ጾመ ነብያት
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ጾመ ነቢያት እዚ ጾም ድማ ነቢያት ኣቦታት፡ እግዚአብሔር ካብ ኣዳም ኣትሒዙ በብእዋኑ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ ነገርን ንዝገለጸሎም ትንቢትን ዝመሰለሎም ምሳሌን እናተዛረቡ፡ ንዝሃቦም ተስፋ እናጽንዑ ዝጾምዎ ጾም እዩ። ንሕና ከኣ ኣብነቶም ወሲድና ካብ ሎሚ ኣትሒዝና፡ ክሳዕ ንዘመናት ዝተጸበይዎ ትንቢቶምን ትምኒቶምን ዝተፈጸመሉ ዕለተ ልደት ጐይታ ክንጾሞ ንርከብ ኣሎና። ነቢያት ብተስፋ ተሓጒሶም ንዝተነበዩሉን ክዝክርዎ ንዝነበሩን፤ ንሕና ግና ከም ሓዋርያት ተፈጺሙልና ሓጐስና ብስምረት ክንገልጽ ንነብር ኣሎና። ብቓሉ ጸኒዕናን ፍቓዱ ፈጺምናን ብምሕረቱ ርስቲ መንግስተ ሰማያት ክንወርስን ድማ ሓደ ካብቲ ክንገብሮ ዝግባእ ጾም ምጻም እዩ። ጾም ማለት ሰብነትና ካብ ዝደልዮም ነገራት ንዝተወሰነ ጊዜ ብምዕቃብን ነፍስኻ ብምግታዕን፤ ዝያዳ ካልእ ጊዜ ናብ እግዚአብሔር ምቕራብን ፍቓዱ ምፍጻምን እዩ። መሰረቱ ካብቶም ብሕጊ ዝተኣዘዙ መባልዕ ስጋኻ ምኽልካል እኳ እንተኾነ፤ መልእኽቱ ግና ስጋኻ ብምድካም ነፍስኻ ንቃልን ፍቓድን እግዚአብሔር ተገዛኢ ምግባር እዩ። ብጾም ድማ ካብ ኣምላኽ ምሕረት፡ በረኸት፡ ጸጋ፡ ከምኡውን መንፈሳዊ ሓይሊ ይርከብ። ጾም ብዙሕን ረቂቕን መንፈሳዊ ትርጉም ዘለዎ ስለዝኾነ ኣስፊሕና ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ። ጾም ምስ ኣምላኽ ካብ እንራኸበሉ ሓደ መገዲ ብምዃኑ፤ ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉድ ተባሂሉ ውሉድነት ስላሴ ብጸጋ ዝረኸበ ኵሉ ክስዕቦን ክትግብሮን ዝግባእ እዩ። ኣቦታትና’ውን ነዚ ዓቢይ ጸጋ ዘውህብን መንፈሳዊ ዕጥቂ ዘድልድልን መገዲ ከምቲ ዝግባእ ስለዝተጠቕሙሉ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክቡራት ኮይኖም ተረኺቦም ኣለዉ። ንሕና ውን ኣሰር ኣሰሮም ክንክተል ትግባኣና እዩ ጾመ ነቢያት እ...