Posts

Showing posts from September, 2024

በዓለ መስቀል

Image
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን።!   በዓለ መስቀሉ  ወወሀብኮሙ ት እምርተ ለእለ ይፈርሁከከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት ወይዲኃኒ ፍቁራኒከ መዝ ፶፱፡፬ ወወሀብኮሙ ት እምርተ ለእለ ይፈርሁከከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት ወይዲኃኒ ፍቁራኒከ መዝ ፶፱፡፬ መስቀል ብፊደልን ብቅርጽን ኣርባዕትነት ዘለዎ እዩ። ይኹን ድኣ እምበር ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንኽቅድስ ቅርጺ ዘለዎ ኣርባዕትነት ዘለዎ መስቀል ተሰቕለ ሎሚ ውን ኩሉ ዓለም ዝጥቀመሉ ነዚ መስቀል እዩ ። "መስቀል ሓጺር ቃል እዩ ግን እዚ ቃል ክንገርን ክስማዕን ከሎ ናብ ክርስቲያናዊ ዝኾነ ሰብ ብዕምቘት ናብ ልቡ ኣትዩ ነገረ መስቀል ይዝክር ኩሉ ርእሱ ዘየድንን ንነገረ ድሕነቱ ዘይዝክርን የለን "። ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙን ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይን ። ”መስቀል መልእልተ ኩሉ ነገር” መስቀል ካብ ኩሉ ንላዕሊ እዩ ። እግዚአብሔር ዓለም ዘድሓነሉ ካብ ጥበባት ኩሉ ንላዕሊ ዝኾነ ጥበብ እዩ እሞ ኣብ መስቀል ናይ እግዚአብሔር አብን እግዚአብሔር ወልድን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስን ፍቅሪ ተገልጸ። ወልድ ብገዛእ ፍቃዱ፡ ብናይ ባህሪ ኣብኡ ፍቃድ፡ ብናይ ባህሪ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ ፍቃድ፡ ሰብ ኮይኑ ኣብ መልእልተ መስቀል ሞይቱ ኣድሒኑና እዩ ። ብመስቀል ናይ ሲኦል መሰረት ተዓጽወ ሰብን እግዚአብሔርን ፈላልዩ ዝነበረ መጋረጃ ተቀደ፡ ናይ ጽልኢ መንደቅ ፈረሰ፡ ሞት ተሳዕረ ናይ ትንሳኤ መንገዲ ተኸፍተ። ናይ መስቀሉ ነገር ብደቂ ሰብ ኣእምሮ ክግለጽ ዘይክኣል ረቂቕ እዩ ። ኣምላኽ ሰብ ክሳዕ ምዃኑን ስጋዕ ሞት ዘብቅዖ ፍቅሪ: ደቂ ሰብ ካብ ምዝካር ሓሊፉ ምምርማርን ድርሰ ነገሩ ምስትውዓል ኣይክአልን እዩ።  ንግስቲ እሌኒ ነገረ መስቀል ብተመስጦ ክትሓስብ...