ውዕለታት ክርስቶስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

   ክትኸፍሎ ዘይትኽእል ውዕለታት ክርስቶስ 



   ሰማይን ምድሪን ዘይውስንዎ እንከሎ ንዓኻ ኢሉ ተወሲኑ፣ክስደድ ዘይግብኦ ስደትኻ ንክባርኽ ተሰዲዱ፣ጥምየት ብባህሪኡ ዘይስማዕምዖ እንከሎ ንዓኻ ንከጽግብ ጠሚዩ፣ብባህሪኡ ዘይደክም እንከሎ ፣ድኻምካ ንከወግድ ደኺሙ፣

ክጽረፍ ዘይግብኦ እንከሎ ንዓኻ ክብል ተጸሪፉ፣

ክዋረድ ዘይግብኦ ንዓኻ ክብል ተዋሪዱ፣ 


 ንቅዱሳን መላእክት ናይ ክብሪ ኣኽሊል ኣብ ርእሶም ዘንበረ ንዓኻ ኢሉ ናይ እሾኽ ኣክሊል ገይሩ፣

ንሓጥኣንን ንጻድቃንን ዝፈርድ እንከሎ ንዓኻ/ኺ ኢሉ ከም በደለኛ ተፈሪዱሉ፣ናይ መላእክት ሠራዊት ብፍርሓት ኣብ ቅድሚኡ እናተንቀጥቀጡ ዝመስግንዎ እንከሎ ንዓኻ ኢሉ ንክፍረደሉ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ጠጠው ኢሉ፣ መከራ ክቕበል ዘይግብኦ እንከሎ ንዓኻ ኢሉ መከራ ተቐቢሉ፣ክስቀል ዘይግብኦ እንከሎ ንዓኻ ኢሉ ጥራሕ ዝባኑ ኣብ ዕፀ መስቀል ተሰቒሉ፣ሞት ዘይግብኦ እንከሎ ንዓኻ ኢሉ ሞይቱ እዚ ኹሉ ገይሩልኻ እንከሎ እግዚአብሔር ይመስገን እናበልካ ወግሐን ጸብሐን ምምስጋን ብኸመይ ይኸብደካ ??? 


  ውዕለታ እግዚአብሔር መላእ ዘመንኻ ክትኸፍሎ አይትኽእልን።ግን ባዕሉ እግዚአብሔር በታ ዝፈጠረልኻ መልሓስ እታ ትኽእላ ነገር እግዚአብሔር ይመስገን ምባል ኸመይ ይኸብደካ ? 

  እዚ ኹሉ ዝገበሮ ንዓኻ ኢሉ ሙኻኑ ንሰከንድ ዝኣክል ከይረሳዕካ አመስንኖ!!! 


ንዓይ ኢልካ እምበር ንስኻስ ክትስቀል፣ክትመውት ኣይምተገብአካን ነይሩ እናበልካ ከም ዮሐንስ ወልደ ነጎድጓድ መከራኡ፣ ሞቱ እናሓሰብካ እግዚአብሔር ይመስገን ብምባል ኹሉ ጊዜ ንፈጣሪኻ አመስግን !!                       

  ምንተኑ አዐስዮ ለእግዚአብሔር በእንተ ኩሉ ዘገብረ ሊተ እናበልካ አመስግን።


ምምስጋን ጥራሕ እንዘይኮነ ንክትገብሮ ዝአዘዘካ ነገር እውን ግበር።ንዓይ ኢልካ ዝተሰቐልካለይ ኣምላኸይ ተመስገን እናበልና ነመስግኖ። 

ምስጋንኡ ዘኪርና ኣብ ፍቅሩ ክንነብር እግዝኣብሔር ይደግፈና  ኣሜንንን 


       ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!  

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና