Posts

Showing posts from December, 2024

ገብርኤል መልአኽ

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ገብርኤል መልአኽ  " ዓቢይ ውእቱ ክብር ዘተዋህበ ለከ ኦ ገብርኤል መልአክ ዜናዊ ፍሡሐ ገጽ/ ‘’ኦ ገብርኤል መልአኽ በዓል ዓቢይ ብሥራት ነኣኻ ዝተዋህበ ክብሪ ዓቢይ እዩ " ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ናይ ረቡዕ ውዳሴ ማርያም ‘ኦ ገብርኤል መልአኽ በዓል ዓቢይ ብሥራት ነኣኻ ዝተዋህበ ክብሪ ዓቢይ እዩ፣ ናባና ዝመጸ ልደት ጐይታ ነገርካና፡ ኣቐዲምካ’ውን ነታ ርስሓት ዘይብላ ድንግል ማርያም ፅንሰቱ ነገርካያ። ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ካብ ሥጋኺ ሥጋ ካብ ነፍስኺ ነፍሲ ተዋሒዱ ምሳኺ ሓደ ኮይኑ እዩ እሞ ተፈሥሒ በልካያ’ ብምባል ንኽብርን ዕቤትን ተልእኾን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ሄኖክ’ውን ንልዕልና ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ‘ገብርኤል ፩ዱ እመላእክት ቅዱሳን/ ካብ ዝኸበሩ ካብ ሊቃነ መላእክት ሓደ ገብርኤል እዩ፣ ከምኡ’ውን ሥልጣኑን ተልእኾኡን ዘዲበ አኪስት/ ኣጋንንት መርዚ ከይብጽብጹሉ ኣብ ልዕሊ ዓይኒ ማያት ዝተሾመ፡፣ ወዘዲበ ገነት/ ኣብ ገነት ዘለዉ ዕፀዋትን ኣዕዋፍን ዝተሾመ . . . ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ሄኖ. 6፡7) ቅዱስ ገብርኤል ናብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተላእከሉ ምሥጢር ረቂቅ እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቤት ኣረጋዊ ዮሴፍ እናተቀመጠት ከላ ማይ ኽትቀድሕ ናብ ሩባ በጺሓ ክትምለስ ከላ ጐይታ ‘ሑር አብሥራ ለእምየ ማርያም ከመ እትወለድ እምኔሃ’ ካብኣ ንኽውለድ ኬድካ ንድንግል ማርያም ንገራ፡ ኢሉ ንቅዱስ ገብርኤል ለኣኾ። ብዛዕባዚ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ‘’ኣብ ሻድሸይቲ ወርኂ ገብርኤል መልአኽ ናብ ናዝሬት እትበሃል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ እግዚአብሔር ተላእከ’’ ኢሉ ኣሎ። ሉቃ. 1፡26-27 ሻዱሻይ ወርኂ ዝተባህለ፦...