ጾም
በሥመ ሥላሴ ጾም ጾም ጾም ማለት ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ዝኾነ ዓይነት መግቢ ምኽልካል፣ ከምኡ'ውን ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ናይ እንስሳ ተወጽኦ ከም ስጋ፣ ጸባ፣ ጠስሚ ከምኡ ዝኣመሰለ ዘይምብላዕን ፡ዊንታ ስጋኻ ገቲእካ ፍቃድ ስጋኻ ንፍቃድ ነፍስኻ ምእዛዝ ማለት ኢዩ (ዳን.10፣2-3)። ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ጾም ኣብ ክልተ (2) ይኽፈል ንሱ ድማ፦ ሀ). ናይ ግሊ ጾም ለ).ናይ ኣዋጅ ጾም ተባሂሎም ይጽውዑ። ሀ). ናይ ግሊ ጾም፦ ናይ ግሊ ጾም ናይ ንስሓ ጾም ተባሂሉ ዉን ይጽዋዕ ኢዩ ምኽንያቱ ናይ ግሊ ማለት ሓደ ሰብ ካብ ኣበ ነብሱ ድሕሪ ናይ ንስሓ ኑዛዜ ዝወሃቦ ቀኖና ኮይኑ፣ ንሱ ኸኣ ስለ ሓጢኣቱን በደሉን እንዳስተንተነ ዝጾሞ ጾም ስለ ዚኾነ ኢዩ። ናይ ግሊ ጾም ካብ ናይ ኣዋጅ ጾም ዝፍለየሉ ምኽንያት ብጀካ ንስኻን ኣበ ነብስኻን እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ሰብ ክፈልጠካ ኣይግባእን ኢዩ ፣ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ከምዚ ብምባል ኢዩ ገሊጽዎ /ማቴ.6፣16-19/። ለ). ናይ ኣዋጅ ጾም፦ እዚ ጾም'ዚ ካብ ናይ ግሊ ጾም ፍልይ ዘብሎ ኩሉ ክርስትያን ኣብቲ ብቅዱሳን ኣቦታት፣ ብወርኃት, ሰሙናት, መዓልታት ተፈላልዩ ዝተወሰነ ክፍለ ግዜ ናይ ሙጻም መንፈሳዊ ግዴታ ስለ ዘለዎ ኢዩ፣ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ነፍስ ወከፍ ኣማኒ ኪጾሞም ዘለዎ ሸውዓተ (7) ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉና :: ንሳቶም ከኣ፦ 1) ዐብይ ጾም 2) ጾመ ነብያት 3) ጾመ ሐዋርያት 4) ጾመ ፍልሰታ 5) ጾመ ነነዌ 6) ጾመ ድኅነት (ሮብዕን ፡ዓርብን) 7) ጾመ ገሃድ ጥቅሚ ጾም ሰብ ጾም ብምጻሙ ...