ሕያዋይ ጓሳ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ሕያዋይ ጓሳ
ባዕሉ ብዝጓስየን አባጊዕ ዝብላዕ ሕያዋይ ጓሳ
<ንሓላዊአን ዝበልዓ ዕድለኛታት አባጊዕ>
ኢየሱስ ክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳ ከም ዝኾነ ዝተፈለጠ እዩ።
አነ ውእቱ ኖላዊ ኄር ዘበአማን "አነ ሓቀኛ ፣ሕያዋይ ጓሳ እየ ኢሉ ተናጊሩ 'ዩ።(ዮሐ 10፥11)
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎን ሙኻኑ ናይ ጓሳ ጥቕሚ እንታይ እዩ ?
ጓሳ ነተን ኣባጊዑ ዝሕልወን ንምንታይ እዩ እንተኢልና እቲ ጓሳ ነኣባጊዑ ካብ በላዒ ዝሕልወን ባዕሉ ተመሊሱ ንክበልዐን ፣እንተዘይበሊዕወን ድማ ኣስቢሑ ንዝበልዑ ብገንዘብ ንክሸጥን እዩ።ካብዚ ወጻኢ ኻሊእ ዓላማ የብሉን። ወይ ሓሪዱ ንምብላዕ ፣ ወይ ብገንዘብ ንምሻጥ እዩ።
ሓቀኛን ሕያዋይን ጓሳ ኢየሱስ ክርስቶስ ኸ?
ኢየሱስ ክርስቶስ ነኣባጊዑ (ምእመናን) ዝሕልወን ንክበልዐን እንተይኮነስ ንሳተን ንክበልዖኦ እዩ።ብኣባጊዑ ንክብላዕ እዩ ዝሕልወን ።
ባዕሉ ጓሲዩ ብተጓሰይቱ አባጊዕ ዝብላዕ ፣ዝስተ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ።
ሓደ ሊቅ በዓል ቅኔ ከምዚ ኢሎም ዝገርም ቅኔ እዩ።
መወድስ
እምአፈ አርዌ በግዐ እምድኅረ አቀበ
ኖላዌ አባግዕ አእላፍ ምንት ኂሩውናሁ።
ወምንት ውእቱ ለዘይትአቀብ ረባሑ።
እምአፈ አርዌ ድኅረ ዐቀቦ
ውእቱ እስመ ይበልዖ ለአርዌ ከማሁ።
ወእመ ለሊሁ ኢይበልዖ እስመ ይሰይጦ
በወርቅ ለዘይበልዕ ኪያሁ።
ኂሩትሰ ወረባሕ ለኖላዊነ ትጋሁ።
እምአፈ አርዌ ድኅረ ዐቀበ
በበትረ መስቀል አባግዒሁ።
አምጣነ ደሞ ያሰቲ እንዘ ይሤሲ ሥጋሁ።
ወመንገለ አፍአ ኢያወጽኦ ለዘመጽአ መንገሌሁ።
ትርጉም ፦ናይ ብዙሓት አባጊዕ ጓሳ ዝኾነ ሰብ ንበጊዕ ካብ አርዌ አፍ እንተሓለወ ሕያዋይነቱ እንታይ እዩ ?
ነቲ ዝሕለው(ዝጓሰይ) ዘሎ በጊዕኸ ጥቕሙ እንታይ እዩ?
ምክንያቱ ካብ እቲ አርዌ ኣፍ ምስሓለዎ ተመሊሱ ባዕሉ ከም አርዌ ይበልዖ እዩ ሞ
ባዕሉ እኳ ዋላ እንተዘይበልዖ ንዑኡ ንዝበልዕ ብገንዘብ ይሸይጦ እዩ እሞ።
ሕያዋይነት፣ናይ ጓስነት ጥቕሚ ዝንገረሉ ግን ነቲ ሓቀኛ ጓሳና እዩ።
ምክንያቱ ብበትረ መስቀል ንኣባጊዑ ምስሓለወ ሥጋኡ እናብልዐ ደሙ የስቲ እዩ እሞ ናብኡ ንዝመጽአ እውን ናብ ወጻኢ አየውጽኦን እሞ።እዩ ዝብል እቲ ቅኔ ።
ካብ ዝበልዕ ኣድሒኑ ባዕሉ ብዘድሐኖም ዝብላዕ በጊዕ ዝገርም እዩ።
ብኻልእ ንከይብልዓ ጓሲዩ፣ ተመሊሰን ንሳተን ድማ ንዝሕልወን ጓሳ ዝበልዓ ዕድለኛታት አባጊዕ እየን።
ከም ዝፍለጥ ኢየሱስ ክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳ እዩ።
ሕያዋይ ጓሳ ስለዝኾነ ነፍሱ ነተን አባጊዕ ኣሕሊፉ ከም ዝህብ ተዛሪቡ ።
ቃሉ ከምዚ ይብል ።እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ።
እቲ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፍ።
እቲ ብዓል ዓስቢ ግና ጓሳ ዘይኰነስ እተን ኣባጊዕ እውን ዘይጥሪቱ ተዅላ ክመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ ነተን ኣብጊዕ ሐዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፣ፋሕ እውን የብለን። ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ ይሃድም ግዲ እተን ኣባጊዕ እውን የብሉን።
ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነኣባጊዐይ እፈልጠን፣ እተን ኣባጊዐይ እውን ይፈልጣኒ እየን ኢሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ተዛሪቡ።(ዮሐ 10፥11-16)
አባጊዕ ዝተብሃላ -----ምእመናን እዮም።
እተን አባጊዕ ንጓስአን ይፈልጥኦ ማለት
ምእመናን ክርስቶስ አምላኾም ሙኻኑ ይፈልጡ እዮም ማለት እዩ።
እተን አባጊዕ ድምጹ ይሰምዓ ማለት ምእመናን ቃሉ ይስመዑ እዮም ማለት እዩ።
ክርስቶስ ናይ ምእመናን ጓሳ እዩ።
ክርስቶስ ንምእመናን ሕይወቱ ኣሕሊፉ ዝሃበ ሕያዋይ ጓሳ እዩ።
ምእመናን ሥጋኡ ንክበልዑ ደሙ ንክሰትዩ ዝፈቐደ ሕያዋይ ጓሳ እዩ።
ምክንያቱ እቲ እንምገቦ ዘለና ሓቀኛ ምግቢ ፣እቲ እንሰትዮ ዘለና ሓቀኛ መስተ ናይ ክርስቶስ ስለዝኾነ ።(ዮሐ 6፥55)
ስለዚ ብናጻ ተጓሲና፣ ንጓሳይና ንክርስቶስ ብዘይኽፍሊት ብነጻ ንመገቦ።
ሕይወትና፣ መድሓኒትና ንሱ ጥራሕ እዩ እሞ።
ክልተ ዓይነት ጓሳ አሎ
፩.ንአባጊዑ ብኣገባብ ዝሕሉ ሕይወቱ ኣሕሊፉ ክሳዕ ምሃብ ዝበጽሕ ጓሳ
፩.ምንም ዘይግድሾ አባጊዑ ብተኹላ ዋላ ይበልዓ ምንም ዘይመስሎ ፣ካብ እተን አባጊዕ ዝረኽቦ ጥቅሚ ጥራሕ ዝሓስብ እምበር ነተን አባጊዕ ዘይግደስ ጓሳ ውን ኣሎ።
ክልተ ዓይነት ኣባጊዕ ኣለዋ
፩.ትክክለኛታት አባጊዕ፣ንጓስአን ዝፈልጣ፣ናይ ጓስአን ድምጺ ዝሰምዓ፣ንጓስአን ዝኽተላ ኣለዋ ።
፪.ኣባጊዕ ዝመስላ ግን ድማ ጓስአን ዘይፈልጣ፣ ናይ ጓስአን ድምጺ ዘይሰምዓ፣ ንጓሳአን ዘይኽተላ ውን ኣለዋ።
ንሕና ናይ ክርስቶስ ኣባጊዕ ኢና እሞ
፩.ጓሳና መን ሙኻኑ ንፈልጥ ዶ?
፪.ናይ ጓሳና ቃል ንሰምዕ ዶ? ነለሊ ዶ?
፫.ንጓሳና ንኽተሎ ዶ ኣለና ?
ጓሶትና ናይ ክርስቶስ ተኸተልቲ ዝኾኑ ሓቀኛታት፣ትክክለኛታት ካህናት ፣ወ መምህራን እዮም።
ናይ ጓሳና ቃል ምፍላጥ ማለት ብዝግባእ ቃለ ወንጌል ምፍላጥ፣ምምሃር ማለት እዩ።
ንጓሳና ምኽታል ማለት ክርስቶስ ዝተዛረቦ ብምፍጻም ናይ ክርስቶስ ተኸታሊ ሙኻን ማለት እዩ።
ናይ ሰብ ተኸታሊ ዝኸውን ሰብ ዘየስተውዕል፣ሰነፍ እዩ።
ንሰብ ዝኽተል ሰብ ከይጸደፈ፣ከይወደቐ አይተርፍን።
ስለዚ ናይ መን ተኸተልቲ ኢና? ናይ ክርስቶስ ተኸተልቲ ኢና ትክክል።
ናይ እከለ ተኸታሊ እየ፣ ናይ እከለ አድናቒ እየ ዝብል ነበረያ ነበረ ኣይሰርሕን።
ስሑት ዘረባን መንገድን እዩ ። ንሰብ ትኽተል?
ሰብ ሰብ እዩ፤ ዝሰሓሓት ዝጋገ፣ዝሓልፍ ዝመውት እዩ።ኽንክተሎ ዝግብኣና ግን ንዘይሃስስ ፣ንዘይጋገ፣ንዘይሓልፍ፣ንዘይመውት፡ ንዘይደክም እግዚአብሔር እምበር ንዝጋገን፣ንዝሓልፍ፣ንዝመውት ሰብ ከኸውን የብሉን።
ሓደን ሓደን ናይ እግዚአብሔር ተኸተልቲ ጥራሕ ንኹን።እዚ ማለት መምህራን ቃሉ ይምሃሩና ደአ እምበር ዝምህሩና ዘለው ስለ እግዚአብሔር እንተኮይኑ ናይ እግዚአብሔር ተኸተልቲ ኢና እዩ።
ሓደ ሓደ መምህራን ኢና በሃልቲ ግን ተኸተልተይ፣አድነቕተይ እናበሉ ንርእሶም ብውዳሴ ከንቱ ብስሑት ኣዘራርባ ክዛረቡ ይስምዑ እዮም።
ናቶም ተኸተልቲ ? አይብሃልን ዝተጋገየ እዩ።
ናይ ክርስቶስ ተኸተልቲ እዩ ዝብሃል ።ዝሰብክዎ ዘለው ንርእሶም እንተኾይኑ ተኸተልተይ ክብሉ ይኽእሉ እዮም። ግን ንክርስቶስ ዝሰብኩ እንተኾይኖም ሰማዕቶም ዝሰምዕዎ ዘለው ስለ ክርስቶስ ስለዝኾነ ተኸተልቲ ክርስቶስ እዩም ዝብሃል።
ስለዚ ተኸተልቲ ትክክለኛ ሰበክቲ እንተይኮንና ተኸተልቲ እግዚአብሔር ንከውን እዩ መልእኽቱ።
አነ ዘአጵሎስ ፣አነ ዘኬፋ ፣አነ ዘጳውሎስ አይሰርሕን
( 1ይ ቆሮ 3፥4)
አነ ዘክርስቶስ እዩ ክኸውን ዝግባእ።
(ሓቀኛ ጓሳና ብኣገባቡ ንፍለጥ ።)
(ብሓቀኛ መንገዲ ፣ብብርሃን እምበር ብደምበርበርን ብቲፎዞን አይንመራሕ ።
ክርስቶስ ዝሕልወና፣ዝጓስየና ንሕና ንክንበልዖ፣ንክንሰትዮ እዩ ።ክብሪ ንዑኡ ይኹን ኣሜን።
ሰላም ለኩም
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Comments
Post a Comment