ቀዳም_አንስት

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን!

ቀዳም_አንስት




ቀዳም አንስት ተባሂላ ትጽዋዕ።


ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ስብከቱ ርእሱ ምስ ገለጸ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ይክተልዎ ነይሮም ካብ ኣቶም ድማ ደቂ ኣንስትዮ እውን ነይረን፡ እተን ናይ ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣንስት ደቀ መዛሙርት ንጎይታ ብገንዘበንን ብጉልበተንን ዘገልግላ ዝነበራ ከም ማርያም መግደላዊት፡ ማርያምን ማርታን ኣሕዋት ኣልኣዛር፡ ማርያም ኣደ ያእቆብን ወዘተ ክሳብ ናይ ጎይታ ስቕለቱ እናበኸያ ክሳብ ቀራንዮ ዝሰዓባ፡ድሕሪ ስቅለት ጎይታ ድማ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ፍርቂ ለይቲ ተሲአን ናብ መካነ መቓብር ሹቶ ሒዘን ብምግስጋሰ ንሳተን ድማ እቲ እምኒ ካብቲ ኣፍ መቃብር መን ከልዕለልና እዩ ተበሃሃላ እቲ እምኒ ኣመና ገዚፍ ነበረ እሞ፡ ቅንዕ ኢለን እንተ ጠመታ እቲ እምኒ ተገልቢጡ ረኣይኦ፡ ናብቲ መቓብር ኣትየን ከኣ ብወገን የማን መልኣኽ ተቐሚጡ ምስ ረኣያ ኣመና ፈርሃ እቲ መላእኽ ድማ ኣይትፍርሃ ንስኻትክን ነቲ ዝተሰቕለ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ኢኽን እትደልያ ዘለኽን ተሲኡ እዩ ኣብዚ የለን እቲ ዝተቐበረሉ ቦታ እንሆ፡ ስለዚ ኪዳ ንደቀ መዛሙርትን ንጴጥሮስ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እዩ ከምቲ ዝበለኩም ከኣ ኣብኡ ኽትሪእዎ ኢኺም ኢልኽን ንገረኦም በለን፡ ፍርሓት ራዕድን ምንቅጥቃጥን ተሓዋዊስወን ነበረ እሞ ካብቲ መቓብር ወፂአን ጉየያ ፈሪሐን ስለ ዝነበራ ንሓደኳ ኣይነገራን።

  

እታ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዘውጸኣላ ማርያም መግዳላዊት ኣብቲ መካነ መቓብር ኮይና ትሓዝን ትበኪ ነበረት እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ ጠመተት፡ ኣብቲ ጎይታ ዝተቐበረሉ ድማ ጻዕዳ ዝተኸደኑ መላእኽት ሓደ ብትርአስ እቲ ሓደ ድማ ብእግሪ ረኣየት ንሳቶም ድማ ኣቲ ሰበይቲ ንምታይ ትበኽይ ኣለኺ በልዎ፡ ንሳ ድማ ሚሒር ንጎይታ ትፍትዎ ነበረት እሞ ንጎይታይ ናበይ ከም ዝወሰድዎ ኣይፈልጥን በለቶም፡ ብድሕሪ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብድሕሪኣ ኮይኑ ኣቲ ሰበይቲ ንምታይ ትበኺ ኣለኺ ንመ ትደልይ ኣለኺ በላ። 


ንሳ ድማ ሓላዊ ኣትኽልቲ መሲልዋ ጎይታይ ንስኻ ወሲድኻዮ እንተኮይንካስ ንገረኒ ሽቶ ክቀብኦ በለቶ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ማርያም በላ ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ ብዕብራይስጥ "ረቡኒ" በለቶ መምህርይ ማለት እዩ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ በላ ገና ናብ ኣቦይ ስለ ዘይዓረግኩ ኣይትንኽእኒ ግና ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ ናብ ኣቦይን ኣቦኻትኩምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እዓርግ አለኹ በልዮም "በላ፡ ማርያም መግደላዊ ድማ እቲ ብዓይና ዝረአየቶን ጎይታ ዝበላን ኩሉ ንደቀ መዛሙርት ነገሮቶም (ዮሃ 20:1-17)።




በዚ መሰረት ዳግማይ ትንሳኤ ዕለተ ቀዳም ቅድሚ ኩሉም ሓወርያት ናይ ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ንዝተገልጸለን ቅዱሳት ኣንስት ንምዝካር ዳግማይ ትንሳኤ ቀዳም ኣንስት ተባሂላ ተሰይማ።

  


ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe

https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html

 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y

https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==







ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!






Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና