ሮቡዕ_ኣልኣዛር
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!
ሮቡዕ_ኣልኣዛር
ረቡዕ፦ ኣልኣዛር ተባሂላ ትጽዋዕ(ዮሓ11፡ 38-46) ፈታዊ ክርስቶስ ዝነበረ ኣልኣዛር፡ኣርባዕተ መዓልቲ ድኅሪ ምማቱ ንምቕባሩን ካብ መቓብር ጸዊዑ ጐይታ ስለ ዘተንስኦን፡ ብዙኃን’ውን ነዚ ተኣምር ርእዮምን ሰሚዖምን ብጐይታ ስለ ዝኣመኑን፡ ኣብታ ዕለት ድማ ጐይታ “ትንሳኤን ሕይወትን ኣነ እየ; እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተሞተ እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩ” ብምባል ብግልጺ ስለ ዝመሃረን ስለዘርኣየን፡ እዚኣ መዓልቲ ነዚ ዓቢይ ግብሪ ትንሳኤ ንምዝካር ኣልኣዛር ተባሂላ ትጸዊዓ ኣላ።
ታሪክ ኣልኣዛር ብሰፊሕ
ኣልኣዛር ኣብ ቢታንያ ዝቕመጥ ዝነበረ፡ ሓዊ ማርታን ማርያም እታ ንጎይታ ቅዱይ ሽቱ ዝቐብኣቶን ብጸጉሪ ርእሳ ውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶን እዩ።ኣልኣዛር ምስ ሓመመ እተን ኣሓቱ ” ጎይታ እቲ እተፍቅሮስ እንሆ ሓሚሙ ኣሎ “ኢለን ናብ ጎይታ ሰብ ለኣኻ። ጎይታ ድማ ነዚ ሰሚዑ” እዚ ሕማም እዚ ንኽብሪ ኣምላኽ፥ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ክኸብር እዩ እምበር ንሞት ኣይኾነን” በለ። ምሕማሙ ሰሚዑ ኸሎ ከኣ ኣብታ ዝነበራ ቦታ ክልተ መዓልቲ ወዓለ። ድሕሪ እዚ ንደቀ መዛሙርቱ” ደጊም ንዑናይ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ፡ ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ እሞ ንኺድ” በሎም ንሳቶም ግና ናይ ትኻስ ድቃስ ስለ ዝመሰሎም ” ደቂሱ እንተኾይኑስ ሓንቲ ኣይከውንን እዩ በልዎ”። ሽዑ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብግህዶ “ኣልኣዛር ሞይቱ፡ ምእንቲ ክትኣምኑ ኣነ ኣብኡ ብዘይ ምንባረይ ብዛዕባኹም እሕጎስ ኣለኹ፡ ግናኸ ንዑናይ ናብኡ ንኺድ” በሎም እሞ ተተሓሒዞም ከዱ፡ ሽዑ ኣልኣዛር ካብ ዝቕበር ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ነበረ።
ማርታ ምምጻእ ኢየሱስ ሰሚዓ ክትቅበሎ ወጽአት፡ማርያም ግና ኣብ ቤታ ተቐሚጣ ነበረት፡ ሽዑ ማርታ ንኢየሱስ”ጎይታይ ኣብዚ ነይርካ እንተትኸውንሲ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ ሕጂ ውን እቲ ካብ ኣምላኽ እትልምኖ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዝህበካ እፈልጥ እየ” በለቶ። ኢየሱስ ድማ “ሓውኺ ክትንስእ እዩ” በላ። ማርታ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ከም ዝትንስእስ እፈልጥ እየ” በለቶ። ኢየሱስ ከኣ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ እቲ ብኣይ ዝኣምንሲ እንተሞተ እኳ ብህይወት ክነብር እዩ እቲ ብኣይ ዝኣምን ህያው ዘበለ ኩሉ ንዘለኣለም ኣይክመውትን እዩ፡ እዚ ዶ ትኣምኒ ኢኺ፧”በላ ንሳ ድማ “እወ ጎይታይ፡ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዝመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ከምዝኾንካ እኣምን እየ” በለቶ፡ ናብ ማርያም ሓብታ ትመሊሳ ውን ጎይታ ከም ዝመጽአ ሓበረታ ንሳ ውን ናብቲ ቦታ ከደት፡ እቶም ከጸናንዕዋ ዝመጽኡ ኣይሁድ ውን ማርያም ክትበኪ ናብ መቓብር ኣልኣዛር ትኸይድ ዘላ መሲልዎም ሰዓብዋ። ማርያም ናብታ ጎይታ ዝነበራ ምስ በጽሐት ኣብ እግሩ ተደፍዲኣ” ጎይታይ፡ ኣብዚ እንተትነብርሲ ግዲ ሓወይ ኣይምስሞተን ነይሩ” በለቶ፣ ሽዑ ጎይታ ንሳን እቶም ኣሰነይታን ክበክዩ ርእዩ ብመንፈስ ተኪዙ እናሕነቕነቐ ” ኣበይ ቀቢርክምዎ” በለ። “ጎይታ ኣበይ ቀቢርኩምዎ” ዝበለ ቅድሚ ተዋህዶ ኣምላኻዊ ፍልጠት ዘይነበሮ ባሕርየ ሰብ ከም ዝተዋህደ ከረድእ ኢሉ እዩ፡ ነቲ ሕቡእ ዘይፈልጥ ዝነበረ ባሕርይ ሰብነቱ ምኽንያት ክህብ ኢሉ እዩ እንበር ሕቡእ ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይኮነን፡ ከምዝበለ ቅዱስ ቄርሎስ(ሃይ. ኣበው 75፡3)።
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብቲ መቓብር ምስ ከደ ” ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ” በሎም፡ ማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ድማ ” ጎይታይ ራብዕቲ ስለ ዝገበረ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ” በለቶ፡ ኢየሱስ ከኣ “እንተ ትኣምንስ ክብሪ ኣምላኽ ክትርኢ ኢኺ ዶ ኣይበልኩኽን” በላ፡ ስለዚ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ ኢየሱስ ድማ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ “ኣቦ፥ ስለ ዝሰማዕካኒ አመስግነካ ኣለኹ፡ እዞም ኣብ ዙርያይ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ክኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር ኣነስ ኩሉ ሳዕ ከም እትሰምዓኒ እፈልጥ እየ”በለ፡ እዚ ምስ በለ ዓው ኢሉ ብዓቢ ድምጺ “ኣልኣዛር ንዓ ናብ ግዳም ውጻእ” በለ እቲ ምዉት ብግኑዙ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእሱሩ ገጹ’ውን ብዓለባ ተጎንጒኑ ከሎ ወጸ፡ ኢየሱስ ድማ ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም(ዮሓ11፡1-መፈ)።
ብድሕሪ እዚ ኣልኣዛር ፡ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ንሓዋርያት ክሰደሎም ከሎ ምስኣቶም ኮይኑ መንፈስ ቅዱስ ተቐበለ፡ ሓዋርያት ድማ ብኣንብሮተ ኢድ ኤጲስቆጶስ ሸይሞም ናብ ቆጵሮስ ሰደድዎ፡ ኣብኡ ብዙሓት ምእመናን ኣፍርዩ ድማ ብጽቡቕ ይጓስዮም ነበረ፡ ኣብ ሽመቱ ኣርብዓ(40) ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ብሰላም ዓረፈ።
ንዝቅጽል ንምክትታል ኣብዚ Follow,Like ግበሩ
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
Please to grow our pages share, like, Follow and subscribe
https://sonstmichael.blogspot.com/2022/09/blog-post_8.html
ሳብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ንኩን ኩልና https://youtu.be/FIkzATbCA5Y
https://instagram.com/son_st_michael?igshid=ZDc4ODBmNjlmNQ==
ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!


Comments
Post a Comment