Posts

Showing posts from 2024

ገብርኤል መልአኽ

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ገብርኤል መልአኽ  " ዓቢይ ውእቱ ክብር ዘተዋህበ ለከ ኦ ገብርኤል መልአክ ዜናዊ ፍሡሐ ገጽ/ ‘’ኦ ገብርኤል መልአኽ በዓል ዓቢይ ብሥራት ነኣኻ ዝተዋህበ ክብሪ ዓቢይ እዩ " ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ናይ ረቡዕ ውዳሴ ማርያም ‘ኦ ገብርኤል መልአኽ በዓል ዓቢይ ብሥራት ነኣኻ ዝተዋህበ ክብሪ ዓቢይ እዩ፣ ናባና ዝመጸ ልደት ጐይታ ነገርካና፡ ኣቐዲምካ’ውን ነታ ርስሓት ዘይብላ ድንግል ማርያም ፅንሰቱ ነገርካያ። ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ካብ ሥጋኺ ሥጋ ካብ ነፍስኺ ነፍሲ ተዋሒዱ ምሳኺ ሓደ ኮይኑ እዩ እሞ ተፈሥሒ በልካያ’ ብምባል ንኽብርን ዕቤትን ተልእኾን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ሄኖክ’ውን ንልዕልና ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ‘ገብርኤል ፩ዱ እመላእክት ቅዱሳን/ ካብ ዝኸበሩ ካብ ሊቃነ መላእክት ሓደ ገብርኤል እዩ፣ ከምኡ’ውን ሥልጣኑን ተልእኾኡን ዘዲበ አኪስት/ ኣጋንንት መርዚ ከይብጽብጹሉ ኣብ ልዕሊ ዓይኒ ማያት ዝተሾመ፡፣ ወዘዲበ ገነት/ ኣብ ገነት ዘለዉ ዕፀዋትን ኣዕዋፍን ዝተሾመ . . . ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ሄኖ. 6፡7) ቅዱስ ገብርኤል ናብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተላእከሉ ምሥጢር ረቂቅ እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቤት ኣረጋዊ ዮሴፍ እናተቀመጠት ከላ ማይ ኽትቀድሕ ናብ ሩባ በጺሓ ክትምለስ ከላ ጐይታ ‘ሑር አብሥራ ለእምየ ማርያም ከመ እትወለድ እምኔሃ’ ካብኣ ንኽውለድ ኬድካ ንድንግል ማርያም ንገራ፡ ኢሉ ንቅዱስ ገብርኤል ለኣኾ። ብዛዕባዚ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ‘’ኣብ ሻድሸይቲ ወርኂ ገብርኤል መልአኽ ናብ ናዝሬት እትበሃል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ እግዚአብሔር ተላእከ’’ ኢሉ ኣሎ። ሉቃ. 1፡26-27 ሻዱሻይ ወርኂ ዝተባህለ፦...

ወተመይጠት ማርያም ሃገረ እስራኤል አቡሃ"

Image
 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! "ወተመይጠት ማርያም ሃገረ እስራኤል አቡሃ" ጉዕዞ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስለ ፍቁር ወልዳን ዮሴፍን ሰሎሜን ዝተኸተልዎ መንፈሳዊ ናይ በረኸት ስደት ኣብቂዑ ናብ ሀገረ እስራኤል ዝተመልሰትሉ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘርኣየና እግዚኣብሄር ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ አበው ኣባ ጽጌ ብርሃን ፍረ ካብ ፍዮሪ ዕንበባ ዕንበባ ካብ ፍረ ከምዝርከብ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንወዳ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍረን ብዕንበባን እንዳመሰል ኣብ ዝደረሶ ድርሰቱ ከምዚ ይብል፡ “አፈወ ሮማን ማርያም ጽጌ ቀናንሞ ወአበሜ፣  እስከ ተጸምሐየየ በጾም ዘመልክዕኪ ጊዜ ድክታሜ፣ እምተመነይኩ ተሳትፎ ከመ እኅትኪ ሰሎሜ፣  ወፍሥሓኪ ዘአልቦ ፍጻሜ ”፡፡   "ትርጉሙ “  ሽቶ ሮማን ዕንበባ ቀናንሞ ዝኾንኪ ቅድስት ድንግል ማርያም ግርማ መልክዕኺ ክሳብ ዝጽልምው ብስደትን ድኻምን ብዙሕ ብኽያት ዝበጽሓኪ  ኩሉ መከራ ፣ ኣነ’ውን ድሌተይከም ሓፍትኺ ሰሎሜ  ቲ’ መከራኺ ሓቢረ እንተዝቅበሎ ።”   ኣብ ብዙሕ ድርሳናት ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተጻሒፉ ዘይውዳእ እካ እንተ ኾነ ገለ ካብኡ ከኣ ኣብ አርክ ሥሉስ ኣብ ስደታ ዝበጽሓ ሓዘንን ሰቆቃውን እንዳዘከረ ኣብ “ ሰቆቃው ድንግል “ ዝደረሶ ድርሰቱ  ከምዚ ይብል “ ጸሓይ ትለብሲ ውሉደ ብርሃን ድንግል ማርያም ካብ ክፋእ ሄሮዶስ ንወድኺ ሒዝኪዮ ምስ ሃደምኪ ዝበጽሓኪ መከራ ወርሒ ዝወድዩ ኣእጋርኪ ብብዝሒ መገዲ ብዋዕየ ሑጻ ክቃጸል ከሎ ይትረፍ ሰብ ኣእማንውን ምበኸዩ ኔሮም...

ቅድስት ድንግል ማርያም

Image
 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን!!!  ፳፩\21 ጥቅምቲ ወርሓዊ በዓል ናይ እመ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ።     ትርጉም ስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፥     “ማርያም” ብዕብራይስጥ “ማሪሃም” ኪኸውን ከሎ፥ ትርጕሙ ድማ እመ ብዙኃን (ኣደ ብዙኃን) ማለት እዩ። እዚ ድማ "ኣብርሃም" ኣቦ ብዙኃን ተባሂሉ ከም ዝትርጐም ማለት እዩ።(ዘፍ ፲፯፥፭/17፡5) ብምሥጢራዊ ትርጕሙ ክረአ ኸሎ ድማ ሊቃውንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብኸምዚ ዝስዕብ ምሥጢራዊ ትርጕም ይገልጽዎ። ሀ) ማርያም ማለት ፍጽሞተ ሥጋ ወነፍስ/ ብድንግልና ሥጋ ብድንግልና ሕሊና ንጽሕቲ ፍጽምቲ ማለት እዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ነቢብ፡ ካብ ገቢር፡ ካብ ሐልዮ ኃጢአት ንጽሕቲ እያ። ኣደነት ምስ ድንግልና፡ ድንግልና ምስ ኣደነት ኣጣሚራ ዝኃዘት ማለት እዩ። እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ንጹሕ ስለ ዝኾነ ንእኡ ትበቅዕ ንጽሕቲ መኅደሪት እያ። እዚ ድማ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም “ወሶበ ርእየ ንጽሕናኪ ለሊሁ እግዚአብሔር አብ ፈነወ ኀቤኪ መልአኮ ብርሃናዌ ዘስሙ ገብርኤል ወይቤለኪ መንፈስ ቅዱስ ይመጽእ ላዕሌኪ ወኀይለ ልዑል ይጼልለኪ፡ ወመጽአ ቃል ኀቤኪ እንዘ ኢይትፈለጥ እምሕፅነ አቡሁ” ከምኡ ድማ “ወሶበ ረከበ ሥጋሃ ቅዱሰ ወነፍሳ ቅድስተ ፈጠረ ሎቱ በመንፈስ ቅዱስ ሕያወ መቅደሰ” (ሃ.አበው) ከም ዚብል መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍስ ዘይብላ ኣማሊዳ በረከተ ሥጋ በረከተ ነፍሥ እተውህብ፡ ብድንጋሌ ሥጋ ብድንጋሌ ነፍስ ጽንዕቲ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም መኅደሪቱ ኽትከውን መረጻ። ብተወሳኺ ኣባ ሕርያቆስ ደጊሙ እታ እንኮ ፍጽምተ ሥጋ ወነፍስ ድንግል ማርያም ምዃና ከረድእ ከሎ “እግዚአብሔር ነፀረ ...

በዓለ መስቀል

Image
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን።!   በዓለ መስቀሉ  ወወሀብኮሙ ት እምርተ ለእለ ይፈርሁከከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት ወይዲኃኒ ፍቁራኒከ መዝ ፶፱፡፬ ወወሀብኮሙ ት እምርተ ለእለ ይፈርሁከከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት ወይዲኃኒ ፍቁራኒከ መዝ ፶፱፡፬ መስቀል ብፊደልን ብቅርጽን ኣርባዕትነት ዘለዎ እዩ። ይኹን ድኣ እምበር ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንኽቅድስ ቅርጺ ዘለዎ ኣርባዕትነት ዘለዎ መስቀል ተሰቕለ ሎሚ ውን ኩሉ ዓለም ዝጥቀመሉ ነዚ መስቀል እዩ ። "መስቀል ሓጺር ቃል እዩ ግን እዚ ቃል ክንገርን ክስማዕን ከሎ ናብ ክርስቲያናዊ ዝኾነ ሰብ ብዕምቘት ናብ ልቡ ኣትዩ ነገረ መስቀል ይዝክር ኩሉ ርእሱ ዘየድንን ንነገረ ድሕነቱ ዘይዝክርን የለን "። ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙን ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይን ። ”መስቀል መልእልተ ኩሉ ነገር” መስቀል ካብ ኩሉ ንላዕሊ እዩ ። እግዚአብሔር ዓለም ዘድሓነሉ ካብ ጥበባት ኩሉ ንላዕሊ ዝኾነ ጥበብ እዩ እሞ ኣብ መስቀል ናይ እግዚአብሔር አብን እግዚአብሔር ወልድን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስን ፍቅሪ ተገልጸ። ወልድ ብገዛእ ፍቃዱ፡ ብናይ ባህሪ ኣብኡ ፍቃድ፡ ብናይ ባህሪ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ ፍቃድ፡ ሰብ ኮይኑ ኣብ መልእልተ መስቀል ሞይቱ ኣድሒኑና እዩ ። ብመስቀል ናይ ሲኦል መሰረት ተዓጽወ ሰብን እግዚአብሔርን ፈላልዩ ዝነበረ መጋረጃ ተቀደ፡ ናይ ጽልኢ መንደቅ ፈረሰ፡ ሞት ተሳዕረ ናይ ትንሳኤ መንገዲ ተኸፍተ። ናይ መስቀሉ ነገር ብደቂ ሰብ ኣእምሮ ክግለጽ ዘይክኣል ረቂቕ እዩ ። ኣምላኽ ሰብ ክሳዕ ምዃኑን ስጋዕ ሞት ዘብቅዖ ፍቅሪ: ደቂ ሰብ ካብ ምዝካር ሓሊፉ ምምርማርን ድርሰ ነገሩ ምስትውዓል ኣይክአልን እዩ።  ንግስቲ እሌኒ ነገረ መስቀል ብተመስጦ ክትሓስብ...

