Posts

Showing posts from October, 2024

ቅድስት ድንግል ማርያም

Image
 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን!!!  ፳፩\21 ጥቅምቲ ወርሓዊ በዓል ናይ እመ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ።     ትርጉም ስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፥     “ማርያም” ብዕብራይስጥ “ማሪሃም” ኪኸውን ከሎ፥ ትርጕሙ ድማ እመ ብዙኃን (ኣደ ብዙኃን) ማለት እዩ። እዚ ድማ "ኣብርሃም" ኣቦ ብዙኃን ተባሂሉ ከም ዝትርጐም ማለት እዩ።(ዘፍ ፲፯፥፭/17፡5) ብምሥጢራዊ ትርጕሙ ክረአ ኸሎ ድማ ሊቃውንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብኸምዚ ዝስዕብ ምሥጢራዊ ትርጕም ይገልጽዎ። ሀ) ማርያም ማለት ፍጽሞተ ሥጋ ወነፍስ/ ብድንግልና ሥጋ ብድንግልና ሕሊና ንጽሕቲ ፍጽምቲ ማለት እዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ነቢብ፡ ካብ ገቢር፡ ካብ ሐልዮ ኃጢአት ንጽሕቲ እያ። ኣደነት ምስ ድንግልና፡ ድንግልና ምስ ኣደነት ኣጣሚራ ዝኃዘት ማለት እዩ። እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ንጹሕ ስለ ዝኾነ ንእኡ ትበቅዕ ንጽሕቲ መኅደሪት እያ። እዚ ድማ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም “ወሶበ ርእየ ንጽሕናኪ ለሊሁ እግዚአብሔር አብ ፈነወ ኀቤኪ መልአኮ ብርሃናዌ ዘስሙ ገብርኤል ወይቤለኪ መንፈስ ቅዱስ ይመጽእ ላዕሌኪ ወኀይለ ልዑል ይጼልለኪ፡ ወመጽአ ቃል ኀቤኪ እንዘ ኢይትፈለጥ እምሕፅነ አቡሁ” ከምኡ ድማ “ወሶበ ረከበ ሥጋሃ ቅዱሰ ወነፍሳ ቅድስተ ፈጠረ ሎቱ በመንፈስ ቅዱስ ሕያወ መቅደሰ” (ሃ.አበው) ከም ዚብል መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍስ ዘይብላ ኣማሊዳ በረከተ ሥጋ በረከተ ነፍሥ እተውህብ፡ ብድንጋሌ ሥጋ ብድንጋሌ ነፍስ ጽንዕቲ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም መኅደሪቱ ኽትከውን መረጻ። ብተወሳኺ ኣባ ሕርያቆስ ደጊሙ እታ እንኮ ፍጽምተ ሥጋ ወነፍስ ድንግል ማርያም ምዃና ከረድእ ከሎ “እግዚአብሔር ነፀረ ...