Posts

Showing posts from April, 2026

ንሱ ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ^ዩ

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን “ንሱ ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ” መሠረት ሃይማኖትናን ተስፋ ድሕነትናን ኣብቲ “ንሱ ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ” (ማቴ 28፡6) ዝብል ቃል ዝተመስረተ እዩ። እዚ ምሥጢር እዚ ንታሪኽ ዝቐየረ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንባህርይ ወዲ ሰብ ካብ መዋቲ ናብ ዘይመዋቲ ዝለወጠ ረቂቕ መለኮታዊ ስራሕ እዩ። ምሥጢር ትንሣኤ፦ 1. ናይ ቃል ኪዳን መፈጸምታ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ስቕለቱ ደጋጊሙ “ብሣልሳይ መዓልቲ ክትንሥእ እየ” ኢሉ ነይሩ። እቲ መልኣኽ “ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ” ማለቱ፣ ክርስቶስ ሞት ስዒሩ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሓቀኛነቱ ዘረጋገጸሉ እዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ከምዚ ይብል፦ “ሞት ንሕይወት ክውሕጥ ደለየ፣ ሕይወት (ክርስቶስ) ግን ንሞት ውሓጦ። ሲኦል ስጋ ረኺቡ ክውሕጥ ምስ ከፈተ፣ ምስ መለኮት ተጋጨወ እሞ ኣብ ከቢድ ራዕድን ስንባደን ወደቐ።” ትንሣኤ ማለት ቃል ሥጋ ኮይኑ ንሞት ብገዛእ ስጋኡ ዝቐተለሉ፣ ሓይሊ ጸላኢ ድማ ዝተዳኸመሉ ዓቢ ምሥጢር እዩ። 2. ትንሣኤ ምስ ሰብ ዘለዎ ረቂቕ ርክብ ትንሣኤ ክርስቶስ ናይ ውልቁ ዓወት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ባህርይ ዓወት እዩ። ክርስቶስ በዂሪ ትንሣኤ ኮይኑ ተንሢኡ። ንሱ ብባህርይኡ ሕይወት ክንሱ ሥጋና ለቢሱ ዝተንሥአ፣ ንሕና ድማ ብጸጋ ንሱ ዝሃበና ትንሳኤ ክንካፈል እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል"ከምቲ ዂላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፣ ከምኡ ድማ ዂላቶም ብክርስቶስ ህያው ኪኾኑ እዮም።" (1 ቆሮ 15፡22)። እቲ ኣብ መቃብር ዝተቐብረ ስጋ፣ ናይ ኩሉ ሰብ ስጋ ወኪሉ እዩ ተንሢኡ። ስለዚ ትንሣኤኡ ትንሳኤና እዩ፤ ሞቱ ድማ ሞት ሞትና እዩ። 3. እቲ ረቂቕ ምስጢር፡ "ምሕዳስ ባህርይ" ኣቦታትና ትንሣኤ ክርስቶስን ትን...