ጽንሰታ_ለእግዝእትነ_ቅድስት_ድንግል_ማርያም

Image
  በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን።! ጽንሰታ_ለእግዝእትነ_ቅድስት_ድንግል_ማርያም Son St Michael  7_ነሓሰ_ጽንሰታ_ለእግዝእትነ_ቅድስት_ድንግል_ማርያም ፯/7 ነሓሰ ጽንሰታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ኣብ ሕልና ኣምላኽ ዝነበረት ከም ምዃና ገና ከይተወለደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባኤ ተቆጺሩላ ዝነበረን፡ ምስ ተወልደት ውን ኣደ ኣምላኽ እና ተባህለት ከም እትነብር ቅዱሳን መጻሕፍቲ ዝመስከሩላ ኢዮም። ብዛዕባ ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ነቢይ ኢሰይያስ ካብ እግዚኣብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ትንቢት “ትወጽእ በትር እም ሰርወ እሰይ ወየዓርግ ጽጌ እምጉንዱ” ካብ ጉንዲ እሴይ በትሪ ክትወጽእ ካብቲ ጉንዲ በትሪ ድማ ዕምበባ ጠጥዔ ክወጽእ ኢዩ ተባሂሉ ተነጊሩ ኔይሩ። (ኢሳ ፲፩፡፩/11፡1) ኣብዚ ቃል እዚ በትሪ ዝተባህለት ወይ ብበትሪ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ክትከውን ከላ ዕምባባ ወይ ጠጥዔ ዝተባህለ ድማ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም መጺኡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ካብኣ ምውላዱ ዘመልክት ትንቢት ኢዩ። ቅዱሳን ነቢያት እግዚኣብሔር ብዝገለጸሎም ረቂቕ ናይ ትንቢት ምስጢር ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ልደት በብግሎም ዝተነበዩ ነቢያት ብዙሓት’ዮም።ንኣብነት ቅድሚ ኢሳይያስ ዝነበረ ቅዱስ ዳዊት ንልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣመልኪቱ “እግዚኣብሔር ንጽዮን ሓርይዋ (መሪጽዋ) እዩ’ሞ መሕደሪኡ’ውን ክትከውን በሃጋ እዚኣ ንሃዋሩ መዕረፊተይ ኢያ ብሂገያ ኣለኹ’ሞ ኣብዚኣ ክነብር ኢየ” ይብል።(መዝ 131፡13-14) ጽዮን ኢሉ ጸዊዕዋ ዘሎ ንቅድስት ድንግል ማርያም ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።        ...

ሚካኤል

Image
  በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን።!   ቅዱስ ሚካኤል ዘወርሒ ኃምለ ተኣምር ቅዱስ ሚካኤል ዘወርሒ ኃምለ ። ተፈጥሩኡ ነደ እሳት ዝኾነ ቀዳማይን ተኸታልን ዘይቡሉ ናይ እግዚኣብሔር ኣጋልጋላይ ዝኾነ ፡ ማዕሩጉ ልዕል ዝበለ ከናፍሩ ናይ ምስጋና መፍሰሲ ዝኾነ ካብ ዘረቡኡ ናይ ሓዊ ብልኾታ (ነጸብራቓዊ ሓዊ) ዝወጽእ ፡ መጎናጸፊኡ እሳት ልብሱ ኣሳት ፡ ብነበልባል ሓዊ ዝተሸለመ ፡ናይቶም ጸለእትና ድኹማት ሰራዊት ሳጥናኤል ፡ ዝዓጽደሉን ዝቐዝፈሉን ናይ ስላሴ ሴይፍ ብኢዱ ዝሓዘ ናይ መላእክት ሓለቓ ቅዱስ ሚካኤል ዝገቦሮ ተኣምር እዚ እዩ ። ናይ’ቲ ኩብሩን ርህሩህን ዝኾነ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ካብ ፍላጻ ጸላኢ የድሕነና፡ ጥዑም ድምጺ ዜማ ዘለዎ ካብ ኣጽናፍ ናብ ኣጽናፍ ኣብ ኣርያም ብኣኽናፉ ዝመላለስ ካብ ናይ ጸላኢ ፍላጻ፡ ካብ መኣሰርቲ ሲኦል፡ ካብ ኣፍ በላዒ ተኹላ ርጉም፡ ካብ ማእሰርቲ ሰይጣን ሕሱም የድሕነና ለዓለም ኣለም ኣሜን! ኣብ ሓንቲ ሃገር ሓደ ክርስቲያናዊ ሰብኣይ ነበረ ። ካብ ዕለታት ሓንቲ ማዓልቲ ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል ዝኽበረሉ ዝነበረሉ ዕለት እዚ ፍጻሜ ተፈጸመ ፡፡ ኣብ ቅዳሴ ፡ ኤጲስ ቆጶሳት ፡ቀሳውስት ፡ ዲያቆናት ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ስርዓተ ቅዳሴ ዝፍጸመሉ ዝነበረ ግዜ ፡ ኣመንቲ ክርስቲያን ዝኾኑ ብዙሓት ሰባት ፡ ስጋኡን ደሙን ንምቅባል ፡ ሕግን ስርዓትን ብዝሓዘ መሰረት ደው ኢሎም ነበሩ ።  ናይ እግዚኣብሔር ወልድን ፡ ናይ ኣምላኽነቱን ነገር ዝገልጽ ቓል ወንጌል ኣብ ዝንበበሉ ዝነበረ ሰዓት ርኹስ መንፈስ ዝሓዶሮ ፡ ንቡዝሕ ዘመናት ፡ ብኡኩያት ኣጋንንቲ ዝተፋላላየ ዝሳቀ ዝነበረ ሓደ ሰብ መጸ ። ናብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣተወ ፡ ኩሉ ህዝቢ’ውን ይርእዮ ነበረ። ብኣዝዩ ሓያል ድምጺ...

