Posts

Showing posts from February, 2024

ኪዳነ_ምሕረት

Image
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን!!   ኪዳነ_ምሕረት በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን! ዓመታዊ ክብረ በዓል 16/፲፮ የካቲት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ፍቑር ወዳ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምሕረት ኪዳን ዝተቐበለትሉ ዕለት እዩ እንቋዕ ኣብጽሓና ኣሜን።  ኪዳን ፦ “ተካየደ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኾይኑ፡ “ተመሓሓለ፡ ተሰማምዐ፡ ተወዓዓለ” ማለት እዩ። ኪዳን፥ ንኽልተ ሓደ ዝገብር ናይ ፍቕርን ሓድነትን መሓላ፣ መተኣማመኒ ውዕልን ዘይብተኽ ገመድ ሰላምን እዩ። ብተስፋ ቖይሙ ዝተጻሕፈ፡ ሥርዓት ንዚሓለወን ዜጽንዐን ዓስቢ ዚህብ፣ ንዜፍረሰ ግና ዚጐድእ’ውን ኪዳን ወይ ውዕል ይበሃል እዩ።  ‘ኪዳን’፦ ኣብ መንጎ ክልተ ወገን ካብ ደቂ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ሰብን ከኣ ዚፍጸም እዩ። ዓለም ካብ ዚፍጠር፡ ኵሉ ጊዜ እግዚአብሔር ምስ ሰብ ብዝተፈላለየ መንገድን ጊዜን ቦታን ከከም ኣድላይነቱ ቃል ኪዳን ይኣቱን ኪዳኑ ይፍጽምን እዩ።  ኪዳነ_አበው   ንሥነ ፍጥረት በቲ ሓንሳእ ዚሠርዖ ብኺዳኑ ዘጽንዕ እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ብፍላይ ነቶም ናብኡ ዚምለሱ፡ ፍቓዱ ዚመልኡን ብሕጉን ኣምልኾኡን ዚጸንዑ ሰባት ትግሃቶምን ተጋድሎኦምን ተመልኪቱ ቃል ኪዳን ይኣትወሎም እዩ።  ❖ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣዳም ሕጊ ጥሒሱ፡ ትእዛዝ ኣፍሪሱ፡ ምስ ወደቐ፡-“አልቦቱ ካልእ ሕሊና ዘእንበለ ብካይ ላዕለ ኃጢአቱ/ ብኃጢኣቱ ምብካይ እንተዘይኮይኑ ካልእ ሓሳብ ኣይነበሮን” ከምዝብል ብኡ ንብኡ ብንብዓት፡ ንስሓ እዩ ዝተንሥአ። ተወካፌ ንስሓ፡ ርኅሩኅ ኣምላኽ ድማ ንስሓኡ ተቐቢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሉ። ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ፡-“ ምልኣት ዘመን...

፳ 20 ዓለማት

Image
  በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን!!! ብመሰረት ትምህርትን እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ፳(20) ዓለማት ዘረድእ ጽሑፍ ዓለማት ካብ ንፋስ ፡ካብ እሳት ፡ ካብ ማይ ፡ ካብ መሬት ተፈጢረን። ካብዘን20 )፳ ዓለማት 9)፱ ናይ እሳት ዓለማት ፡5) ፭ ናይ መሬት ዓለማት፡4 )፬ ናይማይ ዓለማት፡ 2)፪ ናይ ንፋስ ዓለማት ኢየን።  ፱(9) ዓለማተ እሳት 1)፩.  መንበረ መንግስ (ጾበዖት)ናይ ኣጋእዝተ ዓለም ስላሴ መንበር ዝፋን ኮይኑ ናይ መጀመርያ ሰማይ ኢዩ።4)፬ ፍጥረታት ማለት 4)፬ እንስሳ( ኩሩቤል) ጸወርቲ መንበረ ወይ ዝፋን ኢዮም።ምስኣቶ ካኣ 24)፳፬ ካህናተ ሰማይ ብዘይ ዕረፍቲ ዘመስጉኑ ኣለዉ። 2)፪. ሰማይ ውዱድ ማለት ዝተሰማመዐ ሰማይ ማለት ኢዩ።ቅዱሳን መልኣክት መስዋእት ዝስውእሉ ስፍራ ኢዩ።ስራፊኤል ውን ኣብ ይርከቡ ኢዮም። 3)፫.  ጸርሃኣርያም ኣብኡ ካኣ ኣጎልጉሎት ይካየድ ኢዩ ወርቂ ከበሮ፡ወርቂ ሞቆምያ ሕዞም ፍርቆም ብልመና ፡ ፡ ፍርቆም ብስግደት፡ ፍርቆም ብምስጋና የገልግሉ። ስለዚ ካኣ ከም ቅድስት ቤተክርስትያን ኮይነን ይስርሓ መንበረ መንግስት ከም መቅደስ ፡ ሰማይ ውዱድ ከም ቅድስት ፡ጸርሃኣርያም ካኣ ከም ቅኔ ማሃሌት ብፍቅድ ኣምላክ ተሰርሓ እኩል ዝኮነ ስፍሓት ካኣ ኣለወን ። 4)፬.  ኢዮርሳሌም ሰማያዊት ናይ ሳጥናኤል መንበሪት ዝተፈጥረት ኢዩ። ሳጥናኤል ምስ ወደቀ ግን ንሰብ ዝተዋህበት ስፍራ ኢያ ። ኣዳም ውን ክነብረላ ኣይ ከኣለን ማለት ወደቀ። 5)፭. ኢዮር ካብ ፫ ዓለመ መልኣክት ሓንት ኢያ። ኣብ ኢዮር ፬+ ከተማ መልኣክት ፵ ነገደ መልኣክት ኣብ ፩ይ ከተማ መልኣክት ፲ ነገደ ኣጋዝት ሓለቃ ሳጥናኤል ይብሃል። ኣብ ፪ይ ከተማ ፲ ነገደ ኩርቤል ሓለቃ ካኣ ኩሩብ ይብሃል። ፫ ይ ...