ፍረ ዘይብላ በለስ
ሰሙነ ሕማማት ፥- ሰኑይ " ፍረ ዘይብላ በለስ" " ንግሆ ናብ ከተማ ኺምለስ ከሎ ጠመየ። ኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ከደ፥ እንተኾነ ቆጽሊ ጥራይ እምበር ሓንቲ ፍረ ስለ ዘይረኸበላ ' ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይረኸብ' በላ፥ እታ ኦም በለስ ከኣ ሽዑንሽዑ ነቐጽት። ደቂ መዛሙርቱ ድማ ርእዮም ' እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ብኡ ብኡ ነቐጽት' እና በሉ ተገረሙ። ኢየሱስ ከኣ ' ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተጠራጢርኩም እዛ ኦም በለስ ከም ዝኾነቶ ጥራይ ኣይኮነን እትገብሩ፥ ነዚ እምባ እዚውን 'ተለዓል፥ ናብ ባሕሪ ተወርወር' እንተበልኩምዎ ክኾነልኩም እዩ። ኣሚንኩም ብጸሎት ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኹሉ ነገርውን ክትቅበሉ ኢኹም' እናበለ መለሰሎም።" ማቴ 21፥ 18- 22 እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ፥ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጽባሕ ዕለተ ሆሣዕና ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ ጊዜ ዝተዛረቦ ቃል እዩ። ኣብዚ ሓይለ ቃል 2 ግን ከኣ ዝተኣሳሰራ ቀንዲ ነጥብታት ኣለዋ። 1፡- ርግመተ በለስ ጎይታ ምስ ጠመየ ፍረ ደልዩ ናብታ ኣብ ወሰን መገዲ ዝነበረት ኦም በለስ ኣልገሰ እንተኾነ ግን ፍረ ኣይረኸበን፥ ነታ በለስ ውን ረገማ በኡብኡውን ነቐጽት። ኣብዚ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ፥ ጎይታ ፍረ ዘለዋን ዘይብላን ምዃና ከይከደ ይፈልጥን ድዩ? ዝብል እዩ። እቲ መልሲ ሓጺር እዩ፥ ኣምላክ ስለዝኾነ ይትረፍ ፍረበለስ ብግሁድ ዝረአ፥ ናይ ደቂ ሰባት ሓሳብ ልቦምን ምሕላንን...