ዳግማይ ትንሣኤ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን!

 ዳግማይ ትንሣኤ


ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ ብኃይሊ ሥልጣኑን ግርማ መለኮቱን ንሞት ስዒሩ ተንሥአ። “ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተንሥአ። በዚ ኸኣ ናይቶም ዝሞቱ በዅሪ ትንሣኤ ኮነ” ኢሉ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝተዛረቦ፡ ጐይታ ምስ ተንሥአ፡ እቶም ኣቐዲሞም ዝተነበዩ ትንቢታትን ዝተመሰሉ ምሳሌታትን ተዘንጊዖም፡ ብትንሣኤኡ ሓደ እኳ ዝኣመነ ኣይተረኽበን።


ከምቲ ወንጌላዊ ዮሓንስ ዝገለጾ፡ “በታ ቐዳማይቲ መዓልቲ ሰሙን ማርያም መግደላዊት ገና ጸልማት ከሎ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጽአት እቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ። ስለዚ ንሳ ጐይያ ናብ ስምዖን ጴጥሮስን ናብቲ ኢየሱስ ዘፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ ‘ንጐይታና ኻብ መቓብር ወሲዶምዎ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን’ በለቶም።”


በዚ እቶም ደቀ መዛሙርት ንቓል ጐይታ ረሲዖም ካብ መቓብር ዝወሰድዎ መሲልዎም ጐዮም ናብ መቓብር ከይዶም እንተሰኣንዎ፡ ፈሪሆም ናብ ገዛ ብምእታው ማዕፆኦም ሸጕሮም ይጽበዩ ነበረ። እታ ተስፋ ዘይቈረጸት ማርያም መግደላዊት ደጋጊማ ናብ መቓብር ጐይታ ብምምልላስ ሥጋ ጐይታ ብምድላያ ትንሣኤ ጐይታ ንኽትርእን ንኸተበሥርን በቕዐት።


እቶም ደቀ መዛሙርት ነቲ ዝኸውን ይጽበዩ ብምንባሮም ጐይታ ከምቲ መቃብር ክፈቱሉይ ከይበለ ዝተንሥአ ማዕፆ ክፈቱለይ ከይበለ ኣትዩ ትንሣኤኡ ኣበሠሮም።


ኣብዚ ጊዜ ግና ካብቶም ደቀ መዛሙርት ሓደ ዝኾነ ቶማስ ምስኦም ኣይነበረን። ብድኅር’ዚ ብዛዕባ ትንሣኤ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣበሠረዎ ወገኑ ካብ ትንሣኤ ሙታን ካብ ዘይኣምኑ ሰዱቃውያን ብምንባሩ ንስኻትኩም ትንሣኤ ክርስቶስ ርኢና ኢልኩም ክትምህሩ ‘ኣነ ግና ክብሉ ሰሚዐ እምበር ኣይረኣኹን’ ኢለ ድየ ክሰብኽ ብማለት “ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኣእዳዉ እንተ ዘይረኣኹ፡ ኣጻብዐይ ድማ ኣብቲ ዝተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ፡ ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ ኣይኣምንን እየ” በሎም። (ዮሓ. 20፡25)


በዚ ምኽንያት እዚ ጐይታ ካብ ዝትንሥእ ድኅሪ ሸሞንተ መዓልቲ ዳግማይ ኵሎም ከም ቀደሞም ኣብ ዕጽው ቤት ኸለዉ ተገሊጹ ‘ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን’ ኢሉ ደጊሙ ትንሣኤኡ ኣበሠሮም፡ ንቶማስ’ውን ጸዊዑ ‘ነቲ እተሸንከረ ኣእዳወይን ዝተወግአ ጐነይን ረኣ’ ብምባል እምነቱ ኣጽንዓሉ። ቶማስ'ውን ከምቲ ድሌቱ ነቲ ዝተሸንከረ ጐድኑ ዳኅሢሡ ብኣምላኽነቱ ኣሚኑ "ጐይታይን ኣምላኸይን" ብምባል መስከረ። ነዚ ደጊሙ ትንሣኤኡ ዘበሠረሉ ዕለት ድማ ‘ዳግማይ ትንሣኤ’ እናተባህለ ይጽዋዕ እዩ።


ስለዚ ሕዝበ ክርስቲያን ፡ ነዚ ብትንሣኤኡ ዝረኸብናዮ ተስፋ ድኅነት ክንሕጐስ ከሎና፡ ጐኒ ጐኒ’ውን ናብኡ ዘብጽሓና መከራ መስቀል እናዘከርናን እናኣስተንተንናን ከነብዕሎ ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ትንሣኤ ዝተረኽበ ዓወት ብዋጋ’ቲ ኣብ መስቀል ዝተገብረ ተበጃውነት ስለዝኾነ እዩ።


ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ፡ ድኅሪ በዓለ ትንሣኤ ዘለዉ 50 መዓልትታት “ወርኀ ትንሣኤ” ዝበሃሉ ወርኀ ፍሥሓን ሓጐስን ብፍጹም መንፈሳውነት ከነኽብር ሠሪዓትልና ኣላ። ብጐይታና “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” ዝተባህሉን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉን ሓዋርያት ንትንሣኤኡ ብትብዓት ከምዝመስከሩ (ዮሓ. 20፡21-22) ንሕና ድማ “ክርስቶስ ብኃይልን ሥልጣንን ተንሥአ፡ ንሰይጣን ኣሰሮ፡ ንኣዳም ናፃ ኣውፅኦ፡ ካብ ሕጂ ሰላምን ፍሥሓን ኮይኑ እዩ።” እናበልና ነገረ ትንሣኤኡ ክንእውጅ ይግባእ።




ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ


https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html


Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe


https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html


 ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y


https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==














ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Comments

ሚካኤል St.Michael

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና