Posts

Showing posts from June, 2023

ገድሊ ቅዱስ ጊዮርጊስ

Image
                     በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ ኣሜንንን ገድሊ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰማዕት ካብ ስንክሳር ሎሚ ዕለት ፳፫ ፀሐይን ኮከብ ጽባሕ ዝተሰምየ ናይ ዓቢይን ክቡርን ዝኾነ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰማዕት እዩ።  ፩፤  “ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን። ኣነውን ኣኽሊል ሕይወት ክህብበካ እየ።” ራእይ ፪፡፲/2፡10 ፪፤ ናይዚ ቅዱስ ኣቦ መስፍን ኮይኑ ስሙ አንስጣስዮስ ካብ ሀገረ ቀጰዶቅያ እዩ። ኣዲኡ ድማ ቴዎብስታ ካብ ሀገረ ፍልስጤም እያ። ብንኡሱ ከሎ ኣቦኡ ዓረፈ። ፫፤ ናይ ኣቦኡ ሽመት ክቕበል ኣብ ፳/20 ዓመቱ ናብ ንጉሥ ዱድያኖስ ተንሢኡ ከደ። እቲ ንጉስ ጣዖት ኣቚሙ ንጣዖት ከምልዂ ንዂሎም ሰባት ከገድዶም ከሎ ረኸቦ። ፬፤ ነዚ ርእዩ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣዚው ሓዘነ ምስኡ ንዝነበረ ዅሉ ገንዘቡ ንድኻታትን ምስኪናትን ሃበ ንባሮቱውን ነፃ ኣውጽኣ። ፭፤ ብድሕርዚ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቆይሙ ብክቡር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተኣመነ። ንጉሥውን ሓባበሎ ብዙሕ ቃል ኪዳንውን ኣተወሉ ንሱ ግና ኣይተቐበሎን። ፮፤ ንምስማዑ እኳ ዘጨንቕ ስቅያት ኣሳቐዮ ጐይታ ግና የጽንዖ ቁስሉውን የድኅኖ ነበረ። ከምኡውን ሠለስተ ጊዜ ሞይቱ ከም ዝትንሥኦ፡ ኣብ መበል ራብዓይ ጊዜ ግና ኣክሊል ሰማዕትነት ከም ዝቕበል ነገሮ፥ ቃል ኪዳንውን ሃቦ ስሙ ኣብ ኵሉ ዓለም ግሉጽ ምእንቲ ክኸውን ብተጋድሎ ብጽኑዕ መከራን ስቅያትን ሾብዓተ ዓመት ከም ዝነብር መላእኽትውን ከም ዘገልግልዎ ነገሮ። ፯፤ እቲ ንጉሥ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብዘይ ምእዛዙ ብዘይ ምምላሱን ኣዚው ሓዘነ፡ ስለዚ ድማ ኣትናስዮስ ዝበሃል ዓቢይ መሰርይ ኣም...

ኣስማት ድንግል ማርያም

Image
  በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ አሜን    120  ናይ እመቤታችን ኣስማት     ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም 120 ኣስማት በዞም ዝስዕቡ ትጽውዓ። 1. ሰአሊተ ምሕረት 2. ድንግል 3. እመ ብዙሃን 4. አቁራሪተ መዓት 5. ብስራተ ገብርኤል መልኣክ 6. ንፅህተ ንጹሐን 7. ሃገረ እግዚአብሔር 8. ቅድስተ ቅዱሳን 9. ማህደረ ሰላም 10. መዓርገ ሕይወት 11. ማኅደረ ስብሐት 12. ማኅደረ ትፍስሕት 13. ቤተ ሃይማኖት 14. ብጽዕት 15. ሕሪት 16. ክብርት 17. ልእልት 18. ውድስት 19. ኣደ ሰማዕታት  20. ሓብቲ መላዕክት 21. ትንቢቶሙ ለነቢያት 22. መጎሶሙ ለሐዋርያት 23. እመ ብርሃን 24. ርሕርሕተ ሕሊና 25. እመ አምላክ 26. እፀ ጳጦስ ዘሲና 27. ተስፋሁ ለኣዳም 28. ይውሕና ለኣቤል 29. ቸርነቱ ለሴት 30. ደግነቱ ለሄኖክ 31. ሙጻአ ፀሐይ 32. ታቦት ዘዶር 33. እግዝትነ ማርያም 34. ባራኪተ ቅዱስ ኤፍሬም 35. ምልዕተ ውዳሴ 36. ቡርክት 37. ናይ ሓጎስ መራከቢት 38. ምእራግ 39. ቀዋሚቱ ለአዳም 40. ጽርሕ ንጽሕት 41. ማሕደረ መለኮት 42. እሕቱ ለሙሴ 43. ገራሕቱ ለአብርሃም 44. ወለቱ ለዳዊት 45. እሙ ለአማኑኤል 46. ነያ ሰናይት 47. እምነ ጽዮን 48. መዝገበ ብርሃን 49. ጽጌ ሃይማኖት 50. ደብተራ ፍጽምት 51. ማርያም ቅድስት 52. አክሊለ ንጹሐን 53. ብርሃነ ቅዱሳን 54. ወለተ ሐና ወኢያቄም 55. መድኃኒተ ይእቲ 56. ሐመልማለ ገነት 57. ሙዳዬ መና 58. ርግበ ጸአዳ 59. ሐመልማላዊት 60. መንፈሳዊት ሃገር 61. ሃመረ ኖህ (መርከብ) 62. ምርቃቱ ለሴም 63. ...

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና

Image
  እንቋዕ ናብ በዓለ እግዝእትነ ማርያም ኣብጽሓና። በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን። ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና ገዳም ፣- ማለት ገደመ ፣ ዱር ጫካ በረኻ ኮነ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ (ቃል) ዝወፀ ናይ'ቲ ግሢ ዘርኢ እዩ። እምበአር ገዳም ጸጥታ (ጽምዋ) ዝበዝሖ ። ብብዙሕ ዝተፈላለዩ ዓበይትን ንአሽቱን ኣግራብ ዝተሸፈነን ዝወቀበን። ብዙሓት ዓበይትን ንአሽቱን አራዊትን (እንስሳ ዘገዳም) ዝተፈላለዩ አዕዋፍን ዝርከብዎ አብ ተፈላለዩ ናይ ዓለምና ቦታታት ዝርከብ እዩ። እምበአር ሓንቲ ካብ ገዳማት ሃገርና እታ ጥንታዊትን መሠረታዊትን ገዳም ደብረሲና እያ። እታ ካብ በዓቲ ብኢድ ኣምላኽ ዝተሓንፀት ገዳም ደብረ ሲና አብ ሰሜን ኤርትራ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ ዝርከብ ጥንታውን ታሪኻውን ገዳም ኮይኑ፡ ካብ ዕላበርዕድ ንየማን ብእግሪ ክልተ(2) ሰዓት ምስ ተጓዓዝካ ይርከብ። እዚ ገዳም'ዚ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ዝፅዋዕ /ዝስመ/ ክኸውን ከሎ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ይኽበር። 1ይ 21 ግንቦት 2ይ ድማ 21 ሰነ ኢዩ። ብሕልፊ በዓለ ማርያም ሰነ ብዓቢ ድምቀት ኢዩ ዝብዐል። አብዚ ክልተ ዓበይቲ በዓላት ብዙኃት አመንቲ ውላድ ዝሰአናን ብናብራ ዓለም ዝተሸገሩን ብበዓይነቱ ሕማም ዝሣቐዩን ናይ ሕሊና ጸሎትን መብጽዓን ይገብሩ'ሞ ድልየቶም  ስለዝፍጸመሎም እቶም አመንቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይበዝኁን ይውሰኹን። ገዳም ደብረ ሲና ካብ ጥንቲ ካብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ሥነ-ሥርዓት አምልኾ ዝፍጸመሉ ከም ዝነበረ ታሪኽ ይሕብር። በዚ መሠረት ተታሓሒዙ ዝመጸአ ሃይማኖታዊ ልምድን ሥርዓትን ስለ ዝጸንሖ ብ332 ዓ.ም. አባ ሰላማ ብማርሳ /መርሳ/ ተኽላይ አቢሎም ናብ ሃገርና ብፍላይ ናብ ገዳም ደብረ ሲና አትዮም ንአር...

ኣቡነ ኣረጋዊ

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ኣቡነ ኣረጋዊ ዘደብረ ዳሞ ሎሚ ፲፬(14) ኣቡነ ኣረጋዊ ዘደብረ ዳሞ መጽሓፈ ስንክሳርና ዝዝከሮም ቅዱሳን ምስ እንርኢ፡ " ዝክረ ጻቅድ ለዓለም ይሄሉ፣ መዘከርታ ጻድቅ ዘልዓለም ይነብር " [መዝ. 112፡7] ዝብሎ መዘከርትኦም ክኾነና ንሎሚ ንበረኸት ገድሊ ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ብሕፅር ዝበለ ክንገልጽ ኢና ምሥጢሩን ጥበቡን ይግለጸልና ኣሜን፡፡ ኣቦና ኣቡነ ኣረጋዊ ካብ ንጉሣዊ ቤተ ሰብ እዮም ተወሊዶም። ስም ኣቡኦም ይስሓቅ ስም ኣዲኦም እድና ይበሃሉ፡ ወለዶም ዘውጽእሎም ናይ ክርስትና ስሞም ዘሚካኤል እዩ። ኣቦና ገና ንእሽቶ ከለው ነቲ ኣብ ማቴ16፥26 "ወምንተኑ ይበቁዖ ለሰብእ ለእመ ኵሎ ዓለመ ረብሐ ወነፍሶ ሐጕለ ወምንተ እምወሃበ ሰብእ ቤዝሃ ለነፍሱ" ዝብል ቃል መሠረት ብምግባር ነቲ ናይ ንግሥነት ዙፋን መኒኖም ኪኸዱ ወሰኑ፡ ከምቲ ዝሓሰብዎ ድማ ንንግሥነት ኣቡኦም ኃዲጐም ምስ ሾሞንተ (፰)ቅዱሳን ታሽዓይ (፱) ርእሶም ካብ ዓዶም ሮም ናብ ምድረ ኣግኣዚ ወይ ድማ ምድረ ሓበሻ መጹ። ቅዱስ ዘሚካኤል ብዕድመ ንእሽቶ ስለዝነበሩ ምንኵስና ኣይትኽሎን ኢኻ በልዎም። እንተኮነ ዘሚካኤል ‘አሞክሩኒ፤ ፈትኑኒ’ ኢሎም መለስሎም፡ ነቲ ፈተነ ምስ ጀመሩ ልዕሊ ዅሎም ኮይኖም ምስ ተረኽቡ እቶም መነኰሳት ድማ እዚ ድኣ ብጸጋ ዓብዩና እዩ'ሞ ኢሎም ኣረጋዊ ሰመይዎ። ካብዚ ጊዜ'ዚ ኣትኂዙ ድማ እቲ ዘሚካኤል ዝብል ዝነበረ ስም ብኣረጋዊ ተተኽአ። ኣዲኦም እድና ነቲ ዝነበራ ንግሥነት ገዲፋ ንወዳ ክትሪኦም መጸት ኣረጋዊ ግና ክርእይዋ ኣይፈቐዱን ምኽንያቱ ኣብ ወንጌል ‘እቲ ካባይ ንላዕሊ ነብኡን ነዲኡን ዘፍቕር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ’ ዝብል መሠረት ብምግባር እዮም፡ ይኹን እንበር ኣቡነ ጳኵሚስ ...

ኦርቶዶክሳዊ መንነት

Image
  ኦርቶዶክሳዊ_መንነት ኦርቶዶክሳዊ_መንነት   ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።" https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ== ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑልወ ለወላዲቱ ማርያም ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል አሜንንን

ጸሎተ ዘውትር

 ጸሎተ ዘውትር   አአትብ ገጽየ ወኲለንታየ በትእምርተመስቀል። በስመ አብ ወወልድወመንፈስ ቅዱስአሐዱ አምላክበቅድስት ሥላሴእንዘ ኣአምንወእትመኃጸን እክህደከሰይጣን በቅድመዛቲ እምየቅድስት ቤተክርስቲያን እንተይእቲ ስምእየማርያም ጽዮንለዓለመ ዓለም። ነአኩተከ እግዚኦወንሴብሓከ ንባርከከ እግዚኦ ወንትአመነከ ንስእለከ እግዚኦ ወናስተብቁዓከ ንገኒ ለከ እግዚኦ ወንትቀነይ ለስምከ ቅዱስ። ንሰግድ ለከ ኦ ዘለከ ይሰግድ ኩሉ ብርክ ወለከ ይትቀነይ ኩሉ ልሳን። አንተ ውእቱ ኣምላክ ኣማልክት ውእግዚኣ ኣጋእዝት ወንጉሰ ነገስት ኣምላክ አንተ ለኩሉ ዘሥጋ ወለኩላ ዘነፍስ ወንጼውኣከ ንሕነ በከመ መሃረነ ቅዱስ ወልድከ እንዘ ይብል አንትሙሰ ሶበ ትጸልዩ ከመዝ በሉ። አቡነ ዘበሰማያት ይትቀደስስምከ ትምጻእመንግሥትከ ወይኩንፈቃድከ በከመበሰማይ ከማሁበምድር ሲሳየነዘለለ ዕለትነሃበነ ዮም።ኅድግ ለነአበሳነ ወጌጋየነከመ ንሕነኒንኅድግ ለዘአበሰለነ። ኢትአብአነእግዚኦ ውናስተመንሱት ኣላአድኅነነ ወባልሐነእምኩሉ እኩይእስመ ዚኣከይእቲ መንግሥትኃይል ወስብሐትለዓለመ ዓለም። በሰላመ ቅዱስገብርኤል መልአክ ኦ እግዝእትየ ማርያም ሰላም ለኪ ድንግል ብኅሊናኪ ወድንግል በሥጋኪ። እመ እግዚአብሔር ጸባዖት ሰላም ለኪ። ቡርክት አንቲ እማአንስት ወቡሩክ ፍሬ ከርሥኪ። ተፈሥሒ ፍሥሕት ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምስሌኪ። ሰአሊ ውጸልዪ ምሕረት በእንቲኣነ ኅበ ፍቁር ወልድኪ ኢየሱስ ክርስቶስ ከመ ይሥረይ ለነ ኃጣዊኢነ። ነአምን በአሐዱአምላክ እግዚአብሔር አብ አኃዜ ኩሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ። ወነአምን በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ አብ ዋሕድ ዘህልው ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም። ብርሃን ዘእምብርሃን አምላክ ዘእምአምላክ ዘበአማን ዘተወልደ ወአኮ ዘተገብረ ዘዕ...

ማዕተብ

Image
  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን!!! ማዕተብ ማዕተብ ማዕተብ “ዐተበ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፡ ኣመልከተ፡ ባረኸ፡ ካብ ሸበድበድ ሃድአ፡ ዝብል ትርጉም ዝሐዘ እዩ። ማዕተብ ከኣ ምልክት እምነት ወይ ዕላመት ማለት እዩ። ነዚ ከረድእ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣነስ ዕላመት ኢየሱስ ኣብ ስጋይ እጸውር ኣለኹ” በለ፡ (ገላ6፡17) መከራ ክርስቶስ ንኽቕበል ድልው ስለ ዝነበረ እዩ። ማዕተብ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ምልክት እምነት እዩ። ማዕተብ ኣብ ብሉይ ኪዳን ደቂ እስራኤል ኣብ ክሳዶም ይኣስሩ ከም ዝነበሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገለጽ። ታሪኽ ይሁዳን ታማርን ምስ እንርኢ፡ ድልየቱ ንምፍጻም ትሕጃ ክህባ ኣብ ዝለመነትሉ፡ ምስ ሰኣነ፡ ቀለቤትካን ማዕተብካን እታ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን ሃበኒ በለቶ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብማዕተቡን በትሩን ተረትዐ። (ዘፍ 38፡12-23) ታማር ንማዕተብ ከም ትሕጃ ምቕባላ፡ ኣብዚ ክብሪ ማዕተብ ንግንዘብ።  ማዕተብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንምጀመርያ ግዜ ዘእተወ ኣቦ፡ ኣቡነ ያዕቆብ ዘኣልበረድእ እዩ። ብዘመነ ሰማእታት ክርስቲያን ከቢድ ግፍዒ ኣብ ዝወርዶም ዝነበረ እዋን፡ ከተማ ኣንጾኪያ፡ እታ ዝሓሸት ሰላም ዝለመልአ ከተማ ነበረት እሞ፡ ካብ ዝተፈላለየ መኣዝን ዝመጹ ክርስቲያን ኣብኡ ይእከቡ፡ ዝጥመቑ ሕጻናት ድማ ኣዚዮም ብዙሓት ነበሩ። ኣብዚ እዋን ነቶም ዝተጠምቁን ዘይተጠምቁን ምትሕውዋስ ንኸይከውን፡ ነቶም ዝተጠምቑ ጻዕዳ ፈትሊ ኣብ ክሳዶም ኣሰረሎም፡ በዚ ኸኣ መላለዪ ምልክት ኮነ። ካብ’ዚ እዋን ጀሚሩ ከኣ ኣቦታት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ካብ ኣህዛብ ፈልዩ መላለዪን፡ ከምኡ’ውን ብጥምቀት ዉሉድነት ስላሴ ዝረኽቡ ምዃኖም ዝምስክር ምልክት ምዃኑ ስለ ዝ...