ቃና ዘገሊላ

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን! 

                 ቃና ዘገሊላ


            (ቀዳሜ ኩሉ ተአምር)

                ማየ ረሰየ ወይነ


"ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተጠመቐ ከይውዓለ፣ ከይሓደረ አርብዓ ማዕልቲን አርብዓ ለይቲን አብ ገዳመ ቆሮንቶስ ምስ ጾመ ብሣልሳይ ማዕልቱ ናብ ገሊላ ተመሊሱ ንመጀመርታ ጊዜ ተአምር ዝገበረሉ ዕለት እዩ ቃና ዘገሊላ እናበልና ጥር 12 እነኽብሮ ዘለና በዓል። 


ጥንተ ቃና ዘገሊላ ግን የካቲት 23 እዩ።

ክርስቶስ ጾሙ የካቲት 20 ብዕለተ ሰንበት ዛዚሙ ምስተመለሰ ብሣልሳይ ማዕልቱ ማለት ድሕሪ ጾም ሠለስተ ማዕልቲ ጸኒሑ እዚ እውን 

1.ሰንበት

2.ሶኒ 

3 ሠሉስ ስለዚ እቲ መርዓ ዝነበረ የካቲት 23 ብዕለተ ሠሉስ እዩ ነይሩ። 

በዚ ዕለት እዚ  እዩ ናብ ቃና ዘገሊላ ዘምርሐ።

ወንጌሉ ብሣልሳይ ማዕልቱ ብቃና ዘገሊላ መርዓ ነይሩ ዝብል ዘሎ ነዚ እዩ።(ዮሐ 2፥1) ሠሉስ ማለት ሣልሳይ ማዕልቲ ማለት ስለዝኾነ። 



ደሓር ብሊቃውንቲ እዩ ጥር 12 ንክኽበር ዝተገበረ እምበር ጥንቱ የካቲት 23 እዩ ነይሩ ። 

ከም  ዝተጠቀሰ  ክርስቶስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ መርዓ ዶኪማስ ተዓዲሙ ምስ አዴና ቅድስት ድንግል ማርያም አብ እቲ መርዓ ተረኸበ። ይኹን ደአ እምበር ኣብ እቲ መርዓ ሓደ ጸገም ኣጋጢሙ ነይሩ።

ገና ተዓደምቲ እንከለው ወይኒ ተወዲኡ እቶም ሰብ መርዓ ሓፈሩ ጨነቆም ፣ናብ ዝኸድዎ ሰኣኑ ።

ምክንያቱ እቲ ዝጸዋዕካዮ ሰብ ከይተአንገደ ኣብ ማእኸል ዝስተ ክውዳእ ከሎ ዘሕፍር እዩ ። 


በዚ ሰዓት አዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ እቶም ሰባት ጭንቀት ፣ጸገም ተመልኪታ ንወዳ ወይኒ እኮ የብሎምን በለቶ። ንሱ ድማ <ምንት ብየ ምስሌኪ ኦ ብእሲቶ "አንቲ ሰበይኒ ምሳይ እንታይ አለኪ ? ኢሉ ተናገረ። እዚ ሒዞም ሰባት አቃሊሉዋ እዩ እናበሉ ዝዝረቡ ብዙሓት እዮም። 


እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይነበረን ሕቶኣ ተቐባሊነት ዘይረኸበ ተዝኸውን ነይሩ "ግበሩ ኩሎ ዘይቤለክሙ" ዝበለኩም ኹሉ ግበሩ አይምበለትን ነይራ። ክርስቶስ እውን ነቲ ማይ ናብ ወይኒ አይምለወጦም ነይሩ። 


ኹሉ ጊዜ ከም ዝንገር ብእስራኤላውያን ኣዘራርባ ምሳይ እንታይ አለኪ/ካ ዝብል ቃል ናይ ውርዴት ናይ ምቅላል ከም ዘይኾነ ዝተፈለጠ እዩ። 

ብዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እቶም ገንኢታት ማይ ንክመልእዎ አዘዘ። ሽዱሽተ ዓበይቲ ገንኢታት ንሳቶም ክሳዕ ኣፎም ማይ መልእዎም። 



ብኢየሱስ ክርስቶስ ኸኣሊነት እቲ  ኣብ እቶም ገንእታት ዝነበረ ማይ ናብ ወይኒ ጠጂ ተለወጠ። 

ኣብ እቲ ገዛ ዝነበረ ሰብ ኹሉ ተገረመ።

ሽዑ ፦ቀድሕዎ እሞ ነቲ አሰላፊ  ዳስ ውሰድሉ በሎም። ንሳቶም ድማ ወሰዱ። 

እቲ ናይ  ዳስ ኣሰላፊ ግና ነቲ ናብ ወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞ ካበይ ምዃኑ ኣይፈለጠን ነይሩ። 

እቶም ማይ ዝመልኡ ተዓጠቕቲ (ተላኣኣኽቲ) ግና ይፈልጡ ነበሩ። 



እቲ ኣሰላፊ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ

ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፣ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ ደኣ የቕርብ ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ በሎ። 

ኢየሱስ ነዚ መጀመርታ ተኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና  ዘገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ ደቀ መዛሙርቱ እውን ብእኡ አመኑ።


        (እቲ ቀንዲ ምስጢር)

ወይኒ ጠጂ የብሎምን ማለት ሕይወት ዝህብ ናይ ክርስቶስ ደም ገና ዘይተዋህበ ሙኻኑ እዩ። 

  ገና  ግዜይ ኣይበጽሐን ማለት ዝስቀለሉ ግዜ ከም ዘይበጽሐ፣ደሙ ዝፈሰሉ ግዜ ገና ሙኻኑ ግን ምስ በጽሐ አብ ቀራንዮ ደመ ክርስቶስ ንኹሉ ከም ዝውሃብ እዩ ።


መርዓዊ ---- ክርስቶስ እዩ 

መርዓት---- ቤተ ክርስቲያን እያ

ኣዕሩክት ---ሐዋርያት፣ተኸተልቲ ክርስቶስ 



⏩መርዓ ዝተገበረሉ ግዜ -----ድሕነትና ዝተፈጸመሉ ግዜ፣ምስ እግዚአብሔር ሓደ ዝኾንናሉ ግዜ እዩ ዘረድእ። 

⏩ማይ ናብ ወይኒ ዝተለወጠላ ቃና ዘገሊላ---- ናይ ክርስቶስ ደም ዝፈሰሰላ ቀራንዮ  እዩ ዘረድእ።

⏩እቶም ሰብ መርዓ እቲ  ወይን ጠጂ ብምርካቦም ደስ ከም ዝበሎም -------ሰብ ኩሉ ድማ ናይ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋን ደምን  ክረክብ ከሎ ብነፍሱ ከም ዝሕጎስ እዩ ዘረድእ። 

⏩አሰለፍቲ እቲ ወይኒ ጠጂ  ዝተብሃሉ------- ሐዋርያት፣ ካህናት፣ መምህራን እዮም። 

⏩ወይኒ ጠጂ ዝመልኡ ገንኢታት ዝተብሃሉ------ናይ ክርስቶስ ደም ዝቅድሐላ ቤተ ክርስቲያን እያ። 

           (ዮሐ 2  ካብ መጀመርታ ጀሚሮም  የንብቡ)



ሰላም ለኩም ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!


Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና