ጽንሰታ_ለእግዝእትነ_ቅድስት_ድንግል_ማርያም
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን።! ጽንሰታ_ለእግዝእትነ_ቅድስት_ድንግል_ማርያም Son St Michael 7_ነሓሰ_ጽንሰታ_ለእግዝእትነ_ቅድስት_ድንግል_ማርያም ፯/7 ነሓሰ ጽንሰታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ኣብ ሕልና ኣምላኽ ዝነበረት ከም ምዃና ገና ከይተወለደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባኤ ተቆጺሩላ ዝነበረን፡ ምስ ተወልደት ውን ኣደ ኣምላኽ እና ተባህለት ከም እትነብር ቅዱሳን መጻሕፍቲ ዝመስከሩላ ኢዮም። ብዛዕባ ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ነቢይ ኢሰይያስ ካብ እግዚኣብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ትንቢት “ትወጽእ በትር እም ሰርወ እሰይ ወየዓርግ ጽጌ እምጉንዱ” ካብ ጉንዲ እሴይ በትሪ ክትወጽእ ካብቲ ጉንዲ በትሪ ድማ ዕምበባ ጠጥዔ ክወጽእ ኢዩ ተባሂሉ ተነጊሩ ኔይሩ። (ኢሳ ፲፩፡፩/11፡1) ኣብዚ ቃል እዚ በትሪ ዝተባህለት ወይ ብበትሪ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ክትከውን ከላ ዕምባባ ወይ ጠጥዔ ዝተባህለ ድማ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም መጺኡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ካብኣ ምውላዱ ዘመልክት ትንቢት ኢዩ። ቅዱሳን ነቢያት እግዚኣብሔር ብዝገለጸሎም ረቂቕ ናይ ትንቢት ምስጢር ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ልደት በብግሎም ዝተነበዩ ነቢያት ብዙሓት’ዮም።ንኣብነት ቅድሚ ኢሳይያስ ዝነበረ ቅዱስ ዳዊት ንልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣመልኪቱ “እግዚኣብሔር ንጽዮን ሓርይዋ (መሪጽዋ) እዩ’ሞ መሕደሪኡ’ውን ክትከውን በሃጋ እዚኣ ንሃዋሩ መዕረፊተይ ኢያ ብሂገያ ኣለኹ’ሞ ኣብዚኣ ክነብር ኢየ” ይብል።(መዝ 131፡13-14) ጽዮን ኢሉ ጸዊዕዋ ዘሎ ንቅድስት ድንግል ማርያም ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ...