ሰሙነ ሕማማት
ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኣብ ሰሙን ሕማማት እንግበሮምን ዘይግበሮምን ነገራት ኣብ ሰሙን ሕማማት እንግበሮምን ዘይግበሮምን ነገራት ፩(1) - ካህናት መስቀል ኣይሕዙን ንሕና ውን መስቀል ኣይንሳለምን > እዚ ድማ ክብርን ሓይልን መስቀል ዝተገልጸ ጎይታ ድሕሪ ምስቃሉ ስለ ዝኾነ እዩ ። ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ዘለዋ መዓልታት ናይ ብሉይ ኪዳን ምሳሌታት እየን ። በዚ ጊዜ ድማ ናይ መስቀል ኣጎልጉሎት ኣይተጀመረን' ሞ መስቀል ኣይንሳለምን ። ብተወሳኺ ድማ ፡ -ንሳሓ -ፍትሓት -ቅዳሴ(ብጀካ ሓሙስ) -ስርየት -ጥምቀት -ስብሓታት ኣይወሃብን እዩ ። ኣብ ሕማማት ስርዓተ ጥምቀት ኮነ ስርዓተ ተክሊልን ካሊእ ምስጥራት ኣይፍጸምን እዩ። ኣብ ሕማማት ንዝሞተ ሰብ ፍትሓት ኣይግበረሉን እዩ። መዓስ ድኣ ይፍታሕ እንተ ኢልና ሰንበት ሆስኣና ቅድሚ ሕማማት ምእታዉ ናይ ኩሉ ስርዓተ ፍትሓት ይፍጸም፡ ንስሓ ወሲዱ ቆነና ዝተዋህበ ሰብ እንተ ሃሊዩ ውን በዚ ዕለት ፍትሓት ንኩሉ ይግበር ስለዚ ሰንበት ሆስኣና ከም ምካኑ መጠን ፍትሓት ውን ስለ ዝግበረልና ኩልና ቤተ ክርስቲያን ክንከይድ ይግባእ እዩ። ኣብ ሕማማት ንስሓ ኮነ ቆነና ኣይፍቀድን እዩ። ኣብ ሕማማት ካህናት መስቀል ክሕዙን ከሳልሙን ኣይግባእን፡ ምእመናን ውን መስቀል ክሳለሙ ብትእምርተ መስቀል ገጽና ከነማዕትብ ክንሰግድ ከለና ውን ብትእምርተ መስቀል እንዳ ገበርና ክንሰግድ ኣይግባእን እዩ። ኣብ ሕማማት ቅዳሴ ኣይቅደስን እዩ ብዘይካ ሓሙስ ጽግቦ ኣብዚ መዓልቲ ሓሙስ ቁርባን ዝቆርብ ሰብ ዓቢ በረከት ኣለዎ ዝከኣልኩም ሓሙስ ክትቆርቡ ጽቡቅ እዩ። ፪ (2)- ብምስዓም ሰላምታ ኣይንለዋወጥን > ናይዚ ምክንያት ድማ ይሁዳ ንጎይታና ...