Posts

Showing posts from March, 2024

ንስሓ ማለት

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ንስሓ ማለት እንታይ'ዩ? ✔ንስሐ ማለት ሓደ ሰብ ብዝሰርሖ ጥፋት፣ ብዝፈጾሞ ስሕተት፣ ብዝፈጸሞ ኃጢአት ምሕዛን ምስቁርቃር፣ ዳግማይ ከምዚ ዝመሰለ ኃጢአት ንከይፍጽም ዝውስነሉ ውሳነ እዩ።  ↪•ንስሐ ናብ እግዚአብሔር ምምላስ እዩ። 《ሚልኪያስ 3፡7》 ↪•ንስሐ ምስ እግዚአብሔር ምትዕራቅ እዩ። 《2 ቆሮንቶስ 6፡19》 ↪•ንስሐ ካብ ኃጢአት ምርሓቅ ማለት አዩ። 《ሮሜ 13፡11》 ↪•ንስሓ ናብ መንፈሳዊ ሕይወት ምምላስ እዩ።《ኤፌሶን 5፡14》 ↪•ንስሐ ካብ እግዚአብሔር ዝወሃብ እግዚአብሔር ዘፍቱ ካብ ንጹህ ልቢ ዝምንጩ ጸጋ እዩ። 《ሕዝቅኤል 36፡25-27》 ↪•ንስሐ ካብ ሓጢአትን ካብ ናይ ዲያቢሎስ ባርነት ነጻ ምውጻእ ማለት እዩ። 《ዮሐንስ 8፡34-36》 ↪•ንስሐ ማለት ስለ እግዚአብሔር ፍቅርን ስለ ቅድስና ኢልካ ሓጢአት ደው ምባል እዩ። 《ምሳሌ 28 13》 ↪•ንስሐ ኃጢአት ምስራሕ ደው ምስ ኣበልካ በፍጹም መሊስካ ካላይ ናብኡ ዘይምምላስ እዩ። ↪•ንስሐ ስለ ዝሓለፈ ስሕተት አብዚሕካ ምልቃስ፤ ንዝሓለፈ ናይ ኃጢአት መንብሮ ምውጋዝን ምኩናን እዩ። 《ኢዩኤል 2፡12》 ↪•ንስሐ ፍጹም ናይ ሕይወት ለውጥ እምበር ጊዜያዊ ስሜት አይኮነን 《ሮሜ 12፡2》 ↪•ንስሐ ኣእምሮካ ምሕዳስ ማለት እዩ። 《ሮሜ 12፡2》 ↪•ንስሐ ናይ እግዚአብሔርን መንግሥት ንምውራስ ዝሕግዝ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሂር መፍትሕ እዩ። 《ማቴዎስ 25፡1-13》 ↪•ንስሐ በቀራንዮ መስቀል ንዓና ንምድሓን ካብ ኃጢአት ባርነት ነጻ ንምውጻእ ዝፈሰሰ ናይ ክርስቶስ ደም ክንሓስብ ዝገብረና መንፈሳዊ ሃብት እዩ። ↪•ንስሐ ከኃጢአት የሚያነጻ ሱራፌል ከመንበረ ሥላሴ የወሰዱት የእሳት ፍም ነው። 《ኢሳያስ 6፡4》 ↪•ንስሓ ካብቲ ናይ መጨረሻ መከራን ሃዘን መድሓን ...

ትንሳኤ

ሆሳእና

Image
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን ። 8ይ_ሰሙን_ናይ ዓብይ_ጾም _ሆሳእና _ ሆሳእና _ ሆሳእና   በኣርያም ሆሳእና ፥ማለት ካብ እብራይስጥ ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ "ኣድሕን ኰታ" ወይ "ሕጂ ኣድሕን" ማለት እዩ። በኣርያም ከኣ (ላዕሊ)መሕደሪ እግዚኣብሄር ፡ካብ ሰማይ መጺካ ሕጂ ኣድሕን ማለት እዩ። እዚ ከኣ ካብ ነብያት ኣትሒዙ ዝተለምደ እዩ። (መዝ 118፥25)"ኦ እግዚኦ ኣድኅንሶ" "ኦ እግዚእብሄር ኣድሕን ኰታ" እና በሉ ሃረር ኢሎም ይጽበዩ ከም ዝነበሩ። (ማቴ 21፥1-11)"ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ብዓብይ ክብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝኣተወ ቅድሚኡን ዝክተልዎን ዝነበሩ ህዝቢ ብፍላይ ኣእሩግን ህጻናትን "ሆሳእና" ንወዲ ዳዊት ፡እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡"ሆሳእና ኣብ ኣርያም" ኢሎም እና ዘመሩ ከም ዝተቀበልዎ ይነግረና። እዚ በዓል "ሆሳእና" ዝብል ስያሜ ዝተወሃቦ በቲ ዝዘመርዎ መሰረት እዩ።  ጎይታናን ኣምላክናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኢየሩሳሌም ክኣቱ ኮሎ ንደቂ መዛሙርቱ ኣብ ቅድሜኩም ዘላ ዓዲ ኪዱ፡ኣብኡ ከኣ እስርቲ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ክትረክቡ ኢኹም።ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ በሎም። ቀዳማይ ክንርዳኦ ዘለና ክርስቶስ ንደቂ ኣዳም ካብ ማእሰርቲ ድያብሎስ ፡ካብ ማእሰርቲ ሲኦል ዝፈትሓሉ ሰዓት ከም ዝኣከለ ከርድእ። እታ ኣድጊ ጽዕነት ዝለመደት ኮይና ብኦሪት እያ ትምሰል። ምክናቱ ኦሪት ሕጊ ዝለመደ እዩ። እታ ዒሉ ከኣ ብወንጌል እያ ትምሰል ምክናቱ ጽዕነት ዘይለመደት እያ ወንጌል ከኣ ጌና ከም ዝነበረ ከረድእ እዩ። ካልኣይ ንደቂ መዛሙርቱ ፈቲሕኩም ኣምጽእዋ ክብሎም ኮሎ ንሳቶም በቲ ክ...

ኒቀዲሞስ

Image
 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ አሜን! 7ይ_ሰሙን_ናይ ዓብይ_ጾም ኒቆዲሞስ__ _ኒቆዲሞስ_ እግዚኣብሔር አምላኽና ብሰናይ ፍቓዱ ነዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ሰናብቲ ናይ ዓቢይ ጾም ብሰላም ኣሕሊፉ ናብዛ ሻውዓይቲ ሰንበት ብሰላም ዘብጽሓና ሕጂ እውን ስለዘይውዳእ ውህበቱ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ካብዚ ቀጺልና እምበኣር ከምቲ  እግዚኣብሔር  ዝፈቐዶ ብዛዕባ እዛ ቅድስት ዕለት ክንርኢ ኢና። እዛ ዕለት እዚኣ እውን ከምተን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ሰናብቲ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ ኒቆዲሞስ ብዝብል ስም እዩ ሴይምዋ ዘሎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እምበኣር እዛ ቅድስቲ ዕለት “ ኒቆዲሞስ ” ተባሂላ ትጽዋዕ። ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ቅዱስ ዮውሃንስ ወንጌላዊ ኣብ ዝጸሓፎ ኣብ (ወንጌል ዮውሃንስ 3÷1 20 )ተገሊጹ አሎ። ሓደ ካብ ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ሰብኣይ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። ሓለቓ ኣይሁድ ዝበሎ ብሃብቲ፡ ብመምህርነት፡ ብሽመት እዩ። ንሱ ብለይቲ(ካብቶም ብመዓልቲ ዝመጹ ኣቐዲሙ) ናብ ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። እዚ ናይ ኣይሁድ ሓለቓ ዝኾነ ኒቆዲሞስ ብለይቲ ዝመጻሉ ምኽንያት ነይርዎ እዩ። እዚ ከኣ፥ ቀዳማይ ፦ ብለይቲ ምምጽኡ ኣይሁድ ብክርስቶስ ንዝኣመነ ካብ ቤት ጸለቶም ክሰጉዎ ሓጊጎም ነበሩ እሞ እዚ ዝገበረ ከኣ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሐ እዩ(ዮውሃንሰ 9÷22)። ካልኣይ ፦ ብለይቲ ምምጽኡ ኣብ ክርስቶስ ፍጹም እምነት ስለ ዘይነበሮ እዩ(2ይ ቆሮ 3÷14)። ሳልሳይ ፦ ክሳዕ ሎሚ መምህር እና ተባህለ ነይሩስ ኣብ ክርስቶስ ይመሃር ኣሎ መታን ከይብልዎ፡ ውዳሴ ከንቱ ስለ ዝደለየ እዩ። በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ምኽንያታት ኒቆዲሞስ ብለይቲ ናብ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። ከምዚ እና በለ ...

ገብርሔር

Image
 6 ይ ሰንበት ናይ ዓቢ ጾም (ገብርሔር) ገብርሔር  እዛ ሻድሸይቲ ሰንበት ከም ፍቓድ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ከም ዝፈቐደልና መጠን ኽንርኢ ኢና።እዛ ቅድስት ዕለት እውን ከምተን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ሰንበታት ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ ዝሰየማ ኮይና፡ በዛ ቅድስት ዕለት ኩሉ ስብከት፡ መዝሙር፡ ንባባትን ወንጌልን ስለ እዛ ቅድስት ዕለት ዝገልጹ እዮም። መበገሲ ናይዚ ዕለት እዚ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕራፍ 25 ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት ብምስላ ኣብ ዝምህረሉ ዝነበረ ግዜ ስለ እሙን ኣገልጋሊ ኣመልኪቱ ዝመሃሮ ትምህርቲ እዩ።“ከምቲ ክገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ክነግድሉ ገንዘብ ዝሃቦም እዩ። ፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ነቲ ካልኣይ ክልተ መክሊት፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ መክሊት ሂብዎም ገሸ”(ማቴዎሰ 25÷14-15)። ቀዳማማይ፦ ሓሙሽተ መክሊት ዝሃቦ ኣሎ። ሓሙሽተ መክሊት ንዝሃቦ ሰብ ረብሓ  ኣለዎ። ካልአይ ክልተ መክሊት ዝሃቦ ኣሎ፦ ክልተ መክሊት ንዝሃቦ ረብሓ  ኣለዎ። ሳልሳይ ሓደ መክሊት ዝሃቦ ኣሎ፣ ንሱ እውን  ከምኡ። ንኹላቶም ከከም ዓቕሞም ሂብዎም ገሸ ። እቲ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ብኡ ብኡ ከይዱ ነገደሉ። ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ድማ ረብሐ። ከምኡ ድማ  እቲ በዓል  ክልተ  ካልእ ክልተ ረብሐ። እቲ ሓንቲ መክሊት ዝተቐበለ ግና፣ከይዱ ምድሪ ኲዒቱ ወርቂ ጎይትኡ ሓብአ። ድሕሪ ነዊሕ እዋን  ካኣ ጎይታ ናይቶም ገላዉ መጺኡ ምስኣቶም ክጸባጸብ ጀመረ። እቲ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ጎይታይ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ ነይርካ፡ እንሆ ድማ ካልእ ሓሙሽተ  መክሊት ረባሕኩ እና በለ  ሓሙሽተ መክሊት  ኣምጽአ። ጎይትኡ ድማ ...

ደብረዘይት

Image
  በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ አሜን! 5ይ_ሰሙን_ናይ ዓብይ_ጾም  ደብረዘይቲ_ ደብረዘይቲ   ደብረዘይቲ እንታይ ማለት'ዩ ምስጢሩኸ? ደብረ ዘይቲ ኣብ እስራኤል ከባቢ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ኮይኑ ካብ ቤተ መቅደስ ናይ ኢየሩሳሌም ኣስታት 16 ኪሎ ሜተር ርሒቁ ዝርከብ ጎቦ ኢዩ፡ ብተወሳኺ፡ ቢታንያን ቤተፋጌን ምስ ደብረዘይቲ ለጊቦም እዮም ዝርከቡ፡ ደብረ ምባሉ ብራኼኡ ንምግላጽ ክኸውን ከሎ ፣ ዘይቲ ምባሉ ድማ እቲ ከባቢ ብዘይቲ ኣውሊዕ ዝተሸፈነ ስለ ዝነበረ እዩ፣ ካብዚ ዝተበገሰ ከኣ ደብረ ዘይቲ ዝብል መጸውዒ ሒዙ ንረኽቦ፡፡ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይቲ ንቅዱሳን ሓዋሪያት ብዕምቆት ስለ ዳግም ምጽኣቱን ምልክት መወዳእታ ዓለምን ከም ዘስተማሮም፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ደብረ ዘይቲ ንሰማይ ከምዝዓረገ  ቅዱስ ወንጌል ይምህረና፡፡ ማቴ 24፡3 ደብረ ዘይቲ ዝብል ትርጉም ስያሚኡ ካብቲ ሊቅ ናይ ቤተክርስቲያን ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር መዝሙር ጐይታ ኣብ ደብረ ዘይት ምሥጢረ ምጽኣቱን፥ ነገረ ሕልፈተ ዓለም ከም ዝመሃረን ንዝስዕብዎ ኵሎም ድማ ካብ ሓሰውቲ ነቢያት ክጥንቀቑ ዘዘኻኽርን ስለዝኾነ 5ይ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾም ደብረ ዘይቲ ተባህለ፡፡                    ሕቶ ቅዱሳን ሃዋርያት ጎይታ ናይ ምምጻእካን ናይ ህልቀት ዓለምን ምልክቱ እንታይ እዩ፡ እስከ ንገረና እናበሉ ናቡኡ ቀረቡ። መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ከምዚ በሎም   ሓደ እኳ ከየስሕተኩም ተጠንቀቁ፡ ኣነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመጹ እዮም፡   ...

መጻጉእ

Image
  በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን  4ይ_ሰሙን_ናይ_ዓቢይ_ፆም መፃጉዕ መፃጉዕ ማለት ፥ ናይ ሰብ ስም ዘይኮነ'ስ እንታይ ደኣ ነቲ ሕማሙ ዝገልጽ ስያሜ እዩ፡ ንኣብነት፥ሕሙም፡ድውይ፡መጻጉእ ዝኣመሰሉ እዮም፡ እዚ ሰብ ከኣ ነዊሕ ዓመታት ስለ ዝሓመመ መጻጉዕ ተባሂሉ ይጽዋዕ።  መወከሲ ክኾነና ሓጻር ታሪኽ መጻጉዕ ኣብ፥ (ዮሃ 5፥1-25)ዘሎ ኃይለ ቃል ነንብብ። ቤተ ሳይዳ ማለት ብእብራይስጥ ክኸውን ከሎ ሓሙሽት ኣንቀጽ ዘለዋ ናይ ምሕረት ቦታ ብዙሓት ሕሙማት ዝፍወሱላ ቦታ እያ። እዛ ቦታ ከኣ ከም ማይ ጸሎት ኮይና ተገልግል ዝነበረት ብመልኣኽ ዝተባረኸት ነበረት። (ዮሃ 5፥2-4)መልኣክ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ነቲ ቀላይ ምስ ኣናወጾ፡ እቲ ቅድም ወሪዱ ናብቲ ዝተናወጸ ማይ ዝኣተወ ካብ ሕማሙ ይፍወስ ነበረ ይብል። ቅድስቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ "ማይ ጸሎት" ትጥቀመሉ "መጽሓፍ ቅዱሳዊ" ምኻኑ። ቅዱሳን መላእክቲ፣ ጻድቃን፣ ካህናት በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦም "ጸጋ" ዝባረኽዎን ዝጸለይሉን "ማይ ጸሎት"ደዌ ስጋን ነፍስን ከም ዝፍውስ ትኣምን። ቅዱሳን መላእክቲ ካብ እግዚኣብሄር ምሕረት ናባና ፥ናትና መስዋዕትን ልማኖን ናብ እግዚኣብሄር ከም ዘዕርጉን ዘማልዱን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኻኑ ርኢና። ስድራ እግዚኣብሄር ከምቶም ድልዋት ጸኒሖም ቀዲሞም ዝኣተዉ ካብ ስጋዊ ሕማም ዝተፈወሱ፥ንሕና ከኣ ካብ ሓጢኣትና ክንፍወስ ብንስሓ ድልዋት ኴና ክነብር ይዘኻኽረና (ንበሩ ድልዋኒክሙ)። እቲ ሠላሳን ሸሞንተን ዓመት ዝሓመመ ሰብኣይ ግን እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ዘውርዶ ስለ ዘይብሉ ን38ደቀሰ ። የሕዋተይ ተስፋ ካብዚ መፃጉዕ ክንመሃር ኣለና ን38ዓመት ብተስፋ ክጽበ ኢና ንርኢ፣ ንሕና'ከ ናይ ሳል...

ምኩራብ

Image
  በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን   3ይቲ ሰንበት ዓቢይ ጾም ምኵራብ ምኵራብ ምኩራብ ማለት ፡ "ቤት ጸሎት" ቅዱስ ስፍራ "ሰብን እግዚኣብሔርን ዝራኸብሉ ቦታ፥ ክኸውን ከሎ ቅድሚ እታ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ቤተ ክርስትያን ምምስራታ ህዝቢ እግዚኣብሔር ስርዓተ ኣምልኾ ዝፍጽመሉ፡ ንእግዚኣብሔር ዘመስግንሉ ጸሎት ዘብጽሕሉ ቅዱስ ስፍራ እዩ ዝነበረ።              ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ቀደም ዘመን ኦሪት “ኣብ ማእከልኩም መታን ክነብር መቕደስ ግበሩለይ” ኢሉ ዝኣዘዘ ኣምላኽ፡ ንሱ ባዕሉ እቲ ሰራዒ ሕጊ ምኻኑ ከፍልጥ፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ እንዳ ኣተወ፡ ይምህርን ሕሙማት ይፍውስን ነበረ። ዘፀ, 25-8። ቅዱስ ያሬድ ነዛ ሰሙን ምኩራብ ኢሉ ዝሰመያ ቀንዲ ዕላማ፡ ጎይታናን ኣምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ምኩራብ ኣይሁድ ከይዱ ከም ዝመሃረ ክነግር ስለዝደለየ እዩ።  ጎይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ምኩራብ ኣይሁድ ኣትዩ፡ ቃለ ሃይማኖት፡ ቃለ ጽድቂ ማለት "ድሕነት ወዲ ሰብ" እዩ ዝምሃረ። “ምኩራብ” ማለት ቤተ መቅደስ እዩ። ኣብ ቤተ መቅደስ ከኣ፡ "ድሕነተ ሥጋን፡ ድሕነተ ነፍስን" ዝርከበላ ናይ እግዚኣብሔር ቤት እያ።  ድሕነተ ሥጋ ኪብሃል እንከሎ፡ "ኣብ ቤተ መቕደስ ዕውራት፡ ሓንካሳት፡ ለምጻማት፡ ናብኡ መጹ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም" ይብለና።  ድሕነተ ነፍስ፡ ድማ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ናይ ሥጋ ድሕነት ዝሃበ፡ ንሰይጣን ኣብ መስቀል ኣሲሩ፡ ንሲኦል፡ ብምዝማት፡ ብትንሣኤ ድሕነት ነፍሲ ሂቡና እዩ፡፡ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነ...

ቅድስት

Image
 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ አሜን! 2ይ_ሰሙን_ጾመ_40_ዓብይ_ጾመ  ቅድስት ካልአይቲ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም “ቅድስት” ተባሂላ ትጽዋዕ። በዛ ሰንበት እዚኣ ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ኣብ ጾመ ድጓ፦ “ዛቲ ዕለት ቅድስት ይእቲ/ እዛ ዕለት’ዚኣ ቅድስቲ እያ”፣ “ሰንበትየ ቅድስትየ እንተ አዕረፍኩ/ ዘዕረፍኩላ ዕለት ሰንበት ቅድስት እያ”፣ “ቅዱሳን ኩኑ እስመ አነሂ ቅዱስ አነ/ ኣነ ቅዱስ ከምዝኾንኩ ቅዱሳን ኩኑ”፣ “አብ ቀደሳ ለሰንበት/ አብ ንሰንበት ኣኽበራን ቀደሳን” . . . እናበለ ብዛዕባ ቅድስና ሰንበት ይዝመር። ቅዱስ ያሬድ ኣብዛ ዕለት ክዝመር ካብ ዝደረሶም ድርሰታት፡ “ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ፡ ሀቡ ስብሐተ ለስሙ አክብሩ ሰንበተ ተገበሩ ጽድቀ፡ ዝግቡ ለክሙ መዝገበ ዘበሰማያት ኀበ ፃፄ ኢያማስኖ ወኢይረክቦ ሰራቂ፡ ድልዋኒክሙ ንበሩ፡ ዘበላዕሉ ሐልዩ ኀበ ሀሎ ክርስቶስ” ዝብል እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና’ ውን ነዛ ዕለት ምኽንያት ገይራ፡ በቶም ኣብዛ ዕለት ብፍላይ ከኣ ኣብ ጊዜ ጸሎተ ቅዳሴ ዝንበቡ መልእኽታት፣ ምስባክ፣ ግብረ ሓዋርያትን ወንጌልን ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔር፣ እግዚአብሔር ንዕለተ ሰንበት ኣብ ብሉይ ኮነ ሓዲስ ዝባረኻን ዝቀደሳን ዕለት ምዃናን ከምኡ’ውን እግዚአብሔር ቅዱስ ከም ዝኾነ፡ እቲ ፍጡሩ ሰብ ድማ ቅድስና ክኅዝ ከም ዝግብኦ ተተሓሳስብ።  ‘ቅዱስ’ ተባሂሉ ዝምስገን ምንጪ ቅድስና ዝኾነ፡ቅድስና ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ንቅዱሳን ዝቅድስ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እናተባህለ ዝቕደስን ዝሥለስን ሓደ እግዚአብሔር እዩ። (ኢሳ. 6፡1-10 ኢሳ. 40፡25) ስሙ ቅዱስ ዝኾነ ፈጣሪ ብቅድስናኡ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይቅድስ እዩ። (ዘፀ. 28፡46) ነቲ ስሙ ዝጽወዓሉ ሠናይ ቃሉ ...

ዘወረደ

Image
 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ አሜን! 1ይ_ሰሙን_ጾመ_40_ዓብይ_ጾመ ዘወረደ ትርጉም ጾም ትርጉም ጾም፣ ጾም፣ነፍስኻ ብምቅጻዕ ዝፍጸም ጸሎት እዩ። እዚ ድማ ከምቲ ሕልናካ (መንፈስካ) ከምኡ እውን ስጋካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እተግዝኣሉ መገዲ እዩ። ስለዚ፡ ጾም እቲ ዝለዓለ መገዲ ጸሎት  እዩ። ነዚ እዩ ድማ ጾም ኣብ ታሪኽ ደቂ እስራኤል ይኹን፡ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ዓቢ ቦታ ዝነበሮን  ዘለዎን። ብሓፈሻ ጾም መሰልካ ምሕዳግ፡ ንስጋ’ውን ካብ ዘተፈላለየ ነገር (ብልዕን መሰተን) ምሕራም ስለ ዘስዕብ፡ መስዋእቲ ይሓትት እዩ። እንተዀነ እቲ ዝርከብ በረኸት ልዕሊ እቲ ዋጋ ስለ ዝኾነ ዘዋጽእ እዩ። እንተዀነ ኣብ ዘመንና ጾም ትርጉሙ ስሒቱ ንርእዮ። እቲ ቀዳማይ፡ ጐይታ ናይ ምድሓንና ስራሕ ፈጺሙ ድሕነት ካብ ሃበና፡ ጾም ንምንታይ ኣድለየ ካብ ዝብል ምርዳእ፡ ንጾም ሸለል ምባል እዩ። እቲ ካልእ ድማ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ናይ ምድሓንና ስራሕ ከም ዘይፈጸሞ ገይርካ ምርኣይ እዩ፡፡  ንጾም ኣብ ናይ ጽድቅን ሓጢኣትን ሚዛን፡ ንጽድቅኻ ኣመዚኑ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘብቅዕ ምግባር ዝሐስብ ርድኢት  እዩ። ዋላዃ ጐይታ ብሞቱ ህይወት ሂቡና እንተዀነ፡ እዚ ህይወት ክዓቢ፡ ጎይታና ክርስቶስ ንምምሳል ብጾም ጸጋ ክንረኽብ የድልየና። ነዚ ድማ ካብ ብጾም ዝተሰነየ ጸሎት ዝዓቢ መገዲ የብልናን።እቲ ቀንዲ ብጾምና እንረኽቦ ዓወት፡ ብኵሉ መንነትና ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ምውካል እዩ።  በዚ መገዲ ዝቐርብ ጸሎት ድማ ኣምላኽ ይሰምዖ እዩ።   ኣቦና ዳዊት ከምዚ ኢሉ “ኣነ ግና እንተ ሓመሙ፡ ከሊ ተከደነኩ፡ ንነፍሰይ  ብጾም ቀጻዕክዋ ርእሰይ ኣድኒነውን ጸሌኹ።” (መዝሙር ...

ጾም ኣርብዓ

Image
 በሰመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን ብመጀመርያ ፍጹም ሰላም እግዝኣብሔር ኣምላክና ኣብዘለኩሞ ንዓኩም፡ ከመይ ኣለኩም ከመይ ትኮኑ ሰላም ክትህልዉ በዓል ምሉእ ተስፋ እየ። ተዳሊካ'ዶ /ኪ'ዶ? ሎሚ ካብ በረቱ ክንካካፈል ዝፈቀደ ልዑል እግዝኣብሔር ኣምላክና ጾም ሰሪዕልና ጽባሕ ሶኑይ ክጅምር እዩ። ግን ነዚ ናይ በረከት ዝኮነ ክትካፈል ተዳሊካ'ዶ /ኪ'ዶ? ከም'ቲ ንስራሕ ጽድቂ ብምክንያት ትካፈልዎ ሎሚ'ከ ተዳሊኩም 'ዶ?  ንነገራት ብምስትውዓል እንተጌርካዮም ኣዝዮም'ዮም ዘሕጉስካ በረከት ዘውህቡናን ሞ'ተረዲእና ከነተግብሮ ተዳሊና ዘለና እንታይ እዩም? ብልምዲ ጾም ጀሚሩ ኢልና ክንጸውም'ዶ ወይሲ ጥቅሙን በረከቱን ተረዲእና ኢና ንጾ'ሞ? ወይ'ሲ ኣብዚ ዓዲ ናይ ጾም የለን እንታይ ክንበልዕ እንዳበልና ብምክንያት ከነሕልፎ ኢና ተዳሊና ዝድለና? ስለዚ ድስትና ጥራይ ዘይኮነስ ስጋዊ ሰብነትና ብሳምና ከም እንሕጸቦ፡ ንነፍስና ብንስኃ ሓጺብና ጾምና ንጀምር። ጾም ጾም እንታይ ማለት እዩ?  ጾም ማለት ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ዝኾነ ዓይነት መግቢ ምኽልካል፣ ከምኡ'ውን ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ናይ እንስሳ ተወጽኦ ከም ስጋ፣ ጸባ፣ ጠስሚ ከምኡ ዝኣመሰለ ዘይምብላዕን ፡ዊንታ ስጋኻ ገቲእካ ፍቃድ ስጋኻ ንፍቃድ ነፍስኻ ምእዛዝ ማለት ኢዩ (ዳን.10፣2-3)። ሓቀኛ ጾም    ሓቀኛ ጾም ዝብሃል ከመይ ዝበለ ኢዩ?   ጾም ካብ መግቢ ተፈሊኻ ምውዓል ጥራሕ ዘይኮነ ብጸሎትን፣ ምጽዋትን ካልእ መንፈሳዊ ንጥፈታትን ዝተሰነየ ክኸዉን ኣለዎ /ማቴ.17፣21/ ማቴ.6/ ኣብ ግዜ ጾም ልሳና ካብ ክፉእ ምዝራብ፣ ኣእጋርና ናብ ናይ ሓጢኣት ቦታ ካብ ምኻድ ምኽልካል ... ኮታስ ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ነገር ...

ኣቡነ ተክለሃይማኖት

Image
 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን! ኣቡነ ተክለሃይማኖት "ንጻድቕ ፍረ ግብሩ ክበልዕ ኢዩ 'ሞ ተዓዊትካ በልዎ"። (ትን ኢሳ 3፡10) ሎሚ 24 የካቲት ወርሓዊ በዓል ናይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ፀሃይ, ቅድስት ክርስቶስ ሳምራ, ሰማዕት ቅዱስ ህፃን ኣባኖብ ኣባ ሙሴ ጸሊምን እዩ፡ በረኸቶምን ኣማላድነቶምን ኣይፈለየና ኣሜን። ኣቡነ ተክለሃይማኖት ብ24 መጋቢት 1206 ዓ/ም ተፀኒሶም 24 ታሕሳስ 1207 ዓ/ም ድማ ተወሊዶም፡ ተክለ ሃይማኖት ማለት፡ ተክለ ኣብ ተክለ ወልድ ተክለ መንፈስ ቅዱስ ማለት እዩ፡ ናይ ቅድም ስሞም ፍስሃጽዮን እዩ፡ ኣቡኦም ጸጋዘኣብ፡ ኣዲኦም ድማ እግዚእሓረያ ትበሃል፡ ናይ ኣዲኦም ናይ ቅድም ሽማ ሳራ ክኸውን ከሎ፡ ንሳ ምእዝዝትን ትሕትን ስለ ዝነበረት ሓሙኣ "እግዚእሓረያ" ብምባል ስም ኣውጽኡላ። ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ወዲ 7 ዓመት ምስ ኮኑ መንፈሳዊ ትምህርቲ ክመሃሩ ወሰድዎም፡ ተማሂሮም ከኣ ካብ ኣባ ጌርሎስ መዓርግ ዲቁና ተቐበሉ፡ ዓቕሚ ኣዳም ምስ በጽሑ ከኣ ስድርኦም ኣሕጸይዎም፡እንተኾነ ግን ገዲፎማ ከዱ፡ ብድሕሪኡ ብኣቡነ ጌርሎስ መዓርገ ቅድስና ተቐቢሎም ናይ ኩሉ ምድረ ሽዋ ሊቀ ካህናት ኮኑ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ "ፍስሃጽዮን ዘይኮነ ተክለ ሃይማኖት ተባሂልካ ክትጽዋዕ ኢኻ፡ እንስሳ ዝኾነ ነብሳት ክትሃድን ኢኻ" በሎም እሞ ተላዒሎም ከዱ፡ ንጣኦታት ብትምህርቶም እናሰባበሩ ብዙሕ ህዝቢ ናብ እምነት ክርስትና ከም ዝኣቱ ገበሩ፡ ድሕሪ ግዜ ናብ ገዳም ደብረ ዳሞ ተጋዕዙ፡ እንተኾነ ሰይጣን ካብ ፈተነ ስለ ዘይዓርፍ ነታ ዝድይቡላ ዝነበሩ ገመድ ቆረጻ፡ እግዚኣብሔር ግና ንቕዱሳኑ ስለ ዘይሓድግ ጌና ኣብ መሬት ከይዓለቡ ከለዉ ሰለስተ ብየማ...