Posts

Showing posts from May, 2023

ጾም ከም ጸሎት

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ጾም ከም ጸሎት ጾም ከም ጸሎት ጸሎት ምስ ጾም ምስ ምጽዋትን ስግደትን እንተኾይኑ እዩ ዝሰምር ። ብፍላይ ጾምን ስግደትን ኣብ ዘለዎ ጸሎት ናይ ግድን እዩ። ጾም ቁስለ ነፍሲ ትፍውስ ኃይለ ፍትወት ተድክም፣ ናይ ኩሉ ጽቡቅ ምግባራት መጀመሪት፣ ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ጸጋ ተውህብ፣ መጀመሪ ስራሕ ወንጌል፣ ናይ ጽሙዳን ክብሮም፣ ናይ ንጽህና መግለጺት ፣ ሰውነትና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ትሕት ኣቢልና ብምውራድ ንትሕትና ገንዘብና ንኽንገብራ ትሕግዘና መድኃኒተ ነፍሲ ናይ ጽድቂ በሪ እያ።  ኣብ እዋን ጾም ሰብ ንእግዚአብሔር ዘለዎ ፍቕሪ ዝገልጸሉ፣ መንፈሳዊ ተጋድሎ ዝበዝሓሉ ሰብ ምስ እግዚአብሔር ዘለዎ ቤተሰባዊ ምቅርራብ ዘዛይደሉ፣ ስለ ገዛእ ርእሱን ስለወገናቱን ሓጥያት ዝሓዝነሉን ናብ እግዚአብሔር ዝምልሰሉ ፍሉይ እዋን እዩ። ሓደ ሓደ ሰባት ንሥጋኦም ብምፍታው ስለዘይጾሙን ዘይሰግዱን ዘይጽልዩን ነፍሶም ይጎድኡ። ኮይኑ ግን ነፍሲ እንዳደኸመት ሥጋ ብምቾት እንዳጠዓማ ክትከይድ የብላን። ንነፍስና ንምድሓን ፈቃደ ሥጋ መሥዋእቲ ብምግባር ንፈቃደ ነፍሲ ከነግዝአ ናይ ጾም ዓቢ ዕላማ እዩ። ጾም ንፈቃደ ሥጋ ገቲእካ ምሓዝን ምቁጽጽርን ዝተሠርዐ ሥርዓትን ትእዛዝን ጥራሕ ዘይኮነ ንጸሎት ኣማናዊት መሥዋእቲ እዩ። ጾም ንሥጋ ምጥማይ ዘይኮነ ንነፍሲ ምምጋብ እዩ። ወይ ድማ ሓደ ሓደ ሰባት ከምዝሓስብዎ ንሥጋ ንቀጽዓሉ ሰማእትነት ወይ መከራ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ጾም ሥጋ ምስ ነፍሲ ብሓባር ሓደ ኮይና ትሰርሓሉ መገዲ እዩ። ምኽንያቱ ብጾመ ሥጋ እንተተቀጺዓ ነፍሲ ትሕትና ናታ ትገብር ንጽቡቅ ትሩፋታዊ ሥርሓትን ዘተባብዕ ሓጋዚ ከምዘድልያ ትርዳእ። እዚ ብምኻúኑ ከኣ ልመንኣ ትሕትና ብዝተመልአ << ኦ ኣምላኸይ ብሓይ...

ወርኃ ጽጌ

Image
  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ወርኃ ጽጌ ወርኃ ጽጌ አዘክሪ ድንግል... “ተንሥእ ንሣእ ሕፃነ ወእሞ ወሑር ውስተ ምድረ እስራኤል እስመ ሞቱ እለ የኃሥሥዋ ለነፍስ ዝ ሕፃን” “ እቶም ሕይወት እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ። ተንሥእ ነቲ ሕጻንን ነዱኡን ሒዝካ ናብ ምድረ እስራኤል ኪድ “ ማቴ. 2፣20። ዘመነ ጽጌ ካብ መስከረም 26 ክሳብ ኅዳር 5 ዘሎ እዋን እዩ። ኣብዚ ውሽጢ’ውን 40 መዓልታት ሽዱሽተ ሳምንታት ዘለዎ ዓቢይ ናይ ምስጋና ወርሓት ብናይ ቅድስቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያና ሥርዓት መሠረት ፣ ንምእመናን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብዝሰርዓትሎም ሥርዓት መሠረት ብፍቅርን ሓጎስን ይዝክርዎ። ብተወሳኺ’ውን ነዚ ብዙኅ ድኻምን መከራን ዝተሓወሶ ጕዕዞ ስደት፡ ኣዴና ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንወዳ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ሒዛ ምስ ዮሴፍ ኣረጋዊን በረኻታት ግብጽን እስራኤልን ቆሪጻ ናብ ምድረ ግብጽ እያ ብምእታዋ ነዚ መከራ ፍቓዶምን ዝኾኑ ኣገልገልትን ምእመናንን በረከት ወላዲት ኣምላክ ክበዝሓሎም ብጾም የኽብርዎ። ዘመነ ጽጌ ጽጌ ማለት ዕንበባ ፣( ጽባቐ ፣ ምዕራገ) ማለት ክኸውን ከሎ ካብ ጸገየ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኽበ ግሲ እዩ። ዕንበባ ኣዝዮም ምዕሩጋትን ማረኽትን ባህ ዘብሉን ካብ ምዃኖም ዝተላዕለ ብዙሕ ሰብ ይብህጎምን ይደልዮምን እዩ። ምድሪ ብዕንባባ ማዕሪጋ ተሰሊማ ዘመነ ክረምቲ ሓሊፉ ክትረአ ከላ ኣዝያ እያ ደስ ተብል። ዘመን ፅጌ ዝናብ፣ በርቕን ነጎዳን ወዲኡ ዘመን ክረምቲ ምውዳኡ ዘበስር ፣ ልምላሚ መሬት ደሚቑ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን እንስሳታት ዘቤት ኮነ ዘገዳም ዝበልዑ፣ ሳዕሪ በሊዖም ብታሕጋስ ዝዘልሉ፣ ምድሪ ብግርማ መልኪዓ ደሚቃ ትረኣየሉ ፣ ሰማይ ከውሊ ደመና ተኣልይዎ ጸ...

ጾመ ጽጌ

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።  ጾመ ጽጌ   ናይ ጾም ትርጉም ናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ሥርዓት መድብል ዝኾነ መጽሓፍ ፍትሓ ነገሥት ብዛዕባ ጾም ከምዚ ይብለና። “ ጾመሰ ተከልአተ ብእሲ እመብልዕ በጊዜ ዕውቅ በውስተ ሕግ “ ጾምሲ ብዝተፈልጠ ዕለት፣ ብዝተፈልጠ ሰዓት ንሰብ ካብ መግቢ ትኸልክሎ መኸልከሊት እያ።” ጾም ንሰብ ካብ መግቢ ክሕረም ትገብሮ። እዚ ኸኣ ኃጥያቱ ንምሥትስራይ ፣ ዋጋ ትሩፋቱ ንምብዛሕ፣ ፈትዩ ነቲ ዝተሠርዓሉ ሕጊ እንዳተኣዘዘ፣ ፈቲው ሥጋ ኃይሊ ኣድኪሙ ንነባቢት ነፍሲ ከምትእዘዝ ዝገብሮ እዩ። ፍት.ነግ.ፍት.መን.፣ዓንቀጽ 15፣564። በዚ መሠረት ጾም ማለት ካብ ጥሉላት መባልዕተ ሥጋ ፣ ሥጋ ፣ ጠስሚ፣ ጾባ ፣ እንቓቅሖ ከሙኡ ከኣ ኣልኮላዊ ዘስክር መስተ ምዕቃብ ማለት እዩ። ጾም ካብ መንፈሳዊ ተጋድሎ ሓደ እዩ። ንፈቃደ ሥጋ መንፈሳዊ ልጓማ እዩ። ሰብ ፈቃደ ሥጋኡ እንዳገትአ ንፍሲ ዘልምልመላ ስንቒ እያ። ጾም ቁስለ ነፍሲ ትፍውስ ፣ ኃይለ ፍትወት ተድክም፣ ናይ ጽቡቅ ምግባራት ኩሉ መጀመርታ፣ ጸጋ እግዚአብሔር ተውህብ፣ ክብሪ ጽሙዳን፣ ንደናግል መልክዕ ንጽሕናኦም፣ ኣደ ጸሎት፣ ምንጪ ንብዓት፣ መምህረ ኣርምሞ፣ ንጽቡቅ ተግባር መነቃቅሒት፣ ንሰውነትና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብትሕትና ከነዋርድ መምህረ ትሕትና መድኃኒተ ነፍሲ እያ። ማር ይስሓቅ ዓንቅጽ 4 ምዕ.6። ዓይነት ጾም ካብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ከምዝነግሩና ጾም ብዓይነቱ ኣብ ክልተ ይኽፈል። ናይ ኣዋጅን ናይ ውልቒ ጾምን እዩ ። ጾመ ኣዋጅ ፣ ብኣዋጅ ንምእመናን ተነጊሩ ብሓድነት ዝጽውም ናይ ትእዛዝ ናይ ሕጊ ጾም እዩ። “ ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፣ ጾም ቀድሱ ፣ ጉባኤ ጸውዑ ።” ዩኤ.2፣15። ኣብ ብሉይ ኪዳን ኮነ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ጊዜኡ ወርሓቱ ኮነ ...

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ

Image
  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክፋሌ ባሕር [18 መስከረም]   18 መስከረም መጽሓፈ ስንክሳርና ካብ ዝዝክሮም፡ ,,ክቡር ኣቦና ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝዓረፉሉ፡ ኣደ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ንግሥት እሌኒ ትዝከረሉ፡ ኣባ ኣኖሬዎስ ዝዓረፈሉ፡ ካልእ ቅዱስ መርቆሬዎስ ብሰማዕትነት ዝዓረፈሉ ናይ ቅዱስ መስቀል በዓል ክንገብር ዝተኣዘዝናሉ፡ ግብጻዊ ሊቅ ኣባ ያዕቆብ ዘዕረፈሉ፡,, ናይ ቶማስን ናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስን ዓጽሞም ዝተረኽበሉ ዕለት እዩ፡ ናይዞም ዅሎም ጸሎቶምን በረኸቶም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስትያን ጸኒዑ ንዘልዓለም ይንበር ኣሜን። ንሎሚ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ናይ ኣቦና ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከፋሌ ባሕር ታሪኾም ክንርኢ ኢና፡ ምሥጢራቱ ይግለጸልና ኣሜን። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክፋሌ ባሕር መዝ. ፻፲፩፡፮/112፥6 'ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ……መዘከርታ ጻድቅ ንዘልዓለም ይነብር። ' እዩ'ሞ ዝኽሪ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ድማ እንሆ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንዘልዓለም ጸኒዑ ይነብር ኣሎ፡ ንዘልዓለም በረኸቶም ኣባና ጸኒዑ ይንበር። ናይ ኣቦና አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ስም ኣቡኡ ክርስቶስ ሞዓ ስም ኣዲኡ ድማ ሥነ-ሕይወት ይበሃሉ። እዞም ክልተ ወለዲ ብሕጊ እግዚአብሔር ጸኒዖም ብፈሪኃ እግዚአብሔር ዝነብሩ ነበሩ። ብብሥራት ቅዱስ መልኣኽ ነዚ ቅዱስ ወላድ ወሊዶም፡ ገና ምስ ተወልዱ ኤዎስጣቴዎስ ንኣምላኾም ኣመስገኑ፣ እንዳዓበየ ምስ ኸደ ናይ ቤተ ክርስትያን ትምህርቲ መዝሙረ ዳዊትን ምሳልያት ሰሎሞንን መሃርዎም፡ ብኸምዚ ብጸጋ እናዓበዩ ምስ ኸዱ፡ ኣዲኦም ናብ ኣኩኡ ኣባ ዳኒኤል ወሲዳ ክምህሮን ከዕብዮን ሃበቶ። ኣባ ዳኒኤል ድማ ኵሉ ትምህርቲ ብዝግባእ ምስ መሃሮ ልብሰ ምንኵስና ኣስኬማ መላእክት ኣልበሶም፡ ኣብቲ ገዳም ክሳዕ ዝግረሙ ብ...

ኣርባዕቱ እንስሳ

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜንንን   ኣርባዕቱ እንስሳ ኣርባዕቱ እንስሳ ዓመታዊ ክብረ በዓል 8 ሕዳር ኣርባዕቱ እንስሳ  እዮ  ኣርባዕቱ እንስሳ፡ ቍጽሮም ካብ ተስዓን ትሽዓተን ነገደ መላእኽቲ ኮይኑ፡ መንበረ እግዚአብሔር ዝሽከሙ ረቂቃን መላእኽቲ እዮም። ብኻልእ ኣጸዋውዓ’ውን ካብ ነገደ ኪሩቤል (ገጸ ሰብን ገጸ ላምን) ከምኡ’ውን ካብ ነገደ ሱራፌል (ገጸ ኣንበሳን ገጸ ንስርን) ስለዝኾኑ ኪሩቤል ወይ ሱራፌል ይበሃሉ እዮም። ነቢይ ኢሳይያስ ነቲ ዝረኣዮ ክዛረብ ከሎ፦”በአመ ሞተ ዖዝያን ንጉሥ ርኢክዎ ለእግዚአብሔር ፀባዖት እንዘ ይነብር ዲበ መንበሩ ነዋኅ ወብሩህ ወምሉእ ቤተ ስብሐቲሁ ወሱራፌል ይቀውሙ ዓውዶ፡ ወለለአሐዱ በበስድስቱ ክነፊሆሙ፡ በክልኤ ክነፊሆሙ ይከድኑ ገጾሙ፡ ወበክልኤ ክነፊሆሙ ይከድኑ እግሮሙ፡ ወበክልኤ ክነፊሆሙ ይሠሩ አንጻረ ኅቡረ፡ ወይብሉ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ፀባዖት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወምድረ ቅድሳተ ስብሐቲከ . . . / ትርጉም በታ ንጉሥ ዖዝያን ዝሞተላ ዓመት፡ ኣነ ንእግዚአብሔር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ ረኣኽዎ፡ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ድማ ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ። ነፍስ ወከፎም ሽዱሽተ ኽንፊ ኣለዎም። ነፍስ ወከፍ ኸኣ ብኽልተ ኽንፊ ገጹ ይኸድን፡ ብኽልተ ኽንፊ ድማ ኣእጋሩ ይኸድን፡ ብኽልተ ኽንፊ’ውን ይነፍር ነበረ። ንሳቶም ኸኣ ንሓድሕዶም “እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እዩ። ኵላ ምድሪ ኸኣ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” እናበሉ ይቀባበሉ ነበሩ። ካብ ድምፂ ደሃዮም ዝተላዕለ ድማ መሠረት ልዳውቲ ቤት መቕደስ ኣንቀጥቀጠ፡ እታ ቤት መቕደስ’ውን ትኪ መልአት።” በለ። ኢሳ=6፥1-4 ትርጉም እዚ ብሊቃውንቲ ክትርጐም ኸሎ፡ ...

ጾመ ሓዋርያት

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜንንን ጾመ ሓዋርያት ጾመ ሓዋርያት   ‘አሥርቆት ዘወርኅ ግንቦት፡ ዮም ሠረቀ ለነ ወርኅ ብሩክ ሰኔ ያብጽሐነ እስከ ወርኅ ሐምሌ በሰላመ' ጾም ብቃላዊ ትርጕሙ ጾመ ኃደገ፡ ተከልከለ፡ ተሓረመ ካብ ዝብል ግዕዝ ግሢ ዝተረኽበ ቃል ኮይኑ ትርጕሙ ‘ንዝተወሰነ ጊዜ ካብ መብልዕን መስተን ብምኽልካል፡ ከምኡ'ውን ካብ ናይ እንስሳታት ውፅኢትን ዊንታ ሥጋኻን ብምሕራም፤ ፍቃድ ሥጋ ንፍቃድ ነፍሲ ምግዛእ ማለት እዩ። ናይዚ መሥራቲ ድማ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ። ማር ይስሓቅ ኣንቀጽ 4፡ ‘ጾም ካብ መንፈሳዊ ተጋድሎታት ሓደ ኮይኑ ንሥጋ መንፈሳዊ ልጓምን ጸዋሚ ሰብ ፍቓድ ሥግኡ እናገትአ ንነፍሱ ዘለምልመሉ ስንቂ እዩ’ ይብል። ማኅቶት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ያሬድ ‘ጾም ቍስሊ ነፍሲ ትፍውስ፡ ኃይሊ ፍትወት ተድክም፡ ናይ ሠናይ ግብሪ መጀመርታ ካብ እግዚአብሔር ጸጋ እተውህብ ናይ ሥራሕ ወንጌል መጀመርታ፡ ንዝፍጽምዋ ክብሮም ናይ ደናግል ስልማት ንጽሕና፡ መግለጺ ንጽሕና፡ ኣደ ጸሎት ምንጪ ንብዓት፡ ኣርምሞ እትምህር ናይ ዅሉ ሠናይ ነገር መጀመርታ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሰብነትካ ብምውራድ ንትሕትና ገንዘብካ ንምግባር እትረድእ መድኃኒት ነፍሲ እያ’ ክብል ኣብ ናይ መዝሙር ድርሰቱ ገሊጽዎ ይርከብ። እቲ ዘፈትወ ጾም ኣየን እዩ፤ ‘እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝፈትዎ ጾምሲ ‘ንመእሰር እከይ ንምፍታሕ፡ ነርዑት ባርነት ምዝላቅ፤ ንጥቁዓት ሓራ ምውፃእ፡ ኣርዑት ባርነት ዘበለ ኵሉ ምስባር፤ እንጌራኩም ንጥሙይ  ምምቃል፡ ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት ኣብ ቤትኩም ምቕባል እዩ’ ይብል እቲ ቅዱስ ቃል (ኢሳ 58፡3-12)። ዓወት ሓቀኛ ጾም ምስ እንርኢ፤ ሕዝቢ ነነዌ ብምጻሞም ካብ መከራ ከምዝደኃኑ (ዮና 3፡5-10) ሕዝቢ ኣይሁድ ጾም ብ...

ሱባኤ

Image
  በስመአብ ወወልዱ ወመንደስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜንንን ሱባኤ (ሱባዔ) 1, ሱባኤ እንታይ ማለት እዩ? ------------------------------------------------   ሱባኤ ብሰዋስዋዊ ትርጉሙ፡ “ሰብዐ፥ ሾብዓተ ገበረ” ካብ ዝብል ግሲ ዝወጽአ እዩ። ብመንፈሳዊ ትርጉሙ ድማ ሓደ ሰብ፡ “ካብ’ዚ መዓልቲ እዚ ክሳብ እዚ መዓልቲ እዚ ብጸሎት ምስ ፈጣርየይ ክራኸብ እየ” ኢሉ ዝውጥኖ መንፈሳዊ ውጥን እዩ። ቁጽሩ ሾብዓተ ኣብ እስራኤላውያን ብቓልን ብግብርን እትግለጽ ፍጽምቲ ቁጽሪ እያ። ንኣብነት፥ ፈጣሪ ዓለማት እግዚኣብሔር ኣብ ሻብዓይ መዓልቲ ስነ ፍጥረት ካብ ምፍጣር ምዕራፉ፡ ንጸሎት ዝተግሁ ምእመናን ኣብ መዓልቲ ሾብዓት ጊዜ ምምስጋኖም፡ ፍጹምነት ቁጽሪ ሾብዓተ የርኢ። (ዘፍጥ 2፡2, መዝ 119፡164)። ብተወሳኺ’ውን ሓደ ሰብ ንሾብዓተ መዓልታት ምስ ዝጸውም፡ “ሓደ ሱባዔ ጾይሙ” ይበሃል። ንዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልታት ምስ ዚጸውም ድማ፡ “ክልተ ሱባዔ ጾይሙ” ይበሃል።   2, ሱባዔ መዓስ ተጀሚሩ፧  ሱባኤ ድሕሪ ውድቀት፡ በቲ ቀዳማይ ሰብ ማለት ኣዳም እዩ ተጀሚሩ። ቅዱሳን መላእኽቲ ንኣዳም ምጽላይ ጸሎት ከምዝመሃርዎ ሊቃውንት መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረቡ። “መላእክቲ ንኣዳም ጊዜያት ምሂሮም ነበሩ” (ትርጉም ቅዳሴ ማርያም)። ኣዳም በደሉ ኣሚኑ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ሱባዔ ብምእታውን ብምጽላዩን፡ እግዚኣብሔር ብዘይሕሶ ቃሉ፡ “ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ” ዝብል ቃል ኪዳን ኣተወሉ (መጽሓፈ ቀሌምንጦስ 3፥13)።     3, ንምንታይ ሱባዔ ንኣቱ፧     ወዲ ሰብ በቲ ሓጢኣት ዚሰማምዖ ስጋዊ ሰብነቱ ኩሉ ጊዜ ንፈጣሪኡ ይብድል። በቲ ዚፈጸሞ በደል ከኣ ሕልናኡ...

ጰራቕሊጦስ

Image
  በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ ኣሜንንን ጰራቕሊጦስ ጰራቕሊጦስ  ጰራቕሊጦስ ማለት ብናይ ጽራኢ ቛንቛ ኮይኑ ናብ ትግርኛ ክቱሩጎም ኮሎ  ኣጸናናዒ ዝብል ትርጉም ይወስድ፡፡ ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ብዝመረሖም ብዛዕባ ጰራቅሊጦስ ክትንትኑ ከለዉ ከምዚ እንዳበሉ ይገልጽዎ። መንፈስ ቅዱስ! "መንጽሒ፡ መጽንዒ፡ መስተፈስሒ (መሐጎሲ)፡ መስትሥርይ (ኃጢኣት ገዳፊ) ናዛዚ፣ከሣቲ (ምስጢር ዝገልጽ) ዝብል ትርጉም ይህብዎ። ጰራቕሊጦስ (መንፈስ ቅዱስ) ደቂ ሰባት ካብ ናይ ኃጢኣት ጭቃ ኣልዒሉ ዘንጽሕ፡ ኣብ መንፈሳዊ ተጋድሎ ዘለዉ ንኹሎም ዘበርትዕ፡ ዝናወጹ ዘረጋግእ፡ ንዝሓዘኑ ዘጸናንዕ፡ ንዝደከሙ ዘበርትዕ፡ ንዝጉሃዩ ዘሐጉስ፡ ንሰማእታት ብድፍረት ክሳዶም ንሴፍ ንመነኮሳት ውን ንዓለም ጠንጢኖም ናብ ገዳም፡ ማሕበረ ምእመናን ድማ ንልቦም ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣቅኒዑ ዝመርሕ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ዮሐ ፲፮ ፥፲፫(16፡13) መንፈስ ቅዱስ ኣብ ብሉይ ኪዳን እስራኤላውያን ኣብ ምድረ ግብጽ ን፬፻፴(430) ዓመታት ብኢድ ፎርዖን ኣብ ትሕቲ ባርነት ከምዝነብሩ ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና፡፡ ግና ግዚኡን ሰዓቱን ምስ ኣኸለ እግዚአብሔር ብዘደንቅ ተኣምራትን ብናይ ቅዱስ ሙሴ መሪሕነትን ብናይ ቅዱስ ሚካኤልን ተረዳእነት ነጻ ኣውጺእዎም ኢዩ። ነገር ግና ወድሰብ ብባሕሪኡ ዝተገብረሉ ውዕለታ ንምርሳዕ ቅልጡፍ ኢዩ። እግዚአብሔር ግና ኩሉ ዝገበረሎም ምእንቲ ከይርስዕዎ ንደቆም ውን ከዘንትውሎም ንግብጻውያን ቦክሪ ዉሉዶም ቀተለሎም ንእስራኤላውያን ግና ፋስካ ከምዘኽብሩ ስርዓት ጌይሩሎም እዩ። ዘጸ ፲፪፡፲፱-፳ (12፡19-20)   ነገር ግና እስራኤላዉያን ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ቦታ  ምድረ ከንኣን  ምስ በ...

ዕርገት ጎይታና ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ

Image
  በስመ ኣብ ወወልድ  ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።   "ዕርገት ጎይታና" ''ዕርገት ጎይታ'' ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብ ዕለት ናብ ዕለት እና ሓለወ ናብዛ ቅድስት ዕለት ስለ ዘብጽሓና ዝኸብረን ዝተመስገነን  ይኹን ኣሜንንን። በዛ ቅድስት ዕለት ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ንቕዱሳን ሃዋርያት ክሳዕ ቢታንያ ውሲዱ ኢዱ ኣልዒሉ ባረኾም፡በዚ ሰዓት እዚ ካብ ማእከሎም ተፈልዩ ናብ ሰማይ ዓረገ። ግ፣ሃዋ ፩፡፱-፲፩ / 1፡9-11, ሉ ቃ ፳፬፡፶-፶፩ /24፡50-51  ናይ ጎይታና ዕርገት ከም ናይ በዓል ነቢይ ኤልያስ ዕርገት ኣይነበረን። ንሳቶም ብሓይልን ስልጣንን ናይ እግዚኣብሔር እዩም፡ ንሱ ግና ብናቱ ፡ብገዛእ ስልጣኑ እዩ ዝነበረ። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ልቢ ኣምላኽ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ዐርገ እግዚኣብሔር በይባቤ ወእግዚእነ  በቃለ ቀርነ ዘምሩ ለኣምላክነ ዘምሩ” “ኣምላኽ ብዕልልታ እግዚኣብሔር ብደሃይ፣መለኸት ዓረገ ዘምሩ ምስጋና ንኣምላኽ ዘምሩ” መዝሙር ፵፮/፵፯፡፭ (46/47፡5) ብምባል ስለ ዕርገት ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተነብዩ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣምላኻና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ እቲ ዝዓረገ እግዚኣብሔር ከም ዝኾነ፡ ናይ ባህሪ ኣምላኽ ከም  ዝኾነ ብናይ ትንቢት መነጽር ገሊጹ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ ” ክብል ዝመስከሮ  እውን ነዚ እዩ። ማቴ ፲፮፡፲፭ (16፡15)  እንሆ ከምቲ ጸረ ተዋህዶ ዝኾኑ ዝብልዎ፡ ክርስቶስ  ፈጣሪ ፍጡራን እምበር ፍጡር ኣይኮነን። ቅዱስ ዳዊት ከም ዝገለጾ፡ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት  ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን እትኣምኖ እውን  ንሱ እዩ። እምበርከስ...