ገዳም ደብረ ቢዘን

  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን! 

     ........ገዳም_ደብረ_ቢዘን....


ገዳም ደብረ ቢዘን፡ ካብ ገዳማተ ኤርትራ፤ እቲ አዝዩ ስሙይን ብዝውንኖ መጻሕፍቲ፡ ንዋየ ቅድሳትን ክሳብ ሕጂ ብዘመንኮሶም ብዝሒ መነኮሳትን ሊቃነ ጳጳሳትን አብ 1ይ ደረጃ ዝስራዕ ገዳም እዩ። ገዳም ደብረ ቢዘን፡ አብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ከተማ አስመራ 25 ኪ.ሜ ንሸነኽ ምብራቕ ርሒቑ ዝርከብ፤ ካብ ነፋሲት ድማ አስታት 7 ኪ.ሜ ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ አብ አዝዩ በሪኽ እምባ ቢዘን ተገዲሙ ዝርከብ እዩ። ነዚ ገዳም'ዚ ብ1360 ዓ.ም ዝመስረትዎ ጻድቕ አቦና አቡነ ፊሊጶስ እዮም። 


ጻድቕ አቦና አቡነ ፊሊጶስ ብጥቅምቲ 1319 ዓ.ም አብ እዋን ዘመነ መንግስቲ ዓምደ ጽዮን ካብ አብኦም ይርድአነ እግዚእን ካብ አዲኦም መግደላዊትን ዝተባህሉ ቅዱሳን ወለዲ አብ አንከረባርኳ (ጎላጉል)- ትግራይ ተወልዱ። ብ18 ሕዳር አብ በዓለ ሓዋርያ ፊሊጶስ ስለዝተጠምቁ ድማ ፊሊጶስ ኢሎም ሰመይዎም። አብ 12 ዓመት ዕድሚኦም መንፈስ እግዚአብሔር ዝሓደሮም ብቑዕ ብምንባሮም አብ ደብረ ጸራቢ አተዉ'ሞ ካብ አቡነ በኪሞስ አርዑተ ምንኩስና ተቐበሉ። አብ ዝተፈላለየ ቦታታት ምድሪ ባሕሪ (ኤርትራ) እናተንቀሳቐሱ ወንጌል እንዳሰበኹ ብብሕትውና ድሕሪ ምንባሮም ምስ 16 አርድእቶም ናብ ገዳም ደብረ ቢዘን አትዮም ብ1365 ዓ.ም ሓድነትን ማሕበራዊ ናብራን አቑሞም ገደምዎ። ካብኡ ንደሓር ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዶም ክነብሩ ጀመሩ። 


ብድሕር'ዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ከም'ዚ በሎም፡ "ንኹሉ አብ ሰማይን ምድርን ዘሎ ምስጢራት ከምኡ'ውን 81 ቅዱሳት መጻሕፍቲ ገሊጸልካ አለኹ። ብምልክት ካብ መምህር ስለዘይተመሃርካ ስምካ 'ፋድል ፊሊጶስ' ይኹን።" "ፋድል" ማለት ፊደል ዘይቆጸረ ወይ ዘይተማህረ ማለት እዪ። አቡነ ፊሊጶስ አብ ገዳሞም ደብረ ቢዘን ብብዙሕ ተጋድሎ ድሕሪ ምቕማጥ አብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኦም ብ 5 ነሃሰ ዓረፉ። ዓመት መጸ 5 ነሃሰ ድማ ዓመታዊ ክብረ በዓሎም ኮይኑ አብ'ቲ ገዳሞም ካብ መላእ ኤርትራ ብዝመጹ ሊቃውንቲ መዘምራን ብስብሃታትን ማህሌትን እንተላይ ብአሽሓት ዝቑጸሩ ደቂ ተባዕትዮ ምእመናን አብ ዝተረኽቡሉ ብዓቢ መንፈሳዊ ድምቀት ይኽበር። 

ገዳም ደብረ ቢዘን፡ አብ ውሽጡ 2 አብያተ ክርስትያናት ማለት ድማ፥ ቅድስት ስላሴን አቡነ ፊሊጶስን ዝሓዘ እዩ። ብመሰረት መዛግብቲ ናይ'ቲ ገዳም ዝሕብሮ ድማ ገዳም ደብረ ቢዘን ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 100,000 መነኮሳት፡ መናንያንን አርድእትን አፍርዩ እዩ። ብተወሳኺ'ውን እቲ ገዳም ካብ 1930 ዓ.ም ጀሚሩ 6 ሊቃነ ጳጳሳት አፍርዩ አሎ። አብ'ቲ ገዳም አበምኔት ኔሮም ብድሕሪኡ አብ ጊዜ መግዛእቲ ጥልያን አብ 1930 ካብ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ቅብጥ ናይ ፈለማ ሊቀ ጳጳስ ኤርትራ ዝኾኑ ኤርትራዊ በዓል ሰሳሕ አቡነ ማርቆስ እዬም። ብድሕሪኡ'ውን አቡነ ማርቆስ አብ ግዜ ፌዴሬሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ አባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዬጵያን ሊቀ ጳጳስ ኤርትራ ወዘትግራይ ኮይኖም ንንውሕ ዝበለ ዓመታት አገልጊሎም እዬም። 

አብ 1953 ዓ.ም ግእዝ ድማ አብ መንገዲ አስመራ ምጽዋዕ ከባቢ ደንጎሎ ታሕታይ ዝጎዓዙላ ዝነበሩ ማኪና መንገዲ ስሒታ ብምግምጣላ፡ ከቢድ አካላዊ መጉዳእቲ አጓኒፍዎም አብ ሆስፒታል መካነ-ህይወት አስመራ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ድሕሪ ምጽናሕ ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ዓሪፎም። ስነ-ስርዓት ቀብሮም ድማ አብ'ቲ ዝዓበዩሉ፡ ዝመንኮሱሉን አበምኔት ዝኾኑሉ ገዳሞም ገዳም ደብረ ቢዘን ብጹእ ወቅዱስ አቡነ ባስሌዎስ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ካልኦት ሊቃነ ጳጳሳትን መምህራንን መነኮሳትን ገዳማተ ኤርትራ፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲን ብአሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናን አብ ዝተረኽቡሉ ብዓቢ ክብሪን መንፈሳዊ ስነ ስርዓትን ተፈጺሙ።

 ብጹእ አቦና እቲ ናይ ማኪና ሓደጋ ዘጋጠሞም ቦታ፤ ብድሕር'ቲ ሓደጋ ብፍቓድ እግዚአብሔር ማይ ካብ ውሽጢ መሬት ክፍልፍል ጀሚሩ። ክሳብ ሕጂ ድማ "ማይ አቡን" ዝብል ስም ተዋሂብዎ ምእመናን ከም ማይ ጨሎት ይጥቀሙሉ አለው። ገዳም ደብረ ቢዘን፡ ደቂ ተባዕትዮ መነኮሳት ጥራይ ዝነብርዎን አብ ዝኾነ እዋን እውን ደቂ አንስትዮ ዘይድይባኦ ስፍራ ጽሞናን ብሕትውናን እዩ። ገዳም ደብረ ቢዘን፡ ማእከል መንፈሳዊ ትምህርቲን ፍልስፍናን (School of thought)፡ ብሕትውናን ምርምርን ኮይኑ ንነዊሕ እዋን ርእሰ አድባራትን መወከሲን ናይ ቤተ ኤዎስጣቴዎስ ስርዓተ አስተምህሮ ኮይኑ አገልጊሉ እዩ።

 ከምዝፍለጥ፡ ብዛዕባ አካባብራ ቀዳሚት ሰንበት ብዝምልከት አብ መበል 14 ክ/ዘመን ምስ ቤተ ተክለሃይማኖት ናይ ደብረ ሊባኖስ ሽዋ አብ ሃይቅ እስጢፋኖስ አብ ዝተገብረ ሃይማኖታዊ ዋዕላ፡ አቡነ ፊሊጶስ ምስ ሰዓብቶም አብ'ቲ ጉባኤ ተሳቲፎም ንቅዱሳት መጻሕፍቲ መሰረት ጌሮም ብዝሃብዎ ረቂቕ መንፈሳዊ ትንተና ንሊቃውንቲ ቤተ ተክለ ሃይማኖት ረቲዖም ንቀላይ ሃይቅ እስጢፋኖስ ድማ ብተአምረ እግዚአብሄር ከምዝነድድ ጌይሮም እዮም። በዚ ድማ "ፊሊጶስ አንዳዴ ባህር" ዝብል መንፈሳዊ ማዕርግ ተቐቢሎም ናብ ገዳሞም ገዳም ደብረ ቢዘን ተመሊሶም እዬም።

 ካብ ሽዑ ንደሓር ድማ ሰንበት ጥራይ ዘይኮነት ቀዳም እውን ክትከብር ከምዘለዋ አብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ብወግዒ ተአዊጁ ክሳብ ሕጂ ድማ ብኸምኡ ይኸይድ አሎ። ገዳም ደብረ ቢዘን ምናልባት እዉን አብ ጊዜ ወራር ግራይ አሕመድ ጉድአት ስለዘይበጽሖ ክኸውን ይኽእል፡ አብ ካልኦት ገዳማት ዘይርከቡ መንፈሳዊያን መጻሕፍቲ ይውንን ኢዩ።

 ሓደ ካብኡ ድማ አብ ጊዜ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ብሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቕበ ጊዮርጊስ ናብ አምሓርኛ ዝተተርጎመ ናይ ቀዳሞት ፈላስፋታት ግሪኽ አስተምህሮ ዝሓዘ "አንጋረ ፈላስፋ" ዝብል ናይ ግእዝ መጽሓፍ እዩ። እዚ መጽሓፍ ቅድሚ ገለ ዓመታት ብሓልዮት ስድራ ቤት ነፍስ ሄር ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቕበ ጊዮርጊስ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ተተርጒሙ አብ ኢድ ምእመናን በጺሑ እዩ። ገዳም ደብረ ቢዘን ካብ ግዜ ጥልያን አትሒዙ ተጠቃሚ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ቴሌፎንን ዝኾነ ገዳም እዩ። ክሳብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝዝርጋሕ አሽሓት ሄክታር ዝሕረስ መሬት እውን አለዎ። አማኢት ናይ ጸባ ከብቲ፡ አእዱግን ኣባቕልን እውን ሃብቲ ናይ'ቲ ገዳም እዮም። 

ብተወሳኺ'ውን አብ ከተማ አስመራን ካልኦት ከተማታትን ካብ ምእመናን ብህያብ ዝተቐበሎም እሞ አካርዩ ዝጥቀመሎም አማኢት ናይ መንበሪ አባይቲን ትካላትን አለውዎ። ገዳም ደብረ ቢዘን ካብ ኤርትራ ወጻኢ እውን አብ ትግራይ/ኢትዮጵያ ከባቢ ዓድዋ ፍሉይ ስሙ ደብረ ገነት አብ ዝተባህለ ቦታ ሰፊሕ ዝሕረስ ጉልቲ ብሃጸይ ዮሃንስ ተዋሂቡ ኔሩ እዩ። ነዚ ናይ ሕርሻ መሬት ድማ ስርዓት ደርግ መጽዩ ክሳብ ብአዋጅ "መሬት ላራሹ" ዝህግሮ እቲ ገዳም መነኮሳት እንዳሰደደ ይከታተሎን ይጥቀመሉን ኔሩ እዩ።



 ምንጪ ካብ ሰነዳት ገዳም ደብረ ቢዘን ሰላም ለኩም 


ኣብዚ ጥብቆ ኣቲና ነዚ ገጽ ፈለው ሸር ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና ።"

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==




ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!



 

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና