ቅዱሳን ነቢያት

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ዘመናት ሓሊፊ  አማዕዲዩ ዝርኢ ዓይነ ነቢያት

        ነቢያት በዓይነ ተንቢት


   ብዘመናት ዘይትሓዝ ዓይነ ትንቢት ዘነቢያት 


    ስለ ልደተ ክርስቶስ ትንቢተ ነቢያት


ክርስቶስ ዝተወለደሉን ሰብ ዝኾነሉን ምኽንያት 

ወዲ ሰብ አይተብላዕ ዝተብሃሎ ብምብላዑ፣ አይትግበር ዝተብሃሎ ብምግባሩ እዩ። 


"ብዚ መሠረት ወዲ ሰብ ን5500 ዘመናት ዝኣክል 

ብናይ ሓጢኣት ማዕበል እናተወቕዐ፣ናይ መርገም ደመና ንናይ ጽድቁ ፀሓይ ጋሪድዎ፣ኣብ ናይ ሓጢአት ጸልማት ውሽጢ ኮይኑ ነቲ ብርሃን፣ጽድቂ፣ሕይወት ክህቦ ዝኽእል ሓይሊ ብቅዱሳን ነቢያት አቢሉ እናለመኖ ይጽበዮ ነይሩ። 


"ቅዱሳን ነቢያት ብርሑቕ ኮይኖም አቕሪቦም፣ብጸልማት ኮይኖም ነቲ ብርሃን ዝህብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመናት ተሳጊሮም ብዓይነ ትንቢት ይርእይዎ ነይሮም። 


#ተስፋ ብዘይነበረሉ ጊዜ ድማ ንሰብ ኹሉ ናይ ክርስቶስ ምምጻእ ብዓይነ ትንቢት ይርእይዎ ስለዝነበሩ ክውለድ እዩ ፣ክመጽእ እዩ እናበሉ ተስፋ ንዝሰኣነ ተስፋ የስንቑ ነይሮም።


    ቅዱሳን ነቢያት ትንቢት ክናገሩ እንከለው

ብሠለሰተ ዓይነት መንገዲ እዮም ዝናገሩ ነይሮም። 


፩.ኾይኑ ኢሎም ከም ዝኾነ ፣ተወሊዱ ኢሎም ከም ዝተለወደ፣ረኺብናዮ ኢሎም ከም ዝረኸብዎ፣ ርኢናዮ ኢሎም ከም ዝርኣይዎ ገይሮም ይናገሩ ነይሮም። 


ከም ዝተገበረ ፣ከም ዝተፈጸመ ገይሮም ማለት እዩ ። 


እዚ ድማ ንምሳሌ ዝኣክል ክንጠቅስ እንተለና 

#ልዑለ ቃል ነቢዩ ኢሳይያስ -ሕጻን ተወልደ ለነ ወልድ ተውህበ ለነ"ሕጻን ተወሊዱልና፣ወዲ ተዋሂቡና ኢሉ ተናጊሩ ነይሩ። ነገር ግን ኢሳይያስ ዘለዎ ዘመን ከባቢ 700 ዓ/ዓ ቅ.ል.ክ እናሃለወ ኣቕሪቡ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተወለደ ተወሊዱልና ኣሎ ኣሉ ተናጊሩ።(ኢሳ 9፥6) 


 ቅዱስ ዳዊት እውን -ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ ወረከብናሁ ውስተ ዖመ ገዳም<<እነሆ ብኤፍራታ ሰማዕናዮ፣ኣብ ጫካ ረኸብናዮ ኢሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ልሔም ተወሊዱ ከም ዝረኸቦ ፣ከም ዝረኣዮ ተናጊሩ።(መዝ 132 ፥6)ነገር ግን ቅዱስ ዳዊት ዝነበረሉ ዘመን ግን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ልዕሊ 1000 ዓመት ከባቢ እዩ ነይሩ። 

  ቅዱሳን ነቢያት ነዞም ዘመናት እዚኦም ፈንጺሖም፣ ተሳጊሮም ከም ማይክሮስኮፕ ዝረሓቐ ኣቕሪቦም እዮም ንክርስቶስ ተወሊዱ ከም ዝረኸቦ ዝናገሩ ዝነበሩ ።



ምክንያቱ ናይ ነቢያት ዓይነ ትንቢት ብዘመናት ክጋረድ ፣ዘመናት ክሕዝዎ፣ክኽልክሎዎ ስለዘይኽእሉ።ናይና ዓይነ ልቡና፣ፍልጠ፦ ድሕሪ ሓደ ደቂቃ ዝኸውን ነገር ኣይፈልጥን። 

  ከምኡ ድማ ቅዱስ ዳዊት" ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም<እግዚአብሔር ካብ ድቃሱ ከም ዝልዓል ሰብ ተሥአ ኢሉ ተናጊሩ።(መዝ 88፥65) 


ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መቃብር ተቐቢሩ ድሕሪ ሠለስተ ማዕልቲ ከምዝተሥአ ዝተፈለጠ እዩ 

ስለዚ ቅዱስ ዳዊት ብዓንተ ትንቢት ኢየሱስ ክርስቶስ ተሢኡ ተላዒሉ ርእይዎ እዩ ተናጊሩ ዘሎ። 

   ዕንባቆም "በማዕከለ ክልኤ እንስሳ ርኢኩከ ከመ ከመ ይቀርብ ዓመቲሁ አአምረከ<<ኣብ ማእኸል ክልተ እንስሳ ርእየካ እቲ ዘመን ክበጽሕ እንከሎ ክፈልጠካ እየ ኢሉ አብ ቤተልሔም ተወሊዱ እንተሎ አድጊን ላሕሚን እስትንፋሶም ክግብሩሉ ከለው ብመንፈሰ ትንቢት ርእዩ ተዛሪቡ። 


፪.ብቐረባ ኣነጋግራ 

ማለት እውን ብነቢያት አንደበት ኣቢሉ ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ይናገር ነይሩ።


ንምሳሌ ፦ቀነውኒ እደውየ ወእገርየ ወኈለቁ ኩሎ አዕጽምትየ <<እደይን እግረይን ቸንከሩኒ ኣዕጽምተይ ኹሉ ቖጸሩ >>እዚ ማለት ዝናገሮ ዘሎ ቅዱስ ዳዊት ይኹን ደአ እምበር ብቅዱስ ዳዊት አንደበት ግን ከም ዝተሰቐለ ኮይኑ ዝተናገሮ ባዕሉ ክርስቶስ እዩ።(መዝ 22፥16) 


ብዙሕ ኣሎ ንምሳሌ እየ ጠቂሰ

፫.ብትንቢታዊ መልክዑ ማለት እውን ገና ዘይኾነ ነገር ክኸውን እዩ፣ ክውለድ እዩ ፣ክመጽእ እዩ ክስደድ እዩ፣ካብ ክደት ክምለስ እዩ፣ ክጥመቅ እዩ፣ ክጸውም እዩ ፣መከራ ክቅበል እዩ፣ ክስቀል እዩ፣ ክመውት እዩ ፣ክትሥእ እዩ፣ ክዓርግ እዩ ፣ካልኣይ ንሞፍራድ ክመጽእ እዩ ኢሎም ትንቢት ተናጊሮም ነይሮም።

   ስለዚ ክውለድ እዩ ብዝበልዎ መሠረት ተወለደ፣ ክመጽእ እዩ ብዝበልዎ መሠረት መጽአ፣ ክስደድ እዩ ብዝበልዎ መሠረት ተሰደደ ፣ካብ ክደት ክምለስ እዩ ብዝበልዎ መሠረት ተመለሰ፣ ክጥመቕ እዩ ብዝበልዎ መሠረት ተጠመቀ ፣ ክጸውም እዩ ብዝበልዎ መሠረት ጾመ ፣መከራ ክቕበል እዩ ብዝበልዎ መሠረት መከራ ተቐበለ፣ ክስቀል እዩ ብዝበልዎ መሠረት ተሰቐለ፣ ክመውት እዩ ብዝበልዎ መሠረት ሞተ ፣ክትሥእ እዩ ብዝበልዎ መሠረት ተሥአ ፣ ክዓርግ እዩ ብዝበልዎ መሠረት ዓረገ ካልአይ ንምፍራድ ክመጽእ እዩ ኢሎም ብዝተናገርዎ መሠረት ገና#ክመጽእ እዩ። 

   ነቢያት ዝተናገርዎ ትንቢት ዘይተፈጸመ እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም እሳት ይነድድ ቅድሜሁ<<እግዚአብሔር ብግልጺ ክመጽእ እዩ ሱቅ አይብልን፣ሓዊ ኣብ ቅድሚኡ ክነድድ እዩ ዝብል ጥራሕ እዩ ዘይተፈጸመ እምበር ኹሉ ተፈጺሙ እዩ። 



  እዚ ማለት ስለ ክርስቶስ ዝተናገርዎ ትንቢት ኹሉ ተፈጺሙ ነገር ግን ዳግማይ ንምፍራድ ብዕለተ ምጽአት ክመጽእ እዩ ዝብል ጥራሕ እዩ ዘይተፈጸመ።

ቅዱሳን ነቢያት ብእርግጸኛነት ኮይኑ ኢሎም አቕሪቦም፣ ክኸውን እዩ ኢሎም ከም ዝኸውን ተናጊሮም ነይሮም ፤እቲ እርግፀኛ ኮይኖም ምንም ከይተጠራጠሩ ዝተናገርዎ ብእርግፀኛነት ኮይኑ ተፈጺሙ ፤እቲ ዘይተፈጸመ ትንቢታዊ ቃል ድማ ክፍጸም እዩ። 

  ምክንያቱ ናይ ነቢያት ትንቢት ብእግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ እምበር ብኻሊእ ስለዘይኾነ ።


 

 ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ከም ዘይኰነ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ።ትንቢት ሲ ቅዱሳን ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።(2ይ ጴጥ 1፥21)


ይቕጽል ---------------



ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና