ሠለስቱ ደቂቅ

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን

ገብርኤል ወሠለስቱ ደቂቅ ወዳንኤል

 


"ሀሎ አምላክነ ወሀሎ ንጉሥነ እምእዴከ ውእቱ ያድኅነነ"

                       (ሠለስቱ ደቂቅ ) 

ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘናገፎም፣ዘድሐኖም ናይ ሲድራቅን ሚሳቅን አብደናጎን ኣምላኽ ይባረኽ። (ናቡከደነጾር)

          (ዳን 3፥28) 

እምበኣርከስ በዓሉ ስለዝኽበረሉ ታሪኽ ብሓጺሩ 


ካብ አይሁዳውያን ተመሪጾም ምስ ባቢሎናውያን ዝተፈላለዩ ትምህርቲታትን ጥበባትን ንክምሃሩ ዝተሓረዩ ሠለስቱ ደቂቅን ዳንኤልን 

ናይ መጀመርያ ስሞም ፦

አናንያ

አዛርያ

ሚሳኤል

ዳንኤል ነይሮም። 


፩. አናንያ ማለት እግዚአብሔር ርሕሩሕን ሕያዋይን እዩ

፪. አዛርያ ማለት እግዚአብሔር ይረድእ እዩ

፫.ሚሳኤል ማለት ንእግዚአብሔር ዝመስል

፬.ዳንኤል ማለት እግዚአብሔር ዳኛ እዩ ማለት እዩ። 


እዚኣቶም ኣርባዕቲኦም ናብኡ ማለት እውን ናብ ናይ ባቢሎን መንግሥታዊ አመሓዳድራ ምስኣተው አስፋኔዝ ዝተብሃለ ኣዛዚ ናይ መጀመርያ ስራሑ ዝገበረ ስሞም ምልዋጥ እዩ ነይሩ።

እዚ ድማ፦

፩.ንአናንያ----- ሲድራቅ 

፪.ንአዛርያ----- አብደናጎ

፫.ንሚሳኤል ------ሚሳቅ

፬.ንዳንኤል --------ብልጣሶር ኢሉ ሰየሞም። 



➡ሲድራቅ ማለት፦ብናይ ፀሓይ አምላኽ ዝተገለጸ

➡አብደናጎ ማለት፦ ናይ እሳት አምላክ ኣገልጋሊ

➡ሚሳቅ ማለት ፦በሻቅ ወይ ድማ ናይ መሬት አምላክ

➡ብልጣሶር ማለት ናይ በአል(ጣዖት)መስፍን ማለት እዩ።


አናንያ አዛርያ ሚሳኤል ምስ ዳንኤል ኣብ ባቢሎን ብስደት እዮም ዝነብሩ ነይሮም። ምክንያቱ እስራኤላውያን ካብ ሀገሮም ተሰዲዶም ን70 ዓመታት ኣብ ስደት ይነብሩ ስለዝነበሩ ። 


ስለዚ ኣብ ባቢሎን ዝዓበየ ባቢሎናውያን ዝመሃሩሉ ትምህርቲ ቤት እናሃለዉ እቶም ባቢሎናውያን ዝበሎዕዎ ምግቢ ንክይበልዑ ዝሰተይዎ ንክሰትዩ ዝተፈቀደሎም እንተሎ ቆሎ፣ ማይ ጥራሕ ንክጥቀሙ ነቲ ኣስኣናጋዲ ነገርዎ። 


ንሱ ድማ ሰውነትኹም እንተተበላሺዩ ንጉሥ ክቁጣዕ እዩ አይኸውንን ምስበሎም ንሳቶም ድማ ንዓሠርተ ማዕልቲ ዝኣክል ቆሎ እቖርጠምና፣ማይ እናሰተና ፈትነና እሞ እቶም ሥጋ ዝበለሸዑን ወይኒ ዝሰትዩን ምሳና ኣነጻጽሮም እንተተበላሺና ክትርእየና ኢኻ በልዎ። 

ድሕሪ ዓሠርተ ማዕልቲ ምስረኣይዎም ካብ እቶም ሥጋ ዝበልዑን ወይኒ ዝሰትዩን ብዝበለጸ ከም ፀሓይ ኣብሪሆም፣ ደሚቆም ተራኣዩ። 


ታሪኹ ብሓጺሩ ናቡከደነጾር ሓያልነቱ ፣ገዛኢነቱ ንከርኢ ጣዖት ጠጠው ኣቢሉ ንጣዖት ዘይሰገደ ሰብ ኹሉ ናብ ሓዊ ክድብረይ እዩ ኢሉ ኣዋጅ ኣወጀ ። ነገር ግን ዳንኤል ናይ ናቡከደነጾር ሕልሚ ስለዝተርጎመ ኣብ ባቢሎን ልዕሊ ኹሉ ገይሩ ሾይምዎ ስለዝነበረ ንሱ ድማ ንንጉሥ ለሚኑ፣ ንሲድራቅን ሚሳቅን አብደናጎን ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም። 


 ንጉሥ ናቡከደነጾር ድማ ስሳ እመት ቑመቱ፣ ሹድሽተ እመት ወርዱ ናይ ወርቂ ምስሊ ገበረ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ነቲ ጣዖት ኣቖሞ። 


ንጉሥ ናቡከደነጾር ከዓ ንመሳፍንትን ፣ሹመኛታትን፣ ራእስታትን ፣ዳኛታትን ፣መገብትን፣ ኣማኸርትን ፣ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኔታትን፣ ነቲ ንጉሥ ናቡከደነጾር ዘቘሞ ምስሊ ምእንቲ ከኽብርዎ ክእከቡ ለኣኸሎም።


ሽዑ እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ ዝተሾሙ ምስለኔታትን ነቲ ንጉሥ ናቡከደነጾር ዘቘሞ ምስሊ ከኽብርዎ ተኣከቡ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ናቡከደነጾር ዘቘሞ ምስሊ ድማ ቘሙ።

እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ ኣቱም ህዝብታትን ወገናትን፣ ቋንቋታትን፣ ናይ መለኸት ድምፂን ፣እምቢልታን፣ መሰንቆን፣ በገናን፣ ጭራ ዋጣን ፣ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚቃን ምስ ሰማዕኩም ነቲ ንጉሥ ናቡከደነጾር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢልኩም ክትሰግድሉ ተኣዚዝኩም ኣሎኹም። ፍግም ዘይበለን ዘይሰገደን ግና ኣብ ዝነደደ እቶን ሓዊ ክድርበ እዩ ኢሉ ኣወጀ።


ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ነቲ ደሃይ መለኸትን፣ እምቢልታን ፣መሰንቆን፣ በገናን፣ ጭራ ዋጣን ብዘሎ መሳርያ ሙዚቃ ምስ ሰምዑ ዅሎም እቶም ኣህዛብ ወገናትን ቋንቋታትን ነቲ ንጉሥ ናቡከደነጾር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢሎም ሰገድሉ።

በቲ ጊዜ እቲ ፦ሓደ ሓደ ሓሰውቲ ከለዳውያን ሰባት ቐረቡ እሞ ነቶም ኣይሁድ ማለት እውን ንሲድራቅን ሚሳቅን አብደናጎን ኸሰስዎም። 


  ንሳቶም ድማ ንንጉሥ ናቡከደነጾር ፦

ዎ ንጉሥ ንዘለኣለም ሕያው ኩን።ዎ ንጉሥ !

ንስኻ ነፍሲ ወከፍ ንድምጺ መለኸትን፣ እምብልታን፣ መሰንቆን ፣በገናን ጭራ ዋጣን፣ ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚቃን ክሰምዕ ከሎ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ክሰግደሉ ነፍሲ ወከፍ ፍግም ዘይብልን ዘይሰግድን ድማ፣ ኣብቲ ዝነድድ ሓዊ ክድርበ ኢልካ ኣዘዝካ።

እምብኣርከስ ዎ ንጉሥ፣ ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ዝሾምካዮም ኣይሁድ ሲድራቅን ፣ሚሳቅን፣ አብደናጎን አለዉ፤ ንሳቶም ንኣማልኽትኻ ኣየምልኹን፣ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂ እውን ኣይሰገዱሉን እዮም በልዎ። ሽዑ ናቡከደነጾር ብጣዕሚ ተናዲዱ ንሲድራቅን ሚሳቅን አብደናጎን ንከምጽእዎም ኣዘዘ። 


እቶም ተለኣኣኽቱ ድማ ነቶም ሠለስቱ ደቂቅ ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ኣምጽእዎም።


         ናቡከደነጾር መለሰ ከምዚ በሎም

  ኣቱም ሲድራቅ፣ ሚሳቅ፣ አብደናጎ እቲ ንኣማልኽተይ ዘይምምላኽኩም፣ነቲ ዘቘምክዎ ምስሊ ወርቂ እውን ዘይምስጋድኩምሲ ንዕቀት ድዩ? ሐዚ ድማ ነቲ ድምጺ መለኸት እምብልታን ፣መሰንቆን፣ በገናን ፣ጭራ ዋጣን ፣ነጋሪት ብዘሎ መሳርያ ሙዚቃን ክትሰምዑ ኸሎኹም ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ ኽትሰግዱሉን ተዳለው።ንሱ ኻልኣይ ዕድል ምሃቡ ማለት እዩ ከምኡ ዝበሎም  እንተ ዘይሰገድኩምሉ ግና ናብቲ ነዳዲ ሓዊ እቶን ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዘናግፈኩም ኣምላክ ኸ መን እዩ ?በሎም።

ሲድራቅን ሚሳቅን አብደናጎን ድማ ነቲ ንጉሥ ከምዚ ኢሎም መለስሉ ዎ ንጉሥ ናቡከደነጾር በዚ ነገር እዚ ምላሽ ክንህበካ ኣየድልየናን።ዎ ንጉሥ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ከናግፈና ይኽእል እዩ።ካብ ኢድካ እውን ከናግፈና እዩ።

ዎ ንጉሥ ንሱ ከናግፈና እንተ ዘይፈተወ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ከም ዘይነምልኾም ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂ እውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ በልዎ።(ጽኑዕ እምነት) ሽዑ ናቡከደነጾር ብሲድራቅን ሚሳቅን ብአብደናጎን ብጣዕሚ ተናደደ፤ ናይ ገጹ መልክዕ እውን ተለወጠ። ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሾውዓተ ኢድ ዝበለጸ ከንድድዎ ኣዘዘ። 

ንሲድራቅን ፣ሚሳቅን ፣አብደናጎን ክኣስርዎም እሞ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ክድርብይዎም ፣ካብ ሠራዊቱ ማእኸል ሓያላት ሰባት ኣዘዘ። 

 

ሽዑ ሠለስቱ ደቂቅ ብቐሚሶምን ብመጓናጸፍያኦምን ብዅሉ ኽዳውንቶምን ተኣስሩ ናብቲ ብጣዕሚ ዝነድድ ዘሎ ሓዊ ድማ ተደርበዩ። እቲ እቶን ድማ ኣዝዩ ስለ ዝረሰነ፣ እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ነቶም ንሲድራቅን ሚሳቅን አብደናጎን ዝደርበይዎም ሰባት ቐተሎም።ኣብ ውሽጢ ንዘለው ከይጎድአ ኣብ ደገ ንዘለው ኣቃጸለ እግዚአብሔር ከምዚ እዩ።


 እቶም ሠለስቱ ደቂቅ ማለት እውን ሲድራቅን ሚሳቅን አብደናጎን ብእሱራቶም ናብቲ ዝጉሃረ ሓዊ ወደቑ።  ሽዑ እቲ ንጉሥ ናቡከደነጾር ሰምበደ፣ ተቐላጢፉ እውን ተንሥአ እሞ፣ ንመማኸርቱ ድማ እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርበናዮምሲ ሠለስተ ሰባት ዶ ኣይኰኑን ? ኢሉ ነገሮም ንሳቶም ድማ ንዑኡ ዎ ንጉሥ ብሓቂ እወ ሠለስተ ሰባት እዮም ኢሎም መለስሉ።

 ንሱ ድማ እንሆ ኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት ምንም ከይተጎድኡ ኣብ ማእኸል ሓዊ ክመላለሱ እርኢ ኣሎኹ ናይ እቲ ራብዓይ መልክዕ ድማ ወዲ ኣምላኽ ይመስል ኢሉ መለሰ።

እቲ ራብዓይ ዝበሎ ቅዱስ ገብርኤል ማለቱ እዩ። 


ምክንያቱ ብቅጽበት መልኣኩ ቅዱስ ገብርኤል መጺኡ ብበትረ መስቀሉ ባሪኹ እቲ ሓዊ ንከየቃጽሎም ገይሩ።

ሠለስቱ ደቂቅ ኣብ ሓዊ ውሽጢ እንተለው እናተመላለሱ ኣብ ባሕሪ ውሽጢ ይሕምሱ ከም ዘለው እዮም ኮይኖም። ድሕር እዚ ናቡከደነጾር ናብ ኣፍ እቲ ዝነድድ ሓዊ ቐረበ እሞ ሲድራቅ፡ ሚሳቅ አብደናጎ ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ ውጹ ፣ናብዚ ንዑ ኢሉ ተዛረበ። 


ሽዑ፦ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ካብቲ ዝነድድ ሓዊ ምንም ከይተነኽኡ ወጽኡ።  እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ኣማኸርቲ ንጉሥን ተኣኪቦም ነቶም ሰባት እቲ ሓዊ ኣብ ሥጋኦም ምንም ሓይሊ ከም ዘይነበሮን ረኣዩ። 

ጸጕሪ ርእሶም ከይተነኽአ፣ እንኳን ሰውነቶም ይትረፍሲ ክዳውንቶም ምንም ናይ ሓዊ ጨና እኳ ኣይሐለፎምን ነይሩ። 

ናቡከደነጾር እዚ ምስረኣየ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘናገፎም፣ዘድሐኖም ናይ ሲድራቅን ሚሳቅን አብደናጎን ኣምላኽ ይባረኽ። ንሳቶም ኣብኡ ተወኪሎም ትእዛዝ ንጉሥ ኣበዩ ፣ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱን ሲ ሥጋኦም ኣወፈዩ ኢሉ ተናገረ።


ከምኡ ገይሩ ከናግፍ ዝኽእል ካሊእ ኣምላኽ የለን እሞ ስለዚ ኣነ ዝኾነ ይኹን ካብ ዘለዉ ኣህዛብን፣ ወገናትን፣-ቋንቋታትን፣ ንንናይ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ኣምላኽ ሕሱም ቃል ዘውጽእ፣ንዑኡ ዘይሰግድ ንሱ ክስየፍ ፣ገዛኡ ድማ መደርበዪ ጐሓፍ ንክኸውን ይእዝዝ ኣሎኹ ኢሉ መለሰ። ድሕር እዚ ነገር ናቡከደነጾር ንሲድራቅን ሚሳቅን አብደናጎን ኣብ ናይ ባቢሎን ኣውራጃ ብዝልዓለ ደረጃ ሾሞም።


    ታሪኹ ካብ ብነዊሑ ብሓጺሩ እዚ እዩ 

እግዚአብሔር ንመልኣኩ ቅዱስ ገብርኤል ልኢኹ እዩ ዘድሐኖም 

እግዚኣብሔር ኣብ ማእኸል ሓዊ ኣቲኻ ምንም ከይተነኻእኻ ንክትተርፍ ምንባር ይኽእል እዩ። ሠለስቱ ደቂቅ ብእምነቶም ብጣዕሚ ጽኑዓት ሙኻኖም ኣብ ባቢሎን ዘሎ ኹሉ ሰብ ነቲ ጣዖት ፍግም ኢሉ ክሰግድ እንተሎ ኣይንሰግድን ኢሎም ብእምነቶም ዝጸንዑ ሰባት እዮም። 

ለምስል ዘወርቅ ዘገበርከ ኢንሰግድ ለከ ሀሎ አምላክነ ወሀሎ ንጉሥነ እምእዴከ ውእቱ ያድኅነነ" ንዝሰራሕካዮ ናይ ወርቂ ምስሊ ኣይንሰግድን፣ ካብ ኢድካ ዘድሕነና ኣምላኽና ኣሎ፣ንጉሥና ኣሎ ኢሎም ብእምነቶም ጸኒዖም። 


    እምነቶም ዝገርም ሙኻኑ

ሓደ ፦እግዚአብሔር ከድሕነና እዩ ኢሎም

ካልኣይ፦ነገር ግን ዋላ ኣየድሕነና እምበር ንስካ ንዘቖምካዮ ምስሊ ብፍጹም ኣይንሰግድን ምባሎም ዝገርም እዩ። እግዚአብሔር ድማ እምነቶም ርእዩ እዩ መልኣኩ ልኢኹ ኣድሒንዎም ዘሎ። 


ካብ ሠለስቱ ደቂቅ እንታይ ንምሃር ?

➡ብምሉእ ልቢ ምእማን

➡ብሓቀኛ አቋም ምጽናዕ

➡እግዚአብሔር ከድሕን ሙኻኑ ዘይምጥርጣር

➡ድሕነት ምርካብ 

➡ካብ ንጉሥ ንላዕሊ ንእግዚአብሔር ምእዛዝ፣ምፍራሕ

➡ብምድራዊ ሥልጣን ንእግዚአብሔር ዘይምሕዳግ ወዘተ ክንምሃር ንኽእል ኢና።


ንሳቶም ንዝፈጠረና እምበር ንዝተፈጠረ ጣዖት ኣይንሰግድን ኢሎም እዮም ኣብዮም። 


ንሕና ኸ ንጣዖት ንሰግድ ዶ ኣለና?

ጣዖት ማለት ካብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ምስሊ ማለት ጥራሕ ኣይኮነን። ካብ እግዚአብሔር ንላዕሊ ንገንዘብ ተገዛኢ ሙኻን ጣዖት ምምላኽ ማለት እዩ። 


ካብ ንጽሕና ወጺእኻ ዝሙት ምፍጻም ንዝሙት ተገዛኢ ሙዃን ጣዖት ምምላኽ እዩ።  ብሓጺሩ እግዚአብሔር ዘይፈትዮ ነገር ምስራሕ ጣዖት ምምላኽ ማለት እዩ። 

ስለዚ ንናይ ዝሙት ጣዖት ፣ንናይ ሓሶት ጣዖት ፣ንናይ ገንዘብ ምፍቃር ጣዖት፣ንናይ ምጽላእ ጣዖት፣ንናይ ሓሜት ጣዖት ንሰግድ ከይንህሉ ሰውነትና ንፈትሽ 


ከም ሠለስቱ ደቂቅ ጽኑዕ እምነት ክህልወና ኣለዎ 

ንናይ ዝሙት ጣዖት ፣ንናይ ሓሶት ጣዖት ፣ንናይ ገንዘብ ምፍቃር ጣዖት፣ንናይ ምጽላእ ጣዖት፣ንናይ ሓሜት ጣዖት ክንሰግድ የብልናን ማለት እውን ንዓኣቶም ክንኽተል የብልናን። መልአኩ ቅዱስ ገብርኤል ንሠለስቱ ደቂቅ ካብ እቶነ እሳት ዘድሐነ ንዓና እውን ካብ መከራ ካብ ፈተና ይሰውረና አሜን።

  

    ትማሊ ንሠለስቱ ደቂቅ ካብ ሓዊ ንዳንኤል ካብ ኣናብስት አፍ ዘድሐና ኣምላኽ ሐጂ እውን ኣሎ እዩ ። መንግሥቱ ዘለዓለም ወምኩናኑኒ ለትውልደ ትውልድ። ( ስለ ሠለስቱ ደቂቅ ታሪኩ ብሓጺሩ ትንቢተ ዳንኤል ካብ ምዕራፍ 1 እስካዕ ምዕራፍ 3 መወዳእታ) 


እግዚአብሔር ምስ ኹላትና ይኹን ተራዳኢነት ናይ ቅዱስ ገብርኤል ምስ ኹላትና ይኹን ኣሜን።


ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==


ወስብሐት ለእግዚአብሔር



Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና