Posts

Showing posts from August, 2023

ነገረ ዕርገት ዘእግዝእትነ ድንግል ማርያም

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜን ። ነገረ ዕርገት ዘእግዝእትነ ድንግል ማርያም እንቓዕ ናብ በዓለ ዕርገታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሰላም ኣብጸሓና ። "ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የዓጽብ ለኩሉ" ምስባክ ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል እግዚ አብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሐወክ ወይረድኣ እግዚአብሔር ፍጽመ። መዝ.45፣4-5። ሮሜ .8፣31- ፍጻሜ ። 2ይዮሓ.፣1፣1-7። ግ,ሓዋ, 1፣12-15 ወንጌል. ማቴ.26፣-26-31። ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ዝርከቡ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ከምዝነጉርናን ኣብ እዋን ጾመ ፍልሰታ ብብዝኂ ዝነገረሉ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዕረፍታ ከምዚ ይመስል። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍታ ምስ ኣኸለ ሓዋርያት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ናብ ዝዓርፈሉ ጌቴሰማኒ መካነ ዕረፍቲ ሒዞማ እንዳኸዱ ከለው፣ ኣይሁድ ብናይ ቅንኣት መንፈስ ተላዒሎም << ኣቀዲሙ ንወዳ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ሙታን ተንሲኡ፣ ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቱ (40) ናብ ሰማይ ዓሪጉ፣ ዳሕራይ'ውን ተመሊሱ መጺኡ ነዛ ዓለም ክፈርዳ እዩ። >> ኢሎም ብምምሃር ንኹሉ ህዝቢ ወሲዶሞ እዮም። ሕጂ ከኣ ስቕ ኢልና እንተገዲፍናዮም ንኣዲኡ'ውን ከም ወዳ ተንሢኣ ዓሪጋ እንዳበሉ እንዳምኃሩ ከይህውኹና ብምባል ብትዕቢትን ቅንኣትን መንፈስን ተላዒሎም ፣ << ንዑ ተኣከቡ እሞ ብሓዊ ነቃጽላ ኢሎም።>> ብምባል ተማኺሮም መጹ። ካብ መንጎኦም ከኣ ታውፋንያስ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ጎበዝ መንእሰይ መሪጾም ከቃጽል ለኣኽዎ። ንሱ ከኣ ነቲ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሥጋኣ ዝዓረፈትሉ ክሕዝ ኢዱ ምስ ሰደደ ሓዞ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ መልኣኽ መጺኡ...

ደብረ ታቦር

Image
  በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን። ደብረ ታቦር           ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ኣብ ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ፡ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ” ኢሉ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ንጴጥሮስን ንያዕቆብን ንዮሓንስ ኃዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ከም ጸሓይ በርሀ፡ ክዳኑ እውን ከም ጸሓይ ጻዕደወ። እንሆ ከኣ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ ክዘራረቡ ተራእይዎም። ጴጥሮስ ከኣ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ ኢዩ ፍቓድካ እንተኾይኑስ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ሓደ ንዓኻ፡ሓደ ንሙሴ ሓደ’ውን ንኤልያስ በሎ።  ጌና ጴጥሮስ እና ተዛራረቦ ከሎ ብሩህ ደመና ኣንጸላለዎም እንሆ ድማ ካብቲ ደመና “ዘፍቅሮ ብእኡ ዝተሓጎስኩ ወደይ እዚ ኢዩ ንዕኡ ስምዕዎ” ዝብል ድምጺ ተሰምዐ። ደቂ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግንባሮም ተደፍኡ ኣዝዮም ድማ ፈርሁ። ኢየሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም እሞ “ተንስኡ ኣይትፍርሁ” እውን በሎም ።ኣዒንቶም ንላዕሊ ቋሕ እንተበሉ ድማ ብዘይካ ኢየሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።ካብ እምባ ክወርዱ ከለዉ ኢየሱስ “ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳዕ ዝትንስእ ነዚ ዝረኣኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ” በሎም (ማቴ፲፯፡፩-፱/17፡1-9)። 1)ጎይታ ስለምንታይ ናብ ደብረ ታቦር ወጸ? ሀ) ምሳሌኡን ትንቢቱን ንምፍጻም፥ ምሳሌ፥ በዘመነ መሳፍንት ባራቕን ዲቦራን ንሲሳን ዝሰዓርሉ እምባ ኢዩ። በዚ ከኣ ባራቕ ናይ ጎይታ ምሳሌ ክኸውን ከሎ ሲሳን ከኣ ናይ ኣጋንንቲ ምሳሌ ኢዩ። ትንቢቱ፥”ታቦርን ኣርሞንኤምን(ሄርሞንን) ንስምካ ዕልል ይብሉ” ኢሉ ልቢ ኣምላክ ...

ጽንሰታ ለእግዝእትነ ማርያም

Image
 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ አሜን (፫)   ጽንሰታ ለእግዝእትነ ማርያም እንቓዕ ናብ'ዚ ዓብን ኩቡርን ፯.ነሓሰ ጽንሰታ ለእግዝእትነ ማርያምብሰላም ኣብጸሓና ፍቁራት ህዝበ ክርስትያን። ፯/7 ነሓሰ ጽንሰታ ለእግዝእትነ ማርያም ldettድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ኣብ ሕልና ኣምላኽ ዝነበረት ከም ምዃና ገና ከይተወለደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባኤ ተቆጺሩላ ዝነበረን፡ ምስ ተወልደት ውን ኣደ ኣምላኽ እና ተባህለት ከም እትነብር ቅዱሳን መጻሕፍቲ ዝመስከሩላ ኢዮም።ብዛዕባ ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ነቢይ ኢሰይያስ ካብ እግዚኣብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ትንቢት “ትወጽእ በትር እም ሰርወ እሰይ ወየዓርግ ጽጌ እምጉንዱ” ካብ ጉንዲ እሴይ በትሪ ክትወጽእ ካብቲ ጉንዲ በትሪ ድማ ዕምበባ ጠጥዔ ክወጽእ ኢዩ ተባሂሉ ተነጊሩ ኔይሩ። (ኢሳ ፲፩፡፩/11፡1)  ኣብዚ ቃል እዚ በትሪ ዝተባህለት ወይ ብበትሪ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ክትከውን ከላ ዕምባባ ወይ ጠጥዔ ዝተባህለ ድማ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም መጺኡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ካብኣ ምውላዱ ዘመልክት ትንቢት ኢዩ።ቅዱሳን ነቢያት እግዚኣብሔር ብዝገለጸሎም ረቂቕ ናይ ትንቢት ምስጢር ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ልደት በብግሎም ዝተነበዩ ነቢያት ብዙሓት’ዮም። ንኣብነት ቅድሚ ኢሳይያስ ዝነበረ ቅዱስ ዳዊት ንልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣመልኪቱ “እግዚኣብሔር ንጽዮን ሓርይዋ (መሪጽዋ) እዩ’ሞ መሕደሪኡ’ውን ክትከውን በሃጋ እዚኣ ንሃዋሩ መዕረፊተይ ኢያ ብሂገያ ኣለኹ’ሞ ኣብዚኣ ክነብር ኢየ” ይብል።(መዝ ፻፴፩፡፲፫-፲፬/131፡13-14) ጽዮን ኢሉ ጸዊዕዋ ዘሎ ንቅድስት ድንግል ማርያም ምዃኑ ምግንዛብ ...

ፍልሰታ ለማርያም

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  ፍልሰታ ለማርያም ፍልሰታ ለማርያም ትርጉም  ፍልሰታ ዝብል ቃል ‘ፈለሰ’ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፤ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝ፡ ሃገርካ ሰፈርካ ገዲፍካ ምኻድ ምስዳድ ምፍላስ ማለት እዩ። ፍልሰታ ለማርያም ክንብል ከሎና’ውን ሥጋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ጌቴሰማኒ ናብ ገነት ምፍላሱ፡ ዳኅራይ’ውን ካብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ናይ ገነት ምፍላሱ ዘመልክት እዩ። ብሓጺሩ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ምድያብ ወይ ምዕራጉ፡ ካብዚ ሥጋዊ ዓለም ናብቲ መንፈሳዊ ዓለም ምስግጋሩ፡ ካብዚ ሓላፋይ ዓለም ናብቲ ዘይሓልፍ ዓለም ምሕላፉ ዘመልክት እዩ።  ጾመ ፍልሰታ ክንብል ከሎና’ውን ሓዋርያት ናይ ኣዴና ሥጋ ናበይ ከምዝፈለሰን ከምዝተቐብረን ስለዘይፈለጡ እግዚአብሔር ክገልጸሎም ምእንቲ ብዛዕባ ሥጋ ኣዴናን ትንሣኤኡን ዕርገቱን ዝጾምዎ ጾም እዩ። ዜና መዋዕል  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኣቡኣ ኢያቄም ኣዴኣ ሐና “እም ሊባኖስ ትወጽእ መርዓት” ተባሂሉ ብመሠረት ዝተነግረላ ትንቢት ፯ ነሓሰ ተጸኒሳ ባሕቲ ግንቦት ኣብ ኣኽራናት ሊባኖስ ተወልደት። ጓል መብጽዓ ኸኣ እያ። ዝተወለደትሉ ዘመን ኸኣ ፲፭ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እዩ።  ኣዴና ኣብ ቤት ኣቡኣ ፫ ዓመት ኣብ ቤተ መቅደስ ኸኣ ፲፪ ዓመት፡ ምስ ወዳ ኸኣ ፴፫ ዓመትን ፫ ወርሕን፡ ምስ ዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ ኸኣ ዳርጋ ፲፭ ዓመት ተቐሚጣ፤ ብጠቕላላ ኣብ መበል ፷፬ ዓመት ኣብዚ ምድሪ ድኅሪ ምንባራ ፳፩ ጥሪ ከባቢ ፶ ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልየት።  ትንቢት  ነቢያት ኣቐዲሞም ብዛዕባ ዕረፍትን ትንሣኤን ኣዴና ቅድስት ድንግል ብምሳሌን ብምሥጢርን ተዛሪቦም ነይሮም። ከም ኣብነት ቅዱስ ...