Posts

ንሱ ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ^ዩ

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን “ንሱ ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ” መሠረት ሃይማኖትናን ተስፋ ድሕነትናን ኣብቲ “ንሱ ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ” (ማቴ 28፡6) ዝብል ቃል ዝተመስረተ እዩ። እዚ ምሥጢር እዚ ንታሪኽ ዝቐየረ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንባህርይ ወዲ ሰብ ካብ መዋቲ ናብ ዘይመዋቲ ዝለወጠ ረቂቕ መለኮታዊ ስራሕ እዩ። ምሥጢር ትንሣኤ፦ 1. ናይ ቃል ኪዳን መፈጸምታ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ስቕለቱ ደጋጊሙ “ብሣልሳይ መዓልቲ ክትንሥእ እየ” ኢሉ ነይሩ። እቲ መልኣኽ “ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ” ማለቱ፣ ክርስቶስ ሞት ስዒሩ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሓቀኛነቱ ዘረጋገጸሉ እዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ከምዚ ይብል፦ “ሞት ንሕይወት ክውሕጥ ደለየ፣ ሕይወት (ክርስቶስ) ግን ንሞት ውሓጦ። ሲኦል ስጋ ረኺቡ ክውሕጥ ምስ ከፈተ፣ ምስ መለኮት ተጋጨወ እሞ ኣብ ከቢድ ራዕድን ስንባደን ወደቐ።” ትንሣኤ ማለት ቃል ሥጋ ኮይኑ ንሞት ብገዛእ ስጋኡ ዝቐተለሉ፣ ሓይሊ ጸላኢ ድማ ዝተዳኸመሉ ዓቢ ምሥጢር እዩ። 2. ትንሣኤ ምስ ሰብ ዘለዎ ረቂቕ ርክብ ትንሣኤ ክርስቶስ ናይ ውልቁ ዓወት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ባህርይ ዓወት እዩ። ክርስቶስ በዂሪ ትንሣኤ ኮይኑ ተንሢኡ። ንሱ ብባህርይኡ ሕይወት ክንሱ ሥጋና ለቢሱ ዝተንሥአ፣ ንሕና ድማ ብጸጋ ንሱ ዝሃበና ትንሳኤ ክንካፈል እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል"ከምቲ ዂላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፣ ከምኡ ድማ ዂላቶም ብክርስቶስ ህያው ኪኾኑ እዮም።" (1 ቆሮ 15፡22)። እቲ ኣብ መቃብር ዝተቐብረ ስጋ፣ ናይ ኩሉ ሰብ ስጋ ወኪሉ እዩ ተንሢኡ። ስለዚ ትንሣኤኡ ትንሳኤና እዩ፤ ሞቱ ድማ ሞት ሞትና እዩ። 3. እቲ ረቂቕ ምስጢር፡ "ምሕዳስ ባህርይ" ኣቦታትና ትንሣኤ ክርስቶስን ትን...

ሥርዓተ ማኅሌት ዘህዳር ሚካኤል

Image
      ሥርዓተ ማኅሌት ዘህዳር ሚካኤል  ​፩. ሥርዓተ ዋዜማ ዘህዳር ሚካኤል ​ሃሌ ሉያ ( አመላለስ) ​ግእዝ መርሆሙ መዓልት በደመና፤ ወኵሉ ሌሊተ በብርሃነ እሳት ፤ ወአውጽኦሙ ለሕዝቡ በትፍሥሕት፤ ፈነወ መልአኮ ፣ ወአድኃኖሙ፤ እንዘ ሚካኤል የሐውር፤ ቅድመ ትዕይንቶሙ ለእሥራኤል። ​ምሥጢር ዘ ፡ ፀ. ፲፫፥፳፩ "  ዘፀ. ፳፫፥፳ " ​ግእዝ በእደ መልዐኩ ይዕቀበነ ወይክሥት አዕይንተ አልባቢነ በእደ መልዐኩ ይዕቀበነ። ​ምሥጢር፡ ኤ ፌ. ፩፥፲፰ " ​እግዚአብሔር ነግሠ ​ግእዝ ሚካኤል መልአክ ሰአል ወጸሊ በእንቲአነ ወበእንተ ነፍስ ኵልነ መልአኪየ ይቤሎ እመላእክት ሠምሮ መልአከ ኪዳኑ ለክርስቶስ። ​ምሥጢር፡  ሚል. ፫፥፩ " ​ይትባረክ ​ግእዝ  ነዋ ሚካኤል መልአክክሙ ይስአል ለክሙ ኀበ እግዚአብሔር ዘልዑል ይሠርር ለመድኃኒተ ኵሉ ዓለም በክልኤ ክንፍ። ​ምሥጢር፡  ራእ. ፰፥፫ " ​ሰላም (ዳንኤልኒ ይቤ) ​ግእዝ ዳንኤልኒ ይቤ ነዋ ሚካኤል አሐዱ እመላእክት፤ እምቅዱሳን ቀደምት መጽአ ይርድአኒ፤ አጽንዓኒ ወይቤለኒ፤ ኢትፍራህ ብእሲ ፍትወት አንተ፤ ሰላም ለከ ጽናዕ ወተአገሥ፤ ወእንዘ ይትናገረኒ ጸናዕኩ ወእቤሎ፤ ንግረኒ እስመ አጽናዕከኒ፤ ወይቤለኒ ሶበ ተአምር ዳዕሙ፤ ሚካኤል መልአክክሙ። ​ምሥጢር ፦ ዳን. ፲፥፲፫ " ዳን. ፲፥፲፱ " ​፪. ሥርዓተ ማኅሌት ዘህዳር ሚካኤል ​መልክአ ሥላሴ ​ግእዝ  ሰላም ለጒርዔክሙ ስቴ አንብአ ሰብእ ዘኀሠሠ፤ ብዑላነ ሞገስ ሥላሴ ኢታንድዩኒ ሞገሰ፤ እመትትኃየዩኒሰ ኢትኅድጉኒ ጽኑሰ፤ ሚካኤልኑ ለአውጽኦ ስጋየ ጌሠ፤ ወእመ አኮ ገብርኤል ወሀበኒ ነፍሰ። ​ምሥጢር  በመላእክት አማላጅነት የሥላሴን ሞገስ መለመን። ሚካኤል ለሥጋዊ ድኅነት (ለአውጽኦ ሥጋየ)፥ ገ...

ጾመ ነነዌ

Image
በስመ አብወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።   ጾመ ነነዌ ጾመ ነነዌ እግዚአብሔር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ ንሱውን ንዮናስ ናብ ንቁጽ ምድሪ ተፍኦ። ት.ዮና.2፣11። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ቡሩኽ ጾም ይግበረልና።  ነነዌ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝተገልጹ ታሪኻ ብሰፊሕ ካብ ዝተጻሕፈላ ሓንቲ ናይ ሜሶፓትያ ከተማ እያ። ብዙሓት ናይ ሥነመሎኮት ሙሁራት ናይ ሎሚ ሙሱል ከተማ ብኣንጻረ ከተማ ባቅዳድ ብወገን ሰሜን 350 ኪ.ሜ ሪሒቓ ትርከብ ከተማ ምዃናይሰማምዑላ። ዋላ እኳ ኣብ 4000 ቅ.ል.ክ ብናምሩዴ ዝተዶኮነት ትኹን፡ (ዘፍ.10፣11-12) ናይ ኣሶራውያን ዋና ከተማዝኾነት ግና ብ1400 ቅ.ል.ክ እዩ። (2ይነገ,19፣36) ኣብታ ከተማ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ጣኦት ቤተ ኣምልኾ ኣስታሮት ይብኃል። ኣብዛ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ብዝሠርሕዎ ክፋትን ኃጥያትን ካብ ምብዛሑ ዝተላዕለ ጽዋእ መሊኡ ንጥፍኣቶም ስለዝበጽሐ፣ ንፍጥረቱርህራኄ ዘለዎ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ግና ንስሓ ክኣትዉ ምእንቲ ነብዩ ዮናስ ሊኢኽሎም። እዚ ነብይ ናብ ናይ ሃገረ ኣህዛብ ዝተላእከ እንኮ ነብዩ እዩ። ዝተላእኸሉ ምኽንያት ድማ ከምቲ ነብያት ናብ ደቂ እስራኤል ተላኢኾም ዝገብርዎ ንምግሳጽ ዘይኮነ ናብንስሓ ክጽውዕዎም ምእንቲ እዩ። ኮይኑ ግና ነብዩ ዮናስ ናብዛ ከተማ ክኸይድ ብእግዚአብሔር ይተኣዘዝ እምበር ንሱ ግና ናብተርሴስ ክኸይድ ንርእዮ። ቅዱስ ጄሮም ነብዩ ዮናስ ንምንታይ ከምዚ ከምዝገብረ ክገልጽዎ ከለዉ ፣ ዮናስ ንኣህዛብ ካብ ምጽላእ ዝተላዕለ ዘይኰነ ድኅነትካብ ህዝበ እስራኤል እንዳረሓቐ ምዃኑ ብትንቢት መነጽር ስለዝረኣየ ናብ ነነዌ ኣይከይድን ኢሉ። እዚ ከኣ ሙሴ ነዚ ህዝቢ ካብተጥፍኦ ንዓይ ካብ መጽሓፍ ሕይወት ደምስሰኒ ። ከምዝበሎ ዓይነት ማለት እዩ። ዘጻ.32፣31-32...

ገብርኤል መልአኽ

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ገብርኤል መልአኽ  " ዓቢይ ውእቱ ክብር ዘተዋህበ ለከ ኦ ገብርኤል መልአክ ዜናዊ ፍሡሐ ገጽ/ ‘’ኦ ገብርኤል መልአኽ በዓል ዓቢይ ብሥራት ነኣኻ ዝተዋህበ ክብሪ ዓቢይ እዩ " ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ናይ ረቡዕ ውዳሴ ማርያም ‘ኦ ገብርኤል መልአኽ በዓል ዓቢይ ብሥራት ነኣኻ ዝተዋህበ ክብሪ ዓቢይ እዩ፣ ናባና ዝመጸ ልደት ጐይታ ነገርካና፡ ኣቐዲምካ’ውን ነታ ርስሓት ዘይብላ ድንግል ማርያም ፅንሰቱ ነገርካያ። ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ካብ ሥጋኺ ሥጋ ካብ ነፍስኺ ነፍሲ ተዋሒዱ ምሳኺ ሓደ ኮይኑ እዩ እሞ ተፈሥሒ በልካያ’ ብምባል ንኽብርን ዕቤትን ተልእኾን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ሄኖክ’ውን ንልዕልና ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ‘ገብርኤል ፩ዱ እመላእክት ቅዱሳን/ ካብ ዝኸበሩ ካብ ሊቃነ መላእክት ሓደ ገብርኤል እዩ፣ ከምኡ’ውን ሥልጣኑን ተልእኾኡን ዘዲበ አኪስት/ ኣጋንንት መርዚ ከይብጽብጹሉ ኣብ ልዕሊ ዓይኒ ማያት ዝተሾመ፡፣ ወዘዲበ ገነት/ ኣብ ገነት ዘለዉ ዕፀዋትን ኣዕዋፍን ዝተሾመ . . . ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ሄኖ. 6፡7) ቅዱስ ገብርኤል ናብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተላእከሉ ምሥጢር ረቂቅ እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቤት ኣረጋዊ ዮሴፍ እናተቀመጠት ከላ ማይ ኽትቀድሕ ናብ ሩባ በጺሓ ክትምለስ ከላ ጐይታ ‘ሑር አብሥራ ለእምየ ማርያም ከመ እትወለድ እምኔሃ’ ካብኣ ንኽውለድ ኬድካ ንድንግል ማርያም ንገራ፡ ኢሉ ንቅዱስ ገብርኤል ለኣኾ። ብዛዕባዚ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ‘’ኣብ ሻድሸይቲ ወርኂ ገብርኤል መልአኽ ናብ ናዝሬት እትበሃል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ እግዚአብሔር ተላእከ’’ ኢሉ ኣሎ። ሉቃ. 1፡26-27 ሻዱሻይ ወርኂ ዝተባህለ፦...

ወተመይጠት ማርያም ሃገረ እስራኤል አቡሃ"

Image
 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! "ወተመይጠት ማርያም ሃገረ እስራኤል አቡሃ" ጉዕዞ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስለ ፍቁር ወልዳን ዮሴፍን ሰሎሜን ዝተኸተልዎ መንፈሳዊ ናይ በረኸት ስደት ኣብቂዑ ናብ ሀገረ እስራኤል ዝተመልሰትሉ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘርኣየና እግዚኣብሄር ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ አበው ኣባ ጽጌ ብርሃን ፍረ ካብ ፍዮሪ ዕንበባ ዕንበባ ካብ ፍረ ከምዝርከብ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንወዳ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍረን ብዕንበባን እንዳመሰል ኣብ ዝደረሶ ድርሰቱ ከምዚ ይብል፡ “አፈወ ሮማን ማርያም ጽጌ ቀናንሞ ወአበሜ፣  እስከ ተጸምሐየየ በጾም ዘመልክዕኪ ጊዜ ድክታሜ፣ እምተመነይኩ ተሳትፎ ከመ እኅትኪ ሰሎሜ፣  ወፍሥሓኪ ዘአልቦ ፍጻሜ ”፡፡   "ትርጉሙ “  ሽቶ ሮማን ዕንበባ ቀናንሞ ዝኾንኪ ቅድስት ድንግል ማርያም ግርማ መልክዕኺ ክሳብ ዝጽልምው ብስደትን ድኻምን ብዙሕ ብኽያት ዝበጽሓኪ  ኩሉ መከራ ፣ ኣነ’ውን ድሌተይከም ሓፍትኺ ሰሎሜ  ቲ’ መከራኺ ሓቢረ እንተዝቅበሎ ።”   ኣብ ብዙሕ ድርሳናት ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተጻሒፉ ዘይውዳእ እካ እንተ ኾነ ገለ ካብኡ ከኣ ኣብ አርክ ሥሉስ ኣብ ስደታ ዝበጽሓ ሓዘንን ሰቆቃውን እንዳዘከረ ኣብ “ ሰቆቃው ድንግል “ ዝደረሶ ድርሰቱ  ከምዚ ይብል “ ጸሓይ ትለብሲ ውሉደ ብርሃን ድንግል ማርያም ካብ ክፋእ ሄሮዶስ ንወድኺ ሒዝኪዮ ምስ ሃደምኪ ዝበጽሓኪ መከራ ወርሒ ዝወድዩ ኣእጋርኪ ብብዝሒ መገዲ ብዋዕየ ሑጻ ክቃጸል ከሎ ይትረፍ ሰብ ኣእማንውን ምበኸዩ ኔሮም...

ቅድስት ድንግል ማርያም

Image
 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን!!!  ፳፩\21 ጥቅምቲ ወርሓዊ በዓል ናይ እመ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ።     ትርጉም ስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፥     “ማርያም” ብዕብራይስጥ “ማሪሃም” ኪኸውን ከሎ፥ ትርጕሙ ድማ እመ ብዙኃን (ኣደ ብዙኃን) ማለት እዩ። እዚ ድማ "ኣብርሃም" ኣቦ ብዙኃን ተባሂሉ ከም ዝትርጐም ማለት እዩ።(ዘፍ ፲፯፥፭/17፡5) ብምሥጢራዊ ትርጕሙ ክረአ ኸሎ ድማ ሊቃውንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብኸምዚ ዝስዕብ ምሥጢራዊ ትርጕም ይገልጽዎ። ሀ) ማርያም ማለት ፍጽሞተ ሥጋ ወነፍስ/ ብድንግልና ሥጋ ብድንግልና ሕሊና ንጽሕቲ ፍጽምቲ ማለት እዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ነቢብ፡ ካብ ገቢር፡ ካብ ሐልዮ ኃጢአት ንጽሕቲ እያ። ኣደነት ምስ ድንግልና፡ ድንግልና ምስ ኣደነት ኣጣሚራ ዝኃዘት ማለት እዩ። እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ንጹሕ ስለ ዝኾነ ንእኡ ትበቅዕ ንጽሕቲ መኅደሪት እያ። እዚ ድማ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም “ወሶበ ርእየ ንጽሕናኪ ለሊሁ እግዚአብሔር አብ ፈነወ ኀቤኪ መልአኮ ብርሃናዌ ዘስሙ ገብርኤል ወይቤለኪ መንፈስ ቅዱስ ይመጽእ ላዕሌኪ ወኀይለ ልዑል ይጼልለኪ፡ ወመጽአ ቃል ኀቤኪ እንዘ ኢይትፈለጥ እምሕፅነ አቡሁ” ከምኡ ድማ “ወሶበ ረከበ ሥጋሃ ቅዱሰ ወነፍሳ ቅድስተ ፈጠረ ሎቱ በመንፈስ ቅዱስ ሕያወ መቅደሰ” (ሃ.አበው) ከም ዚብል መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍስ ዘይብላ ኣማሊዳ በረከተ ሥጋ በረከተ ነፍሥ እተውህብ፡ ብድንጋሌ ሥጋ ብድንጋሌ ነፍስ ጽንዕቲ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም መኅደሪቱ ኽትከውን መረጻ። ብተወሳኺ ኣባ ሕርያቆስ ደጊሙ እታ እንኮ ፍጽምተ ሥጋ ወነፍስ ድንግል ማርያም ምዃና ከረድእ ከሎ “እግዚአብሔር ነፀረ ...

በዓለ መስቀል

Image
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን።!   በዓለ መስቀሉ  ወወሀብኮሙ ት እምርተ ለእለ ይፈርሁከከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት ወይዲኃኒ ፍቁራኒከ መዝ ፶፱፡፬ ወወሀብኮሙ ት እምርተ ለእለ ይፈርሁከከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት ወይዲኃኒ ፍቁራኒከ መዝ ፶፱፡፬ መስቀል ብፊደልን ብቅርጽን ኣርባዕትነት ዘለዎ እዩ። ይኹን ድኣ እምበር ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንኽቅድስ ቅርጺ ዘለዎ ኣርባዕትነት ዘለዎ መስቀል ተሰቕለ ሎሚ ውን ኩሉ ዓለም ዝጥቀመሉ ነዚ መስቀል እዩ ። "መስቀል ሓጺር ቃል እዩ ግን እዚ ቃል ክንገርን ክስማዕን ከሎ ናብ ክርስቲያናዊ ዝኾነ ሰብ ብዕምቘት ናብ ልቡ ኣትዩ ነገረ መስቀል ይዝክር ኩሉ ርእሱ ዘየድንን ንነገረ ድሕነቱ ዘይዝክርን የለን "። ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙን ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይን ። ”መስቀል መልእልተ ኩሉ ነገር” መስቀል ካብ ኩሉ ንላዕሊ እዩ ። እግዚአብሔር ዓለም ዘድሓነሉ ካብ ጥበባት ኩሉ ንላዕሊ ዝኾነ ጥበብ እዩ እሞ ኣብ መስቀል ናይ እግዚአብሔር አብን እግዚአብሔር ወልድን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስን ፍቅሪ ተገልጸ። ወልድ ብገዛእ ፍቃዱ፡ ብናይ ባህሪ ኣብኡ ፍቃድ፡ ብናይ ባህሪ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ ፍቃድ፡ ሰብ ኮይኑ ኣብ መልእልተ መስቀል ሞይቱ ኣድሒኑና እዩ ። ብመስቀል ናይ ሲኦል መሰረት ተዓጽወ ሰብን እግዚአብሔርን ፈላልዩ ዝነበረ መጋረጃ ተቀደ፡ ናይ ጽልኢ መንደቅ ፈረሰ፡ ሞት ተሳዕረ ናይ ትንሳኤ መንገዲ ተኸፍተ። ናይ መስቀሉ ነገር ብደቂ ሰብ ኣእምሮ ክግለጽ ዘይክኣል ረቂቕ እዩ ። ኣምላኽ ሰብ ክሳዕ ምዃኑን ስጋዕ ሞት ዘብቅዖ ፍቅሪ: ደቂ ሰብ ካብ ምዝካር ሓሊፉ ምምርማርን ድርሰ ነገሩ ምስትውዓል ኣይክአልን እዩ።  ንግስቲ እሌኒ ነገረ መስቀል ብተመስጦ ክትሓስብ...