Posts

Showing posts from September, 2023

እሴብሕ ጸጋኪ

  እሴብሕ ጸጋኪ ዘዘወትር እሴብሕ ጸጋኪ ኦ እግዝእትየ ማርያም፤ አንቅሕኒ እምንዋም፤ ወፈውስኒ እምሕማም፤ ወአድኅንኒ እመከራ ዝንቱ ዓለም። ሙዳየ ዕፍረት ማርያም፣ መላእክት ይሴብሑኪ በዓርያም፤ ወበምድር ደቂቀ አዳም ለዓለመ ዓለም።አሜን። ዘሐዋርያት፣ደብረ ዘይት፣ጻድቃን፣ ሰማዕታት እሴብሕ ጸጋኪ ኦ እግዝእትየ ማርያም አንቀጸ ብርሃን፤ ወሙዳየ ቅዱስ ቊርባን። ወለተ ነቢያት ቅዱሳን፤ ስብከተ ሐዋርያት ፍንዋን፤ እመ ሰማዕታት መዋዕያን፤ ትምክሕቶሙ አንቲ ለመነኮሳት ገዳማውያን። አመ ይመጽእ ወልድኪ መንፈቀ ሌሊት በሥልጣን፤ አሜሃ ይበክዩ ኃጥአን፤ ወይትፌሥሑ ጻድቃን፤ ትብሕም አፍ ወትትዐሠር ልሳን። አሜሃ ዕለተ ያቁመነ በየማን፤ ምስለ አባግዒሁ ቡሩካን፣ በደብረ ጽዮን መካን፣ ወክመ እምይእዜ ወእስከ ለዓለም።አሜን። ዘመነ ጽጌ እሴብሕ ጸጋኪ ኦ እግዝእትየ ማርያም ዕፅ ልምልምት ወፍሬ ጥዕምት፤ እምሐና ወኢያቄም ዘሠረፀት። ሐረገ ወይን ሐረገ ወይን ሐረገ (ዐፀደ) ወይን አንቲ ማርያም (የተሠመረበትን ሐረግ በየምዕራፉ እያስገባህ በል።) ትመስሊ ፊደለ፤ ወትወልዲ ወንጌለ፤ ወታገምሪ መስቀለ።ሐረገ ወይን... ትመስሊ ሰማየ፤ ወትልዲ ፀሐየ፤ ወታገምሪ አዶናየ። ሐረገ ወይን... ትመስሊ መሶበ፤ ወትወልዲ ኮከበ፤ ወታጸግቢ ርኁበ።ሐረገ ወይን... ትመስሊ መቅደሰ፤ ወትወልዲ ንጉሠ፤ ወታገምሪ መንፈስ ቅዱሰ።ሐረገ ወይን... ትመስሊ ጽላተ፤ ወትወልዲ ታቦተ፤ ወታገምሪ መለኮተ።ሐረገ ወይን... ትመስሊ ደመና፤ ወትወልዲ ኅብስተ መና፤ ወታገምሪ ጥዒና። ሐረገ ወይን... ትመስሊ ገራህተ፤ ወታፈርዪ ሰዊተ፤ ወታጸግቢ ነፍሳተ።ሐረገ ወይን... ትመስሊ ስኂነ፤ ወትወልዲ መድኅነ፤ ወትፌውሲ ቁሱላነ። ሐረገ ወይን... ትመስሊ ምሥራቀ፤ ወትወልዲ መብረቀ፤ ወታለብሲ ዕሩቀ።ሐረገ ወይን... ስብሐት ለ...

ጸሎት ዘዘወትር

  ጸሎት ዘዘወትር ጸሎት አአትብ ገጽየ ወኲለንታየ በትእምርተ መስቀል፣  አሜን። በስመ አብ: ወወልድ: ወመንፈስ ቅዱስ: አሐዱ አምላክ : በቅድስት ሥላሴ፣እንዘ ኣአምን ወእትመኃጸን፣ እክህደከ ሰይጣን፣ በቅድመ ዛቲ እምየቅድስት ቤተክርስቲያን፣ እንተይእቲ ስምእየ ማርያም ጽዮን፣ ለዓለመ ዓለም፣አሜን። ነአኩተከ እግዚኦ ወንሴብሓከ፣ ንባርከከ እግዚኦ ወንትአመነከ ፣ ንስእለከ እግዚኦ ወናስተብቁዓከ ፣ ንገኒ ለከ እግዚኦ፣ ወንትቀነይ ለስምከ ቅዱስ። ንሰግድ ለከ፣ ኦ ዘለከ፣ ይሰግድ ኩሉ ብርክ ፣ ወለከ ይትቀነይ ኩሉ ልሳን። አንተ ውእቱ ኣምላከ ኣማልክት፣ ወእግዚኣ ኣጋእዝት ፣ወንጉሰ ነገስት፣ ኣምላክ አንተ ለኩሉ ዘሥጋ ፣ወለኩላ ዘነፍስ፣ ወንጼውኣከ ንሕነ፣ በከመ መሃረነ ቅዱስ ወልድከ ፣ እንዘ ይብል አንትሙሰ ሶበ ትጸልዩ ከመዝ በሉ። አቡነ ዘበሰማያት ይትቀደስ ስምከ፣ ትምጻእ መንግሥትከ ፣ወይኩን ፈቃድከ ፣ በከመ በሰማይ ፣ከማሁ በምድር፣ ሲሳየነ፣ዘለለ ዕለትነ፣ሃበነ ዮም። ኅድግ ለነ፣አበሳነ ወጌጋየነ፣ ከመ ንሕነኒ ንኅድግ ለዘአበሰ ለነ። ኢታብአነ እግዚኦ ውስተ መንሱት፣ ኣላ አድኅነነ ወባልሐነ፣እምኩሉ እኩይ፣ እስመ ዚኣከ፣ይእቲ መንግሥት፣ኃይል ወስብሐት፣ ለዓለመ ዓለም፣አሜን። በሰላመ፣ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ፣ ኦ እግዝእትየ ማርያም ሰላም ለኪ፣  ድንግል ብኅሊናኪ ፣ወድንግል በሥጋኪ። እመ እግዚአብሔር ጸባዖት ሰላም ለኪ። ቡርክት አንቲ እምአንስት፣ ወቡሩክ ፍሬ ከርሥኪ። ተፈሥሒ ፍሥሕት ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምስሌኪ። ሰአሊ ወጸልዪ ምሕረት በእንቲኣነ፣ ኀበ ፍቁር ወልድኪ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከመ ይሥረይ ለነ ኃጣውኢነ። ጸሎተ ሃይማኖት ነአምን በአሐዱአምላክ እግዚአብሔር አብ፣ አኃዜ ኩሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ፣ ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ። ወነአም...

ሊቀ ነቢያት ሙሴ

Image
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ ! 8 መስከረም ዕረፍቲ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ሙሴ ማለት ካብ ማይ ዝወጸ፡ ኣብ ማይ ዝተረኽበ ማለት እዩ። ትውልዱ ካብ ነገደ ሌዊ ኮይኑ ኣቦኡ እምበረም፡ ኣዲኡ ድማ ዩካብድ ይበሃሉ። ዝተወለደሉ ቦታ ግብጺ እዩ። እስራኤላውያን ወዲ እንተወሊዶም ክቐትልዎም ብፎርኦን ትእዛዝ ተዋሂቦም ክሳዕ ሙሴ ዝዉለድ ሸውዓተ ወርሒ ኣቑጺሮም ነበሩ(ኩፋ 32፡24)። ሙሴ ምስ ተወለደ፡ “ለዝንቱ ሕጻን ይከድኖ ሞገስ እምንዕሱ” ከምዝበሃል፡ኣብ ገጹ ብርሃን ተሳኢሉ ነበረ። “ዓቀብተ መወልዳን ፎሓ፡ ሲፓራ ለዝሰ/ ለዝንቱ ሕፃንሰ ዘፈጠሮ ይቅትሎ”  እተን መሕረስቲ ፎሓን ሲፓራን ዝተባህላ ግርምኡን ብርሃኑን ርኤን ነዝስ እቲ ዝፈጠሮ ይቅተሎ ኢለን ገደፍኦ። ኣዲኡ ዩካብድ ንሠለስተ ወርኂ ሓቢኣቶ ድኅሪ ምጽናሕ ኣብ ሳንዱቕ ዓሺጋ ኣብ ገምገም ሩባ ኣቐመጠቶ። ለይቲ ለይቲ እናኸደት ድማ ተጥብዎ ነበረት። ብመዓልቲ ድማ ሓብቱ ማርያም ትሕልዎ ነበረት። ኣብ ሻውዓይ መዓልቱ ተርሙት ጓል ፎርዖን ኣገልገልታ ኣኸቲላ ክትሕጸብ ናብቲ ሩባ ምስ ወረደት ብኽያት ናይ ሕጻን ሰምዐት። ነቲ ሳንዱቅ ከፊታ ድማ ኣውጻኣቶ። “እማይ ዘአዉጻእኩዎ/ካብ ማይ ዘውጻእኽዎ/ዝረኸብክዎ” ብምባል ሙሴ በለቶ። ሓብቱ ማርያም ብማዕዶ ኮይና ትዕዘብ ስለዝነበረት፡ ኣጥብያ እተዕብየለይ እንተዝረክብሲ ክዳውንታን፡ ቀለባን እናሃብኩ መንበርክዋ ነይረ ክትብል ከላ ሰምዓታ። ቀሪባ ድማ ከምዚ እትብልዮ ዘለኺ ከምጽኣልኪ'ዶ፧ በለታ። ተርሙት ድማ ተሓጊሳ እወ ኣምጽእለይ በለታ። ማርያም ድማ ኵሉ ነገር ነዲኣ ነጊራ፥ ነዲኣ ኣምጽኣትላ። ተርሙት ድማ ንስኺ እንዳ ኣጥበውኪ የዕብይለይ ኢላ ዘድልያ ኩሉ ሃበታ፡ኣዲኡ ዩካብድ ድማ ብሞግዚትነት የዕበየቶ(ዘጸ 2፡1-10 , ኩፋ 32፡20-24 እብ 11፡23)። ...

ሓድሽ ዓመት

 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን።    ኣቆጻጽራ በዓላት ዘመነ ዮሓንስ ፳፻፲፪ ዓ.ም           ባሕረ ሓሳብ  እግዚኣብሔር ኣምላኽና ቅዱስ ዝኾነ ቅኔ ጳጉሜን ኣፈጺሙ ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ዮሓንስ ብሰላምን ፍቕርን ጥዕናን ዘብጸሓና ክብርን ምስጋናን ኣምልኾን ወዳሴን ሎምን ንዘልኣለምን ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኹኖ። ኣማላድነት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ፥ረዲኤት ናይ ኩሎም ቅዱሳንን ኣይፈለየና ሩሑስ ኣውደኣመት ይግበረልና ኣሜን።   ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት መቑጸሪ ዓመታ ኩሉ ግዜ ሓደ መስከረም ኮይኑ። መሰረቱ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ርእሰ ኣውደኣመት ዮሓንስ ወላዴ መጥቅዕ ወኣበቅቴ ድማ ይብለና። ምኽንያቱ ዮሓንስ መጥምቅ ካብ ብሉይ ኪዳን ናይ መወዳእታ ነብይ ኪኸውን ከሎ ፥ ካብ ሓድሽ ኪዳን ድማ ናይ መጀመሪያ ሓዋርያ እዩ። ስለዚ ናይ መሰጋገሪ ዘመን ብዮሓንስ መጥምቅ ኮይኑ። ትንቢተ ኢሳይያስ 40 ንመልከት። ስለዚ ሓድሽ ዓመት ናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ብዮሓንስ መጥምቅ ስያሜ ይስየም። ዓመታዊ በዓለ ልደቱ 30 ሰነ ክኸውን ከሎ በዓለ ሰማእትነቱ እውን 2 መስከረም እዩ።    ሓድሽ ዓመትና ንምንታይ ኣብ መስከረም ይውዕል  ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚርና ዘመን ምስ እንቆጽር እዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ኣብ ወርሓ መጋቢት 29 ከም ዝተፈጥረት ባሕረ ሓሳብ ወይ ኣቡሻክር ይነግረና ። ኦሪት ዘሌዋውያን 23፥23 ንመልከት። ከምኡ ድማ እስራኤላውያን ሓድሽ ዓመት ከብዕሉ ብሊቀ ነብያት ሙሴ ከም ዝተነግሮም መሰረት ኣብ መበል ሻውዓይ ወርሒ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ ዕለት ዓብይ በዓልን ሓድሽ ዓመትን ...

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል

Image
  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።   ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል   እንቓዕ ናብ ዓመታዊ በዓለ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ብሰላም ኣብጸሓና ስድራ ክርስቶስ።  ናይ መላእኽቲ ተፈጥሮ ናይ መላእኽቲ ተፈጥሮ ካብ ሓውን ንፋስን ብምዃኑ ንተልእኾ ቅልጡፋት፤ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ ዘይደልዩ፤ ኃይሎም ዘይደኽም፡ ተፈጥሮኦምውን ዘይዓርግ ረቂቓን ፍጥረት እዮም። ካብቲ ብዙኅ ዝኣገልግሎቶም ኸኣ እቲ ቀንዲ ንእግዚአብሔር ምምስጋን፤ ካብን ናብን እግዚአብሔርን ሰብን መልእኽቲ ምብጽጻሕ እዩ። ንእግዚአብሔር የገልግሉ፤ ንደቂ ሰባት ድማ ይራድኡ። ካብ እግዚአብሔር በብዝተዋህቦም ክፍሊ ዕዮን ሽመትን ኪዳንን ኸኣ ዝተፈላለየ ውህበታትን ኣገልግሎትን ኣለዎም። ስለዚ ኸኣ ዝፍጽምዎም ተግባራትን፡ ዝገብርዎ ተኣምራትን ይፈላለ እዩ። ብዝኂ መላእኽቲ ክንድ’ዚ እዩ ተባሂሉ ክንገር ዘይከኣል ኣዝዩ ብዙኅ እኳ እንተኾነ፡ ነገደ መላእኽቲ ግና ብቍጽሪ ፺፱ (99) ምዃኖም ቅዱስ መጽሓፍ ይነገረና። (ማቴ ፲፰፥፲፪/18፥12) እዞም ነገዳት ኸኣ ሸውዓተ ሊቃነ መላእኽቲ ኣለዎም። (ራእ ፰፥፪/8፥፪) ቅዱስ ሩፋኤል ሓደ ካብኣቶም ኮይኑ ብማዕረጉ ሣልሳይ ሊቀ መላእክት እዩ። ኣብ ጸሎትና’ውን ድኅሪ ሊቃነ መላእክት ቅዱስ ሚካኤልን  ቅዱስ ገብርኤልን ኣብ ሣልሳይ ደረጃ እንጽውዖ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል እግዚአብሔር ዝሃቦ ፍሉይ ሽመትን ኪዳንን ኣለዎ። ሩፋኤል ማለት ፈውሰ አምላክ፤ ፈዋሴ አምላክ፤ ዘሥዩም ዲበ ፈውስ ማለት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እግዚአብሔር መድኃኒት እዩ ማለት እዩ። ብኻልእ ትርጉም’ውን ንልቢ ባህ ዘብል ዘሕጒስ ናይ ኣምላኽ ሓጐስ ማለት’ውን እዩ። ሲመት ሲመት ቅዱስ ሩፋኤል ሕሙማን ብምፍዋስ፡ ኣጋንንቲ ብምውጻእ፡ ዓይኒ ዕዉራ...

ጳጒሜን

Image
    በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜን። ጳጒሜን   1.0 ስያመን ትርጉምን ጳጒሜን ከምቲ ኵልና እንፈልጦ ድኅሪ መጨረስታ ወርሒ ነሓሰን ቅድሚ ምእታው ሓድሽ ዓመት መስከረምን ዝርከብ ዕለታት እዩ። ከም ልምዲ ኸኣ መበል ፲፫ ወርሒ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ እዩ፤ ምስቲ ኣብ ፍረ ዝበጽሕ ዘሎ እዋን ኣእካልን ጽልዋን ጕድኣት ተወሳኺ ማይ ክራማትን ብምትሕሓዝ ጸያቕ ኣዋርሕ ተባሂሉ ዝቕጸለሉ ጊዜውን ኣሎ። ምስቲ ምውሓድ ናይቲ መዓልትታውን ደቂቅ ወርኅ ዝብልዎውን ኣለዉ። እቲ ቃል ጥንቱን ሥርወ ቃሉን ካብ ጽርኢ ምዃኑ ይንገር፡ ሄፖጎሜኔ (epagomene) ድማ ይብልዎ። ትርጉሙ ድማ ወሰኽ ማለት እዩ። ተረፍ ዝብል ትርጉምውን ዝህበሉ ጊዜ ኣሎ። ሰባት ኸኣ ነዚ ወርሒ ንምጥቓስ ዝተፈላለየ ኣጸሓሕፋ ስያመ ይጥቐሙ፤ ጳጒመ(ን)፡ ጳጉመ(ን)፡ ጳጉሜ(ን)፡ ጳግሜ(ን) ገለ ካብኣቶም ኮይኖም ብሂል ምስ ባህሊ ዘዛመደ ብናይ ትግርኛ ውርሻዊ ኣበሃህላ ኸኣ ቋግመ (ቋግሜ) ወይውን ጓቝመ (ቋግሜ) ይበሃል። ቅብጣውያን Pi Kogi Enavot ወይውን El Nasii ኢሎም ይጽውዕዎ። 2.0 ቀመረ ጳጒሜን ቤተ ክርስቲያንና ፍሉይ ካብ ዝገብራን ጥንታዊን መንፈሳዊን ሥርዓት ከም ዘለዋ ካብ ዝምስክሩ ነገራት እቲ ሓደ ባዕላ እትውንኖን ንኵሉ ሥርዓተ ኣምልኾታን ኣገልግሎታን እትጥቀመሉ ጥንታዊ ኀሳበ ዘመን (ካላንደር) ዘለዋ ምዃኑ እዩ። ምስ ናይ ካልኦት ባሕረ ሓሳብ ድማ ዝዛመደሉን ዝፈላለዪሉን ባህርያትን ኣገባብን እኳ እንተለዎ፡ መበቖላዊን ብገዛእ ርእሱ ንበይኑ ዝግለጸሉን ዝውንኖን ባህርያት ቀመር ዘለዎ ምዃኑ ኣብዚ ሞያ እዚ ሰፊሕ ፍልጠት ዘለዎም ሊቃውንቲ ዝገልጽዎ እዮም። ካልኦት ብፍላይ ምዕራባውያን ብስም ‘ምትእርራይ’ በብእዋኑ መጽናዕቲ እናካየዱ ኣብ ሰብኣዊ...