ጸሎት ወዘጊበ ንዋይ በሰማያት

 በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩አምላክ አሜን

                     ቅድስት


          ጸሎት_ወዘጊበ_ንዋይ_በሰማያት

               (ማቴ 6፥16-26)

  

ወሶበ ትጸውሙ ኢትኩኑ ከመ መደልዋን እስመ እሙንቱ ይትመጸለዉ ወይቆጽሩ ገጾሙ ወያማስኑ ከመ ያእምር ሰብ ከመ ጾሙ አማን እብለክሙ ነሥኡ እሴቶሙ 


 ክትጸሙ ኸሎኹም እቶም ግብዛት ጸወምቲ ሙዃኖም ብሰብ ምእንቲ ክርኣዩ ገጾም የጸምልዉ፣ እዮም እሞ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ።

ብሰብ ዓስቦም ከም ዝወሰዱ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።


"ወአንትሙሰ ሶበ ትጸውሙ ቅቡዑ ርእሰክሙ ወኅጽቡ ገጸክሙ ከመ ኢያእምር ሰብእ ከመ ጾምክሙ ዘእንበለ አቡክሙ ዘበሰማያት ዘበኅቡእ ወአቡክሙ ዘይሬእየክሙ በኅቡእ የዐስየክሙ ክሡተ።


<<ንስኻትኩም ግን ክትጸውሙ ከለኹም ጸዋማይ ሙኻንኩም በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኹም ደኣ እምበር ብሰብ ምእንቲ ከይትርአ ርእስኩም ተቐብኡ ፣ገጽኩም እውን ተሓጸቡ እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኹም ድማ ብጋህዲ ክክሕሰኩም እዩ።


"ኢትዝግቡ ለክሙ መዝገበ ዘበምድር ኃበ ይበሊ ወይማስን ወኃበ ፃፄ ወቁንቁኔ ያማስኖ

ወኃበ ሰረቅት ይከርዩ ወይሰርቅዎ

ዝግቡ ለክሙ መዝገበ ዘበሰማያት ኃበ ኢይበሊ ወኢይማስን ወኃበ ኢያማስኖ ፃፄ ወቁንቁኔ ወኃበ ሰረቅት ኢይከርዩ ወኢይሰርቅዎ 


  ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፣ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፣ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር ብልዒ ኣብ ዝበልዖ ፣ዝነቐዝ ኣብ ዘንቅዞ፣ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዝሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።


እስመ ኀበ ሀሎ መዝገብክሙ ህየ ይኄሉ ልብክሙኒ 


  መዝገብኩም አብ ዘሎ ልብኹም አብኡ ኣሎ እዩ እሞ።

"ማኅቶቱ ለሥጋከ ዐይንከ ውእቱ እምከመ ዐይንከ ብሩህ ወስፉሕ ውእቱ ኩሉ ሥጋከ ብሩሀ ይከውን 


  ናይ ሥጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት ኹሉ ሥጋኻ ብሩህ ይኸውን።

ወእመሰ ዐይንከ ሐማሚ ኩሉ ሥጋከ ጽልመተ ይከውን 

ወስበ ብርሃን ዘላዕሌከ ጽልመት ውእቱ ጽሎመትከ እፎ ብርሃነ ይከውነከ ። 


   ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና ኹሉ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን? 

ኢይክል አሐዱ ገብር ተቀንዮ ለክልዔ አጋዕዝት ወእመ አኮ አሐደ ይጸልእ ወካልኦ ያፈቅር ወእመ አኮ ለአሐዱ ይትኤዘዝ ወለካልኡ ኢይትኤዘዝ ኢትክሉኬ ተቀንዮ ለእግዚአብሔር ወለንዋይ።


  ንኽልተ ጐይተት ክግዛእ ዝኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ።

ወበእንተዝ አብለክሙ ኢትተክዙ ለነፍስክሙ ዘትበልዑ ወኢ ለሥጋክሙ ዘትለብሱ አኮኑ ነፍስ ተዐጽብ እምሲሲት ወሥጋ የዐጽብ እምአራዝ። 


  ካብ መብልዕሲ ሕይወት ዶ ኣይትበልጽን ?

ካብ ክዳንሲ ሥጋ ዶ ኣይበልጽን ? ስለዚ ንሕይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንሥጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ እብለኩም አሎኹ። 

ነጽሩ አዕዋፈ ሰማይ እለ ኢይዘርዑ ዘኢየአርሩ ወኢያስተጋብኡ ውስተ አብያት ወአቡክሙ ሰማያዊ ይሴስዮሙ አኮኑ አንትሙ ፈድፋደ ትኄይስዎሙ። 


 ናይ ሰማይ አዕዋፍ ተመልከ፤ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግቦም እምበር ኣይዘርኡን፣ ኣይዐጽዱን፣ ኣብ ጎተራ እውን ኣይእክቡን እዮም። ንስኻትኩም ዶ ግዳ ኻብኣታቶም ብዙሕ ኣይትበልጹን ? ይብል።


          እቲ ዋና መልእኽቲ 

፩.ብጾም ጊዜ ጸዋሚ ፣ከም ዝጾምካ ሰብ ንክርእየልኻን ንክፈልጠልኻን ገጽካ እናጨማደድካ ሙጻም ከም

ዘይግባእ ፣ገጽካ ተሓጸብ ርእስኻ ተቀባእ ዝበሎ ናይ ፍቕሪ ቅብዓት ናይ ትሕትና ቅብዓት ተቀባእ ማለቱ እዩ።

ከም ፈሪሳውያን ብሰብ ጸወምቲ ኮይንና እንተተራኢና ዋጋና ብሰብ ብውዳሴ ከንቱ ከም ዝኸውን ብፈጣሪ ዋጋ ከም ዘይብልና የረድእ። 

ነገር ግን ብሕቡእ ፣ብዘይምምሳል፣ንውዳሴ ከንቱ እንተይኮነስ እግዚአብሔር ክርእየልና እዩ ኢልና ክንጸውም ከለና እቲ ብሕቡእ ዝርኢ አምላኽ ዋጋና ብግልጺ ከም ዝህበና ዘረድእ ቃል እዩ።


፪.ወዲ ሰብ ክጠፍእ፣ክስረቕ፣ ክብላዕ ኣብ ዝኽእል ኣብ ምድሪ ገንዘብ ንክእክብ እንተይኮነስ ኣብ ሰማይ ማለት እውን ገንዘቡ አብ ከርሠ ነዳያን ፣አብ ዘባነ ነዳያን፣አብ ጎሮሮ ነዳያን አቕሚጡ ፣ ጽብቕ ስራሕ ሰሪሑ ዋጋኡ አብ ሰማያት ንክረክብ ክሰርሕ ከም ዘለዎ እዩ። ወዲ ሰብ ንክልተ ገዛእቲ ማለት እውን ንእግዚአብሔርን ንገንዘብን ክግዛእ ከምዘይኽእል ፣

ገንዘብ እንተፍቂሩ ንእግዚአብሔር ክጸልእ ከም ዝኽእል፣ ንእግዚአብሔር እንተፍቂሩ እውን ንገንዘብ ክጽልእ ከም ዝኽእል ነጊሩና ኣሎ። 

ስለዚ ንእግዚአብሔር እምበር ንገንዘብ ተገዛእቲ ከይንኸውን ነጊሩና እዩ። ንገንዘብ እንተተገዚእና ካብ እግዚአብሔር ወጻኢ ንኸውን ከም ዘለና ዘረድእ ቃል እዩ። 


ዓይንኻ ብሩህ እንተኾይኑ ኩሉ ሥጋኻ ብሩህ ይኸውን ማለት ዓይነ ኅሊናኻ ፣ሓሳብካ ቅኑዕ እንተኮይኑ ኹሉ ስራሕካ ቅኑዕ ብሩህ ከም ዝኸውን

ኅሊናኻ ሓሳብካ ዘይቕኑዕ እንተኮይኑ ግን እትሰርሖ ስራሕ ኹሉ ዘይቅኑዕ፣ ናብ ጸልማት ዝወስድ ከም ዝኾነ የረድእ።


        ስለዚ ወዲ ሰብ አብ ምድሪ ሃፍቲ፣ ገንዘብ ዋላ እንተአከበ ንሰማይ ግን ስንቂ ከም ዘይኸውኖ እዩ ዘረድአና። 

    ነገር ግን ሰብ ብገንዘቡ መንግሥተ ሰማያት ብገንዘቡ ገሃነመ እሳት ክገዝእ ከም ዝኽእል ፍሉጥ እዩ።

እዚ ማለት ብገንዘቡ ንዝተጸገሙ እንተረዲኡ ፣ንዝጠመዩ እንተጸጊቡ፣ ንዝዐረቑ እንተኸዲኑ መንግሥተ ሰማይ ብገንዘቡ ይገዝእ ፣ይረክብ አሎ ማለት እዩ ።ብዝሓልፍ ዘይሓልፍ ፣ብዝጠፍእ ዘይጠፍእ ፣ብምድራዊ ሰማያዊ ይረክብ ኣሎ ማለት እዩ። 


ይኹን ደኣ እምበር ብገንዘቡ ጉቦ እናሃበ ፍትሒ እንተጣሚሙሉ፣ ብገንዘቡ ንሰባት እንተበዲሉሉ ፣ንሰባት እንተቕቲሉሉ፣ብገንዘቡ ዝሙት እንተፈጺሙሉ ብገዛ ገንዘቡ ገሃነመ እሳት ይገዝእ ኣሎ ማለት እዩ።

ስለዚ ገንዘብ ንጹቡቕ ነገር ምውዓል ከም ዘድሊ ነጊሩና ኣሎ ።ብገንዘብካ ሓጢኣትን ጽድቅን ምግዛእ ይክኣል እዩ።ይኹን እምበር ዝተፈቐደልና ጽድቂ ንክንሰርሐሉ እዩ። 


፫.ወዲ ሰብ ብዝበልዖ፣ ብዝሰትዮ፣ ብዝኽደኖ ክጭነቕ ከም ዘይብሉ፣ ናይ ሰማይ ኣዕዋፍ ዘይዘርኡ፣ ዘይዓጽዱ፣ዘይእክቡ እንተለዉ እግዚአብሔር ከም ዝምግቦም ፣ዘድልዮም ኹሉ ከም ዝህቦም ገሊጹ ንኣዕዋፍ እናመገብኩ ንዓኻትከም ደኣ ከመይ ዘይምግበኩም ? ንምንታይ ትጭነቑ ?ካብ ኣዕዋፍ ንስኻትኩም ዶ አይትበልጹን ኢኹም ኢሉ ንፍጥረት ኹሉ ዝምግብ ፈጣሪ ከምዝኾነ ፣ንሕና እውን ክንጭነቕ ከም ዘይብልና ብዘጽናዕንዕ መልክዑ ፈጣሪና ነጊሩና ኣሎ።ካብ ዘይ ምንባር ናብ ምንባር ዘምጽአና አምላኽ ዝብላዕ፣ ዝስተ፣ ዝኽደን ከም ዘየስእነና ባዕሉ ነጊሩና አሎ።



     ክብሪ ንእግዚአብሔር ይኹን 

 (መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ) 


ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ ሀቡ ስብሐተ ለስሙ አክብሩ ሰንበተ ተገበሩ ጽድቀ ዝግቡ ለክሙ መዝገበ ዘበሰማያት ኃበ ፃፄ ወቁንቁኔ ኢያማስኖ ወኢይረክቦ ሰራቂ ድልዋኒክሙ ንበሩ ዘበሌዕሉ ሀልዩ ሀበ ሀሎ ክርስቶስ። 


ትርጉም፦ንእግዚአቦሔር ተገዝኡ ፣ስሙ ድማ ጸውዑ፣ ስራሑ ንአሕዛብ ንገርዎም ፣ንስሙ ክብሪ ሃቡ፣

ሰንበት አኽብሩ ፣ጽድቂ ስርሑ ፣ ፃፀን ቁንቁነን ኣብ ዘየበላሾዮ ፣ሰራቒ አብ ዘይረኽቦ ብሰማይ መዝገብ ኣክቡ፣ ተዘጋጂኹም ንበሩ፣ ክርስቶስ አብ ዘለዎ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓስቡ።



ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y


https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==



ወስብሐት ለእግዚአብሔር






Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና