ኅሊና ሳምራዊ

 

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩አምላክ አሜን

   ርሕሩሕ ኅሊና ሳምራዊ

 

     ሑርኬ አንተኒ ከማሁ ግበር ወተሐዩ

<< ኺድ ንስኻ እውን ኸምኡ ግበር ትድሕን ኢኻ>> 

           (ሉቃ 10፥25-37) 


ወተንሥአ አሐዱ ጸሐፌ ሀገር ያመክሮ ወይቤሎ

 ኦ ሊቅ ምንተ ገቢርየ እወርስ ሕይወተ ዘለዓለም

<< ሓደ ፈላጥ ሕጊ ዎ መምህር !ናይ ዘለኣለም ሕይወት መእንቲ ክወርስ እንታይ ክገብር ? ኢሉ ንክርስቶስ ንክፍትኖ ተሥአ። 


ወይቤሎ ውስተ ኦሪት ምንት ጽሑፍ ወእፎ ታነብብ።

<<ንሱ ድማ ኣብ ሕጊ እንታይ ጹሑፍ አሎ ? ከመይ ኸ ተንብብ ? በሎ።

ወአውሥአ ወይቤሎ አፍቅሮ ለእግዚአብሔር በኩሉ ልብከ ወበኩሉ ነፍስከ ወበኩከኩ ኃይልከ ወበኩሉ ኅሊናከ ወአፍቅርጰቢጸከ ከመ ነፍስከ።>>

<<ንሱ ድማ እቲ ሕጊ ፈላጢ ማለት እዩ።

ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን፣ ብዅሉ ነፍስኻን ፣ብዅሉ ሓይልኻን ፣ብኹሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ ፣ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ አፍቅሮ ኢሉ መለሰሉ። 


ወይቤሎ እግዚእ ኢየሱስ ሠናየ ተሠጠውከ ከማሁኬ ግበር ወተሐዩ>>

<<ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ጽቡቕ መለስካ። ከምኡ ግበር እሞ ብሕይወት ክትነብር ኢኻ በሎ። 

ወፈቀደ ያጽድቅ ርእሶ ወይመንን ቢጾ ወዮቤሎ መኑ ውእቱ ቢጽየ>>

<<እቲ ሕጊ ፈላጥ ግና ንርእሱ ከጽድቕ ፣ከኽብር ደልዩ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብጻየይ ከ መን እዩ ? ኢሉ መለሰ። 

ነቲ ሕጊ ዝፈልጥ ሰብ ኢየሱስ ክርሰቶስ ብምሳሌ ከምህሮ ደልዩ ከምዚ በለ። 



"አሐዱ ብእሲ እንዘ ይወርድ እምኢየሩሳሌም ለኢያሪኮ

ረከብዎ ፈያት ወዘበጥዎ ወፈቅዕዎ ወሰለብዎ ወገደፍዎ ወኃለፉ ወአልጸቀ ይሙት>>

<<ሓደ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያሪኮ ክወርድ እንተሎ ኣብ ኢድ ከተርቲ ሸፋቱ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን ፣ወቕዕዎ ፣ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። 

ወተዳደቆ አሐዱ ካህን እንዘ ይወርድ ይእተ ፍኖተ ወርእዮ ወተዐደዎ ወኀለፈ >>

<<ኰነ ድማ ሓደ ካህን በታ መገዲ እቲኣ ክወርድ ከሎ ርእይዎ ከምዘይረኣዮ ገለል ኢሉ ሓለፈ።



ወከማሁ ሌዋዊሂ ረከቦ ክመ በውእቱ መካን ወርእዮ ተዐደዎ ወኀለፈ ከመ ቀዳሚ።

<< ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ በጽሐ እናረኣዮ ሓለፈ። 

ወረከቦ አሐዱ ሳምራዊ እንዘ የሐውር ይእተ ፍኖተ ወርእዮ ወምሕሮ።

<<ሓደ ሳምራዊ ሓላፊ መንገዲ ግና ናብኡ መጸ ምስ ረኣዮ ኸኣ ደንገጸሉ ራሕርሓሉ። 

ወቀርበ ኃቤሁ ወሥነ ወይነ ወቅብዐ ውስተ ቁሰሊሁ ወአጽዐኖ ዲበ አድጉ ወወሰዶ ኃበ ዐቃቤ ቤተ ነግድ ከመ ይፈውሶ ወአስተሐመመ በግብሩ።

<<ናብኡ ቐሪቡ ኣቑሳሉ ሰፈየሉ፣ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ ፣ኣብ ኣድጉ ጽዒኑ ናብ መሕደሪ ኣጋይሽ ወሲዱ ኣለዮ። 

ወበሳኒታ አውጽአ ክልዔተ ዲናረ ወወሀቦ ለዐቃቤ ቤተ ነግድ ወይቤሎ ፈውሶ ሊተ በዝንቱ ወእመቦ ዘአስተዋጻእከ ሎቱ ዘይበዝኅ እምዝ እፈድየከ አነ አመ ግብአትየ።

<<ንጽባሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ ነቲ ሓላዊ ማሕደር ኣጋይሽ ሃቦ እሞ ተኸናኸኖ ንዑኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኽፈድየካ እየ በሎ። 



መኑ ውእቱ እምእሉ ዘይከውኖ ቢጾ ለዘዘበጥዎ ፈያት።

<<ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐ ካብዞም ሠለስተ

ብጻይ ዝኾኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ? በሎ። 

ወይቤሎ ዘገብረ ምሕረተ ላዕሌሁ።

<<እቲ ሕጊ ፈላጢ ድማ እቲ ምሕረት ዝገበረሉ በለ።

እቲ ሳምራዊ ማለቱ እዩ። 



ሑርኬ ከንተኒ ከማሁ ግበር ወተሐዩ።

<<ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኺድ ንስኻውን 

ከምኡ ግበር በሎ። 

እዚ ማለት ንሰብ ኹሉ አፍቅር ፣ንሰብ ኹሉ ሕዘን ማለት እዩ።እቲ ሳምራዊ ነቲ ዝወደቐ ሰብ አይፈልጦን፣ ስለዝፈልጦ ኣይኮነን ዘልዐሎ ሰብ ብሙኻኑ ጥራሕ እዩ።

ስለዚ ንስኻ እውን ሰብ ብሙኻኑ ጥራሕ ጽቡቕ ግበረሉ ማለቱ እዩ።



እዚ ንወርቁ ወይ ድማ #ዋና ምስጢሩ ክንርአዮ ከለና 

ከም ዝስዕብ እዩ።

<<ሓደ ሰብ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያሪኮ ወረደ ማለት

አዳም ካብ ልዕልና ናብ ትሕትና ወረደ። 

<<እቲ ሰብ ብሸፋቱ ኢድ ወደቐ ማለት፦

ንኣዳም አጋንንት ኣሰሓሓትዎ፣ ገዝእዎ። 



<<ነቲ ሰብ ሸፋቱ ደብደብዎ፣ ወቕዕዎ ማለት፦

ንኣዳምን አጋንንት ውሉደ እግዚአብሔርነቱ ኣውሰዱሉ።

<<ነቲ ሰብ እቶም ሸፋቱ ኣብ ማእኸል ሕይወትን ሞትን ሓዲጎምዎ ኸዱ ማለት፦

ኣብ ልዕሊ አዳም ብሞተ ሥጋ ሞተ ነፍስ ብርደተ መቃብር ርደተ ገሃነም ተፈረደ። 



<<ሓደ ካህን ብቲ መንገዲ ሓለፈ ማለት 

ንአዳም መልከ ጼዴቅ፣አሮን፣ሙሴ ረኸብዎ። 

<<ርእይዎ ገለል ኢሉ ሓለፈ ማለት፦ 

መልከ ጼዴቅ፣ሙሴ፣አሮን ብዝጸለይዎ ጸሎት

ብዘቕረብዎ መስዋዕት አዳም አይድሓነን ማለት እዩ። 


<<ሓደ ሌዋዊ ብቲ መንገዲ ሓለፈ ማለት፦

ካብ አሮን እስካዕ ቀያፉ ዘለው ካህናት አዳም ተፈሪድዎ ረኸብዎ ማለት እዩ። 

<<ርእዩ ኸም ዘይርኣየ ሓለፈ ማለት ፦

ካብ አሮን እስካዕ ቀያፋ ዝተልዓሉ ካህናት ብዝጸለይዎ ጸሎት፣ ብዘቕረብዎ መስዋዕት አዳም አይድሓነን ማለት እዩ።



<<ሓደ ሳምራዊ ክኸይድ እንተሎ ናብኡ መጽአ ማለት፦

ጎይታ ብዚ ዓለም ረኸቦ ማለት እዩ። 

<<ርእዩ ሓዘነሉ ማለት፦

ብዓይነ ምሕረት ረኣዮ ማለት እዩ። 



<<ናብኡ ቐረበ ማለት፦ 

ባሕርየ አዳም ባሕርዩ ገበረ ፣ብመስቀል ተሰቀለሉ ማለት እዩ። 

<<ዘይቲ አብ ቁስሉ ገበረሉ ማለት፦

ዉሉድ እግዚአብሔር፣ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ፣

ሥጋኡ ደሙ ሃቦ ማለት እዩ። 



<<ብናይ ባዕሉ አድጊ አቐመጦ ማለት

ብኣድጊ ተጽዓነሉ፣ ተዋረደሉ ማለት እዩ ። 

<<ናብ እንግዳታት መዕረፊ ወሰዶ ፣ኣሐለዎ ማለት፦

ካብ ጣዖት ፈሊሱ ንዝመጽአ ንዘምህሩ መምህራን ሃቦ ማለት እዩ።



<<ክልተ ዲናር አውጺኡ ሃቦ ማለት ፦

     ብሉይን ሓዲስን ሃቦ ማለት። 

<<ነቲ ባዓል ገዛ ሓልዎ ፣ተኸናኸኖ ማለት፦ 

ንመምህራን መኪርኹም አምሂርኩም አድሕንዎ። 

<<ካብዚ ብላዕሊ እትከስሮ ኹሉ ማለት፦

ገሲጽኩም ፣ሃኒጽኩም እንተምሂርክምዎ 



<<ኣነ ክምለስ እንተለኹ ክኸፍለካ እየ ማለት

ብምጽኣት ዋጋኹም ክኸፍሉከም እየ። 

<<ጎይታ ካብዞም ሠለስቲኦም ምሕረት ዝገበረሉ መን ይመስለካ ማለት?

ውሉድነቱ ንዘውሰድዎ ንኣዳም ጽቡቕ ዝሰርሐሉ መን እዩ? 

<<ሕጊ ፈላጢ ምሕረት ዝገበረሉ በሎ ማለት፦

  ንስኻ ኢኻ ማለቱ እዩ። 

<<ጎይታ ንስኻ እውን ከምኡ ግበር ማለት

ንዓይ መሲልካ ጽቡቕ ስራሕ እንተሰራሕካ ትድሕን ኢኻ ማለት እዩ። 

ንሰብ ዘይሓዝን ኅሊና ሌዋዊን ኅሊና ካህንን እንተይኮነስ ንሰብ ኹሉ ዝሓዝን ኅሊና ሳምራዊ ይሃልወና።


ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


ወስብሐት ለእግዚአብሔር 

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና