Posts

Showing posts from October, 2022

ምስጢረ ትንሣኤ ምውታን

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜንንን  ምሥጢረ ትንሣኤ ሙውታን ምሥጢረ ትንሣኤ ሙውታን  ምሥጢረ ትንሣኤ ሙውታን ትንሣኤ ዝብል ቃል፡  ‹ተንስአ› ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ‹ምትንሳእ› ማለት እዩ። ነፍስን ስጋን ብሞት ድሕሪ ምፍልላየን፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ብትንሳኤ ዘጉባኤ ይራኸባ። ትንሳኤ ክንብል ከሎና ብዛዕባ ትንሳኤ ስጋ ንዛረብ ከም ዘለና ከነስተብህል ይግባእ። ምኽንያቱ ነፍሲ ብባህሪኣ ዘይትመውት ብምዃና እዩ። ስለዚ ትንሳኤ እንብሎ፡ ስጋ በስቢሱ፡ ፈሪሱ ካብ ዝነብረሉ ዝነበረ መቓብር፡ ምስ ነፍሲ ከም እንደገና ተወሃሂዱ፡ ብስልጣነ እግዚኣብሔር ክትንስእ ከሎ እዩ። (ዳን 12፡13፤ 2እዝ 7፡8) ትንሳኤ ዘለዎ ፍጡር መን እዩ፧ ካብ ዕስራን ክልተን ስነ ፍጥረት፡ መላእኽቲ ዘይሞቱ ብምዃኖም ትንሳኤ ኣይምልከቶምን እዩ።  ካብቶም ዝተረፉ ግና ሰብ ንበይኑ ድሕሪ ሞቱ ትንሳኤ ኣለዎ። ንሰብ ትንሳኤ ዘድለየሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሰብ ብቐደሙ’ውን እንተኾነ ነፍሱን ስግኡን ከይተፈላለያ ብህይወት ንኽነብር ደኣ እምበር ንኽመውት ስለ ዘይተፈጥረ እዩ። (1ይተሰ 5፡9) ይኹን እምበር ሰብ እግዚኣብሔር ኣብ ዘቐመጦ ስፍራ ጸኒዑ ስለ ዘይተረኽበ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈርዶ። ደሓር ግና ንስሓ ስለ ዝኣተወ ትንሳኤ ሙታን ተኣወጀሉ። ነቢይ እግዚኣብሔር ዳንኤል “እቶም ዝሞቱ ክትንስኡ እዮም። ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ገሊኦም ኸኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን ክኸዱ እዮም።” ከም ዝበሎ፡ ሰብ ክፉእ ሰሪሑ ጽቡቕ ካብ ሞት ክትንስእ እዩ። (ዳን 12፡2) ካልኦት ነቢያትን ሃዋርያትን’ውን ከምኡ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ብዙሕ ገሊጾም እዮም።  ኢሳ 26፡19  “ምውታት ህዝብና...

ምጽዋት_ብኸመይ_ንህብ

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜንንን  ምጽዋት ምጽዋት  ምጽዋት_ብኸመይ_ንህብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጽር መቐበል ምጽዋት ተቐሚጡ፥ እቶም ሰብ ኣብቲ መቐበል ምጽዋት ከመይ ጌሮም ገንዘብ ከምዘውድቑ ዝነበሩ ይርኢ ነበረ [ወንጌል ማርቆስ=2፥41-44] እግዚአብሔር ኣብ አንህበሉ እዋን ልዕሊ መጠን ገንዘብና ንድሌታትናን ስምዒታትናን ይዕዘብ። ኣቤልን ቃኤልን ክልቲኦም ናብ እግዚአብሔር መስዋእቲ ኣቕረቡ፥ እግዚአብሔር ግን ናይ ኣቤል ጥራይ ተቐበለ [ዘፍ=4፥4-5] ።  ኣብ_ዕዳ_ከምዘለኻ_ኣይትረስዕ ምጽዋት ክንህብ እንከለና ነቲ ኩሉ እንውንኖ ነገራት ንዝሃበና ኣምላኽና ንእሽቶ ክፋል ዕዳና ንመልሰሉ ከምዘለና ምስትብሃል የድልየና። ነቢይ ዳዊት ንቤት እግዚአብሔር መስርሒ ዝኸውን ወርቅን ብሩርን ኣብ ዝእከበሉ ዝነበረ እዋን ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ “ከምዚ ብፍታው ከነቕርብ ዝኸኣልናስ፡ ኩሉ ካባኻ ደኣ እዩ፡ ካብ ኢድካ'ውን ኢና ሂብናካ ዘሎና እሞ፡ ኣነ መን እየ እዞም ህዝበይከ እንታይ እዮም [1ይ ዜና=29፥14] እግዚአብሔር ኩሉ እንውንኖ ነገራት ሃበና።  ስለዚ ንሕና ካብቲ ዝሃበና ገለ ንዕኡ ህያብ ብምሃብ ምስጋናና ክንገልጽ ግቡእ እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽና ነገራዊ ህያባት ጥራይ ዘይኮነ ሂቡና ብዓቢኡ ምእንቲ ድሕነትና ገዛእ ርእሱ ኣብ መስቀል ከም መስዋእቲ ኣሕሊፉ ሂቡና እዩ።  “ከመይ ካብቲ ካብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩምዎ ከንቱ ዝኾነ ህይወት፡ ብደም እቲ ኣበርን ርኸሰትን ዘይብሉ ገንሸል፥ ማለት ብኽቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም ዝደሓንኩም፡ እምበር ብጠፋኢ ነገር፥ ብብሩር ወይ ብወርቂ ከምዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም [1ይ ጴጥ=1፥18-19) "ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፡ ንስኻትኩም በቲ ...

ምስጢረ ሥጋዌ

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜንንን ምሥጢረ ሥጋዌ     ምሥጢረ ሥጋዌ ማለት ካብ ሰለስተ ኣካላት ሥላሴ፡ ወልደ እግዚኣብሔር ብፍሉይ ኣካሉ ስጋ ዝተወሃሃደሉን ሰብ ዝኾነሉን ምሥጢር እዩ።    እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኣዳምን ንሄዋንን ካብ ኣርባዕተ ባህርያተ ስጋ ሓሙሻይ ባህርየ ነፍሲ ኣዋሂዱ፡ ንኣዳም ናይ 30 ዓመት ጐበዝ ንሄዋን ኸኣ ናይ 15 ዓመት ጐርዞ ጌሩ ኣኽቢሩ ፈጠሮም። ብዘይካ ዕጸ በለስ ኩሉ ብልዑ፡ ግዝኡ፡ ኢሉ ክብሩ ክወርሱ ንስሙ ክቕድሱ ፈቐደሎም። (ዘፍ 2፡16) እዚ ኸኣ ናቱ ኣምላኸነት ናታቶም ፍጡርነት፥ናቱ ገዛእነት ናታቶም ተገዛእነት ንኽፈልጡ፡ ብስርዓትን ምግባርን ንኽኸዱ ትእዛዝ ንኸቑመሎም እምበር ዕጸ በለስ ዝኸልከሎም በቒቑሎም ኣይኮነን። ብእኡ ኣቢሉ'ውን ሥርዓተ ጾም ንምምሃር ነበረ።  ንሳቶም ግና ነዚ ትእዛዝ'ዚ ጥሒሶም ሞተ ስጋ ሞተ ነፍስ ኣብ ገዛእ ርእሶም ፈረዱ። (ሮሜ 5፡12) ናብ’ዛ ዘለናያ መሬት'ውን (ምድረ ፋይድ) ተሰዱ። (ዘፍ 3፡1-13) እግዚኣብሔር ርህሩህ፡ መፍቀሬ ሰብ፡ መሓሪ ብምዃኑ፡ ኣዳምን ሄዋንን ብዝገበርዎ ኣዝዮም ምስ ተጣዕሱ ንስሓኦም ተቐቢሉ፡ ብኽያቶም ሰሚዑ፡ “ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ” ዝብል ቃል ተስፋ ሃቦም። (መጽሓፈ ቀሌምንጦስ ገጽ 13፤ መዝ 88፡1፤ 2ይጴጥ 3፡8፤ ገላ4፡5) ነቶም ወረስቲ ተስፍኡ'ውን ብማሕላ ኣጽንዓሎም።  (እብ 6፡17) እቲ ዝተጠቕሰ ሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዘመን ምስ ተፈጸመ፡ ዝተዛረቦ ዘይርስዕ ዝሃቦ ተስፋ ዘይነስእ (ዘይከልእ) ጐይታ ከምቲ ሱባኤ ዝተቖጽረሉን ትንቢት ዝተነግረሉን፡ ካብ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወ...

ምስጢረ ቁርባን

Image
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜንንን    ምሥጢረ ቁርባን  ምሥጢረ ቁርባን      ቁርባን ቃሉ ናይ ሱርስትን ዓረብን ኮይኑ፡ ትርጉሙ ኸኣ ንኣምላኽ ዝቐርብ ዝወሃብ መንፈሳዊ ኣምሃ፡ መስዋእቲ፡ ሞባእ ማለት እዩ። ነቲ ቓል ብሓፈሻ ክንርእዮ ከሎና፡ ሰብ ንኣምላኹ ዘቕርቦ ነገር ኩሉ ዝሓዘ ክኸውን እንከሎ፡ በዚ ኣርእስቲ እዚ ንርእዮ ግና ብዛዕባ'ቲ ኣማናዊ ቁርባን ወይ ከኣ ሓቀኛ መስዋእቲ ዝኾነ ምሥጢረ ቁርባን እዩ። ምሥጢረ ቁርባን ማለት እቲ ካህን ነቲ ሕብስቲ ኣብ ጻሓሊ፡ ነቲ ወይኒ ኸኣ ኣብ ጽዋእ ጌሩ ብጸሎተ ቅዳሴ ምስ ባረኾ፡ እቲ ሕብስቲ ተለዊጡ ስጋ መለኮት፡ እቲ ወይኒ ተለዊጡ ደመ መለኮት ዝኾነሉ፡ ንሕና’ውን ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ነቲ ናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን እንቕበለሉ ዓቢይ ምሥጢር እዩ።  </ምሳሌ ምሥጢረ ቁርባን ኣብ ብሉይ ኪዳን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መልእልተ መስቀል፡ ንቕዱስ ስግኡ ቖሪሱ፡ ንኽቡር ደሙ ኣፍሲሱ ቅድሚ ምሃቡ፡ ኣብ ዘመነ ብሉይ ቅዱስ ቁርባን ብምሳሌ ተገሊጹ ንረኽቦ ኢና። ኣብ ግዜ ብሉይ ሰባት ንኣምላኾም ክልተ ዓይነት ህያብ የቕርቡ ነበሩ፡ እዚኣቶም’ውን ካብ እንስሳን ካብ ኣዝርእትን(ተኽልን) ዝቐርቡ ህያባት እዮም ኔሮም። እቲ ካብ እንስሳ ዝቐርብ መስዋእቲ ክበሃል እንከሎ፡ እቲ ካብ ኣዝርእቲ(ተኽልታት) ዝቐርብ ድማ ቁርባን ይበሃል። ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ ዝነበሩ ኣበው ካብ እንስሳታት(በጊዕ፡ ርግቢት፡ ብዕራይ…)፡ ካብ ኣዝርእቲ(ስርናይ)፡ ካብ ኣትክልቲ(ወይኒ)፡ ብምሓዝ ቁርባን የቕርቡ ነበሩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን እቲ ሓቀኛ ቅዱስ ቁርባን ቅድሚ ምምስራቱ፡ ኣብ ሕገ ልቡናን ሕገ ኦሪትን ብብዙሕ ምሳሌታት ይቐርብ ነበረ። ን...