ሚካኤል
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን።! ቅዱስ ሚካኤል ዘወርሒ ኃምለ ተኣምር ቅዱስ ሚካኤል ዘወርሒ ኃምለ ። ተፈጥሩኡ ነደ እሳት ዝኾነ ቀዳማይን ተኸታልን ዘይቡሉ ናይ እግዚኣብሔር ኣጋልጋላይ ዝኾነ ፡ ማዕሩጉ ልዕል ዝበለ ከናፍሩ ናይ ምስጋና መፍሰሲ ዝኾነ ካብ ዘረቡኡ ናይ ሓዊ ብልኾታ (ነጸብራቓዊ ሓዊ) ዝወጽእ ፡ መጎናጸፊኡ እሳት ልብሱ ኣሳት ፡ ብነበልባል ሓዊ ዝተሸለመ ፡ናይቶም ጸለእትና ድኹማት ሰራዊት ሳጥናኤል ፡ ዝዓጽደሉን ዝቐዝፈሉን ናይ ስላሴ ሴይፍ ብኢዱ ዝሓዘ ናይ መላእክት ሓለቓ ቅዱስ ሚካኤል ዝገቦሮ ተኣምር እዚ እዩ ። ናይ’ቲ ኩብሩን ርህሩህን ዝኾነ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ካብ ፍላጻ ጸላኢ የድሕነና፡ ጥዑም ድምጺ ዜማ ዘለዎ ካብ ኣጽናፍ ናብ ኣጽናፍ ኣብ ኣርያም ብኣኽናፉ ዝመላለስ ካብ ናይ ጸላኢ ፍላጻ፡ ካብ መኣሰርቲ ሲኦል፡ ካብ ኣፍ በላዒ ተኹላ ርጉም፡ ካብ ማእሰርቲ ሰይጣን ሕሱም የድሕነና ለዓለም ኣለም ኣሜን! ኣብ ሓንቲ ሃገር ሓደ ክርስቲያናዊ ሰብኣይ ነበረ ። ካብ ዕለታት ሓንቲ ማዓልቲ ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል ዝኽበረሉ ዝነበረሉ ዕለት እዚ ፍጻሜ ተፈጸመ ፡፡ ኣብ ቅዳሴ ፡ ኤጲስ ቆጶሳት ፡ቀሳውስት ፡ ዲያቆናት ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ስርዓተ ቅዳሴ ዝፍጸመሉ ዝነበረ ግዜ ፡ ኣመንቲ ክርስቲያን ዝኾኑ ብዙሓት ሰባት ፡ ስጋኡን ደሙን ንምቅባል ፡ ሕግን ስርዓትን ብዝሓዘ መሰረት ደው ኢሎም ነበሩ ። ናይ እግዚኣብሔር ወልድን ፡ ናይ ኣምላኽነቱን ነገር ዝገልጽ ቓል ወንጌል ኣብ ዝንበበሉ ዝነበረ ሰዓት ርኹስ መንፈስ ዝሓዶሮ ፡ ንቡዝሕ ዘመናት ፡ ብኡኩያት ኣጋንንቲ ዝተፋላላየ ዝሳቀ ዝነበረ ሓደ ሰብ መጸ ። ናብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣተወ ፡ ኩሉ ህዝቢ’ውን ይርእዮ ነበረ። ብኣዝዩ ሓያል ድምጺ...