ሚካኤል

ሚካኤል

ሚካኤል

ሚካኤል ዘወርሒ መጋቢት

Image
  በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።! ተኣምር ቅዱስ ሚካ ኤል ናይ ወርሒ መጋቢት   መልኣከ ምክሩ ንኣብ፡ ናይ እሳት ነበልባል ካብ ኣፉ ዝወጽእ፡ ጥዑመ ዜማ ድንቂ ምስጋና ዝፍልፍለሉ መልኣከ ኢዩ።ልማኑኡን ኣማላድነቱን ፡ ካብ ብግብ ዝበለ ጸልማት ምካድ፡ ካብ ናይ ቀትሪ ጋኒን፡ ካብ ብሱዉር ዝመጸና ናይ ሰይጣን ተንኮል፡ ንኩላትና የድሕነና ንዘልዓለም ዓለም ኣሜን! ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ሓደ ሃገር ትነብር ነበረት ። እታ ሰበይቲ ክብርትን፡ ልዕልትን በዓልቲ ቡዝሕ ሃብቲ ዝነበራ እያ። ንቅዱስ ሚካኤል ካኣ ብጣዕሚ ተፍቅሮ ነበረት ።በብወርሑ ድማ ጸበሉ ትገብር ብዓቢይ ፍስሃን ትግሃትን ተብዕሎ ነበረት። ንነዳያንን ንምሲኪናንን ሰናይ ትገብር ፡ ንጡሙያት ትዕንግል ፡ ንጹሙኣት ተርዊ፡ ንዑርቃት ተልብስ፡ ንሑዙናን ተጻናንዕ፡ ንትኩዛን ተሐጉሶም ፡ እዚ ድማ ምእንቲ ኩቡር ሱሙ ንቅዱስ ሚካኤል ኢላ ብእምነት ከምዚ ትገብር ነበረት፡፡ ካብ ማዓልታት ሓደ ማዕልቲ ቡርቱዕ ሕማም ሓዛ እቲ ሕማም ኣዝዩ ቡርቱዕ እኩይ ድዌ ነበረ። ምቅስቃስ ክሳብ ትስእን ኩሉ ነብሳ ሓበጠ። ኩሉ ኣካላታ ካኣ ከም እሳት ዋዓየ። ናብቶም ሓካይም ከኣ ሰብ ለኣኸት ። እቶም ገበርቲ ስራይ ካኣ ናብኣ መጹ እሞ ኩሉ ሕማማ ነገሮቶም። ንክፍውሱዋ ካኣ ቡዝሕ ገንዘብ ሃቦቶም ፡ ንሳቶም ካኣ ካብቲ መድኅኒቶም ፈውሲ ሃብዋሞ ኽፍውሳ ግን ኣይካኣለን ካብቲ ዝነበራ ንላዕሊ ካኣ ገደዳ። ኩሉ ንዋያ ካኣ ነቶም ሓካይም ሂባ ወድኣቶ። በቶም ሓካይም ዝሓብዋ ፈውሲ ጥዕና ክትረክብ ስለ ዘይካኣለት በዚ ግዜ እዚ እንባኣር ናብ እግዚኣብሔር ለመነት ዓዕይንታ ናብ ሰማይ እንዳ ጠመተት ብዓብይ ድምጺ ከምዚ እንዳበለት ጸለየት ፡ ኦ! ጐይታይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላኣክት መልላከ ይቅረታን ምሕረትን ...

ሚካ

ሚካ

ዕርገት ክርስቶስ

Image
 በስመ ኣብ ወውልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!! ዕርገት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ዕርገት፥ ሓደ ካብ ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ኮይኑ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ምስ ተንሥአ ድኅሪ ኣርብዓ መዓልቲ ናብ ቀደም ክብሩ ከምዝተመለሰ ወይ ከም ዝዓረገ ዝገልጽ ዕለት እዩ። ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ንደቀ መዛሙርቱ መጽሓፈ ኪዳን መሃሮም፣ ብጉባኤ ሠለስተ ሳዕ ማለት ናይ ትንሣኤ፡ ኣግብኦተ ግብርን ናይ ጥብርያዶስንተራእዮም። ብሓፈሻ ድማ ዓሠርተ ሓደ ጊዜ ተራእዮም። ዮሓ. 21፡14  ቅድሚ ዕርገቱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ “አንትሙሰ ንበሩ ሀገረ ኢየሩሳሌም እስከ ትለብሱ ኃይለ እምአርያም”/ ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ኃይሊ ክሳብ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ” ብምባል ናብ ቢታንያ ወሲዱ፡ ኢዱ ኣንቢሩን ባሪኹን ክሳብ ፓትርያርክነት ዘሎ ሥልጣነ ክህነት ሃቦም። ክዓርግ ከሎ ናይ ክብሩ መግለጺ ዝኾነ ደመና ተቐበሎ፣ብርቀት ዘይኮነስ ብርሕቀት ካብ ኣዕይንቶም ተሠወረ። ንሳቶም ድማ ኣንቃዕሪሮም ክርእዩ ከለዉ፡ ካብቶም ብሓጐስ ብዕልልታን ብዝማሬን እናኣመስገኑ ዕርገቱ ንምኽባር ዝተረኽቡ ኣእላፍ መላእኽቲ ፃዕዳ ክዳን ዝተኸድኑ ክልተ መላእኽቲ “ኣቱም ሰብ ገሊላ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ኣለኹም፧ እዚ ካባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ጐይታ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ ከሎ ዝረአኽምዎ ከምኡ ጌሩ ከኣ ክመጽእ እዩ በልዎም። (ግብ. 1፡9-11) እዞም ቅዱሳን ቤተ ሰብ እግዚአብሔር ከኣ ንእግዚአብሔር እናኣመስገኑን እናወደሱን ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤተ መቅደስ ይነብሩ ነበሩ። (ሉቃ. 24፡53)። ቅዱሳን ሓዋርያት ካብዛ ዕለት’ዚኣ ጀሚሮም ንጐይታ ብዓይነ ሥጋ ዘይኮነስ ብዓይነ ሕሊና እናረኣዩ፡ ብግብሩ ዘርኣ...

መድኃኔ ዓለም ዘወርሓ ግንቦት

በስመ ኣብ ወውልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!  “ መድኃኔ ዓለም ” ዘወርሓዊ  ግንቦት   እግዚአብሔር አምላኽ ቅድሚ ኵሉ ዝነበረ’ዩ። ሰማያት ከይተዘርግሑ፡ ገጹ መሬት ከይተራእየ፡ ጐቦታት ከይቆሙ፡ ቀላያት ከይዓመቑን ወሓይዝ ከይወሓዙን ንሱ ብባህሪኡ ዝነበረ እዩ። ብርሃናት ከይበርሁ፡ ጸልማት ከይተቐንጠጠ፡ ብርሃን መዓልቲ ከይበረሀ፡ ለይቲ ከይተፈጥረ፡ ከዋኽብቲ ከየንጸባረቑ፡ መላእኽቲ ከይተፈጥሩ፡ ቅድሚ ነባቢት ነፍስን መዋቲት ሥጋን፡ ቅድሚ ዝርአን ዘይርአን ኣብ ላዕልን ታሕትን ካብ ዘሎ ኵሉ ፍጥረታት፡ መጀመርታ ብዘይብሎ መጀመርታ እግዚአብሔር ብባህሪኡ ነበረ። ንፍጥረታቱ ዘደንቑን ምልኩዓትን ገይሩ ፈጠሮም። ንሰማያት ብዘይ ዓንዲ ኣቖሞ፡ ንምድሪ’ውን ኣብ ልዕሊ ማያት ሠረታ። ኣብ ጽሩይ ሰማይ ብለይቲ፡ ብድምቐት ዘብርሁ ወርኅን ከዋክብትን፡ ሰዓታ ሓልያ ቀትሪ ብምሥራቕ ወፂኣ ብምዕራብ እትዓርብ ፀሐይ፡ ሾብዓተ ሰማያት፡ ኣዝርእትን ኣትክልትን ኣእዋምን፣ ኣብ ባሕር ኮነ ኣብ የብሲ ዝነብሩ እንስሳታት ኣራዊትን፡ ስሙ ንምቕዳስ መላእክትን ሰብን ብሓፈሻ ዕስራን ክልተን (22) ሥነ-ፍጥረት ብጥበብ ዝፈጠረ ጐይታ፡ ልዕሊ ኵሉ ጥበቡ ሰብ ኮይኑ፡ ሞይቱ ንዓለም ዘድኃነሉ ጥበብ ኣዝዩ ይበልጽ ይብሉ ኣቦታት፡ . . . ግን ስለምንታይ እቲ ዘይመውት ሞተ፧ ንሞት ብዓወት ንኽስዕር ሞተ። ተሰቒሉ ድኅነት ሃበና፡ ብሞቱ ንምውታን ኵሎም ኣድኃነ። ንሕይወት ዘድኅን ክነሱ ንሱ መከራ ተቐበለ። ንመከራ ሥጋን ነፍስን ከም ናቱ ጌሩ ተቐበለ። ሞት ገንዘቡ ገበረ። ሓደ ንሱ ምእንቲ ብዙኃት ሞተ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ብደሙ ምእንቲ ከድኅኖምን ወገናቱ ንኽገብሮምን ሞተ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዳም ካብ ሞት ንኸድኅኖ ቃል ኪ...

ንእግዚአብሔር'ዶ ንስምዓዮ

  በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን         ንእግዚአብሔር'ዶ ንስምዓዮ         ሓደ ሰብ ይመውት'ሞ፡ ገነትን ሲኦልን ዑደት ይገብር። ንሲኦል ተረኣያ ግና ብዙሕ ስለዘይጸልኣ፡ ንዳግማይ ግዜ ክርእያ ይሓትት'ሞ፡ ይፍቀደሉ። ደጊሙ ምስ ረኣያ'ውን ሰይጣን ጽቡቕ ኣቀባብላ ስለዝደገመሉ፡ መሊሱ ፈተዋ። ድሕር'ዚ ናብ ገነት ምስ ተመልሰ፡ ናብ ሲኦል ሳልሳይ ዑደት ክገብር ሓተተ።  ሽዑ "ሕጂ ተኼድካ ግና ናብዚ ምምላስ የለን፥ ወዲእካ ኢኻ!" ይበሃል'ሞ፡ በዚ ተሰማሚዑ ንሓዋሩ ናብ ሲኦል ጠቕሊሉ ይኸይድ። የግዳስ ዘይከም ናይ መጀመርያ ዑደቱ፡ ምቕማጡ ኣብቲ ዝኸፍአ ስፍራ ምስ ዝኸፍአ ስቓይ ኮነ። በዚ ተገሪሙ "ንምንታይ ደኣ ካብ መጀመርታ ከምዚ ጌርካ ዘይተቐበልካኒ?!" ኢሉ ይሓትት'ሞ፡ ሰይጣን "ሽዑ ቱሪስት ኴንካ ንዑደት ኢኻ መጺኻ ኔርካ፥ ሎሚ ግና ዘልኣለም ክትነብር ኢኻ መጺኻ" በሎ። እዚ ፈጠራዊ ዛንታ እቲ እኲይ ዝጸመድለና መፈንጠራ ከመይ ምዃኑ ብመጠኑ የርኢ።  ሰይጣን ሓጢኣት ቅድሚ ምፍጻምካ፡ ነቲ ሓጢኣት ኣቕሊልካ መታን ክትርእዮ ብዙሕ የተባብዓካ። "ኣብዚ እዋን እዚ ኸ ድንግልና ዝበሃል ኣሎ ድዩ? ክስቶ'ኳ ቐሺ/ዲያቆን/ቆራቢ ኽነሱ ዘይተኸልከለስ ንስኻ ክትክልከል?" እናበለ ንሕልናኻ ብብዙሕ ሕቶ የዋጥሮ።ሕሉፍ ሓሊፍዎ "ዘይ መንእሰይ ኴንካ ኢኻ ከምዚ ቃሕ ዝብለካ ዘሎ! ካብ ድሌትካ ኣይትትረፍ! ዘይክትሳሕ ኢኻ! እንታይ ተሪፉካ'ሞ ክሳዕ'ዚ ካብ በጻሕካ ምንሳሕ ምንሳሑ ብምልኣት ውዓሎ!" እናበለ ደጋፊኻ መሲሉ ይመኽረካ።  ኣብ ሓጢኣት ብዝወደቕካሉ ቕጽበት ግና ደፋፊኡ ከምዘየጽደፈካ "ከመይ ...

ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ

Image
  በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን ኣቡነ ብፁዓ አምላክ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ   ያፍቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያምን ዝበሃሉ ፍቅረ እግዚአብሔር ዘለዎም ብሃይማኖት ጽኑዓትን ብሥነ ምግባር ትጉሃትን ሰብ ኃዳር ነበሩ። ወትሩ ብጸሎት ንቑሓት ስለዝነበሩ፡ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ያፍቅረነ እግዚእ ብሕልሚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጽሉ፡- ‘እንሆ ከም ኤርሚያስን ዮሐንስ መጥምቅን ካብ ማሕፀን ኣደኡ ዝተኃርየ፡ ንብዙኃት ሰባት ምክንያተ ድኂን ዝኸውን፡ ስሙ ‘ብፁዕ’ እትሰምዮ ውላድ ኽትወልድ ኢኻ’ በሎ። ምስ ተንሥአ ኵሉ’ቲ ዝረኣዮ ንዘመደ ማርያም ነገራ። ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን ኢሎም ብጸሎትን ምህለላን፡ ምጽዋትን ምቕባል ኣጋይሽን ይነብሩ ነበሩ። እንተኾነ ግና ሽግርን ኃዘንን ስለ ዘጋጠሞም ከም ኣቦና ኣብርሃምን ኣደና ሣራን ካብ ዓዶም ተሰዲዶም ናብ ጣጥያ (ንኡስ ዞባ ዱባርዋ እምኒ ጸሊም) ከዱ። ኣብዚ ጊዜን ቦታን ስደቶም ድማ ኣብ 1 መስከረም 1425 ዓ.ም. ‘ብፁዓ አምላክ’ ተወልደ። ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ገና ወዲ ሾመንተ ዓመት ከሎ ኣቦኡ ያፍቅረነ እግዚእ “ዝንቱ ዓለም ኃላፊ ወንብረቱኒ ከንቱ ወትፍግዕቱኒ ማሳኒ ብእሲትኒ ወውሉድኒ አኃውኒ ወአዕሩክትኒ ወታአሕማኒ ኢያድኅኑ ወኢይከውኑ ቤዛ በደኃሪ መዋዕል በዕለት ዓባይ አመ ይኴንን ሕያዋነ ወሙታነ/ እዚ ዓለም’ዚ ኃላፊ’ዩ ንብረቱ’ውን ከንቱ እዩ፡ ሓጐሱ ኸኣ ጠፋኢ እዩ፣ ደኃራይ መዓልቲ ኣብታ ዓባይ ዕለት ሕያዋንን ሙታንን ኣብ ዝፈርደሉ ጊዜ ሰበይቲ ኮነት ውሉድ ኣኅዋት ኮኑ ኣዕሩኽቲ ኣሕሙ ኣየድኅኑን እዮም . . . ” ዝብል ሓሲቡ ንሰበይቱን ደቁን ኣኪቡ ናብ ደብረ ቢዘን መንገዱ ኣቕንዐ። ቅድም ኣብ ፋሉቄ (ዓዲ ኣርዓዳ) ገዳመ መነኮሳይት ደቂ ኣቡነ ፊልጶስ ...

ዳግማይ ትንሣኤ

Image
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን!   ዳግማይ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ ብኃይሊ ሥልጣኑን ግርማ መለኮቱን ንሞት ስዒሩ ተንሥአ። “ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተንሥአ። በዚ ኸኣ ናይቶም ዝሞቱ በዅሪ ትንሣኤ ኮነ” ኢሉ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝተዛረቦ፡ ጐይታ ምስ ተንሥአ፡ እቶም ኣቐዲሞም ዝተነበዩ ትንቢታትን ዝተመሰሉ ምሳሌታትን ተዘንጊዖም፡ ብትንሣኤኡ ሓደ እኳ ዝኣመነ ኣይተረኽበን። ከምቲ ወንጌላዊ ዮሓንስ ዝገለጾ፡ “በታ ቐዳማይቲ መዓልቲ ሰሙን ማርያም መግደላዊት ገና ጸልማት ከሎ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጽአት እቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ። ስለዚ ንሳ ጐይያ ናብ ስምዖን ጴጥሮስን ናብቲ ኢየሱስ ዘፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ ‘ንጐይታና ኻብ መቓብር ወሲዶምዎ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን’ በለቶም።” በዚ እቶም ደቀ መዛሙርት ንቓል ጐይታ ረሲዖም ካብ መቓብር ዝወሰድዎ መሲልዎም ጐዮም ናብ መቓብር ከይዶም እንተሰኣንዎ፡ ፈሪሆም ናብ ገዛ ብምእታው ማዕፆኦም ሸጕሮም ይጽበዩ ነበረ። እታ ተስፋ ዘይቈረጸት ማርያም መግደላዊት ደጋጊማ ናብ መቓብር ጐይታ ብምምልላስ ሥጋ ጐይታ ብምድላያ ትንሣኤ ጐይታ ንኽትርእን ንኸተበሥርን በቕዐት። እቶም ደቀ መዛሙርት ነቲ ዝኸውን ይጽበዩ ብምንባሮም ጐይታ ከምቲ መቃብር ክፈቱሉይ ከይበለ ዝተንሥአ ማዕፆ ክፈቱለይ ከይበለ ኣትዩ ትንሣኤኡ ኣበሠሮም። ኣብዚ ጊዜ ግና ካብቶም ደቀ መዛሙርት ሓደ ዝኾነ ቶማስ ምስኦም ኣይነበረን። ብድኅር’ዚ ብዛዕባ ትንሣኤ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣበሠረዎ ወገኑ ካብ ትንሣኤ ሙታን ካብ ዘይኣምኑ ሰዱቃውያን ብምንባሩ ንስኻትኩም ትንሣኤ ክርስቶስ ርኢና ኢልኩም ክትምህሩ ‘ኣነ ግና ...

ቀዳም_አንስት

Image
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን! ቀዳም_አንስት ቀዳም አንስት ተባሂላ ትጽዋዕ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ስብከቱ ርእሱ ምስ ገለጸ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ይክተልዎ ነይሮም ካብ ኣቶም ድማ ደቂ ኣንስትዮ እውን ነይረን፡ እተን ናይ ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣንስት ደቀ መዛሙርት ንጎይታ ብገንዘበንን ብጉልበተንን ዘገልግላ ዝነበራ ከም ማርያም መግደላዊት፡ ማርያምን ማርታን ኣሕዋት ኣልኣዛር፡ ማርያም ኣደ ያእቆብን ወዘተ ክሳብ ናይ ጎይታ ስቕለቱ እናበኸያ ክሳብ ቀራንዮ ዝሰዓባ፡ድሕሪ ስቅለት ጎይታ ድማ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ፍርቂ ለይቲ ተሲአን ናብ መካነ መቓብር ሹቶ ሒዘን ብምግስጋሰ ንሳተን ድማ እቲ እምኒ ካብቲ ኣፍ መቃብር መን ከልዕለልና እዩ ተበሃሃላ እቲ እምኒ ኣመና ገዚፍ ነበረ እሞ፡ ቅንዕ ኢለን እንተ ጠመታ እቲ እምኒ ተገልቢጡ ረኣይኦ፡ ናብቲ መቓብር ኣትየን ከኣ ብወገን የማን መልኣኽ ተቐሚጡ ምስ ረኣያ ኣመና ፈርሃ እቲ መላእኽ ድማ ኣይትፍርሃ ንስኻትክን ነቲ ዝተሰቕለ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ኢኽን እትደልያ ዘለኽን ተሲኡ እዩ ኣብዚ የለን እቲ ዝተቐበረሉ ቦታ እንሆ፡ ስለዚ ኪዳ ንደቀ መዛሙርትን ንጴጥሮስ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እዩ ከምቲ ዝበለኩም ከኣ ኣብኡ ኽትሪእዎ ኢኺም ኢልኽን ንገረኦም በለን፡ ፍርሓት ራዕድን ምንቅጥቃጥን ተሓዋዊስወን ነበረ እሞ ካብቲ መቓብር ወፂአን ጉየያ ፈሪሐን ስለ ዝነበራ ንሓደኳ ኣይነገራን።    እታ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዘውጸኣላ ማርያም መግዳላዊት ኣብቲ መካነ መቓብር ኮይና ትሓዝን ትበኪ ነበረት እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ ጠመተት፡ ኣብቲ ጎይታ ዝተቐበረሉ ድማ ጻዕዳ ዝተኸደኑ መላእኽት ሓደ ብትርአስ እቲ ሓደ ድማ ብእግሪ ረኣየት ...

ቤተ-ክርስትያን

Image
 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ቤተ-ክርስትያን   " ዓርቢ ቤተ-ክርስትያን ተባሂላ ትጽዋዕ " ስለዚ ንርእስኹም ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተክርስትያን ጎይታን ክትጋስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶስ ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኩሉ መጓሰ ሓልዉ) (ግብ 20፥28) ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገት ቤተክርስትያን ዓባይ መዘከርታ ብምዃና ኣብ ሰሙነ ትንሳኤ ዘላ ዓርቢ ቤተክርስትያን ተባሂላ ትጽዋዕ፡ ቤተክርስትያን ማእከል ስብከት ሰቅለት ትንሳኤ ኣካል ክርስቶስ ቤተ እግዚኣብሔር ምዃና እዩ፡ ቤተክርስትያን ብዕለት ዓርቢ ካብ ጉኒ ጎይታ ኢየሱስ ተረኺባ ብማይ ደሙን ከኣ ኣንጽሓ። ``ዘበእንቲኣሀ ለቤተክርስቲያን ተጸፋእከ በዉስተ ኣዉድ ከመ ትቀድሳ በደምከ ክቡር መዋቅኅት ጾረ ወተአገሠ ምራቀ ርኩሰ እንዘኣልቦ ዘኣበሰ ኣምላክ በዲበ ዕጸ መስቀል ተሰቅለ ´´ ከም ዝብል።  እዚ ድማ ቤተክርስትያን ዝብል ቃል ብሰለስት ትርጉም ማለት 1) ህንጻ 2)ማሕበረ ምእመናን 3) ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቤተክርስትያን ይበሃል ክርስቶስ ድማ ድሕነት ብደሙ ከም ዝሃበና ዝገልጽ ምስጢር እዩ፡፡

ሓሙስ ኣዳም

Image
  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ሓሙስ ኣዳም "እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ኣርባዕተ ባህርያት ስጋ(ካብ ምድሪ) ምስ ገብሮ፡፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ሕይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ሕያው ነፍሲ ዀነ።"(ዘፍ 2፡7) ኣምላኽና ንኣዳም ካብ መሬት(መዋቲ ባህርይ) እኳ እንተገበሮ፡ እስትንፋስ ሕይወት ኡፍ ምስ በለሉ ግና ሕያው ወይ'ውን ዘይመውት፡ ዘለኣለማዊ ኮነ። ሞት ናብ ባህርይ ኣዳም ዝኣተወ ግና ብዘይ ምእዛዙ እዩ። "ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ ኣምላኽ ንኣዳም ኣዘዞ።"(ዘፍ 2፡17) ኣዳም ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣጽኒዑ ሓሊዎ ክነብር ኣይከኣለን፡ ሕጊ ጠሓሰ ሞት ድማ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ኩሎም ዘርኡን ነገሰ። ኣዳም በቲ ዝገበሮ ብልቢ ተጣዕሰ ናብ ኣምላኽ' ውን ተመልሰ፡፡ ንኣዳምን ዘርኡን ካብዚ ሞት እዚ ከድሕኖም ዝኽእል ግና፡ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ነይሩ፡፡ ኣምላኽና ከኣ እቲ ተግባር ኢዱ ዝኾነ ኣዳም ካብኡ ተፈልዩ(ሞይቱ) ክነብር ኣይፈተወን፡፡ ልቡ ክድብስ ከድሕኖ ምዃኑ ግድን መብጽዓ ክኣትወሉ ነበሮ፡፡ ኣምላኽና ከኣ "ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ፡ በሎ።"(ዘፍ 3፡15) እዚ ቃል ብዕለተ ዓርቢ ኣብ ቀራንዮ ተፈጺሙ እዩ፡፡ ሰይጣን ንጐይታ ብኣይሁድ ኣእጋር(ሸዀና) ጐይታ ብመሳምር ክወግእ እንከሎ ጐይታና ድማ፡ "ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከልና ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ...