ማዕዶት
ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን ፣ በዐቢይ ኃይል ወስልጣን፣ ኣሠሮ ለሰይጣን ፣ አግዐዞ ለአዳም፣ ሠላም፤ እምይዕዜሰ፣ ኮነ፣ ፍሥሐ ወሰላም ።
ማዕዶት
ማዕዶት
ኣብ ጽባሕ ትንሳኤ ዘላ ዕለተ ሰኑይ ማዕዶት ተባሂላ ትጽዋዕ ማዕዶት ማለት መሰጋገሪት( ምስጋር) ማለት ኢዩ፡ መን ካበይ ናበይ ሰጊሩ ንዝብል ሕቶ ድማ፡ እቲ ዘሰጋግር እቲ ብባህሪኡ ቅዱስ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኢዩ፡ እቲ ዘሳግሮ ዝጸበን ዝደልን ዝነበረ ሕጂ ግና ብኣምላኹ ዝሰገር ኣቦና ቅዱስ ኣዳም ምስ ኩሎም ደቁ ኢዩ።
ካበይ ናበይ ንዝብል ድማ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ገቢረ ሓጥያት ናብ ገቢረ ጽድቅ፡ካብ ጭንቀትን ሓዘንን፡ ናብ ሓጎስን ሰላምን፡ ካብ ሲኦል ናብ ገነት፡ ካብ ግዝኣት ዲያብሎስ ናብ ግዝኣት ኣምላኽ፡ካብ ባርያ ናብ ውልድነት ተሰጋገረ፡ እዚ ዝገበረ ኣምለኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ይኽበር ይመስገን ኣሜን።
ነዚ ኢዩ ቅዱስ ኤፍሬ ሶርያዊ፡ ፈቀደ እግዝእ ያግዕዞ ለኣዳም፡ ሕዙነ ወትኩዘ ልብ፡ወያግብኦ፡ሃበ ዘትካት መንበሩ፡ ሰኣሊ ለነ ቅድስት ዝበለ።(ውዳ/ዘሰ) ትርጉሙ ጎይታ ንኣዳም ሓዘኑን ትካዘ ልቡን ርእዩ፡ ናብ ናይ ቀደም መንበሩ(ክብሩ) ክምልሶ ፈቂዱ ይብል።
ጎይታ ብዕለተ ዓርቢ ንድያብሎስ ብኣውታረ ንፋስን ብእሳታዊ መቁሕ ሰንሰለትን ኣሲሩ፡ ብኣካለ ነፍስ ሲኦል ወሪዱ፡ ነተን ተስፋ ምጻቱ ዝጽበያ ዝነበራ ነፍሳት፡ ከምቲ ንሓዋርያት ኣብ ዕጹው ገዛ ከለዉ፡ሰላም ንዓኹም ይኹን፡ ዝበሎ፡ ዮሓ 20፥19-22፡ ንዕኦም ድማ ሰላም ሰበኸሎም። 1ይ ጴጥ 3፥19።
እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩ ጾር ዝኸበደኩም ናባይ ንዑ ኣነ ከዕርፈኩም፡ ማቴ 11፥28 ኢሉ፡ግን ነቲ ጥዑም ድምጹ፡ከይንሰምዕ፡ነቲ ግሩም መልኽዑ ከይንርኢ፡ሓጥያትና ዓገተና፡ ትኢሰ 59፡1-5 ናብ ዘለዎ ከይንበጽ ጾር ሓጥያትና ከቢዱና። ት/ኢሰ 53፥3-12።
ግን እግዚኣብሔር ፍቅሪ ኢዩ,ሞ ፍቅሩ ገለጸልና፡ 1ይ ዮሓንስ 4፥8 (4፥16)። ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ወረደ፡ ዮሓን 3፡13። ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ መዕርነት ኣይሓድግን ኢየ ኢሉ ከይተኸራኸረ፡ ባርያ፡ ምድራዊ፡ኮነ አረ ክሳብ ሞት ክሳብ መስቀል ተኣዘዘ ፡ ፍሊጵ 2፥1-8 ።ምርኮ ማሪኹ ከኣ ናብ ላዕሊ ደየበ፡ ኤፌ 4፥7-9 እዚ ዝገበረ ልዑል ኣምላኽና ይኽበር ይመስገን።
ሎሚ ጎይታ ነታ ዝጠፍአት በጊዑ ረኺቡ ሓንጊሩ ናብ ቤቱ፡ ዝወሰደላን፡ ንሱን ኣቤቱ ዘለዉን ኩሎም ጎረባብትን ዝተሓጎስላ፡ክብርቲ ዕለት ኣዳም ኣብ ሕብረት መላእክት ዝተጸንበረላ ኢያ። ሉቃስ 15፡1-7።
ሎሚ ማዕዶት ኢዩ፡ ካብሓጥያት ናብ ጽድቂ፡ ካብ ሲኦል ናብ ገነት፡ ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ዝተሰጋገርናሉ። እሞ ነዚ ዘለና ኣጽንዒና ንሓዞ። ሎሚ ናብ ሓጥያት ናብ ባርነት፡ናብ ሲኦል እንተተመለስና፡ ዳግም ስለ ሓጥያትና ዝስዋእ ኣካል የለን፡ እኳ ደኣ በንጻሩ ከም ኣይሁድ ዳግም፡ንጎይታ ምስቃልን ውዕለቱ ኮንቱ ምግባርን ኢዩ። እሞ ኣብ ፍቅሪ ኣምላኽ ክንጽንዕ ትዕግስቲ ካብ ሂወትና፡ስቅያት ጎይታ ካብ ገጽና ኣይንፍለ ኣሜን።
ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Comments
Post a Comment