ኢየሱስ በግዕ ዘቀራንዮ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ ኣምላክ ኣሜን።
ኢየሱስ በግዕ ዘቀራንዮ
« ኢየሱስ በግዕ ዘቀራንዮ »
ብዛዕባ ስሙ ጥራይ ዘይኮነስ:ንሱ መን ምዃኑን:እንታይ ገይሩን: እንታይ ረኺብዎን:በቲ ንዕኡ ዝረኸቦ‘ኸ ንሕና ክርስትያን እንታይ ረኺብና(ረቢሕና)?? ዝብልን ካልእን ንመንነት ክርስቶስ ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣብ ሕቁፊ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ኣሎ።ንሎሚ ድማ ነዚ ጽሑፍ ብሓንሳብ ኬና ክንካፈሎ ኢና።ብድሕሪ‘ዚ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ንክርስቶስ ትሰብኮ ድያ?? ዝብል ሕቶ ኣብ ሕልናና ኩልና ንመልስ ኢና።
ኢየሱስ ክርስቶስ ጥዑመ ስም ለዘይጼውዖ:ኢየሱስ ክርስቶስ ኅብስተ ሕይወት ለዘይበልዖ:ኢየሱስ ክርስቶስ ጽዋዐ መድኀኒት ለዘይጸምዖ(ለዘይሰትዮ):ኢየሱስ ክርስቶስ በግዐ መድኀኒት ለዘይሰውዖ:ከመ ይባሩኩነ ይፌኑ አርድኦ: ለጸባኢነ ይጽብዖ ወልታሁ ነሢኦ።
ብትግርኛ፦
(ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝጽውዖ ስሙ ምቁር(ጥዑም)ኢዩ: ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝበልዖ ናይ ሕይወት እንጀራ ኢዩ:ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝሰትዮ(ንዝጸምኦ)ናይ መድሃኒት ጽዋእ(መስተ) ኢዩ: ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝስውኦ ናይ ድሕነት በጊዕ ኢዩ: መታን ክባርኹና ንደቂ መዛሙርቱ(ሓዋርያቱ)ይልኣኽ: ዋልታኡ(ድርዑ)ኣልዒሉ ንዝጻብኣና ይጻብኣዮ)።
እዚ ቃል እዚ ኣብ ተአምረ_ኢየሱስ ዝበሃል መጽሓፍ ተጻሒፉ ዝርከብ ኮይኑ:ኣብ ናይ ንግሆ ጸሎተ(ጸሎተ ነግህ)ኩሉ ግዜ እዚ መጽሓፍ ቅድሚ ምንባቡ ይዝየም(ብዜማ ይበጽሕ)
ኣብዛ ኣቀዲምና ዝረኣናያ ብምስክርነት ዝተቐመጡ ነጥብታት ናይ_ኢየሱስ_ክርስቶስ_ስሙ_ጥዑም ምኻኑ:
ናይ ሕይወት_እንጀራ ምዃኑ
ናይ ድሕነት_መስተ ምዃኑ: መስዋእትነቱን:
ካብ ጸላኢና_ዲያብሎስ ንዓና ብስልጣኑ ከም ዝሕልወናን ኢዩ ዝገልጽ። ቀጺሉ ድማ ብዛዕባ ነገረ ሕማማቱን ካብ ጎድኑ ዝፈሰሰ ደሙ: ኣብታ ብ ቤተ መርዓ ዝተመሰለት ቅድስት ቤተ ክርስትያን ከም ዝወሃብ ከምዚ እናበለ የዝይም፦
ኢየሱስ ክርስቶስ ዘአጽዕልቲሁ ምስሌሁ:ወመስቀለ ሞቱ ቅድሜሁ:ዐዘቅተ ወይን ገቦሁ ቊርባነ አምልኮ ሥጋሁ:ያብአነ ቤተ መርዓሁ ውስተ ደብተራሁ:አመ ይትጋብኡ ለምሳሕ ስርግዋን ሐራሁ።
( ቁስሉ(ውርደቱ)ምስኡ ብሓንሳብ:
መከራ(ሕማማተ)መስቀሉ ቅድሚኡ ዝዝከር ኢየሱስ ክርስቶስ:
ጎድኑ ናይ ወይኒ ምንጪ:
ስግኡ ድማ ናይ ኣምልኾ መስዋዕቲ ዝኾነ:
ብቅድስና ልብስን መጸባበቕን ዝተሸለሙ ሰራዊትካ(ቅዱሳንካ)ንምሳሕ ኣብ ዝእከብሉ ግዜ:
ናብታ ቤት መርዓኡ ዝኾነት ድንኳን(ደብተራ) የእትወና።) ኢዩ ዝብል።
ስለዚ እምበኣር ደቂ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ምእመናን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቕሪ እንፈልጦ ብእዝንና ብዝሰማዕናዮ ጥራይ ዘይኮነስ: ኣብ መልዕልተ መስቀል ዝተቆርሰ ቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን ብጸጋኡ ተደጊፍና ምስኡ ክንዋሃድ ስለዝበቃዕና ኢና። ንሱ ምሳና ሕብረት ክህልዎ ስለዝፈቀደ: ንሕና ድማ ኣብ መኣዱ ክንሓብር ፍቃደኛታት ኢና። ቀጺሉ ድማ፦
ለጥብሐ ሥጋከ ንሴሰዮ ወለነቅዐ ደምከ ንረውዮ: ኢየሱስ_ክርስቶስ_በግዕ_ዘቀራንዮ:ለላሕየ ገጽከ ንትመነይ ከመ ንርአዮ ውስተ ስያሓ ሱራፊ ለስእለተነ ደዮ:ወበሕማመ ሞትከ አምላካዊ ለቊስልነ አጥዕዮ።
( ካብ‘ቲ ዝተሰውአ ስጋኻ በሊዕና:
ካብቲ ፈልፋሊ (ምንጪ)ደምካ ሰቲና ንረዊ:
ናይ ቀራንዮ በጊዕ ዝኾንካ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽባቀኻ (ንመልክዕኻ) ክንርኢ መታን ንምነ:
ኣብ ናይ ሱራፊ ጽዋእ ውሽጢ ንልማኖና ኣእትዎ (ደምሮ) በቲ ንሞት ዘብጽሕ ኣምላኻዊ ሕማምካን ሞትካን ንቁስልና ፈውስ (ኣጥዒ:ኣድሕን)
ኣብዚ ከም እነስተውዕሎ ድማ «ኢየሱስ ክርስቶስ ብልዕን ኣማናዊ መስተን ምዃኑ ብምምስካር: እቲ ሎሚ ንሕና ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስትያን እንበልዖን አወንሰትዮን ድማ ካልእ ዘይኮነስ እቲ ምእንቲ(ንስለ)ኩሉ ዓለም ኣብ ቀራንዮ ዝተሰውዐ በጊዕ ምዃኑ ብምምስካር: ነቲ ኣምላኻዊ መልክዕኻን መከራ መስቀልካን ብሰቂለ ሕልና ንርእዮን ምስኡ ሕብረት መታን ክህልወናን ብናትካ መከራ ድማ ቁስልና መታን ክንፍወስን ንቅዱስ ስጋኻን ክቡር ደምካን ብእምነት ንቅበሎ ኣሎና። ብምባል ብሓባር ኮይኖም የዚሙ።
ብድሕሪ‘ዚ ጎይታናን መድሓኒናን ካብ ዝገበሮም ተአምራት ሓንቲ ምስ ተነበበ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ብመላእኽትን ብደቂ ኣዳምን ኩሉ ዝተመስገነ: ናይ ነፍስን ናይ ስጋን ፈጣሪ ምዃኑ ንዓና ድማ ውሉድነት ከም ዝሃበናን መንግስቱ ዘይሓልፍ ዘለዓለማዊ ንጉስን: ናይ አብ ኣካላዊ ቃል ምዃኑን ከምዚ ብምባል የመስግኑ፦
ስብሐት ለከ ኢየሱስ በአፈ ኩሉ ውዱስ
(ብኣፍ ኩሉ ዝተመስገንካ ኢየሱስ ምስጋና ንዓኻ ይኹን)
ስብሐት ለከ ኢየሱስ ቀዳሴ ሥጋ ወነፍስ
(ስጋን ነፍስን ዝቀደስካ(ዘኽበርካ)ኢየሱስ ምስጋና ይግበአካ)
ስብሐት ለከ ኢየሱስ ለዕሩቃን ልብስ
(ንዝዓረቑ ልብሲ(ክዳን)ዝኾንካ ኢየሱስ ምስጋና ንዓኻ ይኹን)
ስብሐት ለከ ኢየሱስ ዘኢትሰዐር ንጉሥ
( ዘይትሰዓር(ዘይትሓልፍ)ንጉስ ኢየሱስ ምስጋና ንዓኻ ይኹን።
ስብሐት ለከ ኢየሱስ ቃለ አብ ቅዱስ
(ቅዱስ ናይ አብ ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይግበኣካ።
ነዚ ቃላት እዚ ብዘይካ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ገይራ በቲ ዝግብኦ ኣኽቢራን ዘኪራን ንኢየሱስ ክርስቶስ እተምልኽ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን እንተዘይኮይኑ ኣብ ካልእ ክርከብ ኢዩ ማለት ሕልሚ'ዩ ነቲ ቀዳስን ፈዋስን ዝኮነ ክቡር ስሙ ኣጉዲሎም ክጽሕፍዎን ክዝንጥልዎን ኢና ንርኢዘለና ኣብ ዘመና ።
እምበኣር ብዋዛን ፈዛዛን ዘይኮነ ስሙ ኣኽቢራ ኢያ ብቀይሕ ቀለም እትጽሕፎን እትጽውዖን እትሰብኮን። እሞ ነዛ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣይትፈልጦን ኢያ ወይ ድማ ኣይትሰብኮን ኢያ ኢልካ ምዝራብ ናይ ጥዕና ዝጎደሎም ሰባት ምልክት ኢዩ።
እግዚአብሔር ብምሕረቱ ጠሚቱ ናብ ልቦም ይምለሶም!
ንዓና ደቁ ድማ ካብ ሕቁፊ ኣምላኽናን ካብ ጽላል ቤተ ክርስትያናን ኣየርሕቀና ኣሜን።
ስብሐት ለከ ኢየሱስ ዘኢትሰዐር ንጉስ!
ስብሐት ለኪ ማርያም ውድስት በአርያም!
ስብሐት ለመስቀለ ክርስቶስ ዕፀ ፍቅር ወሰላም!
ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Comments
Post a Comment