አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ
"ሙዓለ አንበሣ ወነምር እስመ በዋሕድ ኢኮነ፣
"እፎኑ ወዐሉ "ዋሕድና " እም እግረ ጻድቅ አቡነ ?
እፎኑመ ኀብሩ አንበሣ ወነምረ ገዳም ዘጸነ።
ሙዓለ አንበሣ ወነምር እስመ በዋሕድ ኢኮነ።
ትርጉም፦ናይ አንበሣን ናይ ነብሪን መውዐሊ ብሓደ ኣይኮነን እሞ አብ እግሪ ጻድቅ አቦና ከመይ ኢሎም ብሓደ ወዓሉ ?
ንሰሙ፦ከም ዝፍለጥ ብተፈጥሮ አንበሣን ነብሪን አይስማዕምዑን ፣ ብሓደ እውን ክውዕሉ ፣ ክነብሩ አይኽእሉን ፣ ንንሕድሕዶም ዝጻልኡ እዮም።
ንወርቁ ፦አንበሣን ነብሪን ሓደ ኮይኖም እቲ ዘየስማዕምዖም ዝነበረ ተሪፉ ፣ እቲ ዘጻልኦም ዝነበረ ጠፊኡ፣ምስ አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብሓደ ምንባሮም ፣ ናብ ዝኸዱዎ ብሓደ እናኸዱ ፣ አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ዝረገጽዎ ናይ እግሮም ሓመድ እናለሓሱ ምግቢ እናኾኖም ፣ ከይተጻልኡ፣ ተፋቂሮም ፣ብሓደ ምንባሮም ፣ ፷ አናብስትን ፷ አናምርትን ብሓደ ይንበሩ ደአ እምበር ንሓድነቶም ዝሽርሽር ነገር ዘይምንባሩ ዘዘክር መጠይቃዊ ቅኔ እዩ።
ዘይስማዕምዑ ዝነበሩ ሕዝብን አሕዛብን ብክርስቶስ መስቀል ሓደ ከም ዝኾኑ ኹሉ ዘይስማዕምዑ ዝነበሩ አናብስትን አናምርትን ድማ ብአቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተስማዕምዑ ዝነግረና ቅኔ እዩ።
ብአንጻሩ ብተፈጥሮ ዝስማዕማዕ ዝነበረ ሰብ ዘይስማዕማዕ ኾይኑ ዝገርም ዘለናዩ ግዜ።
፭ መጋቢት
በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ተምአራቱን ትሩፋቱን አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ
፭ መጋቢት ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ተምአራቱን ትሩፋቱን ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ናይ ዝበዝሐ ፡ ናይ መስተጋድል ፡ ብእሴ እግዚአብሔር ፡ ቅዱስ አቦ ፡ አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ መዘከርታ መዓልቲ ዕረፍቱ እዩ።
እዚ ቅዱስ አቦ ድማ ፡ አብ ዝተወልደሉ መዓልቲ ዘደንቕ ነገር ገበረ። ካብ ሕቑፊ አዲኡ ወሪዱ ፡ “ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ንዘውጻእኻኒ ምስጋና ልአብ ፡ ምስጋና ልወልድ ፡ ምስጋና ልመንፈስ ቅዱስ” እናበለ ንአብ፣ ወልድን መንፈስ ቅዱስን (ንስላሴ) ሰጊዱ እዩ እሞ። (እዚ) ሕጻን ሠለስተ ዓመት ምስ ኮኖ ድማ ፡ መልአኽ እግዚአብሔር ቅዱስ ገብርኤል ወሪዱ ፡ ካብ ሕቝፊ አደኡ ወሲዱ (ተቐቢሉ) ፡ ናብ ውሽጢ ብዙሓት ገዳማውያን ዘለዉዎ ገዳም ወሰዶ። መልአኽ ድማ ናብ አበ ምኔት አባ ዘመደ ብርሃን አተወ። ኩሉ እግዚአብሔር ብዛዕባ እዚ ሕጻን ዝበሎ (ዝአዘዞ) እውን ነገሮ።
አብቲ ጊዜ ድማ አባ ዘመደብርሃን ተንሲኡ ነገሩ ሐቂ ምዃኑ ንኽርዳእ ወጽአ። ነቲ ሕጻን ድማ ፡ መልአኽ ከም ዝነገሮ ፡ ፍሽኽታ ዝተመልአ ኾይኑ አብ ደገ አብ አፍ ደጊኡ ረኸቦ። አአዚዩ ድማ ተሐጐሰ። ንእግዚአብሔር እውን ሰገደ። ነቲ ሕጻን ወሲዱ ድማ ፡ ሐቘፎን ሰዓሞን፣ ናብ ውሽጢ በዓቱ እውን አእተዎ። ብፍቕርን ብስነ ስርዓትን ድማ አዕበዮ። መዝሙረ ዳዊትን ኩሉ ናይ ብሉይን ሐዲስን መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያንን ድማ መሀሮ። ብድሕሪ እዚ ድማ ፡ ክህነት ንክህቦ ናብ አባ አብርሃም ወሰዶ። ጳጳስ ድማ ምስ ርአዮ ደስ በሎ። ባረኽዕን ዲቁና ሾሞን። ከም ቀዳማይ ሰማዕት እስጢፋኖስ ከዓ ምሉእ ሞገስን ጸጋን ኮነ። ድሕሪ ሒደት መዓልቲታት ድማ ብትእዛዝ ጐይታና ቀሺ ኮነ። ብጾም፣ ብጸሎት ብስግደትን ብብዙሕ ትግሃትን እናተጋደለ ድማ አብ ውሽጢ ገዳም በይኑ ነበረ።
አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፡ ብጽንዓት ገድሉ ዝተጸገዎ፡ አብ ክንዲ ዝብላዕ መግቢ ቃለ እግዚአብሔር ይምገብን፡ አብ ክንዲ ክዳን’ውን መላእ ሰብነቱ ፀጕሪ ዝተሸፈነን ነበረ። ጸበል እግሩ እናለሓሱ ዝነብሩ ብየማነ ጸጋሙ ዝስዕብዎ 60 አናብስትን 60 አናብርትን ነበሩ። በዚ ከምዚ ዝአመሰለ አብ ገዳማትን አድባራትን ግብጺ ወንጌል እናሰበኸን ብዙኅ ተኣምራት እናገበረን ብተጋድሎ ጸኒዑ ን300 ዓመታት ዝአክል ምስ ተቐመጠ፡
ናብ ምድረ አግዓዚ መጸ። አብዚ ምድረ አግዓዚ ኸዓ ን262 ዓመት ዝበጽሕ አብ ዝተቐመጠሉ ጊዜ ፡ ብስብከተ ወንጌልን ጽኑዕ ተጋድሎን ትሩፋትን ሠናይ ፍረ ሃይማኖት አፍርዩ ፡ መጓሰ ክርስቶስ አብዚሑን አጽኒዑን እዩ።
አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ፡ ብጸሎቱ ንሕዝቢ ክረድእ ብዙሕ ፈተናን መከራን ኣኅሊፉ እዩ። ካብ መዓልቲታት ሐደ መዓልቲ ፡ ቁልቁል አፉ ተደፊኡን ብሰንሰለት አእጋሩ ተአሲሩን አብ ልዕሊ ቀላይ ተንጠልጢሉ፡- ‘ኦ እግዚአብሔር እዞም ሰባት ሰአን ዝምህሮም እዮም ፡ ብፍላጥ አይኮኑን እሞ ብበደሎም አይትቕጽዓዮም ፡ ይቕረ በለሎም’ ኢሉ እናጸለየ እንተሎ፡ ጸላኤ ሠናያት ዲያብሎስ ነታ ዝተአስረላ ሰንሰለት በተኻ። ብኡ ንብኡ ድማ አቦና ንቑልቁል አፉ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ጸዲፉ ፡ ኵሉ አስናኑ ረገፈ። እንተኾነ እተን አስናኑ ንመዘከርታ አብቲ ቦታ በቘላ።
ካልእ እዋን እውን ጻድቅ አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ አእዳዉ አልዒሉ ሕልናኡ ሰቒሉ እናጸለየ እንተሎ፡ ዲያብሎስ ኳኽ መሲሉ ካብ ዓይኑ ማይ ክሰቲ ጀመረ። ጻድቕ አቦና ግና ‘ፍጥረት እግዚአብሔር ማይ ጸሚኡ ካብ ዝመውትሲ ንብዓተይ ሰትዩ ይንበር’ ኢሉ ጸሎቱ ደኣ ቀጸለ እምበር ዋላ እውን እቲ ኳኽ ዓይኑ እንተአፍሰሶ ፡ ጸሎቱ አየቋረጸን። በዚ ድማ እግዚአብሔር ጽንዓቱን ትዕግሥቱን ርእዩ ፡ ነታ ዓይኑ ከም ቀደማ መለሰሉ።
አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ፡ አብ ትውልዲ ዓዱ ግብጽን አብዚ ምድረ አግዓዚን ንነዊሕ ዓመታት ሠናይ ገድሊ ምስ ተጋደለ 5 ጥቅምቲ ካብ እግዚአብሔር አምላኽ ቃል ኪዳን ተቐበለ። ‘ስምካ ዝጸውዐ፡ ተዝካርካ ዝገበረ፡ ብስምካ ቤተ ክርስቲያን ዝሐነፀ ፡ ኅዙን ዘጸናንዐ ፡ ንሽጉር ዝረድአ፡ መጽሓፍ ገድልኻ ዝጸሓፈን ዘንበበን ዝሰምዐን. . . ብቃል ኪዳንካ ዝተማሕፀነ ዝደለዮ ክፍጽመሉ ፡ ኃጢኣቱ’ውን ክድምስሰሉ እየ’ ክብል ጐይታ፡ በቲ ዘይሕሶ ቃሉ ተዛረቦ።
አብ መወዳእታ ድማ ጻድቕ አቦና አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብዛ ዓለም ዓርቢ 5 መጋቢት 1415 ዓ.ም. አብ መበል 562 ዓመት ዕድመኡ አዕረፈ። ንነፍሲ አቦና ቅዱሳን መላእኽቲ ብዝማሬ ተቐቢሎም ናብ ሰማያዊ ዕረፍቲ አዕረግዋ።
እቲ ቁም ነገር አብዚ ምድሪ ዝነበሮ ነዊሕ ዓመታት ዘይኮነስ፡ አብዘን ጊዜያት ዓስቢ ጽድቂ ዘውህብ ብስብከተ ወንጌልን ጾምን ጸሎትን ገድልን ትሩፋትን ንእግዚአብሔር ስለዘሥመረ እዩ። ንባዕሉ ከቢሩ ፡ ካልኦት ዓስቢ ዝረኽብሉን ዝምሕፀንሉን ቃል ኪዳን ተቐበለ። ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብቅዱስ ቃሉ “. . . እቲ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። ካብዞም አናእሽቶይ ንሐደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዘስቲ ዓስቡ ከቶ ከም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም አለኹ” (ማቴ 10፡40) ከም ዝበሎ ፡ ንከም አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ዝአመሰሉ ቅዱሳን ምኽንያት ጌርካ ዝግበር ግብረ ሠናይ ንእኡ ንጐይታ ምኽባርን ናቶም ዓስቢ ምርካብን እዩ።
ስለዚ ነዛ ቅዱሳን አቦታትና ብኸምዚ ዓይነት ተጋድሎ ዘጽንሑልና ሃይማኖት ብኽብሪ ተቐቢልና ክንሕልዋን ፡ ዝኽሮም እናገበርና አሰሮም ክንክተልን ይግብአና። ነዚ ንምግባር እግዚአብሔር ጸጋኡ የብዝሐልና! ጸሎት አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድማ አይፈለየና።
በረከቶም እውን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን
ዐርኬ
ሰላም ለከ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ረቡኒ
ዘአናብስተ ታሰግድ ወአናምርተ ታገኒ
እንዘ ኢተኀሥሥ መፍቅደ ሥጋ ወኢታመከኒ
ተሴስዮ ሳዕር ወተአርዞ ቈጽል ምንተኒ
አናሕሰይኮ ለዓለም ማሳኒ።
አባ ሰረባሞን አበ ምኔት
ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ብፁዕ ብገድሊ ዝተጸምደን መስተጋድል ፡ አበ ምኔት ናይ ገዳም አስቄጥስ ፡ ደብረ አባ ዮሐንስ ፡ ቅዱስ አቦ ፡ አባ ሰረባሞን አዕረፈ። እዚ ቅዱስ አቦ ፡ ካብ ብንእስነቱ ጀሚሩ አብ ደብረ አቡነ ዮሐንስ ዘገዳመ አስቄጥስ መንኰሰ። ን32 ዓመታት ዝአክል ከዓ ንቅዱሳት መነኮሳት እናገልገሎም ብትሕትናን በሠናይ ተጋድሎን ነበረ። ብድሕሪ እዚ ድማ አበ ምኔት ዘደብረ አቡነ ዮሐንስ ዘገዳመ አስቄጥስ ኮይኑ ተሸይሙ፣ ካብቲ ዝነበሮ ተጋድሎ ብዝበለጸ እናበርተዐ ብአበምኔትነት ን20 ዓመታት ዝአክል ከገልግል ክኢሉ እዩ። ብድሕሪ እዚ እውን ንዓርሱ ከም እሱር አብ ቤተክርስቲያን ፈልዩ ንሓደ ሰብ እኳ እንተይረአየን፤ አብ ቀዳምን ሰንበትን ጥራሕ እኽሊ እናጠዓመን ን15 ዓመታት ፍጹም ተጋድሎ ተጋደለ። ጊዜ ዕረፍቱ ምስ በጽሐ ድማ መልአከ እግዚአብሔር ብሕልሚ ተገለጸሉ። ናይ እሳት መስቀል ሒዙ እውን መጺኡ ሃቦ። "ነዛ መስቀል ብኢድካ ሓዛ" በሎ። አቦና ድማ "ከመይ ገይረ ሓዊ ክሕዝ ይኽእል?" ኢሉ መለሰሉ። እቲ መልአኽ ድማ "አይትፍራሕ ክብርን ምሥጋናንንዕኡ ይኹን እሞ ጎይታና ክርስቶስ ነዛ እሳት አብ ልዕሌኻ ስልጣን አይሃባን" በሎ እሞ አቦና ድማ ተቐበለ። እቲ መልአኽ ድማ "በርትዕ፤ ምስጢራተ ቅድሳት እውን ተቐበል። አብዚ 10 መዓልቲ ድማ መጺአ ክወስደካ እየ" ኢሉዎ ተሰወረ። ካብ ድቃሱ ምስ ነቕሐ ድማ ንአረጋዊያን መነኮሳት ነገሮምን ተሰናበቶምን። ንሳቶም ድማበኸዩ። አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብጸሎቱ ንኽዝክሮም ነገሩዎ። ንሱ እውን ብተመሣሣሊ አብ ጸሎታቶም ንኽዝክሩዎ ተማሕጺኑዎም ምስጢረ ቅድሳት ተቐበለ። እቶም አረጋውያን ምስኡ እናሃለዉ ድማ አዕረፈ። ከም ሥርዓቱ ድማ ብብዙሕ ምሥጋናን ማህሌትን ገኒዞም ቀበሩዎ።
በረከቱ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን! አሜን!
ዐርኬ
ሰላም እብል ለሰረባሞን ቡሩክ
ዘሞቅሐ ርእሶ እንበለ ምሒክ
መስቀለ እሳት ሎቱ እንዘ ይሜጥዎ በሠርክ
ኢትፍራሕ ይቤሎ ሰማያዊ መልአክ
እስመ ወሀበከ ላዕሌሁ ሥልጣነ አምላክ።
ቅድስት አውዶክስያ ሰማዕት
ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ስማ ትርጓሜ ሠናይን ሥምረትን ዝኾነ ቅድስት አውዶክስያ ብሰማዕትነት ሞተት። ዝነበረትሉ ጊዘ ብጢባርዮስ ንጉሠ ሮም ዘመን እንትኾን፤ አብ ጥቓ እምባታት ሊባኖስ፣ አብ ዞባ በሰራ እትርከብ በአልበክ አብ እትበሃል ሃገር ናይ ዝነብሩ ሰባት ወገን እያ። ስም አቡኣ ዮናስ እንትኾን ስም አዲኣ ድማ ጠባቢት ይበሃል። ዝቐደመ ናብራኣ ብዝሙት ዘሕለፈትን ንሰባት ምእንቲ ክተሕስት ገጻ ተመላኽዕ ነበረት።
ሓደ መዓልቲ ግን ሓደ አባ ግርማኖስ ዝተብሃለ ካብ ሃገረ ኢየሩሳሌም ዝኾነ ጻድቕ መነኰስ ዜናኣ ሰሚዑ ናብኣ ኸደ። ከምቶም ናብኣ ምእታው ዝለመዱ ሰባት መሲሉ ናቅ ገዝኣ አተወ። ምስኣ ተቐመጠ ብግሩማትን መፍራሕቲ ቓላትን ክምህራን ክግስጻን ጀመረ። ገሃነ መ እሳትን እቲ ዘይድቅስ ሓሳኻኡን ዘይጠፍእ እሳቱን ከምኡ እውን እቱ ብኢድ ዝድህሰስ ጸልማትን በብ ዓይነቱ ዝኾነ ስቓይን ኵነኔን አዘከራ። ትምህርትን ተግሳጽን አባ ግርማኖስ ናብ ልቢ ቅድስት አውዶክስያ ሠረጸ። ሕቶ ክትሓትት ድማ ጀሠረት። ሰብ ምስ ሞተን ምስ በስበሰን ተላዒሉ ብኸመይ ፍርዲ ክቕበል ይኽእል? ሙሴን ኦሪትን ከምዚ ዝአምሰለ ትምህርቲ አይብሎምን። ብኸመይ እዩ? ኢላ ሓተት። አባ ግርማኖስ አብ ብሉይ ኮነ አብ ሐዲስ ትንሣኤ ሙታን ከምዘሎን ፤ ድሕሪ ሞት ፍርዲ ከምዘሎን ብዝግባእ ካብ መጻሕፍቲ እናጠቐሰ አረድኣ።
ቅድስት አውዶክስያ ካልአይ ሕቶ አስዓበት። እሞ እዚ ኹሉ ሓጢአት ሰሪሐ፣ ብንስሓ እንተተመለስኩስ እግዚአብሔር ክቕበለኒ ድዩ? አባ ግርማኖስ "እወ ይቕበለኪ እዩ። ክብሪ ምሥጋናንንዕኡ ይኹን እሞ ብጎይታናን ማድኀኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንተአሚንኪ፤ ንሱ ናብ ዓለም ከምዝመጽአን ብመስቀለ ሞቱ ናይ ዓለም ሓጢአት ከምዘወገደ እንተአሚንኪ ጽንዕቲን ቅድስቲን ንስሓ ክትኾነልኪ እያ። ካብኡ ትጥመቂ። ብድኅሪ እዚ አፍ ደገታት ሐይማኖት ክኽፈቱልኪ እዮም።" በላ። ንሳ ድማ ንኸጥምቓ ለመነቶ። ናብ ሃገረ በአልበክ ኤጲስቆጶስ ድማ ወሰዳ። አብ ቅድሚኡ ብቅድሥት ሥላሴ፣ ከምኡ እውን ብተሠግዎተ ወልድ፣ ብሞቱን ትንሣኤኡን ከም እትኣምን ገለጸት። እቲ ኤጲስቆጶስ ድማ አብ ልዕሊ ማይ ጸልዩ አጥመቓ። እግዚአብሔር ድማ አዕይንቲ ልባ አብርሀለ። ሓደ ብርሃናዊ መልአክ ድማ ናብቲ ማይ እንትስሕባን ካልኦት መላእኽቲ ድማ እንትሕጎሱን ተመልከተት።
ካብኡ ድማ ካልኦት ገጾም መደንገጽቲን ጸለምቲን ዝኾኑ ከዓ ረአየት። ካብአቶም መርአያኡ ክፉእ ዝኾነ ሓደ ካብኣቶም እንትስሕባ ረአየት። አብ ልዕሊኣ
ከዓ ይቑጣዕ ነበረ።
እዚ ራእይ እዚ ምስ ረአየት አብ ልባ ፍቕሪ ጥምቀተ ክርስትና ተወሰኸ፤ ብዓስበ ዝሙት ዝአከበቶ ብዙኅ ሃብቲ ነበራ እሞ ንነዳያንን ምስኪናንን መጽወተቶ እሞ ካብ ደብሪታት ደናግል ናብቲ ሓደ ብምኻድ መንኰሰት፤ ዓብይን ፍጹምን ዝኾነ ተጋድሎ ተጋደለት። ሰይጣን አብ ልዕሊ ሓደ ካብቶም አቐዲሞም ምስኣ ዝዝምዉ ነበረ ሰባት ሓደረ። ናብ መኰንን ከይዱ ነገር ሠርሐላ። መኰንን እውን ናብኡ ከምጽኡዋ አዘዘ። ናብ አፍ ደገ እንደ መኰንን ምስ በጽሐት ወዲ እቱ መኰንን ሞይቱ ስለዝነበረ ብዙሕ ብኽያትን ዋጭዋጭን ረአየት። አትያ ጸለየት፤ ክብሪን ምሥጋና ንዕኡ ይኹን እሞ ንጎይታናን መድኀኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ለመነቶ፣ ነቲ ወዲ መኰንን ድማ ካብ ሞት አልዐለቶ። እቲ መኰንን ነዚ ተአምር ርእዩ አዝዩ ተደነቐ፤ ክብሪን ምሥጋና ንዕኡ ይኹን እሞ ብጎይታናን መድኀኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እውን አመነ።
ብድኅሪኡ ስሙ ዲዮግኖስ ዝተብሃለ ካልእ መኰንን ተሾመ። ናይ ቅድስት አውዶክስያ ዜናኣ ሰሚዑ ናብኡ ንኸምጽእዋ አዘዘ እሞ አምጽእዋ ሓደ ሓንቲ ዓይኒ ጥራሕ ዝነበረቶ መንእሰይ አብ እቲ አደባባይ(ዓውድ) ረአየት። ጸሊያ አብ ልዕሊ ዓይኑ ብትእምርተ መስቀል አማዕተበት። ሻዑ ዓይኑ ተኸፊታ ረአየ። መኰንን እውን እዚ መንክር ምስ ረአየ ናብ ዝነበረቶ ቦታኣ መለሳ።
ብድሕሪኡ ከዓ ካልእ መኰንን ተሾመ። ንሱ እውን ዜናኣ ሰሚዑ አጸውዓ። ቅድስት አውዶክስያ ድማ መክፈልተ ሰማዕታት ንኽህባ ክብሪን ምሥጋና ንዕኡ ይኹን እሞ ናብ ጎይታናን መድኀኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸለየት። ልመናኣ እግዚአብሔር ተቐቢሉላ፣ እቲ መኰንን ንኽትስየፍ አዘዘ። ናይ ሰማዕትነት አክሊል እውን በዛ መዓልቲ ተቐበለት።
በረከታ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን! አሜን!
ዐርኬያት
ሰላም ለአውዶክስያ ከመ ትፍዲ ፍዳ
በመጥባሕት በሊሕ እስከ መተሩ ክሳዳ
እስመ ተሊወ ጽድቅ አብደረት በኀዲገ እኩይ ልማዳ
ነጸረት በተጠምቆ ኀበ ቀላይ ማይ ያውርዳ
እንዘ ይስሕባ መልአክ ቀዊሞ በዐውዳ።
ሰላም ለአባ ግርማኖስ እንተ ሠረቀ ምዕዛሩ
በኢየሩሳሌም ሀገሩ
ለዝ ጻድቅ ዘሠናይ ምግባሩ
ሶበ መልአ በአምሳለ ማይ በአማዑቲሃ ነገሩ
ልበ አውዶክስያ ተመይጠ እም እኵይ ግብሩ።
ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ በረከት ቅዱሳኑ ምስኩልና ይኩን ኣሜን።
ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Comments
Post a Comment