ግዝረት
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ግዝረት
ወትሰምዪዮ ስሞ ኢየሱስ( ሉቃ 1፥31)
< ስሙ ኢየሱስ ዝተብሃለሉ ዕለት >
መጽሓፍ ፦ወገብረ በሕገ ኦሪት ከመ ይሣየጦሙ ለእለ ውስተ ኦሪት እግዚአ ለኦሪት ገብረ በሕገ ኦሪት ከም ዝብል ኢየሱስ ክርስቶስ ፈጻሜ ሕጊ ስለዝኾነ ናይ ኦሪት ሕጊ ንሞፍጻም ብሕገ ኦሪት መሠረት ብሻምናይ ማዕልቱ ተገረዘ።
ክሳዕ ዕለተ ሓሙስ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኦሪት ሕጊ እናፈጸመ እዩ መጺኡ።
ብሻሙናይ ዕለት ተገሪዙ
ብአርብዓ ማዕልቱ ዕጉለ ርግብ ዘውገ ማእነቅ ሒዙ ናብ ቤተ መቅደስ ኸይዱ።
ፋሲካ ዝተብሃለ እስራኤላውያን ናይ ናጽነቶም ዕለት ዘኽብሩሉ ንሱ እውን በብዓመቱ የኽብር ነይሩ።
ብሓፈሻ ናይ ኦሪት ሕጊ እናፈጸመ ክሳዕ ጸሎተ ሓሙስ መጺኡ እዩ።
ናይ ሓዲስ ኪዳን ሥርዓት ብዕሊ ዝመሥረተሉ ድማ ብምሴተ ሐሙስ ኣብ አልአዛር ገዛ እዩ።ዝ ውእቱ ዘሐዲስ ሥርዓት ዝበለሉ ጊዜ ሽዑ እዩ።(ማቴ 26፥28)
ናይ ግዝረቱ ዕለት ዝዝከረሉ ጥር ዕለት ሹዱሽተ እዩ።ብዚ ዕለት እዚ ካብ እቶም ሰብዓ ሊቃናት ዝብሃሉ ብበጥሊሞስ ዘመነ መንግሥት ዝነበሩ፤ መጻሕፍተ ብሉይ ካብ እብራይስጥ ቋንቋ ናብ ግሪክ ንክትርጉሙ ዝተሓረዩ፣ንሱ ድማ ካብ እብራይስጥ ቋንቋ ናብ ግሪክ ቋንቋ ንክቱርጉም መጽሓፈ ኢሳይያስ ዝበጽሖ ስምኦን ዝተብሃለ ሽማግለ ንኢየሱስ ክርስቶስ ከይርአየ ከም ዘይመውት አቀዲሙ ብመልአክ ተነጊርዎ ዝነበረ ሰብ እዩ።
መጽሐፈ ኢሳይያስ እናተርጎመ እንተሎ ወናሁ ድንግል ትጸንስ ወትወልድ ወልደ"እነሆ ድንግል ብድንግልና ጸኒሳ ትወልድ እያ ኣብ ዝብል ኃይለ ቃል ምስበጽሐ (ኢሳ 7፥14) እዚ ነገር እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን? ድንግል ትጸንስ እያ እንተበልኩ እንኳን አሕዛብ አይሁድ እውን አይቕበሉዎን ኢሉ "ድንግል" ዝብል ጽሑፍ አጥፊኡ "ወለት" ኢሉ ጸሓፈ ።ድቃስ መጽኦ ደቀሰ እንደገና ምስ ነቅሐ "ወለት" ዝብል ጠፊኡ "ድንግል" ዝብል ተጻሒፉ ረኸበ ከምዚ እናበለ ንመበሊ ሣልሳይ ከጥፍእ ምስበለ ሕደግ እዚ ከይርአኻ አይትተርፍይ ኢኻ ኢሉ መልአከ እግዚአብሔር ነጊርዎ ስለዝነበረ ነዚ ጊዜ እዚ ብሓንቀውታ ይጽበዮ ዝነበረ ሰብ እዩ።
ዘመኑ ምስበጽሐ ብእግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ መለዓዓሊነት ናብ ቤተ መቅደሱ አምርሐ፣ ክርስቶስ ንክግረዝ ኣብኡ ረኸቦ ስምዖን ድማ ሓቐፎ ሰውነቱ ተሓደሰ። እቲ መልአክ ዝነገሮ ቃል ድማ ተፈጸመ።
በዚ ጊዜ "ይእዜ ትስዕሮ (ሰዓሮ) ለገብርከ
እስመ ርእያ አዕይንትየ አድኅኖተከ "ንባርያኻ ሎሚ አሰናብቶ አዕንተይ መድሓኒነትካ ርእየን እየን እሞ ዝበለሉ ጊዜ እዩ።(ሉቃ 2፥25-34)
ስምኦን ዝዝከረሉ የካቲት 6 ማዕልቲ እዩ።
መልአኩ ቅዱስ ገብርኤል ወትሰምዪዮ ስሞ ኢየሱስ "ስሙ ኢየሱስ ክትብሊዮ ኢኺ ብዝበሎ መሠረት ብቅድስት ድንግል ማርያም ኢየሱስ ዝብል ስም ዝወጽአሉ ብዝተወለደ ብሻምናይ ዕለቱ እዩ።(ሉቃ 2፥21)
ኢየሱስ ማለት መድሓኒት ማለት እዩ
እቲ ንዓለም ኹሉ መድሓኒት ዝኾነ እዩ ዝተገረ።
ግዝረት ብብሉይ ኪዳን ሕዝበ እግዚአብሔር ናይ ሙኻን ምልክቶ ዝነበረ ንአብርሃም ዝተውሃበ ምልክት እዩ።
ብብሉይ ኪዳን ዘይተገረዘ ሰብ አረማዊ እምበር ሕዝበ እግዚአብሔር አይብሃልን ነይሩ።
ግዝረት ብብሉይ ኪዳን ንአብርሃም ዝተውሃበ ሕዝበ እግዚአብሔር ናይ ሙኻን ምልክት ፣ቃል ኪዳን እዩ ነይሩ።(ዘፍ 17 ፥9-14
ግዝረት ብሐዲስ ኪዳንኸ ?
ናይ ልቢ ኽፍኣት ምግራዝ እዩ እምበር ናይ ሥጋ ግዝረት ብመንፈሳዊነት ጥቕሚ የብሉን።(ሮሜ 2፥29)
ብኢየሱስ ክርስቶስ ሓዲስ ፍጥረት ሙኻን እምበር ምግራዝ ዘይምግራዝ ኽልቲኦም ጥቕሚ የብሎምን።(ገላ 6፥15)
ብሓጺሩ ንምግላጽ
ሰብ እንተተገሪዙ ዝረኽቦ መንፈሳዊ ዓስቢ የለን ።
እንተዘይተገሪዙ ድማ ዝቐርዮ መንፈሳዊ ዓስቢ የለን ።
ብቤተ ክርስታያንና ከም ዝንገር ግዝረት ብጥምቀት እዩ ተተኪኡ።
ምክንያቱ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገለጸ
ብዘመነ ኦሪት ዘይተገረዘ ሰብ ሕዝበ እግዚአብሔር አይብሃልን።(ዘፍ 17፥9-14)
ብዘመነ ሓዲስ ዘይተጠመቐ ሰብ ውሉደ እግዚአብሔር ኣይብሃልን ።(ማር 16፥16 ዮሐ 3፥5)
ክልቲኦም ምንጽጻር እዩ ብሓጺሩ።
ብብሉይ ዝተገረዘ ሕዝበ እግዚአብሔር ይብሃል
ብሐዲስ ዝተጠመቐ ድማ ውሉደ እግዚአብሔር ይብሃል
ስለዚ ጥምቀት ብሐዲስ ኪዳን ንሰብ ኹሉ ዝተውሃበ ናይ እግዚአብሔር ውሉድ ናይ ሙኻን ምልክት ፣ቃል ኪዳን እዩ። (ማር 16፥16)
መድሓኒትና ፣ሕይወትና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ሰላም ለኩም
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Comments
Post a Comment