Posts

Showing posts from May, 2024

ንእግዚአብሔር'ዶ ንስምዓዮ

  በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን         ንእግዚአብሔር'ዶ ንስምዓዮ         ሓደ ሰብ ይመውት'ሞ፡ ገነትን ሲኦልን ዑደት ይገብር። ንሲኦል ተረኣያ ግና ብዙሕ ስለዘይጸልኣ፡ ንዳግማይ ግዜ ክርእያ ይሓትት'ሞ፡ ይፍቀደሉ። ደጊሙ ምስ ረኣያ'ውን ሰይጣን ጽቡቕ ኣቀባብላ ስለዝደገመሉ፡ መሊሱ ፈተዋ። ድሕር'ዚ ናብ ገነት ምስ ተመልሰ፡ ናብ ሲኦል ሳልሳይ ዑደት ክገብር ሓተተ።  ሽዑ "ሕጂ ተኼድካ ግና ናብዚ ምምላስ የለን፥ ወዲእካ ኢኻ!" ይበሃል'ሞ፡ በዚ ተሰማሚዑ ንሓዋሩ ናብ ሲኦል ጠቕሊሉ ይኸይድ። የግዳስ ዘይከም ናይ መጀመርያ ዑደቱ፡ ምቕማጡ ኣብቲ ዝኸፍአ ስፍራ ምስ ዝኸፍአ ስቓይ ኮነ። በዚ ተገሪሙ "ንምንታይ ደኣ ካብ መጀመርታ ከምዚ ጌርካ ዘይተቐበልካኒ?!" ኢሉ ይሓትት'ሞ፡ ሰይጣን "ሽዑ ቱሪስት ኴንካ ንዑደት ኢኻ መጺኻ ኔርካ፥ ሎሚ ግና ዘልኣለም ክትነብር ኢኻ መጺኻ" በሎ። እዚ ፈጠራዊ ዛንታ እቲ እኲይ ዝጸመድለና መፈንጠራ ከመይ ምዃኑ ብመጠኑ የርኢ።  ሰይጣን ሓጢኣት ቅድሚ ምፍጻምካ፡ ነቲ ሓጢኣት ኣቕሊልካ መታን ክትርእዮ ብዙሕ የተባብዓካ። "ኣብዚ እዋን እዚ ኸ ድንግልና ዝበሃል ኣሎ ድዩ? ክስቶ'ኳ ቐሺ/ዲያቆን/ቆራቢ ኽነሱ ዘይተኸልከለስ ንስኻ ክትክልከል?" እናበለ ንሕልናኻ ብብዙሕ ሕቶ የዋጥሮ።ሕሉፍ ሓሊፍዎ "ዘይ መንእሰይ ኴንካ ኢኻ ከምዚ ቃሕ ዝብለካ ዘሎ! ካብ ድሌትካ ኣይትትረፍ! ዘይክትሳሕ ኢኻ! እንታይ ተሪፉካ'ሞ ክሳዕ'ዚ ካብ በጻሕካ ምንሳሕ ምንሳሑ ብምልኣት ውዓሎ!" እናበለ ደጋፊኻ መሲሉ ይመኽረካ።  ኣብ ሓጢኣት ብዝወደቕካሉ ቕጽበት ግና ደፋፊኡ ከምዘየጽደፈካ "ከመይ ...

ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ

Image
  በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን ኣቡነ ብፁዓ አምላክ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ   ያፍቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያምን ዝበሃሉ ፍቅረ እግዚአብሔር ዘለዎም ብሃይማኖት ጽኑዓትን ብሥነ ምግባር ትጉሃትን ሰብ ኃዳር ነበሩ። ወትሩ ብጸሎት ንቑሓት ስለዝነበሩ፡ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ያፍቅረነ እግዚእ ብሕልሚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጽሉ፡- ‘እንሆ ከም ኤርሚያስን ዮሐንስ መጥምቅን ካብ ማሕፀን ኣደኡ ዝተኃርየ፡ ንብዙኃት ሰባት ምክንያተ ድኂን ዝኸውን፡ ስሙ ‘ብፁዕ’ እትሰምዮ ውላድ ኽትወልድ ኢኻ’ በሎ። ምስ ተንሥአ ኵሉ’ቲ ዝረኣዮ ንዘመደ ማርያም ነገራ። ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን ኢሎም ብጸሎትን ምህለላን፡ ምጽዋትን ምቕባል ኣጋይሽን ይነብሩ ነበሩ። እንተኾነ ግና ሽግርን ኃዘንን ስለ ዘጋጠሞም ከም ኣቦና ኣብርሃምን ኣደና ሣራን ካብ ዓዶም ተሰዲዶም ናብ ጣጥያ (ንኡስ ዞባ ዱባርዋ እምኒ ጸሊም) ከዱ። ኣብዚ ጊዜን ቦታን ስደቶም ድማ ኣብ 1 መስከረም 1425 ዓ.ም. ‘ብፁዓ አምላክ’ ተወልደ። ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ገና ወዲ ሾመንተ ዓመት ከሎ ኣቦኡ ያፍቅረነ እግዚእ “ዝንቱ ዓለም ኃላፊ ወንብረቱኒ ከንቱ ወትፍግዕቱኒ ማሳኒ ብእሲትኒ ወውሉድኒ አኃውኒ ወአዕሩክትኒ ወታአሕማኒ ኢያድኅኑ ወኢይከውኑ ቤዛ በደኃሪ መዋዕል በዕለት ዓባይ አመ ይኴንን ሕያዋነ ወሙታነ/ እዚ ዓለም’ዚ ኃላፊ’ዩ ንብረቱ’ውን ከንቱ እዩ፡ ሓጐሱ ኸኣ ጠፋኢ እዩ፣ ደኃራይ መዓልቲ ኣብታ ዓባይ ዕለት ሕያዋንን ሙታንን ኣብ ዝፈርደሉ ጊዜ ሰበይቲ ኮነት ውሉድ ኣኅዋት ኮኑ ኣዕሩኽቲ ኣሕሙ ኣየድኅኑን እዮም . . . ” ዝብል ሓሲቡ ንሰበይቱን ደቁን ኣኪቡ ናብ ደብረ ቢዘን መንገዱ ኣቕንዐ። ቅድም ኣብ ፋሉቄ (ዓዲ ኣርዓዳ) ገዳመ መነኮሳይት ደቂ ኣቡነ ፊልጶስ ...

ዳግማይ ትንሣኤ

Image
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን!   ዳግማይ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ ብኃይሊ ሥልጣኑን ግርማ መለኮቱን ንሞት ስዒሩ ተንሥአ። “ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተንሥአ። በዚ ኸኣ ናይቶም ዝሞቱ በዅሪ ትንሣኤ ኮነ” ኢሉ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝተዛረቦ፡ ጐይታ ምስ ተንሥአ፡ እቶም ኣቐዲሞም ዝተነበዩ ትንቢታትን ዝተመሰሉ ምሳሌታትን ተዘንጊዖም፡ ብትንሣኤኡ ሓደ እኳ ዝኣመነ ኣይተረኽበን። ከምቲ ወንጌላዊ ዮሓንስ ዝገለጾ፡ “በታ ቐዳማይቲ መዓልቲ ሰሙን ማርያም መግደላዊት ገና ጸልማት ከሎ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጽአት እቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ። ስለዚ ንሳ ጐይያ ናብ ስምዖን ጴጥሮስን ናብቲ ኢየሱስ ዘፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ ‘ንጐይታና ኻብ መቓብር ወሲዶምዎ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን’ በለቶም።” በዚ እቶም ደቀ መዛሙርት ንቓል ጐይታ ረሲዖም ካብ መቓብር ዝወሰድዎ መሲልዎም ጐዮም ናብ መቓብር ከይዶም እንተሰኣንዎ፡ ፈሪሆም ናብ ገዛ ብምእታው ማዕፆኦም ሸጕሮም ይጽበዩ ነበረ። እታ ተስፋ ዘይቈረጸት ማርያም መግደላዊት ደጋጊማ ናብ መቓብር ጐይታ ብምምልላስ ሥጋ ጐይታ ብምድላያ ትንሣኤ ጐይታ ንኽትርእን ንኸተበሥርን በቕዐት። እቶም ደቀ መዛሙርት ነቲ ዝኸውን ይጽበዩ ብምንባሮም ጐይታ ከምቲ መቃብር ክፈቱሉይ ከይበለ ዝተንሥአ ማዕፆ ክፈቱለይ ከይበለ ኣትዩ ትንሣኤኡ ኣበሠሮም። ኣብዚ ጊዜ ግና ካብቶም ደቀ መዛሙርት ሓደ ዝኾነ ቶማስ ምስኦም ኣይነበረን። ብድኅር’ዚ ብዛዕባ ትንሣኤ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣበሠረዎ ወገኑ ካብ ትንሣኤ ሙታን ካብ ዘይኣምኑ ሰዱቃውያን ብምንባሩ ንስኻትኩም ትንሣኤ ክርስቶስ ርኢና ኢልኩም ክትምህሩ ‘ኣነ ግና ...

ቀዳም_አንስት

Image
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን! ቀዳም_አንስት ቀዳም አንስት ተባሂላ ትጽዋዕ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ስብከቱ ርእሱ ምስ ገለጸ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ይክተልዎ ነይሮም ካብ ኣቶም ድማ ደቂ ኣንስትዮ እውን ነይረን፡ እተን ናይ ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣንስት ደቀ መዛሙርት ንጎይታ ብገንዘበንን ብጉልበተንን ዘገልግላ ዝነበራ ከም ማርያም መግደላዊት፡ ማርያምን ማርታን ኣሕዋት ኣልኣዛር፡ ማርያም ኣደ ያእቆብን ወዘተ ክሳብ ናይ ጎይታ ስቕለቱ እናበኸያ ክሳብ ቀራንዮ ዝሰዓባ፡ድሕሪ ስቅለት ጎይታ ድማ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ፍርቂ ለይቲ ተሲአን ናብ መካነ መቓብር ሹቶ ሒዘን ብምግስጋሰ ንሳተን ድማ እቲ እምኒ ካብቲ ኣፍ መቃብር መን ከልዕለልና እዩ ተበሃሃላ እቲ እምኒ ኣመና ገዚፍ ነበረ እሞ፡ ቅንዕ ኢለን እንተ ጠመታ እቲ እምኒ ተገልቢጡ ረኣይኦ፡ ናብቲ መቓብር ኣትየን ከኣ ብወገን የማን መልኣኽ ተቐሚጡ ምስ ረኣያ ኣመና ፈርሃ እቲ መላእኽ ድማ ኣይትፍርሃ ንስኻትክን ነቲ ዝተሰቕለ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ኢኽን እትደልያ ዘለኽን ተሲኡ እዩ ኣብዚ የለን እቲ ዝተቐበረሉ ቦታ እንሆ፡ ስለዚ ኪዳ ንደቀ መዛሙርትን ንጴጥሮስ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እዩ ከምቲ ዝበለኩም ከኣ ኣብኡ ኽትሪእዎ ኢኺም ኢልኽን ንገረኦም በለን፡ ፍርሓት ራዕድን ምንቅጥቃጥን ተሓዋዊስወን ነበረ እሞ ካብቲ መቓብር ወፂአን ጉየያ ፈሪሐን ስለ ዝነበራ ንሓደኳ ኣይነገራን።    እታ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዘውጸኣላ ማርያም መግዳላዊት ኣብቲ መካነ መቓብር ኮይና ትሓዝን ትበኪ ነበረት እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ ጠመተት፡ ኣብቲ ጎይታ ዝተቐበረሉ ድማ ጻዕዳ ዝተኸደኑ መላእኽት ሓደ ብትርአስ እቲ ሓደ ድማ ብእግሪ ረኣየት ...

ቤተ-ክርስትያን

Image
 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ቤተ-ክርስትያን   " ዓርቢ ቤተ-ክርስትያን ተባሂላ ትጽዋዕ " ስለዚ ንርእስኹም ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተክርስትያን ጎይታን ክትጋስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶስ ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኩሉ መጓሰ ሓልዉ) (ግብ 20፥28) ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገት ቤተክርስትያን ዓባይ መዘከርታ ብምዃና ኣብ ሰሙነ ትንሳኤ ዘላ ዓርቢ ቤተክርስትያን ተባሂላ ትጽዋዕ፡ ቤተክርስትያን ማእከል ስብከት ሰቅለት ትንሳኤ ኣካል ክርስቶስ ቤተ እግዚኣብሔር ምዃና እዩ፡ ቤተክርስትያን ብዕለት ዓርቢ ካብ ጉኒ ጎይታ ኢየሱስ ተረኺባ ብማይ ደሙን ከኣ ኣንጽሓ። ``ዘበእንቲኣሀ ለቤተክርስቲያን ተጸፋእከ በዉስተ ኣዉድ ከመ ትቀድሳ በደምከ ክቡር መዋቅኅት ጾረ ወተአገሠ ምራቀ ርኩሰ እንዘኣልቦ ዘኣበሰ ኣምላክ በዲበ ዕጸ መስቀል ተሰቅለ ´´ ከም ዝብል።  እዚ ድማ ቤተክርስትያን ዝብል ቃል ብሰለስት ትርጉም ማለት 1) ህንጻ 2)ማሕበረ ምእመናን 3) ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቤተክርስትያን ይበሃል ክርስቶስ ድማ ድሕነት ብደሙ ከም ዝሃበና ዝገልጽ ምስጢር እዩ፡፡

ሓሙስ ኣዳም

Image
  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ሓሙስ ኣዳም "እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ኣርባዕተ ባህርያት ስጋ(ካብ ምድሪ) ምስ ገብሮ፡፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ሕይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ሕያው ነፍሲ ዀነ።"(ዘፍ 2፡7) ኣምላኽና ንኣዳም ካብ መሬት(መዋቲ ባህርይ) እኳ እንተገበሮ፡ እስትንፋስ ሕይወት ኡፍ ምስ በለሉ ግና ሕያው ወይ'ውን ዘይመውት፡ ዘለኣለማዊ ኮነ። ሞት ናብ ባህርይ ኣዳም ዝኣተወ ግና ብዘይ ምእዛዙ እዩ። "ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ ኣምላኽ ንኣዳም ኣዘዞ።"(ዘፍ 2፡17) ኣዳም ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣጽኒዑ ሓሊዎ ክነብር ኣይከኣለን፡ ሕጊ ጠሓሰ ሞት ድማ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ኩሎም ዘርኡን ነገሰ። ኣዳም በቲ ዝገበሮ ብልቢ ተጣዕሰ ናብ ኣምላኽ' ውን ተመልሰ፡፡ ንኣዳምን ዘርኡን ካብዚ ሞት እዚ ከድሕኖም ዝኽእል ግና፡ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ነይሩ፡፡ ኣምላኽና ከኣ እቲ ተግባር ኢዱ ዝኾነ ኣዳም ካብኡ ተፈልዩ(ሞይቱ) ክነብር ኣይፈተወን፡፡ ልቡ ክድብስ ከድሕኖ ምዃኑ ግድን መብጽዓ ክኣትወሉ ነበሮ፡፡ ኣምላኽና ከኣ "ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ፡ በሎ።"(ዘፍ 3፡15) እዚ ቃል ብዕለተ ዓርቢ ኣብ ቀራንዮ ተፈጺሙ እዩ፡፡ ሰይጣን ንጐይታ ብኣይሁድ ኣእጋር(ሸዀና) ጐይታ ብመሳምር ክወግእ እንከሎ ጐይታና ድማ፡ "ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከልና ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ...

ሮቡዕ_ኣልኣዛር

Image
 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ሮቡዕ_ኣልኣዛር ረቡዕ ፦ ኣልኣዛር ተባሂላ ትጽዋዕ(ዮሓ11፡ 38-46) ፈታዊ ክርስቶስ ዝነበረ ኣልኣዛር፡ኣርባዕተ መዓልቲ ድኅሪ ምማቱ ንምቕባሩን ካብ መቓብር ጸዊዑ ጐይታ ስለ ዘተንስኦን፡ ብዙኃን’ውን ነዚ ተኣምር ርእዮምን ሰሚዖምን ብጐይታ ስለ ዝኣመኑን፡ ኣብታ ዕለት ድማ ጐይታ “ትንሳኤን ሕይወትን ኣነ እየ; እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተሞተ እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩ” ብምባል ብግልጺ ስለ ዝመሃረን ስለዘርኣየን፡ እዚኣ መዓልቲ ነዚ ዓቢይ ግብሪ ትንሳኤ ንምዝካር ኣልኣዛር ተባሂላ ትጸዊዓ ኣላ። ታሪክ ኣልኣዛር ብሰፊሕ ኣልኣዛር ኣብ ቢታንያ ዝቕመጥ ዝነበረ፡ ሓዊ ማርታን ማርያም እታ ንጎይታ ቅዱይ ሽቱ ዝቐብኣቶን ብጸጉሪ ርእሳ ውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶን እዩ።ኣልኣዛር ምስ ሓመመ እተን ኣሓቱ ” ጎይታ እቲ እተፍቅሮስ እንሆ ሓሚሙ ኣሎ “ኢለን ናብ ጎይታ ሰብ ለኣኻ። ጎይታ ድማ ነዚ ሰሚዑ” እዚ ሕማም እዚ ንኽብሪ ኣምላኽ፥ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ክኸብር እዩ እምበር ንሞት ኣይኾነን” በለ። ምሕማሙ ሰሚዑ ኸሎ ከኣ ኣብታ ዝነበራ ቦታ ክልተ መዓልቲ ወዓለ። ድሕሪ እዚ ንደቀ መዛሙርቱ” ደጊም ንዑናይ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ፡ ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ እሞ ንኺድ” በሎም ንሳቶም ግና ናይ ትኻስ ድቃስ ስለ ዝመሰሎም ” ደቂሱ እንተኾይኑስ ሓንቲ ኣይከውንን እዩ በልዎ”። ሽዑ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብግህዶ “ኣልኣዛር ሞይቱ፡ ምእንቲ ክትኣምኑ ኣነ ኣብኡ ብዘይ ምንባረይ ብዛዕባኹም እሕጎስ ኣለኹ፡ ግናኸ ንዑናይ ናብኡ ንኺድ” በሎም እሞ ተተሓሒዞም ከዱ፡ ሽዑ ኣልኣዛር ካብ ዝቕበር ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ነበረ። ማርታ ምምጻእ ኢየሱስ ሰሚዓ ክትቅበሎ ወጽአት፡ማርያም ግና ኣብ ቤታ ተቐሚጣ ነበረት፡ ...

ሰሉስ ቶማስ

Image
  ሰሉስ ቶማስ  ‌ካብ ድሕሪ በዓል ትንሳኤ ዘላ ሰሉስ ቶማስ ተባሂላ ትጽዋዕ፡ ኣብ ዕለተ ትንሳኤኡ ሰንበት ምሸት፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሓዋርያት ኣብ ዝተኣከቡሉ ትንሳኤ ጎይታ ምሸት ሰንበት ኣብ ዕጹው ማዕጾ ኣትዩ ክግለጸሎም ከሎ፡ ኣብ ሞንጎኦም ቶማስ ሓዋርያ ኣይነበረን ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ከኣ ከይዳህሰስክዎ ኣይኣምንን ኢየ በለ፡ ኣብ ሰሙኑ ድማ ጐይታ ዳግማይ፡ ቶማስ ኣብ ዝተረኽበሉ ንሓዋርያት ተገለጸሎም። ንቶማስ፡ ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይውን ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐድነይ ኣእትዋ፡ ኣማኒ እምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን በሎ። ዮሓ20፡24-30 ‌ ነዚ መዘከርታ ክኽውን ተባሂሉ እዚኣ ዕለት ብቶማስ ተጸዊዓ ኣላ። ‌  ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html  ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ== ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

ማዕዶት

Image
    ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን ፣ በዐቢይ ኃይል ወስልጣን፣ ኣሠሮ ለሰይጣን ፣ አግዐዞ ለአዳም፣ ሠላም፤ እምይዕዜሰ፣ ኮነ፣ ፍሥሐ ወሰላም ።                ማዕዶት                ማዕዶት ኣብ ጽባሕ ትንሳኤ ዘላ ዕለተ ሰኑይ ማዕዶት ተባሂላ ትጽዋዕ ማዕዶት ማለት መሰጋገሪት( ምስጋር) ማለት ኢዩ፡ መን ካበይ ናበይ ሰጊሩ ንዝብል ሕቶ ድማ፡ እቲ ዘሰጋግር እቲ ብባህሪኡ ቅዱስ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኢዩ፡ እቲ ዘሳግሮ ዝጸበን ዝደልን ዝነበረ ሕጂ ግና ብኣምላኹ ዝሰገር ኣቦና ቅዱስ ኣዳም ምስ ኩሎም ደቁ ኢዩ። ካበይ ናበይ ንዝብል ድማ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ገቢረ ሓጥያት ናብ ገቢረ ጽድቅ፡ካብ ጭንቀትን ሓዘንን፡ ናብ ሓጎስን ሰላምን፡ ካብ ሲኦል ናብ ገነት፡ ካብ ግዝኣት ዲያብሎስ ናብ ግዝኣት ኣምላኽ፡ካብ ባርያ ናብ ውልድነት ተሰጋገረ፡ እዚ ዝገበረ ኣምለኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ይኽበር ይመስገን ኣሜን። ነዚ ኢዩ ቅዱስ ኤፍሬ ሶርያዊ፡ ፈቀደ እግዝእ ያግዕዞ ለኣዳም፡ ሕዙነ ወትኩዘ ልብ፡ወያግብኦ፡ሃበ ዘትካት መንበሩ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት ዝበለ።(ውዳ/ዘሰ) ትርጉሙ ጎይታ ንኣዳም ሓዘኑን ትካዘ ልቡን ርእዩ፡ ናብ ናይ ቀደም መንበሩ(ክብሩ)  ክምልሶ ፈቂዱ ይብል። ጎይታ ብዕለተ ዓርቢ ንድያብሎስ ብኣውታረ ንፋስን ብእሳታዊ መቁሕ ሰንሰለትን ኣሲሩ፡ ብኣካለ ነፍስ  ሲኦል ወሪዱ፡ ነተን  ተስፋ ምጻቱ ዝጽበያ ዝነበራ ነፍሳት፡  ከምቲ ንሓዋርያት ኣብ ዕጹው ገዛ ከለዉ፡ሰላም ንዓኹም ይኹን፡ ዝበሎ፡ ዮሓ 20፥19-22፡  ንዕኦም ድማ ሰላም ሰበኸሎም። 1ይ ጴጥ 3፥19።  እግዚኣብ...

ትንሣኤ ክርስቶስ

Image
ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን ፣ በዐቢይ ኃይል ወስልጣን፣ ኣሠሮ ለሰይጣን ፣ አግዐዞ ለአዳም፣ ሠላም፤  እምይዕዜሰ፣ ኮነ፣ ፍሥሐ ወሰላም ።   ትንሣኤ ክርስቶስ “ዮም ፍሥሐ ኮነ በሰንበተ ክርስቲያን” - ትንሣኤ ክርስቶስ   “ዮም ፍሥሐ ኮነ በሰንበተ ክርስቲያን እስመ ተንሥአ ክርስቶስ እሙታን/ ክርስቶስ ካብ ምውታን ስለ ዝተንሥአ ሎሚ ኣብ ሰንበተ ክርስቲያን ሓጐስ ኮነ” ነዚ ቃል ዝደረሶ ቅዱስ ያሬድ  እዩ። ሎሚ ዝተባህለት እታ ኣብ ዘመነ ኦሪት ብእሑድ እትፍለጥ ናይ ሥራሕ መዓልቲ ዝነበረት እግዚአብሔር ምፍጣር ዝጀመረላ ዕለት እያ። እንተኾነ ግና ጐይታ ዓበይቲ ፍጻሜታት ስለ ዝፈጸመላ ሰንበተ ክርስቲያን ቅድስት ተባህለት። ሓደ ካብኡ ድማ በዛ ዕለት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝተንሥአ እዩ።  በዚ መሠረት ቅዱሳን ሐዋርያት ንእሑድ (ሰንበተ ክርስቲያን) ምስ ቀዳሚት ሰንበት (ሰንበተ አይሁድ) ሓደ ጌርና ንኸነኽብረን “አግብርትኒ ይትቀነዩ ኃምሰ መዋዕለ ወበዕለተ ሰንበትሰ ወእሑድ ይፀመዱ ለቤተ ክርስቲያን ከመ ይትመሀሩ መልእክተ እግዚአብሔር፡ እስመ በዕለተ ሰንበት አዕረፈ እግዚአብሔር አመ ፈጸመ ፈጢረ ፍጥረታት፡ ወበዕለተ እሑድኒ ተንሥአ እምነ ምዉታን/ ኣገልገልቲ ኃሙሽተ መዓልቲ ይሥርሑ፡ ሰንበትን (ቀዳም) እሑድን (ሰንበት) ግና መልእኽቲ እግዚአብሔር ምእንቲ ክመሃሩ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጽሙዳን ይኹኑ፤  ምኽንያቱ  እግዚአብሔር ፍጥረታት ፈጢሩ ብሰንበት ስለ ዘዕረፈ፡ ከምኡውን ብዕለተ እሑድ ካብ ምዉታን ተፈልዩ ስለ ዝተንሥአ” ብምባል ሥርዓት ሠርዑልና። (ፍት.ነገ. 19፥721)  እዘን ክልተ ዕለታት ቃል ኪዳን ዝተዋህበንን በዚ ቃል ኪዳን ከኣ ነፍሳት ካብ ገሃነመ እሳት ዘዕርፋለን ዕለታት እየን...

ቀዳም ስዑር

Image
 ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ቀዳም ስዑር ማለት ቀዳም ስዑር ማለት ቀዳም ስዑር ማለት ሰይጣን ዝተሳዕረሉ ክርስቶስ ዝነገሰሉ ዕለት። ብተወሳኺ ቀዳም ስዑር ዝተባህለሉ ምኽንያት ብጾም ስለ'ትሳዓር ኢዩ። ኩሉ ግዜ ቀዳም ኣይጽወሙን ኢዩ ኣንጊህካ ኢኻ መግቢ ዝብላዕ። እዛ ቀዳም እዚኣ ግና ስለ #እትጽወም ስለ ዘይንበልዕ ዝተሳዕረት ቀዳም ዝተባህለት።   ሰቲ ዝዕደለሉ ምኽንያት ኣብ ቀዳም ስዑር  ሰቲ ዝዕደለሉ ዕለት እዩ። ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ስቕለት፣ ኣብ ስግደትን ጾምን ዝቀነዩ ምእመናን፡ ብዕለተ ቀዳም ናይ ንግሆ ጸሎት ምስ ተፈጸመ ካህናት “ገብረ ሰላም ብመስቀሉ” (ብመስቀሉ ሰላም ገበረ) እናበሉ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተኣከቡ ምእመናን ሰቲ ይዕድሉ። ሰቲ ናይ ብስራት ምልክት እዩ።    ምሳሌ ሰቲ ምዕዳል ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ኣብ  ግዜ ኖህ ዝነበረ ሕዝቢ ካብ ሕገ እግዚአብሔር ወጺኡ ትእዛዝ ኣፍሪሱ ምድሪ ብዓመጻ መሊእዋ ነበረ። ምድሪ ድማ ብኃጢኣት ወዲ ሰብ ተጸይቃ ነበረት። እግዚአብሔር ከኣ ንምድሪ ብማይ ኣይሂ ከጥፍኣ ንጻድቕ ኖኅን ስድርኡን ዝድኅነሉ መርከብ ክሰርሕ ኣዘዞ። ኖኅ ድማ ከምቲ ዝተባህሎ ገበረ። እቶም ሕዝቢ ትምህርተ ንስሓ ኖኅ ክሰምዑን ክቕበሉን ስለዘይደለዩ፡ እቲ ግዜ ምስ ኣኸለ ኖህ ሸሞንተ ነፍሳት ሒዙ ናብ መርከብ ኣተወ። ብድኅሪ’ዚ ከኣ ምድሪ ብማየ ኣይኅ የዕለቕለቐት።  ጻድቕ ኖህ ግዚኡ ምስ ኣኸለ ካብቶም ሒዝዎም ዝኣተወ ኣንስሳ ናይቲ ማይ ምጉዳል ክትርኢ ንርግቢት ሰደዳ፡ ንሳ’ውን እቲ ማይ ከም ዝጎደለ ምልክት ልሙዕ ቖጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ተመልሰቶ። ኖህ’ውን በቲ ቖጽሊ ኣውሊዕ እቲ ማይ ከም ዝጐደለ ተረዲኡ ተሓጐሰ(ዘፍ 8፡1-29) ከምቲ ሰቲ፡ ምንቓጽ ጥፍኣት ማይ መበሰሪ...

ኢየሱስ በግዕ ዘቀራንዮ

Image
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ ኣምላክ ኣሜን። ኢየሱስ በግዕ ዘቀራንዮ  « ኢየሱስ በግዕ ዘቀራንዮ » ብዛዕባ ስሙ ጥራይ ዘይኮነስ:ንሱ መን ምዃኑን:እንታይ ገይሩን: እንታይ ረኺብዎን:በቲ ንዕኡ ዝረኸቦ‘ኸ ንሕና ክርስትያን እንታይ ረኺብና(ረቢሕና)?? ዝብልን ካልእን ንመንነት ክርስቶስ ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣብ ሕቁፊ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ኣሎ።ንሎሚ ድማ ነዚ ጽሑፍ ብሓንሳብ ኬና ክንካፈሎ ኢና።ብድሕሪ‘ዚ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ንክርስቶስ ትሰብኮ ድያ?? ዝብል ሕቶ ኣብ ሕልናና ኩልና ንመልስ ኢና።   ኢየሱስ ክርስቶስ ጥዑመ ስም ለዘይጼውዖ:ኢየሱስ ክርስቶስ ኅብስተ ሕይወት ለዘይበልዖ:ኢየሱስ ክርስቶስ  ጽዋዐ መድኀኒት ለዘይጸምዖ(ለዘይሰትዮ):ኢየሱስ ክርስቶስ በግዐ መድኀኒት ለዘይሰውዖ:ከመ ይባሩኩነ ይፌኑ አርድኦ: ለጸባኢነ ይጽብዖ ወልታሁ ነሢኦ። ብትግርኛ፦ (ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝጽውዖ ስሙ ምቁር(ጥዑም)ኢዩ: ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝበልዖ ናይ ሕይወት እንጀራ ኢዩ:ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝሰትዮ(ንዝጸምኦ)ናይ መድሃኒት ጽዋእ(መስተ) ኢዩ: ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝስውኦ ናይ ድሕነት በጊዕ ኢዩ: መታን ክባርኹና ንደቂ መዛሙርቱ(ሓዋርያቱ)ይልኣኽ: ዋልታኡ(ድርዑ)ኣልዒሉ ንዝጻብኣና ይጻብኣዮ)። እዚ ቃል እዚ ኣብ ተአምረ_ኢየሱስ ዝበሃል መጽሓፍ ተጻሒፉ ዝርከብ ኮይኑ:ኣብ ናይ ንግሆ ጸሎተ(ጸሎተ ነግህ)ኩሉ ግዜ እዚ መጽሓፍ ቅድሚ ምንባቡ ይዝየም(ብዜማ ይበጽሕ)  ኣብዛ ኣቀዲምና ዝረኣናያ ብምስክርነት ዝተቐመጡ ነጥብታት ናይ_ኢየሱስ_ክርስቶስ_ስሙ_ጥዑም ምኻኑ : ናይ ሕይወት_እንጀራ ምዃኑ   ናይ ድሕነት_መስተ ምዃኑ: መስዋእትነቱን: ካብ ጸላኢና_ዲያብሎስ ንዓና ብስልጣኑ  ከም ዝሕልወናን ኢዩ ዝገልጽ። ቀጺ...

ሰሙነ ሕማማት ዓርቢ

 ሰሙነ ሕማማት ዓርቢ

ሰሙነ ሕማማት ሓሙስ

 ሰሙነ ሕማማት ሓሙስ

ሰሙነ ሕማማት ረቡዕ

 ሰሙነ ሕማማት ረቡዕ

ሰሙነ ሕማማት ሰሉስ

 ሰሙነ ሕማማት ሰሉስ