ቤተ-ክርስትያን
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!
ቤተ-ክርስትያን
"ዓርቢ ቤተ-ክርስትያን ተባሂላ ትጽዋዕ"
ስለዚ ንርእስኹም ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተክርስትያን ጎይታን ክትጋስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶስ ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኩሉ መጓሰ ሓልዉ) (ግብ 20፥28) ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገት ቤተክርስትያን ዓባይ መዘከርታ ብምዃና ኣብ ሰሙነ ትንሳኤ ዘላ ዓርቢ ቤተክርስትያን ተባሂላ ትጽዋዕ፡ ቤተክርስትያን ማእከል ስብከት ሰቅለት ትንሳኤ ኣካል ክርስቶስ ቤተ እግዚኣብሔር ምዃና እዩ፡ ቤተክርስትያን ብዕለት ዓርቢ ካብ ጉኒ ጎይታ ኢየሱስ ተረኺባ ብማይ ደሙን ከኣ ኣንጽሓ። ``ዘበእንቲኣሀ ለቤተክርስቲያን ተጸፋእከ በዉስተ ኣዉድ ከመ ትቀድሳ በደምከ ክቡር መዋቅኅት ጾረ ወተአገሠ ምራቀ ርኩሰ እንዘኣልቦ ዘኣበሰ ኣምላክ በዲበ ዕጸ መስቀል ተሰቅለ ´´ ከም ዝብል።
እዚ ድማ ቤተክርስትያን ዝብል ቃል ብሰለስት ትርጉም ማለት 1) ህንጻ 2)ማሕበረ ምእመናን 3) ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቤተክርስትያን ይበሃል ክርስቶስ ድማ ድሕነት ብደሙ ከም ዝሃበና ዝገልጽ ምስጢር እዩ፡፡

Comments
Post a Comment