድ (ይስሓቅ) ካብ ኣዲኡ ክርስቲና (ታውክልያ) ተወሊዱ። ንቅዱስ ያሬድ ኣቡኡ ኣብ ሸውዓተ ዓመቱ ስለዝሞተ፡ ኣዲኡ ክርስቲና ናይ ኣክሱም ገበዝ ንዝነበረ ኣኩኡ ጌዴዎን ከዕብዮን ከስተምህሮን ሓደራ ኢላ ሃበቶ። ቅዱስ ያሬድ ምስ ኣኩኡ መዝሙረ ዳዊት ኣብ ዝመሃረሉ እዋን እቲ ትምህርቲ ዋላ ምርዳእ ኣበዮ፡ ቅዱስ ያሬድ ንሸውዓተ ዓመት ምሉእ ጽዒሩ ምርዳእ ስለዝኣበዮ ናይ መምህሩ ቘየቋን ማህረምትን ስለ ዝበዝኆን ዝበርትዖን ካብ ቤት ትምህርቲ ጠፊኡ ክኸይድ ሓሰበ። ሓሲቡ ኣይተረፈን፡ ተበጊሱ ክከይድ ውዒሉ ደኪሙ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም ተጸጊዑ እናበኸየ ከሎ ሓደ ጻጸ ረኣየ፡ እቲ ጻጸ ናብ ላዕሊ ክወጽእ ክብል ኣብ ሞንጎ ኣብ ማእከል ምስ በጽሐ ይወድቅ ነበረ። ከምኡ እናበለ ንሽዱሽተ ጊዜ ብተደጋጋሚ ክወጽእን ክወርድን ጸኒሑ ኣብ መበል ሻውዓይ ጊዜ ኣብታ ልዕሊ ኦም ደይቡ ናይታ ኦም ቈጽሊ (ፍረ) ክበልዕ ረኣየ። ንቅዱስ ያሬድ እግዚአብሔር ብጻጸ መሃሮ፡ ተስፋ ምቍራጽ ከምዘይግባእ ተዛረቦ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ሥጋዌኡ በዕዋፍ ሰማይን ብዕምባባ በረኻን ኣብነት ከምዝመሃረ ማለት እዩ። ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ያሬድ ድሕሪ ብዙሕ ሓዘንን ብኽያትን ናብ መምህሩ ተመሊሱ ይቅሬታ ሓቲቱ ትምህርቱ ቀጸለ፣ 'ለጠቢብ ትብቅዖ አሐቲ ቃል፡ ንጠቢብ’ሲ ሓንቲ ቃል እያ ትኣኽሎ' ዝበሎ ነዚ እዩ። እቲ ንሸውዓተ ዓመት ትምህርቲ ኣብይዎ ዝነበረ ኣብ ሓደ መዓልቲ 150 መዝሙረ ዳዊትን መሃልየ ዘነብያትን መሃልይ ዘሰለሞንን፡ ከምኡ ድማ ትርጓሜ መጽሓፍትን ካልኦት መጽሓፍቲ ኵሉ ...