Posts

Showing posts from 2023

ኣይንኃድግን ኢና

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ኣይንኃድግን ኢና   “ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” (ነህ ፲፥፴፱/10፥39) እስራኤላውያን ብመሪሕነት ካህን ዕዝራን ነህምያን ዝፈረሰ ቤተ መቅደስን: ዝዓነወ ቐጽሪ ኢየሩሳሌምን መቓብር ኣቦታቶምን ዝሕነፅ ሓኒፆም: ዝሕደስ ኣሐዲሶም ምስ ዛዘሙ ኣብ ቤተ መቕደስ: ኣብ ኢየሩሳሌም ቃሉ እናሰምዑን ፍቓዱ እናፈጸሙን ንኽነብሩ ቃል ኪዳን ዝኾኖም፦ “ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” በሉ (ነህ ፲፥፴፱/10፥39) ምኽንያቱ ንኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ዝተግህን ኣብኣ ንክነብር ዝብህግን ኃይሊ ረኺቡ ንጸላእቱ ከምዝስዕር ብግህዶ ስለዝተዓዘቡ እዩ። ግዳማዊ ጸላእቲ ዘይኮኑስ ካብ ውሽጦም ዝነዝዑ ተፃረርቲ ብዙኅ ተፃቢኦሞም ነይሮም እዮም።  ካብ መንጎኦም ብምንባሮም ከቢድ ፈተነ ነበረ። “እቲ ዝጸርፈኒ ዘሎ ጸላእየይ እንተ ዝኸውን ምተዓገስክዎ: እቲ ዚዕበየለይ ዘሎ ጸላእየይ እንተዚኸውን ካብኡ ምተሓባእኩ ሕጂ ግና እዚ እትገብር ዘሎኻ ንስኻ መሰታይ ዓርከይ: ፈታውየይ ዝነበርካ ሰብኣይ ኢኻ። ኣነን ንስኻን መማኸርቲ ነበርና: ኣብ ቤት ኣምላኽ’ውን ብሓደ ዄንና ነምልኽ ነበርና። (መዝ ፶፬፥፲፪-፲፬/55፥12-14) ተረፈ ምርኮን ካብ ምርኮ ዝተመልሱን እስራኤላውያን ግና ኃይለ እግዚአብሔር ተዓጢቆም: “ኣምላኽ ሰማይ ኬቅንዓልና እዩ እሞ ንሕና ባሮት ተንሢእና ክንዓዪ ኢና: ንስኻትኩም ግና ኣብ ዛንታ ኢየሩሳሌም ክፍልን መሰልን የብልኩምን” (ነህ ፪፥፳/2፥20) ብምባል ዕዮኦም ኣስለጡን ንተፃረርቶም ኣኅፈሩን። ብተመሳሳሊ’ውን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝኅብሮ: ንቤተ ክርስቲያን ዘሳቐይዋን ዘድመይዋን ዘንብዕዋን ዝያዳ ዓመፅቲ ነገሥታትን ዓለማውያንን እቶም ኣብ ሕቍፋ ዝተሓፅኑ ናታ ሓሊብ ሕይወት ተመጊቦም ዝዓበዩ እሞ...

ኣቡነ መርቆሬዎስ

Image
  በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን! ኣቡነ መርቆሬዎስ 16 ታሕሳስ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣቡነ መርቆሬዎስ ዘደብረ ድማኅ እዩ።  ገዳም ደብረ ድማኅ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ገዳማት ሃገርና ኾይኑ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ቈላ ሠራየ፡ ካብ ርእሲ ከተማ ኣሥመራ ኣስታት 102 ኪ.ሜ. ርሒቁ ይርከብ። ብራኸኡ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 2075 ሜትሮ እዩ። እዚ ገዳም’ዚ ብኣቡነ መርቆሬዎስ ብ1340 ዓ.ም. ተመሥረተ።  ኣቡነ መርቆሬዎስ ካብ ቅዱሳን ወለዶም ካህን ቶማስ ስምዖንን ሰሎሜ ሕይወትብነን 29 ነሐሴ ብ1274 ዓ.ም ወምበርታ ፍሉይ ስሙ ደበሽን እንዳ ማርያም ተወልዱ። እዞም ክልተ ቅዱሳን ወለዲ ተኣዘዝቲ እግዚኣብሔር ኣኽበርቲ ቅዱሳን ስለዝነበሩ ወርኂ ወርኂ ዝክር ቅዱስ ሰማዕት መርቆሬዎስ(ፒሉፓዴር) ይገብሩ ብምንባሮም ኣብ ዕለተ በዓሎም ብዝተገብረሎም ተኣምር መርቆሬዎስ ኢሎም ሰመይዎም። ስመ ክርስትናኦም ኸኣ ዕሤተ ማርያም በልዎም። ካብ ዝተወልዱሉ እዋን ጀሚሮም ዘርእይዎ ዝነበሩ ተግባራት ናይ ዓቢይ ሰብ እምበር ናይ ሓደ ሕፃን ጠባይ ስለ ዘይኮነ ወለዶም ብኣንክሮ የስተውዕልዎ ነበሩ። ምስ ብሥጋ ኣኅዋቶም ኣቡነ ኣብሳዲ፡ ኣቡነ ማቴዎስን መክብበ ድንግልን (ኣደ ኣቡነ ቴዎድሮስ) ብፍቕሪ ድኅሪ ምንባር ኣቦኦም ካህን ቶማስ ንክምሃሩ ናብ ኣኮኦም ኣቡነ ጳውሎስ ወሰድዎም። ኣብኡ ከኣ ፊደል ቈጺሮም ዝጀመርዎ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ 22 መዓልታት 81 መጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳንን ሓድስ ኪዳንን ኣጽፊፎም ተገልጸሎም። ብድኅር’ዚ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ካብ ኣቡነ ጳውሎስ ናብ ገዳም ኣቡነ ዳንኤል ሽማና ኸዱ።  ኣብዚ ገዳም'ዚ ትምህርቶም እናቐጸሉ ንብዙኃት ኣረጋውያን ብምርዳእን ብኣገልግሎት ገዳምን ምስ ጸንሑ ካብ ግብጻዊ ጳጳስ ብ...

ገብረ መንፈስ ቅዱስ

Image
 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜን! አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሃገሮም ኣብ ንሂሳ ዝተባህለ ዓዲ ናይ ሃገረ ግብጺ ኢዩ። ኣቡኦም ስምዖን ኣዲኦም ድማ ኣቅሌስያ ይበሃሉ። እዞም ክልተ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ብዘይ ውላድ ፴/30 ዓመታት ብፍቕርን ብስኒትን ተቐመጡ። ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ኣቅሌስያ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ኣትያ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ቅድስት ሥላሴ ወዲቓን ክትጽልን ክትልምንን ከላ “ንሥኢ ወልደ ዘይትሌዑል ቀርኑ አምኑኅ ሰማይ፡ ክብሩ ካብ ናይ ሰማይ ክብሪ ዝበልጽ ወዲ ህንኪ ተቐበሊ” ዝብል ድምጺ ሰምዐት። በዚ ምኽንያት ከኣ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ 29 መጋቢት ተጠኒሶም ፳፱/29 ታሕሳስ ተወልዱ። ዓይኒ ቋሕ ካብ ዝበለሉ ግዜ ካብ ምርኣይ ከምዘይ ዓርፍ፡ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድማ ልክዕ ካብ ማህጸን ኣዲኦም ካብ ዝወጹላ ግዜ ኣፎም ከፊቶም “ስብሐት ለኣብ፡ ስብሐት ለወልድ፡ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ ዘአውጻእከኒ እምጽልመት ውስተ ብርሃን” እናበሉ ወትሩ ንእግዚኣብሔር እና ኣመስገኑ፡ ምድራዊ መብልዕ ከይበልዑ፡ ምድራዊ መስተ ከይሰተዩ፡ ንምስጋና ተጊሆም ብምንባሮም ንመላእክት ይመስሉ። ኣብ መበል ሰለስተ ዓመቶም ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ካብ እግዚኣብሔር ተኣዚዙ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሑቕፊ ኣዲኦም ወሲዱ ናብ ሻውዓይ(7ይ)ሰማይ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቕረቦም’ሞ እግዚኣብሔር ድማ ባረኾም። ኣስዒቡ ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ናብ ኣብ ገነት ዝርከቡ ኩሎም ቅዱሳንን ወሰዶ እሞ ንሶም ውን ባረኽዎም።  ብድሕሪ እዚ እቲ መልኣኽ ናብ ሓደ መነኮሳት ዘለውዎ ገዳም ወሲዱ ኣብ ወጻኢ ኣቐመጦም። ናይቲ ገዳም ኣበምኔት ኣባ ዘመደ ብርሃን ምልክት ተነጊርዎም ስለ ዝነበረ ...

ሕዳር ጽዮን

Image
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን!!! ሕዳር ጽዮን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዓመት መጸ በዚ ወርሒ እዚ ማለት (ሕዳር 21) ካብ እተብዕሎም በዓላት ሓደ “ሕዳር ጽዮን/ ማርያም ጽዮን” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ እመብርሃን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኢዩ። ንድሕሪት ምልስ ኢልና ታሪኹ ምስ እንምልከት እስራኤላውያን ንኣስታት 430 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ግብጺ ኣብ ከቢድ መግዛእቲ ድሕሪ ምንባሮም፡ እግዚኣብሔር ካብ ጭንቆም ከናግፎም ፈተወ። ብነቢይ ሙሴ ገይሩ ድማ ባሕሪ ኤርትራ ከፊሉ  ኣሳገሮም። ንዕኡ ዘምልኹሉ፡ ጸሎቶም  ዘቕርብሉ፡ ዓሰርተ ቃላት ዝሓዘ  ጽላት፡ ንዕኡ መሕደሪ ዝኸውን ታቦት ባዕሉ ብፍቓዱ ብኢድ ነቢይ ሙሴ ገይሩ ሃቦም። ነቲ ዝሃቦም ጽላትን ታቦትን ብሓባር ኣብ ቤት መቕደስ ክቕመጥ ከም ዘለዎ’ውን ኣዘዞ። በቲ ዝተዋህቦም ሕጊ እና ተኣዘዙ፡ ብታቦት ኪዳን ሓይሊ ጉዕዝኦም ጀመሩ። ጉዕዞ ምድረ በዳ ሲና ዛዚሞም ንባሕሪ ዮርዳኖስ ብናይ ታቦት ሓይሊ ኣብ ክልተ  ከፊሎም ተሳገሩ። ኣብ ቅድሚኦም ንዝጸንሕዎም ጸላእቶም እናሰዓሩ፡ ንግምቢ ኢያሪኮ`ውን ብሓይሊ ታቦት ኣፍሪሶም ብሰላም ናብታ ተስፋዊት ሃገር ከንኣን ኣተዉ።  ብድሕሪ እዚውን ታቦት እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን ብዙሕ ግዜ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ዓወት ከም ዝረኽቡ ገይርዎም እዩ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ኣብ ሲና ብኢድ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣቢሉ ብዝሃቦም ትእዛዝን ታቦተ ሕጉን መሰረት ዝተፈላለዩ መራሕቲ እናኣተንስአ ብቅዱስ ፍቓዱ ንብዙሓት ዘመናት መርሖም። ንሳቶም እኳ ብተግባሮም ካብ ፍቓዱ እንተወጹ ንሱ ግና ረዲኤቱ ኣብ ልዕሊኦም ካብ ምፍሳስ ኣየቋረጸን።   "ሙሴ ኣብ ድብረ ሲና 10 ትዕዛዛት ካብ እግዚኣብሔ ምስ ተቀበለ።"   ...

ጾመ ነብያት

Image
 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ጾመ ነቢያት   እዚ ጾም ድማ ነቢያት ኣቦታት፡ እግዚአብሔር ካብ ኣዳም ኣትሒዙ በብእዋኑ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ ነገርን ንዝገለጸሎም ትንቢትን ዝመሰለሎም ምሳሌን እናተዛረቡ፡ ንዝሃቦም ተስፋ እናጽንዑ ዝጾምዎ ጾም እዩ። ንሕና ከኣ ኣብነቶም ወሲድና ካብ ሎሚ ኣትሒዝና፡ ክሳዕ ንዘመናት ዝተጸበይዎ ትንቢቶምን ትምኒቶምን ዝተፈጸመሉ ዕለተ ልደት ጐይታ ክንጾሞ ንርከብ ኣሎና። ነቢያት ብተስፋ ተሓጒሶም ንዝተነበዩሉን ክዝክርዎ ንዝነበሩን፤ ንሕና ግና ከም ሓዋርያት ተፈጺሙልና ሓጐስና ብስምረት ክንገልጽ ንነብር ኣሎና። ብቓሉ ጸኒዕናን ፍቓዱ ፈጺምናን ብምሕረቱ ርስቲ መንግስተ ሰማያት ክንወርስን ድማ ሓደ ካብቲ ክንገብሮ ዝግባእ ጾም ምጻም እዩ። ጾም ማለት ሰብነትና ካብ ዝደልዮም ነገራት ንዝተወሰነ ጊዜ ብምዕቃብን ነፍስኻ ብምግታዕን፤ ዝያዳ ካልእ ጊዜ ናብ እግዚአብሔር ምቕራብን ፍቓዱ ምፍጻምን እዩ። መሰረቱ ካብቶም ብሕጊ ዝተኣዘዙ መባልዕ ስጋኻ ምኽልካል እኳ እንተኾነ፤ መልእኽቱ ግና ስጋኻ ብምድካም ነፍስኻ ንቃልን ፍቓድን እግዚአብሔር ተገዛኢ ምግባር እዩ። ብጾም ድማ ካብ ኣምላኽ ምሕረት፡ በረኸት፡ ጸጋ፡ ከምኡውን መንፈሳዊ ሓይሊ ይርከብ። ጾም ብዙሕን ረቂቕን መንፈሳዊ ትርጉም ዘለዎ ስለዝኾነ ኣስፊሕና ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ። ጾም ምስ ኣምላኽ ካብ እንራኸበሉ ሓደ መገዲ ብምዃኑ፤ ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉድ ተባሂሉ ውሉድነት ስላሴ ብጸጋ ዝረኸበ ኵሉ ክስዕቦን ክትግብሮን ዝግባእ እዩ። ኣቦታትና’ውን ነዚ ዓቢይ ጸጋ ዘውህብን መንፈሳዊ ዕጥቂ ዘድልድልን መገዲ ከምቲ ዝግባእ ስለዝተጠቕሙሉ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክቡራት ኮይኖም ተረኺቦም ኣለዉ። ንሕና ውን ኣሰር ኣሰሮም ክንክተል ትግባኣና እዩ ጾመ ነቢያት እ...

ቅዱስ ጊወርግስ

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  ቅዱስ ጊወርግስ  7ተ ሕዳር ብስም ቅዱስ ጊወርግስ ቤተክርስትያን ተሃኒጹ ዝተቀደሰሉ ዕለት [ቅዳሴ ቤቱ ለጊዮርግስ] እዩ፥ ጸለቱን በረኸቱን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኹን፤            " ተኣምራት ቅዱስ ጊዮርጊስ "  ቅዱስ ጊዮርጊስ ገድሉ ይፍጽም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣዝዮም ብዙኃት ተኣምራት የሰንዮ ነበረ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ሠለስተ ጊዜ ሞይቱ ፈጣሪኡ ካብ ሞት ኣተንሥኢዎ እዩ። ኣካሉ ብሓዊ ተቓጺሉ ሓሙኽሽቲ ድኅሪ ምቕያሩ ፲፰ ጥሪ ኣብ ደብረ ይድራስ ብነፋስ ድኅሪ ምዝራዉን ምብታኑን እንደገና ብኃይሊ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ቖጽሊ ጊዮርጊስ ጊዮርጊስ እናበለ ተረኺቡ እዩ። ነቲ ንጉሥ’ውን ኣርዒዱ እዩ። ኣብ ዝተኣሥረሉ ቤት ድንቂ ሰማያዊ ብርሃን ኣብሪሁ እዩ።  ተኣሢሩሉ ዝነበረሉ ዝነቐጸ ዓንዲ ጕንዲ’ውን ኣለምሊሙ እዩ። ነቲ መሬት ረጊጹ’ውን ብተኣምር ማይ ኣፈልፊሉ እዩ። ኣእዛኑን ኣፉን እግሩን ድውይ (ስንኩል) ንዝነበረ ኣሕውዩ እዩ። ዝሞተ ኣተንሢኡ እዩ። ንብርቱዕ ስሚ ናብ ዘይጓዳእ መስተ ቐይርዎ እዩ። .......ወዘተ  ኣኽሊልን ዕረፍትን ቅዱስ ጊዮርጊስ  ቅዱስ ጊዮርጊስ ሓቀኛ ምስክር ወንጌል ኮይኑ ኣዝዩ መሪር ዝኾነ መከራ ተዓጊሱ ብምቕባል ንሸውዓተ ዓመት ድኅሪ ምጽናሕ፡ አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይኣኽለካ ስለዝበሎ ሰዓት ተስዓቱ ፳፫ ሚያዚያ ብኢድ እቶም ኣሕዛብ ክሳዱ ብሰይፊ ተሰይፉ ብሰማእትነት ዓሪፉ።  ብኵሉ ግብርታቱ ንንጉሥ ዱድያኖስ ስለዝተቓወመ እቶም ፸ ነገሥታት ንንጉሥ ዱድያኖስ ክሳዱ ሰይፍካ ኣጥፍኣዮ ኢሎም ምኽሪ ብምሃቦም ናይ መወዳእታ ዕረፍቱ ብሰይፊ እዩ ነይሩ። ይኹን ደኣ እምበር ...

ቁስቋም

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!  ቁስቋም  እንቋዕ ናብ በዓለ ቁስቋም ብሰላም ኣብጽሓና ስድራ ክርስቶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ዓቢ በዓል ሰሪዓ ካብ ተብዕሎ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ናብ ደብረ ቁስቋም ዝኣተወትሉ ሽድሽተ ኅዳር እዩ። በዓለ ቁስቋም ከኣ ሓደ ካብ 33 በዓላተ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ፡ ‘አመ ፮ ለኅዳር በዓታ ውስተ ደብረ ቁስቋም’ ከምዝብል። (መቅድመ ተአምረ ማርያም) ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ናይ ሠለስተ ዓመትን መንፈቕን ስደታ ወዲኣ፡ ንመስፍን ሰላም ኣቦ ዘለዓለም ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኂዛ ናብ እስራኤል ኣብ ዘቕንዓትሉ ጊዜ ደብረ ቁስቋም ኣትያ ብሓጐስ ዘዕረፈት ብሽድሽተ ኅዳር ስለዝኾነ ነዚ ንምዝካር በዓለ ቁስቋም ይበሃል። ኩሎም ሕዝበ ክርስቲያን ነዚ በዓል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ናብ ደብረ ቁስቋም ዝኣተወትሉ እናዘከሩ “ተመየጢ ተመየጢ ሃሌ ሉያ፤ ሰላመ ሰጣዊት ወንርአይ ብኪ ሰላመ/ ሃሌ ሉያ! ኣንቲ ወሃቢት ሰላም ብኣኺ ሰላም ምእንቲ ኽንረክብሲ ተመለሲ” እናበሉ ዓመት መጽ ብፍቕሪ የብዕልዎ ። እዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንጎይታ ካብ ሄሮዶስ ንምድሓን ጥሜቱን ጽምእን ተዓጊሳ 3ተ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ስደት ኣሕለፈቶ( ራእይ12÷1-6)።ሄሮዶስ ካብ ክፍኣቱ ምምላስ ምስ ኣበየ መልኣኽ እግዚኣብሔር ተራእዮ እሞ ሓሲኹ ቀሲሉ ሞተ። ብድሕሪ እዚ መልኣኽ እግዚኣብሔር" ነዚ ህጸን ዝደልዩ ዝነበሩ ሞይቶም እዮም እሞ ተመለስ ኢሉ ንዮሴፍ ተራእዮ።ካብ በረኻ ናብ በረኻ እና ተሳገሩ ብዕለት 6 ሕዳር ደብረ ቁስቋም ኣተዉ።       ወርሓ ጽጌ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብዚ ካብ መስከረም (26) ክሳዕ ሕዳር (6...

ገዳም ደብረ ቢዘን

Image
  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!       ........ገዳም_ደብረ_ቢዘን.... ገዳም ደብረ ቢዘን፡ ካብ ገዳማተ ኤርትራ፤ እቲ አዝዩ ስሙይን ብዝውንኖ መጻሕፍቲ፡ ንዋየ ቅድሳትን ክሳብ ሕጂ ብዘመንኮሶም ብዝሒ መነኮሳትን ሊቃነ ጳጳሳትን አብ 1ይ ደረጃ ዝስራዕ ገዳም እዩ። ገዳም ደብረ ቢዘን፡ አብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ከተማ አስመራ 25 ኪ.ሜ ንሸነኽ ምብራቕ ርሒቑ ዝርከብ፤ ካብ ነፋሲት ድማ አስታት 7 ኪ.ሜ ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ አብ አዝዩ በሪኽ እምባ ቢዘን ተገዲሙ ዝርከብ እዩ። ነዚ ገዳም'ዚ ብ1360 ዓ.ም ዝመስረትዎ ጻድቕ አቦና አቡነ ፊሊጶስ እዮም።  ጻድቕ አቦና አቡነ ፊሊጶስ ብጥቅምቲ 1319 ዓ.ም አብ እዋን ዘመነ መንግስቲ ዓምደ ጽዮን ካብ አብኦም ይርድአነ እግዚእን ካብ አዲኦም መግደላዊትን ዝተባህሉ ቅዱሳን ወለዲ አብ አንከረባርኳ (ጎላጉል)- ትግራይ ተወልዱ። ብ18 ሕዳር አብ በዓለ ሓዋርያ ፊሊጶስ ስለዝተጠምቁ ድማ ፊሊጶስ ኢሎም ሰመይዎም። አብ 12 ዓመት ዕድሚኦም መንፈስ እግዚአብሔር ዝሓደሮም ብቑዕ ብምንባሮም አብ ደብረ ጸራቢ አተዉ'ሞ ካብ አቡነ በኪሞስ አርዑተ ምንኩስና ተቐበሉ። አብ ዝተፈላለየ ቦታታት ምድሪ ባሕሪ (ኤርትራ) እናተንቀሳቐሱ ወንጌል እንዳሰበኹ ብብሕትውና ድሕሪ ምንባሮም ምስ 16 አርድእቶም ናብ ገዳም ደብረ ቢዘን አትዮም ብ1365 ዓ.ም ሓድነትን ማሕበራዊ ናብራን አቑሞም ገደምዎ። ካብኡ ንደሓር ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዶም ክነብሩ ጀመሩ።  ብድሕር'ዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ከም'ዚ በሎም፡ "ንኹሉ አብ ሰማይን ምድርን ዘሎ ምስጢራት ከምኡ'ውን 81 ቅዱሳት መጻሕፍቲ ገሊጸልካ አለኹ። ብምልክት ካብ መምህር ስለዘይተመሃርካ ስ...

ገነት አበይ እያ

Image
     በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!                አይቴ ይእቲ ገነት ?          ምሳሌ መንግሰተ ሰማያት ማቴ 22፡1-14 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!! ምሳሌ መንግሰተ ሰማያት ማቴ 22፡1-14 (Click to read PDF) ኣብ   መጽናዕቲ   መጽሓፍ   ቅዱስ፡   ቃል   እግዚኣብሔር   ከነብበሉ   ዝግበኣና   ኣገባብ   ብሕጽር   ዝበለ   ከምዚ   ይመስል፡ 1.       ብነጸላ   ትርጉም፡   ንኣብነት  ኣበ   ብዙሃን   ኣቦና   ኣብርሃም፡   ካብ   ካራን   ናብ ከንኣን ዝገበሮ ጉዕዞ ወይ ድማ፡ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይ ኦሪት ዘፍጥረት፡  <<ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ>>  ይብል። ነዚ ቃል ብቀጥታ ኣንቢብና ክንርድኦ ንኽእል። ምኽንያቱ ትርኻዊ መልክዕ ስለዘለዎ። 2.      ምሳሌያዊ   ትርጉም፡   ንኣብነት፡  ዘልኣለማዊ   ድንግልና   ናይ   ኣዴና   ቅድስቲ   ቅዱሳን   ድንግል   ማርያም፡   << ኣቲ   ሓብተይ   መርዓተየ   እጽውት   ገነት   ዕጽኢ   ዔላ   ሕቱም   ዐይኒ   ማይ ...